ናሆም 1:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 የሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደልን+ ሕነ ዚፈድን ኣምላኽ እዩ፣የሆዋ ሕነ ዚፈድን ነድሩ ንምግላጽ ድሉውን እዩ።+ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ተጻረርቱ ሕነ ይፈዲ፡ንጸላእቱ ኸኣ ነድሩ ይዓቝረሎም። ሮሜ 12:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ፍቑራተየ፡ “‘ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡’ ይብል የሆዋ”* ጽሑፍ እዩ እሞ፡+ ነቲ ቝጥዓስ* ቦታ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።+ እብራውያን 10:30 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 30 ነቲ፡ “ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡” ደጊሙ ኸኣ፡ “የሆዋ* ንህዝቡ ኺፈርዶ እዩ” ዝበለስ ንፈልጦ ኢና።+
2 የሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደልን+ ሕነ ዚፈድን ኣምላኽ እዩ፣የሆዋ ሕነ ዚፈድን ነድሩ ንምግላጽ ድሉውን እዩ።+ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ተጻረርቱ ሕነ ይፈዲ፡ንጸላእቱ ኸኣ ነድሩ ይዓቝረሎም።