ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 127 ገጽ 290-ገጽ 291 ሕ.ጽ. 6
  • በቲ ዋዕላ ተመርመረ፡ ድሕሪኡ ናብ ጲላጦስ ተወስደ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • በቲ ዋዕላ ተመርመረ፡ ድሕሪኡ ናብ ጲላጦስ ተወስደ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ብድሕሪኡ ኸኣ ናብ ጲላጦስ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ኪቕተል ኣሕሊፍካ ተዋህበ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ጶንጥዮስ ጲላጦስ መን እዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ኣሕሊፉ ተዋህበን ተወስደን
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 127 ገጽ 290-ገጽ 291 ሕ.ጽ. 6
የሱስ ኣብ ቅድሚ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ደው ኢሉ

ምዕራፍ 127

በቲ ዋዕላ ተመርመረ፡ ድሕሪኡ ናብ ጲላጦስ ተወስደ

ማቴዎስ 27:1-11 ማርቆስ 15:1 ሉቃስ 22:66–23:3 ዮሃንስ 18:28-35

  • ንግሆ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ተመርመረ

  • ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኪሕነቕ ፈተነ

  • የሱስ ኪፍረዶ ናብ ጲላጦስ ተወስደ

ጴጥሮስ ንየሱስ ሳልሳይ ሳዕ ኣብ ዝኸሓደሉ እዋን፡ ወጋሕታ ይቐርብ እዩ ነይሩ። ኣባላት እቲ ዋዕላ ኸኣ ነቲ ዘይግቡእ መስርሕ ፍርዲ ወዲኦም ተበተኑ። ዓርቢ ምስ ነግሀ፡ ነቲ ለይቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝገበርዎ መስርሕ ፍርዲ ሕጋውነት ንምልባስ ተኣከቡ። የሱስ ድማ ኣብ ቅድሚኦም ቀረበ።

ኣብቲ መጋባእያ ድማ፡ “ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ንገረና” በልዎ። የሱስ ከኣ፡ “እንተ ነጊረኩም እኳ፡ ከቶ ኣይትኣምኑን ኢኹም። እንተ ሓቲተኩም ድማ፡ ከቶ ኣይትምልሱን ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም። ይኹን እምበር፡ የሱስ ብትብዓት እቲ ኣብ ዳንኤል 7:13 ብትንቢት እተነግረሉ ምዃኑ ኺሕብሮም ከሎ፡ “ካብ ሕጂ ንደሓር ግና፡ ወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ ኪቕመጥ እዩ” በሎም።—ሉቃስ 22:67-69፣ ማቴዎስ 26:63።

መሊሶም፡ “እምበኣር፡ ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፧” በልዎ። የሱስ ድማ፡ “ንስኻትኩም እኳ ትብሉ ኣለኹም” ኢሉ መለሰሎም። የሱስ ከምኡ ብምባሉ፡ ንኣምላኽ ጸሪፍካ ኢሎም ኪቐትልዎ እኹል መርትዖ ዝረኸቡ መሲሉ ተራእዮም። ስለዚ፡ “ደጊም ንምንታይ ምስክር የድልየና፧” በሉ። (ሉቃስ 22:70, 71፣ ማርቆስ 14:64) ንየሱስ ድማ ኣሲሮም ናብቲ ሮማዊ ሹም ጶንጥዮስ ጲላጦስ ወሰድዎ።

ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንየሱስ ናብ ጲላጦስ ኪወስድዎ ርእዩ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ከም እተፈርዶ ምስ ረኣየ፡ እተወሰነ ጣዕሳ ተሰምዖ፡ ዓቕሉ እውን ጸበቦ። ግናኸ፡ ብሓቂ ተነሲሑ ናብ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዚምለስ፡ ነቲ 30 ብሩር ኪመልስ ከደ። ነቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ድማ፡ “ንጹህ ደም ኣሕሊፈ ብምሃበይ ሓጢአ” በሎም። ንሳቶም ግና ሕሱማት ስለ ዝነበሩ፡ “እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ!” በልዎ።—ማቴዎስ 27:4።

ይሁዳ ኸኣ ነቲ 30 ብሩር ኣብታ ቤተ መቕደስ ደርብዩ ኸደ፣ ርእሱ ኪቐትል ብምፍታን ድማ ነቲ ሓጢኣቱ ወሰኸሉ። ኪሕነቕ ምስ ፈተነ፡ እቲ ገመድ ዘንጠልጠለሉ ጨንፈር ተሰቢሩ ኪኸውን ኣለዎ። ናብቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ኣኻውሕ ምስ ወደቐ ድማ፡ ከብዱ ተተርተረ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:17, 18።

የሱስ ናብ ቤተ መንግስቲ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ እተወስደሉ እዋን፡ ገና ንግሆ እዩ ነይሩ። እቶም ናብኡ ዝወሰድዎ ኣይሁድ ግና ምእታው ኣበዩ። ምስ ኣህዛብ በዚ ኸምዚ ርክብ እንተ ገይሮም ዜርክሶም እዩ ዚመስሎም ነይሩ። እዚ ኸኣ ኣብ 15 ኒሳን ዚቐርብ መኣዲ ንምብላዕ ዘይብቑዓት ይገብሮም ነበረ፣ እታ በዓል ቅጫ ዚብዓለላ ቐዳመይቲ መዓልቲ እቲኣ ኽፋል ፋስጋ ጌርካ እያ እትርአ ዝነበረት።

ጲላጦስ ድማ ናባታቶም ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ “ኣብዚ ሰብ እዚ እንታይ ክሲ ኣሎኩም፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲ፡ ናባኻ ኣሕሊፍና ኣይምሃብናዮን” ኢሎም መለሱሉ። ጲላጦስ ጸቕጢ ኺገብሩሉ ይደልዩ ኸም ዘለዎ ስለ እተሰምዖ እዩ ዚኸውን፡ “ንስኻትኩም ውሰድዎ፡ ከም ሕግኹም እውን ፍረድዎ” በሎም። እቶም ኣይሁድ ከኣ፡ “ንሓደ እኳ ኽንቀትል ኣይተፈቕደልናን” ብምባል ኪቐትሉ ሓሊኖም ምንባሮም ገለጹ።—ዮሃንስ 18:29-31።

ንየሱስ ብበዓል ፋስጋ እንተ ዚቐትልዎ፡ ናዕቢ ምተላዕለ ነይሩ። ንሮማውያን ብፖለቲካዊ ኽሲ ኸም ዚቐትልዎ እንተ ገይሮም ግና፡—ሮማውያን ከኣ ከምኡ ንምግባር ስልጣን ነይርዎም እዩ፡—እቶም ህዝቢ ብሓላፍነት ኣይሓትትዎምን እዮም።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንጲላጦስ፡ ንየሱስ ንኣምላኽ ጸሪፉ ኢሎም ከም ዝፈረድዎ ኣይነገርዎን። የግዳስ፡ “እዚ [1] ንህዝብና ኼስድዖም፡ [2] ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኪኽልክሎም፡ [3] ንሱ ባዕሉ ክርስቶስ ንጉስ ከም ዝዀነ ኸኣ ኪዛረብ ከሎ ረኺብናዮ” ኢሎም ካልእ ክስታት እዮም ኣቕሪቦምሉ።—ሉቃስ 23:2።

ጲላጦስ ወኪል ሮሜ ስለ ዝነበረ፡ እቲ የሱስ ንጉስ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ ዚብል ክሲ ብዙሕ እዩ ዜተሓሳስቦ። ስለዚ፡ ጲላጦስ ናብ ቤተ መንግስቱ ኣተወ፣ ንየሱስ ጸዊዑ ድማ፡ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ‘ንቄሳር ዚጻረር ንጉስ ከም ዝዀንካ ብምዝራብ፡ ሕጊ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣፍሪስካ ዲኻ፧’ ማለቱ እዩ ነይሩ። የሱስ ከኣ ጲላጦስ ብዛዕባኡ ኽንደይ ዚኣክል ከም ዝሰምዐ ኺፈልጥ ስለ ዝደለየ እዩ ዚኸውን፡ “ካብ ርእስኻ ዲኻ እዚ እትብል ዘለኻ፡ ወይስ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ።—ዮሃንስ 18:33, 34።

ጲላጦስ ብዛዕባኡ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይፈልጥ፡ ግናኸ ኺፈልጥ ይደሊ ምንባሩ ንምሕባር፡ “ኣነዶ ኣይሁዳዊ እየ፧ ህዝብኻን ሊቃውንቲ ኻህናትን እዮም ናባይ ኣሕሊፎም ሂቦምኻ። እንታይ ኢኻ ጌርካ፧” ኢሉ መለሰሉ።—ዮሃንስ 18:35።

የሱስ ነቲ ብዛዕባ ንግስነቱ ዝቐረበ ኽሲ ሸፋፊኑ ኺሓልፎ ኣይደለየን። ንጲላጦስ እቲ ሹም ኣዝዩ ዘገረሞ መልሲ ድማ መለሰ።

መሬት ደም

ይሁዳ ነቲ 30 ብሩር ኣብ ቤተ መቕደስ ይድርብዮ

እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ነቲ ይሁዳ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝደርበዮ ብሩር እንታይ ከም ዚገብርዎ ኣይፈለጡን። “ዋጋ ደም እዩ እሞ፡ ናብ ቅዱስ ቤት መዝገብ ኪኣቱ ኣይተፈቕደን” በሉ። ስለዚ፡ መቓብር ኣጋይሽ ዚኸውን መሬት ሰራሕ ካይላ ዓደጉ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እታ መሬት እቲኣ “መሬት ደም” ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት።—ማቴዎስ 27:6-8።

  • እቶም ኣባላት እቲ ዋዕላ ንግሆ ኸም ብሓድሽ እተኣከቡ ስለምንታይ እዮም፧

  • ይሁዳ ብኸመይ እዩ ሞይቱ፧ እቲ 30 ብሩርከ ኣብ ምንታይ እዩ ውዒሉ፧

  • ጲላጦስ ንየሱስ ምእንቲ ኪቐትሎ ኢሎም፡ እቶም ኣይሁድ እንታይ ክስታት እዮም ዘቕረቡ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ