43 ትእምርትታቱ ኣብ ግብጺ፡+
ተኣምራቱ ኸኣ ኣብ ዞባ ጾዓን ከም ዝገበረ፡
44 ካብ ወሓይዞም ከይሰትዩስ፡
ንመትረባት ኒል ናብ ደም ከም ዝለወጦ ኣይዘከሩን።+
45 ኪበልዕዎም ዕስለታት ጽንጽያ ኸልቢ፡+
ኬጥፍኣኦም ድማ ቍርዖብ ሰደደሎም።+
46 እኽሎም ንበላዒ ኣንበጣ፡
ፍረ ጻዕሮም ከኣ ንዕስለ ኣንበጣ ሃቦ።+
47 ንተኽሊ ወይኖም ብበረድ፡+
ንኣእዋም ሳግላኦም ድማ ብኣእማን በረድ ኣጥፍአ።
48 መጽዓኛኦም ንበረድ፡+
ማሎም ከኣ ንበርቂ ኣሕሊፉ ሃበን።
49 ዚነድድ ኵራኡን
ነድርን ቍጥዓን ጭንቅን
መዓት ዜምጽኡ ጭፍራ መላእኽትን ኣውረደሎም።
50 ንቝጥዓኡ መገዲ ጸረገሉ።
ካብ ሞት ኣይነሓፎምን፣
ንለበዳ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም።
51 ንዅሎም በዅሪ ግብጺ፡
ነቶም መጀመርታ ስብእነቶም ኣብ ድንኳናት ካም ቀተሎም።+