ትሕዝቶ
15 ሰነ 2009
ሕታም መጽናዕቲ
ኣብዚ ሰሙናት ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ፦
3-9 ነሓሰ 2009
ገጽ 7
ዚዝመር መዝሙራት፦ 20 (93), 16 (143)
10-16 ነሓሰ 2009
ገጽ 11
ዚዝመር መዝሙራት፦ 22 (130), 25 (204)
17-23 ነሓሰ 2009
ገጽ 16
ዚዝመር መዝሙራት፦ 21 (191), 9 (37)
24-30 ነሓሰ 2009
ገጽ 20
ዚዝመር መዝሙራት፦ 7 (51), 26 (212)
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 1, 2 ገጽ 7-15
ኣርባዕተ ነገስታት ይሁዳ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብቕንኣት ብምድጋፍ ዝመጸ፡ ሓለፍ ዝበሉ ነበሩ። ንየሆዋ ኸነገልግል ከለና፡ ካብቲ ዘርኣይዎ ቕንኣት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ እዘን ክልተ ዓንቀጻት፡ ኣቓልቦ ዚስሕባን መሃርትን እየን።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3 ገጽ 16-20
ኣብ መዓልታዊ ህይወትና፡ ሓቂ ዘይኰነ ወይ ከኣ ዜታልል ነገር ምዝራብ ቀሊል፡ ዚምሽእ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሓልዮት ዝመልኦ ዚመስል ብዙሕ ኵነታት የጋጥመና እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ኸምዚ ንኺገብሩ ዜገድዶም ፈተና ኺነጽግዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ ኣብዚ መዳይ እዚኸ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4 ገጽ 20-24
ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ የኽብርዎ እዮም። ኣብ መንጎ እዚ ጕጅለ እዝን ኣመሓዳሪ ኣካልን ዘሎ ርክብ ግን እንታይ እዩ፧ ሎሚ የሆዋ ንዓና መንፈሳዊ ምግቢ ብዛዕባ ዚህበሉ መገዲኸ ቕዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይብል፧ ነቶም ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮም ዘሎና፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ብንጹር ክትገልጾ እያ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዚርከብ፦
ገጽ 3
ገጽ 25
ገጽ 28
ገጽ 32