ኢሳይያስ 11:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ንትሑታት ብፍትሒ* ኺፈርድ፡ምእንቲ ዓቃላት* ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺገንሕ እዩ። ንምድሪ ብሻቦጥ ኣፉ ኺወቕዓ፡+ንእኩይ ድማ ብትንፋስ* ከናፍሩ ኪቐትሎ እዩ።+ ኤርምያስ 33:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ‘በተን መዓልትታት እቲአንን በቲ ግዜ እትን፡ ንዳዊት ጻድቕ ብቋል* ከብቍለሉ እየ፣+ ንሱ እውን ኣብታ ምድሪ ፍትሕን ጽድቅን ኪገብር እዩ።+ እብራውያን 1:8, 9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ብዛዕባ ወዱ ግና ከምዚ ይብል፦ “ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ዝፋንካ እዩ፣+ ዘንጊ መንግስትኻ እውን ዘንጊ ቕንዕና* እያ። 9 ጽድቂ ፈቲኻ፡ ጥሕሰት ሕጊ ኸኣ ጸሊእካ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ፡ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ፍስሃ ቐቢኡካ።”+
8 ብዛዕባ ወዱ ግና ከምዚ ይብል፦ “ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ዝፋንካ እዩ፣+ ዘንጊ መንግስትኻ እውን ዘንጊ ቕንዕና* እያ። 9 ጽድቂ ፈቲኻ፡ ጥሕሰት ሕጊ ኸኣ ጸሊእካ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ፡ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ፍስሃ ቐቢኡካ።”+