ዘሁልቍ 11:28 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 28 ሽዑ፡ እቲ ኻብ ንእስነቱ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ እያሱ+ ወዲ ነዌ፡ “ጐይታይ ሙሴ፡ ከልክሎም!”+ ኢሉ መለሰ። ዘሁልቍ 13:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ስማት እቶም ነታ ምድሪ ኺስልይዋ ሙሴ ዝለኣኾም ሰባት እዚ እዩ። ሙሴ ድማ ንሆሼዓ ወዲ ነዌ፡ እያሱ*+ ኢሉ ስም ኣውጽኣሉ። ዘሁልቍ 14:30 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 30 ብዘይካ ካሌብ ወዲ የፉነን እያሱ ወዲ ነዌን፡+ ናብታ ኣብኣ ኸንብረኩም ኢለ ዝመሓልኩላ* ምድሪ ኣይክትኣትዉን ኢኹም።+ ዘሁልቍ 34:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 “ስማት እቶም ነታ ምድሪ ኽትርስተይዋ ዚመቕሉኹም ሰባት እዚ እዩ፦ ካህን ኣልኣዛርን+ እያሱ+ ወዲ ነዌን።