ዘሌዋውያን 21:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንኻህናት፡ ነቶም ደቂ ኣሮን፡ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሓደ እኳ ኻብ ህዝቡ ብምዉት ሰብ* ኣይርከስ።+ ዘሌዋውያን 21:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ናብ ዝዀነ ምዉት ሰብ* ኣይቕረብ።+ ብኣቦኡ ወይ ብኣዲኡ እውን ኣይርከስ። ዘሁልቍ 5:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 “ንዅሉ ድዉይን+ ንዅሉ ፈሳሲ ዚክዓዎን+ ንዅሉ ብምዉት ሰብ* ዝረኸሰን+ ካብ ሰፈር ኬውጽኡ ንእስራኤላውያን ኣዝዞም። ዘሁልቍ 6:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ሰብ ኣብ ጥቓኡ ብሃንደበት እንተ ሞይቱ+ እሞ፡ ነቲ ንኣምላኽ ከም እተፈልየ ዜመልክት ጸጕሩ እንተ ኣርኪሱ* ግና፡ በታ ዚነጽሃላ መዓልቲ ርእሱ ይላጺ።+ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ይላጽዮ። ዘሁልቍ 9:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ሬሳ ብምትንካዮም* ዝረኸሱ ሰባት ድማ፡+ በታ መዓልቲ እቲኣ መስዋእቲ ፋስጋ ኼዳልዉ ኣይከኣሉን። እቶም ሰባት እቲኦም ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣሮንን ቀሪቦም፡+ ዘሁልቍ 31:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ስፈሩ። ሰብ* ዝቐተለ ዘበለን እተቐትለ ዝተንከየ ዘበለን ከኣ፡+ ንስኻትኩምን ምሩኻትኩምን፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልትን ኣብ ሻውዐይቲ መዓልትን ገዛእ ርእስኹም ኣንጽሁ።+
9 ሰብ ኣብ ጥቓኡ ብሃንደበት እንተ ሞይቱ+ እሞ፡ ነቲ ንኣምላኽ ከም እተፈልየ ዜመልክት ጸጕሩ እንተ ኣርኪሱ* ግና፡ በታ ዚነጽሃላ መዓልቲ ርእሱ ይላጺ።+ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ይላጽዮ።
6 ሬሳ ብምትንካዮም* ዝረኸሱ ሰባት ድማ፡+ በታ መዓልቲ እቲኣ መስዋእቲ ፋስጋ ኼዳልዉ ኣይከኣሉን። እቶም ሰባት እቲኦም ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣሮንን ቀሪቦም፡+
19 ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ስፈሩ። ሰብ* ዝቐተለ ዘበለን እተቐትለ ዝተንከየ ዘበለን ከኣ፡+ ንስኻትኩምን ምሩኻትኩምን፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልትን ኣብ ሻውዐይቲ መዓልትን ገዛእ ርእስኹም ኣንጽሁ።+