ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘዳግም 26:8
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 8 የሆዋ ኸኣ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን+ ብዜሸብር ግብርታትን ብትእምርትታትን ብተኣምራትን+ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና።

  • መዝሙር 78:43-51
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 43 ትእምርትታቱ ኣብ ግብጺ፡+

      ተኣምራቱ ኸኣ ኣብ ዞባ ጾዓን ከም ዝገበረ፡

      44 ካብ ወሓይዞም ከይሰትዩስ፡

      ንመትረባት ኒል ናብ ደም ከም ዝለወጦ ኣይዘከሩን።+

      45 ኪበልዕዎም ዕስለታት ጽንጽያ ኸልቢ፡+

      ኬጥፍኣኦም ድማ ቍርዖብ ሰደደሎም።+

      46 እኽሎም ንበላዒ ኣንበጣ፡

      ፍረ ጻዕሮም ከኣ ንዕስለ ኣንበጣ ሃቦ።+

      47 ንተኽሊ ወይኖም ብበረድ፡+

      ንኣእዋም ሳግላኦም ድማ ብኣእማን በረድ ኣጥፍአ።

      48 መጽዓኛኦም ንበረድ፡+

      ማሎም ከኣ ንበርቂ* ኣሕሊፉ ሃበን።

      49 ዚነድድ ኵራኡን

      ነድርን ቍጥዓን ጭንቅን

      መዓት ዜምጽኡ ጭፍራ መላእኽትን ኣውረደሎም።

      50 ንቝጥዓኡ መገዲ ጸረገሉ።

      ካብ ሞት ኣይነሓፎምን፣*

      ንለበዳ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም።*

      51 ንዅሎም በዅሪ ግብጺ፡

      ነቶም መጀመርታ ስብእነቶም ኣብ ድንኳናት ካም ቀተሎም።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ