ዘሁልቍ 19:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 ሓደ ንጹህ ሰብ+ ድማ ሃዛብ+ ይውሰድ እሞ፡ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኣቕሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን* ኣብ ልዕሊ እቲ ዓጽሚ ወይ ቅቱል ወይ ሬሳ ወይ መቓብር ዝተንከየን ይንጸግ። እብራውያን 9:9, 10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 እዛ ድንኳን እዚኣ ነዚ እዋን እዚ ምሳሌ እያ፣+ ከምቲ ስርዓት እቲ ጌርካ ኸኣ መባእን መስዋእትን ይቐርብ እዩ።+ እዚ ግና ንሕልና እቲ ዜገልግል* ፍጹም ኪገብሮ ኣይክእልን እዩ።+ 10 ምስ ብልዕን መስተን እተፈላለየ ስርዓት ምሕጻብን*+ ጥራይ እዩ ዚተሓሓዝ። ምዱብ ግዜ ምቕናዕ ክሳዕ ዚኣክል እተነብረ ስጋዊ ስርዓት እዩ።+ እብራውያን 9:13, 14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 ደም ድቤላታትን ኣብዑርን+ ሓምዅሽቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምንጻህ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ፡+ 14 ደም እቲ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብዘይ ኣበር ንኣምላኽ ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፡+ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምግልጋል*+ ክንደይ ኣዝዩ ንሕልናና ኻብ ምዉት ግብርታት ዘየንጽሆ፧+
18 ሓደ ንጹህ ሰብ+ ድማ ሃዛብ+ ይውሰድ እሞ፡ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኣቕሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን* ኣብ ልዕሊ እቲ ዓጽሚ ወይ ቅቱል ወይ ሬሳ ወይ መቓብር ዝተንከየን ይንጸግ።
9 እዛ ድንኳን እዚኣ ነዚ እዋን እዚ ምሳሌ እያ፣+ ከምቲ ስርዓት እቲ ጌርካ ኸኣ መባእን መስዋእትን ይቐርብ እዩ።+ እዚ ግና ንሕልና እቲ ዜገልግል* ፍጹም ኪገብሮ ኣይክእልን እዩ።+ 10 ምስ ብልዕን መስተን እተፈላለየ ስርዓት ምሕጻብን*+ ጥራይ እዩ ዚተሓሓዝ። ምዱብ ግዜ ምቕናዕ ክሳዕ ዚኣክል እተነብረ ስጋዊ ስርዓት እዩ።+
13 ደም ድቤላታትን ኣብዑርን+ ሓምዅሽቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምንጻህ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ፡+ 14 ደም እቲ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብዘይ ኣበር ንኣምላኽ ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፡+ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምግልጋል*+ ክንደይ ኣዝዩ ንሕልናና ኻብ ምዉት ግብርታት ዘየንጽሆ፧+