ዘጸኣት 17:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ሙሴ ድማ ንእያሱ፡+ “ሰብኡት ሕረየልና እሞ፡ ወጺእካ ምስ ኣማሌቃውያን ተዋጋእ። ጽባሕ፡ በትሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ሒዘ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደው ክብል እየ” በሎ። ዘጸኣት 24:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 ሙሴን ጊልያኡ እያሱን ከኣ ተንስኡ፣+ ሙሴ ድማ ናብ ከረን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደየበ።+ ዘጸኣት 33:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ከምቲ ሰብ ምስ ብጻዩ ዚዛረብ፡ የሆዋ ንሙሴ ገጽ ንገጽ ይዛረቦ ነበረ።+ ንሱ ናብ ሰፈር ምስ ተመልሰ፡ እቲ ኣገልጋሊኡን ጊልያኡን+ ዝነበረ እያሱ+ ወዲ ነዌ ኻብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ። ዘሁልቍ 27:18-20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንእያሱ ወዲ ነዌ፡ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ፡ ውሰዶ እሞ፡ ኢድካ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር።+ 19 ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ኣኼባን ድማ ደው ኣብሎ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከኣ መዝዞ።+ 20 ኵሉ ኣኼባ እስራኤላውያን ምእንቲ ኺሰምዖ፡+ ገለ ኻብ ስልጣንካ* ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር።+ ዘዳግም 31:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ቀቅድሜኻ ዚሳገር የሆዋ ኣምላኽካ እዩ፣ ነዞም ኣህዛብ እዚኦም ካብ ቅድሜኻ ዜጥፍኦም እውን ንሱ እዩ፣ ንስኻ ድማ ክትሰጕጎም ኢኻ።+ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ መሪሑ ዜሳግረካ እያሱ እዩ።+
9 ሙሴ ድማ ንእያሱ፡+ “ሰብኡት ሕረየልና እሞ፡ ወጺእካ ምስ ኣማሌቃውያን ተዋጋእ። ጽባሕ፡ በትሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ሒዘ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደው ክብል እየ” በሎ።
11 ከምቲ ሰብ ምስ ብጻዩ ዚዛረብ፡ የሆዋ ንሙሴ ገጽ ንገጽ ይዛረቦ ነበረ።+ ንሱ ናብ ሰፈር ምስ ተመልሰ፡ እቲ ኣገልጋሊኡን ጊልያኡን+ ዝነበረ እያሱ+ ወዲ ነዌ ኻብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።
18 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንእያሱ ወዲ ነዌ፡ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ፡ ውሰዶ እሞ፡ ኢድካ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር።+ 19 ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ኣኼባን ድማ ደው ኣብሎ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከኣ መዝዞ።+ 20 ኵሉ ኣኼባ እስራኤላውያን ምእንቲ ኺሰምዖ፡+ ገለ ኻብ ስልጣንካ* ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር።+
3 ቀቅድሜኻ ዚሳገር የሆዋ ኣምላኽካ እዩ፣ ነዞም ኣህዛብ እዚኦም ካብ ቅድሜኻ ዜጥፍኦም እውን ንሱ እዩ፣ ንስኻ ድማ ክትሰጕጎም ኢኻ።+ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ መሪሑ ዜሳግረካ እያሱ እዩ።+