-
ዘዳግም 1:26-28መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
26 ንስኻትኩም ግና ምድያብ ኣበኹም፣ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ዓሎኹም።+ 27 ኣብ ድንኳናትኩም ኴንኩም ከምዚ ኢልኩም ተዕዘምዝሙ ነበርኩም፦ ‘የሆዋ ስለ ዝጸልኣና፡ ምእንቲ ኼጥፍኡና ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ኺህበና ኢሉ እዩ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና። 28 ናበይ እሞ ኢና ኽንድይብ፧ ኣሕዋትና፡ “ንሳቶም ካባና ዚዓብዩን ዚነውሑን ህዝቢ እዮም፣ ከተማታቶም ከኣ ዓበይትን ክሳብ ሰማያት እተዓርዳን* እየን፣+ ደቂ ዓናቂም+ እውን ኣብኡ ርኢና” ኢሎም ንልብና ኣምኪኾምዎ።’+
-