ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 13:14, 15
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 14 ሎጥ ካብኡ ምስ ተፈልየ ድማ፡ የሆዋ ንኣብራም፡ “በጃኻ ኣዒንትኻ ኣልዕል እሞ፡ ካብዛ ዘለኻያ ቦታ ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብ ምዕራብን ጠምት፣ 15 ከመይሲ፡ እዛ እትርእያ ዘለኻ ዅላ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ንሓዋሩ ርስቲ ገይረ ኽህበካ እየ።+

  • ዘዳግም 3:27
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 27 ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኣይክትሳገሮን ኢኻ እሞ፡ ናብ ርእሲ ጲስጋ ደዪብካ፡+ ናብ ምዕራብን ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ኣቢልካ ብኣዒንትኻ ነታ ምድሪ ርኣያ።+

  • ዘዳግም 32:52
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 52 ነታ ንህዝቢ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲኻ ኽትርእያ ኢኻ፡ ናብኣ ግና ኣይክትኣቱን ኢኻ።”+

  • ዘዳግም 34:1
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 34 ሙሴ ድማ ካብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ ናብ ከረን ኔቦ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ+ ርእሲ ጲስጋ ደየበ።+ የሆዋ ኸኣ ኵላ እታ ምድሪ፡ ካብ ጊልዓድ ክሳብ ዳን ኣርኣዮ፣+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ