ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 7:16, 17
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 16 ቤትካን መንግስትኻን ድማ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ኺጸንዓ እየን፣ ዝፋንካ እውን ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።”’”+

      17 ናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኵሉ እዚ ቓላት እዝን ብምሉኡ እዚ ራእይ እዝን ነገሮ።+

  • መዝሙር 72:17
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 17 ስሙ ንዘለኣለም ይንበር፣+

      ጸሓይ ክሳዕ ዘላ ድማ ይግነን።

      ሰባት ብእኡ በረኸት ይርከቡ፣*+

      ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ሕጉስ ይበልዎ።

  • ኢሳይያስ 11:1
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 11 ካብ ጕርማጽ እሴይ፡+ ውልዶ ኺበቍል፡+

      ካብ ሱሩ ዝወጸ ብቋል+ ድማ ፍረ ኼፍሪ እዩ።

  • ኤርምያስ 23:5
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 5 “እንሆ፡ ንዳዊት ጻድቕ ብቋል*+ ዘተንስኣሉ መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡” ይብል የሆዋ። “ንጉስ ድማ ኪነግስ፡+ ኣብታ ምድሪ ኸኣ ልቦና ኺገብር፡ ፍትሕን ጽድቅን እውን ኬውጽእ እዩ።+

  • ዮሃንስ 12:34
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 34 ሽዑ፡ እቶም ህዝቢ፡ “ንሕናስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ ኻብ ሕጊ ሰሚዕና ኔርና።+ ከመይ ኢልካ ደኣ ኢኻ፡ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ እትብል ዘለኻ፧+ እዚ ወዲ ሰብ እዚኸ መን እዩ፧” ኢሎም መለሱሉ።

  • ራእይ 22:16
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 16 “‘ኣነ የሱስ፡ ምእንቲ እተን ጉባኤታት ነዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ እየ። ኣነ ሱርን ዘርእን ዳዊት፡+ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ።’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ