3 ጸሎፍሓድ+ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልዓድ፡ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ ግና፡ ኣዋልድ ጥራይ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን፣ ስማት ኣዋልዱ ኸኣ እዚ እዩ፦ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ። 4 ንሳተን ድማ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን+ ኣብ ቅድሚ እያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ እቶም ሹማምንትን ቀሪበን፡ “የሆዋ ንሙሴ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋትና ርስቲ ኺህበና ኣዚዝዎ እዩ” በላ።+ ከምቲ ትእዛዝ የሆዋ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን።+