ትሕዝቶ
15 ለካቲት 2013
© 2013 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania. All rights reserved.
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
1-7 ሚያዝያ 2013
8-14 ሚያዝያ 2013
15-21 ሚያዝያ 2013
22-28 ሚያዝያ 2013
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
▪ መንፈሳዊ ውርሻና እዚ እዩ
▪ ንመንፈሳዊ ውርሻና ተማስወሉ ዲኻ፧
ኣብዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ኣገዳሲ መዳይ እቲ ህዝቢ የሆዋ ዘለዎም ብዙሕ መንፈሳዊ ውርሻ ተገሊጹ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንቓሉ ብኸመይ ከም ዝዓቀቦ፡ ንስሙ ብምጥቃምና ብኸመይ ከም ዝባረኸና፡ ከምኡውን ነቲ ኻብ ሃይማኖታዊ ጌጋታት ዜዕቍበና መንፈሳዊ ሓቂ ብኸመይ ከም ዝዓቀቦ ይሕብራ።
▪ ወትሩ ኣብ ሽንጭሮ የሆዋ ተዓቘብ
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ ትርጕም እቲ ኣብ ዘካርያስ 14:4 ተጠቒሱ ዘሎ ሽንጭሮ ትገልጽ፣ ኣብቲ ሽንጭሮ እቲ ኽንጸንሕ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ኸኣ ትሕብር። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብ ዘካርያስ 14:8 ተጠቒሱ ዘሎ ህያው ማያት እንታይ ማለት ምዃኑን ካብኡ ምስታይ ንዓና እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎን ተብርህ።
▪ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ክብረት ንኸይትረክብ ኪዓግተካ ኣይትፍቀድ
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዚህቦም ክብረት ብኸመይ ክንረኽቦ ኸም እንኽእል ትገልጽ። ብዘይካዚ፡ ክብረት ንኸይንረክብ ዚዓግተና እንታይ ምዃኑን ክብረት ብቐጻሊ ምንዳይና ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዚሕግዞምን ትሕብር።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
31 ካብ መዛግብትና
ገበር፦ ሓንቲ ኣስፋሒት ንሓንቲ ኻብ ብሄረ ሂምባ ዝዀነት ሰበይቲ ኽትምስክረላ ኸላ። ካብቶም ጓሶት ከብቲ ዝዀኑ ብሄረ ሂምባ ዚብሃሉ ሰበኽ ሳግም ዝዀና ኣንስቲ፡ ካብ እተጣሕነ ኸውሒ እተወስደ ቐይሕ ዝሕብሩ ድኹም ሓመድ ላዕጢጠን ኣብ ጸጕረንን ቈርበተንን ይልከያኦ እየን
ናሚብያ
ብዝሒ ህዝቢ
2,373,000
ኣስፋሕቲ
2,040
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ
4,192