ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ዜና መዋእል 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ኵሎም እስራኤላውያን ንዳዊት ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ (1-3)

      • ዳዊት ንጽዮን ሓዛ (4-9)

      • ጀጋኑ ዳዊት (10-47)

1 ዜና መዋእል 11:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 13:22፣ 2ሳሙ 2:1፣ 5:5፣ 1ዜና 12:23
  • +2ሳሙ 5:1, 2

1 ዜና መዋእል 11:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንእስራኤል እተውጽእን እተእቱን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:6, 13
  • +2ሳሙ 6:21፣ 7:8, 9፣ መዝ 78:70, 71

1 ዜና መዋእል 11:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:27, 28
  • +1ሳሙ 16:13፣ 2ሳሙ 2:4፣ 5:3

1 ዜና መዋእል 11:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 15:63፣ መሳ 1:21፣ 19:10
  • +ዘፍ 10:15, 16፣ 15:18, 21፣ ዘጸ 3:17

1 ዜና መዋእል 11:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:6-10
  • +1ነገ 8:1፣ መዝ 2:6፣ 48:2
  • +1ነገ 2:10

1 ዜና መዋእል 11:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ርእስን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:18

1 ዜና መዋእል 11:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሚሎ።” “ምላእ” ዝትርጉሙ ቓል እብራይስጢ።

1 ዜና መዋእል 11:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:1

1 ዜና መዋእል 11:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 16:12, 13

1 ዜና መዋእል 11:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 27:1, 2
  • +2ሳሙ 23:8
  • +እያ 23:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2005፡ ገጽ 10

1 ዜና መዋእል 11:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 23:9, 10, 15-17
  • +1ዜና 8:1, 4

1 ዜና መዋእል 11:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 17:1

1 ዜና መዋእል 11:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ድሕነት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 18:50

1 ዜና መዋእል 11:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 22:1
  • +እያ 15:8, 12፣ 2ሳሙ 23:13-17

1 ዜና መዋእል 11:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 20:6

1 ዜና መዋእል 11:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2012፡ ገጽ 6

1 ዜና መዋእል 11:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሶም።”

  • *

    ወይ፡ “ነፍሶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 9:4፣ ዘሌ 17:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2012፡ ገጽ 6

1 ዜና መዋእል 11:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 26:6፣ 2ሳሙ 2:18፣ 18:2
  • +2ሳሙ 3:30
  • +2ሳሙ 23:18, 19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2005፡ ገጽ 10

1 ዜና መዋእል 11:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2005፡ ገጽ 10

1 ዜና መዋእል 11:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ወዲ ሓደ ሓያል ሰብኣይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 4:4፣ 1ዜና 27:1, 5
  • +እያ 15:21
  • +መሳ 14:5, 6፣ 1ሳሙ 17:36, 37፣ 2ሳሙ 23:20-23

1 ዜና መዋእል 11:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቍመቱ ኣስታት 2.23 ሜ. ነበረ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 17:4
  • +1ሳሙ 17:7
  • +1ሳሙ 17:51

1 ዜና መዋእል 11:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 11:19

1 ዜና መዋእል 11:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:18, 23፣ 1ዜና 27:1, 7
  • +2ሳሙ 23:24-39

1 ዜና መዋእል 11:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 27:1, 9
  • +1ዜና 27:1, 12

1 ዜና መዋእል 11:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 21:18፣ 1ዜና 27:1, 11

1 ዜና መዋእል 11:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 27:1, 13
  • +1ዜና 27:1, 15

1 ዜና መዋእል 11:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:15፣ 1ዜና 12:1, 2

1 ዜና መዋእል 11:32

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 24:30

1 ዜና መዋእል 11:41

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 11:3, 17፣ 12:9፣ 1ነገ 15:5

ሓፈሻዊ

1 ዜና 11:1ዘሁ 13:22፣ 2ሳሙ 2:1፣ 5:5፣ 1ዜና 12:23
1 ዜና 11:12ሳሙ 5:1, 2
1 ዜና 11:21ሳሙ 18:6, 13
1 ዜና 11:22ሳሙ 6:21፣ 7:8, 9፣ መዝ 78:70, 71
1 ዜና 11:31ሳሙ 15:27, 28
1 ዜና 11:31ሳሙ 16:13፣ 2ሳሙ 2:4፣ 5:3
1 ዜና 11:4እያ 15:63፣ መሳ 1:21፣ 19:10
1 ዜና 11:4ዘፍ 10:15, 16፣ 15:18, 21፣ ዘጸ 3:17
1 ዜና 11:52ሳሙ 5:6-10
1 ዜና 11:51ነገ 8:1፣ መዝ 2:6፣ 48:2
1 ዜና 11:51ነገ 2:10
1 ዜና 11:62ሳሙ 2:18
1 ዜና 11:92ሳሙ 3:1
1 ዜና 11:101ሳሙ 16:12, 13
1 ዜና 11:111ዜና 27:1, 2
1 ዜና 11:112ሳሙ 23:8
1 ዜና 11:11እያ 23:10
1 ዜና 11:122ሳሙ 23:9, 10, 15-17
1 ዜና 11:121ዜና 8:1, 4
1 ዜና 11:131ሳሙ 17:1
1 ዜና 11:14መዝ 18:50
1 ዜና 11:151ሳሙ 22:1
1 ዜና 11:15እያ 15:8, 12፣ 2ሳሙ 23:13-17
1 ዜና 11:171ሳሙ 20:6
1 ዜና 11:19ዘፍ 9:4፣ ዘሌ 17:10
1 ዜና 11:201ሳሙ 26:6፣ 2ሳሙ 2:18፣ 18:2
1 ዜና 11:202ሳሙ 3:30
1 ዜና 11:202ሳሙ 23:18, 19
1 ዜና 11:221ነገ 4:4፣ 1ዜና 27:1, 5
1 ዜና 11:22እያ 15:21
1 ዜና 11:22መሳ 14:5, 6፣ 1ሳሙ 17:36, 37፣ 2ሳሙ 23:20-23
1 ዜና 11:231ሳሙ 17:4
1 ዜና 11:231ሳሙ 17:7
1 ዜና 11:231ሳሙ 17:51
1 ዜና 11:251ዜና 11:19
1 ዜና 11:262ሳሙ 2:18, 23፣ 1ዜና 27:1, 7
1 ዜና 11:262ሳሙ 23:24-39
1 ዜና 11:281ዜና 27:1, 9
1 ዜና 11:281ዜና 27:1, 12
1 ዜና 11:292ሳሙ 21:18፣ 1ዜና 27:1, 11
1 ዜና 11:301ዜና 27:1, 13
1 ዜና 11:301ዜና 27:1, 15
1 ዜና 11:31መሳ 20:15፣ 1ዜና 12:1, 2
1 ዜና 11:32እያ 24:30
1 ዜና 11:412ሳሙ 11:3, 17፣ 12:9፣ 1ነገ 15:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
  • 45
  • 46
  • 47
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ዜና መዋእል 11:1-47

1 ዜና መዋእል

11 ኵሎም እስራኤላውያን ድማ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን ተኣኪቦም፡+ “እንሆ፡ ንሕና ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና።+ 2 ኣቐዲሙ፡ ሳኦል ነጊሱ ኸሎ፡ ንስኻ ንእስራኤል ኣብ ወፈራታቱ ትመርሖ* ኔርካ።+ የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ንዓኻ፡ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፣ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ኢሉካ እዩ” በልዎ።+ 3 ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መጹ፣ ዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ። ከምቲ ብሳሙኤል እተነግረ ቓል የሆዋ ኸኣ፡+ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ።+

4 ዳዊትን ኵሎም እስራኤልን ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ንሳ ይቡስ፡+ ከዱ፣ ኣብታ ምድሪ ኸኣ ይቡሳውያን+ ይነብሩ ነበሩ። 5 ነበርቲ ይቡስ ድማ ንዳዊት፡ “ናብዚ ኸቶ ኣይክትኣቱን ኢኻ!” ኢሎም ኣባጨዉሉ።+ ዳዊት ግና ንዕርዲ ጽዮን፡+ ንሳ ሕጂ ኸተማ ዳዊት፡ ሓዛ።+ 6 ዳዊት ከኣ፡ “እቲ ቐዲሙ ንይቡሳውያን ዝወቕዐ ዘበለ፡ ሓለቓን* መስፍንን ኪኸውን እዩ” በለ። ዮኣብ+ ወዲ ጽሩያ ድማ ቅድም ደየበ እሞ ሓለቓ ዀነ። 7 ዳዊት ከኣ ኣብቲ ዕርዲ ተቐመጠ። ስለዚ እዮም ከተማ ዳዊት ኢሎም ዝጸውዕዋ። 8 ንሱ ድማ ካብቲ ዅምራ* ኣትሒዙ ኽሳብ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ቦታታት፡ ነታ ኸተማ ብዙርያኣ ሰርሓ፣ ዮኣብ ከኣ ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እታ ኸተማ ኣዐረዮ። 9 በዚ ኸምዚ፡ ዳዊት እናዓበየ ኸደ፣+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እውን ምስኡ ነበረ።

10 እቶም ከምቲ ብዛዕባ እስራኤል እተዘርበ ቓል የሆዋ ኼንግስዎ ኣብ ንግስናኡ ምስ ኵሎም እስራኤል ሓያል ደገፍ ዝሃብዎ ርእስታት ጀጋኑ ዳዊት እዚኣቶም እዮም።+ 11 ዝርዝር ጀጋኑ ዳዊት እዚ እዩ፦ ያሾበዓም+ ወዲ ሓደ ሓክሞናዊ፡ ርእሲ እቶም ሰለስተ።+ ንሱ ብሓንሳእ ኣብ ልዕሊ 300 ቕቱላት ኲናቱ ኣልዓለ።+ 12 ድሕሪኡ፡ ኣልኣዛር+ ወዲ ዶዶ እቲ ኣሖሓዊ+ ነበረ። ንሱ ኻብቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነበረ። 13 ኣብ ጳስ-ዳሚም+ ከኣ ምስ ዳዊት ነበረ፣ ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብኡ ንውግእ ተኣከቡ። ኣብኡ ኸኣ ስገም ዝመልኣ ግራት ነበረት፣ እቲ ህዝቢ ድማ ብሰሪ ፍልስጥኤማውያን ሃደመ። 14 ንሱ ግና ኣብ ማእከል እታ ግራት ቈይሙ ኣድሓና፣ ንፍልስጥኤማውያን ድማ ቀተሎም፣ የሆዋ ኸኣ ዓብዪ ዓወት* ኣምጽአ።+

15 ካብቶም 30 ርእስታት ድማ ሰለስተ ናብቲ ኸውሒ፡ ናብ ዳዊት ናብ በዓቲ ዓዱላም ወረዱ፣+ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ስንጭሮ* ረፋይም ሰፊሩ ነበረ።+ 16 ዳዊት ድማ ሽዑ ኣብ ዕርዲ ነበረ፣ ዝዓረደ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ቤት-ልሄም ነበረ። 17 ዳዊት ድማ፡ “ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ መዕቘሪ፡ ማይ ክሰቲ እንተ ዝኽእልሲ መን ምሃበ፧” ኢሉ ትምኒቱ ገለጸ።+ 18 ሽዑ፡ እቶም ሰለስተ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ መዕቘር ማይ ድማ ማይ ቀዲሖም፡ ንዳዊት ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ግና ምስታዩ ኣበየ፡ ንየሆዋ እውን ኣፍሰሶ። 19 “ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ እዚ ኽገብርሲ ዘይሕሰብ እዩ! ህይወቶም* ቀቢጾም ኣምጺኦምዎ እዮም እሞ፡ ደም እዞም ህይወቶም* ቀቢጾም ዝኸዱ ሰባትዶ ኽሰቲ እየ፧” ከኣ በለ።+ ስለዚ፡ ምስታዩ ኣበየ። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ነገር እዚ ገበሩ።

20 ኣቢሻይ+ ሓው ዮኣብ+ ድማ፡ ርእሲ ኻልኦት ሰለስተ ዀነ። ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ 300 ቕቱላት ኲናቱ ኣልዓለ፣ ከምቶም ሰለስተ ድማ ስሙይ ነበረ።+ 21 ካብቶም ካልኦት ሰለስተስ፡ ንሱ ኻብቶም ክልተ ይኸብር ነበረ፡ ሓለቓኦም እውን ኰነ፣ ማዕረ እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ግና ኣይበጽሐን።

22 በናያ+ ወዲ የሆያዳ ኣብ ቃብጽኤል+ ብዙሕ ጅግንነታዊ ተግባር ዝገበረ ተባዕ ሰብኣይ* ነበረ። ንሱ ነቶም ክልተ ደቂ ኣርኤል ናይ ሞኣብ ቀተሎም፣ ብመዓልቲ ውርጪ ድማ ናብ ጕድጓድ ማይ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።+ 23 ንሓደ ሓሙሽተ እመት* ዝቝመቱ ገዚፍ ግብጻዊ ሰብኣይ እውን ቀተሎ።+ ኣብ ኢድ እቲ ግብጻዊ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዚኸውን ኲናት እኳ እንተ ነበረ፡+ ንሱ ብበትሪ ገጠመሉ እሞ፡ ነቲ ዂናት ካብ ኢድ እቲ ግብጻዊ መንዚዑ፡ ብገዛእ ኲናቱ ቐተሎ።+ 24 በናያ ወዲ የሆያዳ እዚ ነገር እዚ ገበረ፣ ከምቶም ሰለስተ ጀጋኑ ኸኣ ስሙይ ነበረ። 25 ካብቶም ሰላሳ ዝኸበረ እኳ እንተ ነበረ፡ ማዕረ እቶም ሰለስተ ግና ኣይበጽሐን፣+ ዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ዘብዐኛታቱ ሸሞ።

26 እቶም ናይቲ ሰራዊት ጀጋኑ ኸኣ፡ ዓሳሄል+ ሓው ዮኣብ፡ ኤልሓናን ወዲ ዶዶ ኻብ ቤት-ልሄም፡+ 27 ሻሞት እቲ ሃሮራዊ፡ ሔለጽ እቲ ጰሎናዊ፡ 28 ዒራ+ ወዲ ዒቄሽ እቲ ተቆዓዊ፡ ኣቢ-ዔዘር+ እቲ ዓናቶታዊ፡ 29 ሲብካይ+ እቲ ሑሻታዊ፡ ዒላይ እቲ ኣሖሓዊ፡ 30 ማሃራይ+ እቲ ነጦፋታዊ፡ ሔለድ+ ወዲ ባዓና እቲ ነጦፋታዊ፡ 31 ኢታይ ወዲ ሪባይ ካብ ጊብዓ ናይ ብንያማውያን፡+ በናያ እቲ ጲርዓቶናዊ፡ 32 ሑራይ ካብ ርባታት* ጋዓሽ፡+ ኣቢኤል እቲ ዓርባታዊ፡ 33 ዓዝማዌት እቲ ባሓሩማዊ፡ ኤልያሕባ እቲ ሻዓልቦናዊ፡ 34 ደቂ ሃሸም እቲ ጊዞናዊ፡ ዮናታን ወዲ ሻገ እቲ ሃራራዊ፡ 35 ኣሒያም ወዲ ሳካር እቲ ሃራራዊ፡ ኤሊፋል ወዲ ኡር፡ 36 ሔፈር እቲ መኬራታዊ፡ ኣሒያ እቲ ጰሎናዊ፡ 37 ሔጽሮ እቲ ቀርሜሎሳዊ፡ ናዓራይ ወዲ ኤዝባይ፡ 38 ዮኤል ሓው ናታን፡ ሚብሓር ወዲ ሃግሪ፡ 39 ጸለቅ እቲ ዓሞናዊ፡ ናሕራይ እቲ ቤሮታዊ፡ ተሰካም ኣጽዋር ዮኣብ ወዲ ጽሩያ፡ 40 ዒራ እቲ ዪትራዊ፡ ጋሬብ እቲ ዪትራዊ፡ 41 ኡርያ+ እቲ ሔታዊ፡ ዛባድ ወዲ ኣሕላይ፡ 42 ዓዲና ወዲ ሺዛ እቲ ሮቤላዊ፡ ርእሲ ሮቤላውያን፡ ምስኡ ድማ 30፡ 43 ሓናን ወዲ ማዓካ፡ ዮሳፋጥ እቲ ሚትናዊ፡ 44 ዑዝያ እቲ ዓሽተራታዊ፡ ሻማን የዒኤልን ደቂ ሖታም እቲ ዓሮዔራዊ፡ 45 የዲዓኤል ወዲ ሺምሪ፡ ዮሓ ኸኣ ሓው እቲ ቲጻዊ፡ 46 ኤሊኤል እቲ ማሓዋዊ፡ የሪባይን ዮሻዊያን ደቂ ኤልናዓም፡ ዪትማ እቲ ሞኣባዊ፡ 47 ኤሊኤል፡ ዖቤድ፡ ያዓሺኤል እቲ መጾባዊ እዮም።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ