ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/95 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ሓምለ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ሓምለ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 3 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 10 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 17 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 24 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 31 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 7/95 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ሓምለ

3 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 194

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ጸብለል ዝበሉ ናይ ሚያዝያ ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ኣትኵረሎም። ከምኡውን ነቶም ተኣከብቲ እታ ናይ 1995 ምልክዕቲ ዓውደ ኣዋርሕ ኵሎም ኣብ ገዝኦም ከም ዘለዎምን ከም ዘይብሎምን ሕተቶም። ዘይብሎም እንተድኣ ኰይኖም በቲ ናይ ጽሑፋት ኣገልጋሊ ገይሮም ንሓንቲ 5 ብር ብምኽፋል ክእዝዙ ኣተባብዓዮም።

17 ደቒቕ:- “ንቕሑ።” ብሕቶን መልስን

18 ደቒቕ:- “ኣብ ኣገልግሎትካ እተፈላለየ ብሮሹራት ተጠቐም።” ነቶም ቀሪቦም ዘለዉ መእተዊታት ምስ ተኣከብቲ ተመያየጠሎም። ብዛዕባ እቲ ዘገድስ ክፍሊ ናይቶም ብሮሹራት ሓጺር ሓሳባት ሃብ። ብኸመይ ከም ዝዕደሉ ዘርኢ ክልተ ወይ ሰለስተ ተዋስኦታት ኣቕርብ።

መዝሙር 213ን መዕጸዊ ጸሎትን

10 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 110

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታትን ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተዋጽአ ምልክታታትን።

15 ደቒቕ:- “ናይ የሆዋ መዘኻኸሪታት ብመንፈስ የነቓቕሑናዶ ኣለዉ፧” ብሕቶን መልስን።

20 ደቒቕ:- “ኣገልገልቲ ናይቲ ብስራት።” ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 81-88 እተመርኰሰ ዝርርብ። ጉባኤኻ ነቲ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ስርዓታዊት ምዃና በጃኻ ተዛረበሉ።

መዝሙር 154ን መዕጸዊ ጸሎትን

17 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 192

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

20 ደቒቕ:- “ኣብ ኵሉ ናይ ብሮሹር ዕደላታት ተመላሊስካ ምብጻሕ ግበር።” እቲ ነዛ ክፍሊ እዚኣ ክህባ እተመዘዘ ሓው ንተገዳስነትን ንዕደላታትን ክንከታተሎ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ምዃኑ ምስ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ክመያየጥ ኢዩ። ካብታ “ኣብቲ ተገዳስነት ዝረኸብናሉ ናይ ምምላስ ህጹጽ ኣድላይነት” ኣብ ናይ ሰነ መንግስትና ኣገልግሎት ዘላ ኣርእስቲ ገለ ገለ ቀንዲ ሓሳባት ወስኽ። ከምኡውን ኣብ ገጽ 88-89 ናይ መጽሓፍ ኣገልግሎትና ዘሎ ሓሳባት ኣቕርብ። ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት ይደግሙ :ኣብ ንሓድሕዶም ብኸመይ ክጥቀምሎም ከም ዝኽእሉ ድማ ይገልጹ።

15 ደቒቕ:- ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ። ብሓደ ማዕባሊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሕ ሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዝያዳ ጻዕሪ ክግበር ኣተባብዕ። ነቲ ኣብ ገጽ 89-91 ናይታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትበሃል መጽሓፍ ዘሎ ሓሳባት አቕርቦ። ሕጽር ዝበለ ናይ ከባቢ ተሞክሮ ክትውስኽ ትኽእል ኢኻ።

መዝሙር 164 መዕጸዊ ጸሎትን

24 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 126

5 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት

12 ደቒቕ:- ንጉባኤ ዘድሊ። ወይ ድማ “ንዝሸምገሉ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ምርኣይ” ዘርእስቱ ካብ ናይ 1 ነሓሰ 1994 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 27-30 እተዋጽአ ዝርርብ ሃብ።

15 ደቒቕ:- ጐረባብቲ እንታይ ይብሉ ይዀኑ፧ ኣብታ ናይ 1 ሚያዝያ 1974 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 201-3 እተሞርኰሰ ዝወሃብ ዝርርብን ተዋስኦን። ብዓለማውያን ጐረባብትና ስለምንታይ መብዛሕትኡ ግዜ ጸቕጢ ከም ዝመጸና ዘርኢ ዝርርብ ሃብ። (ንገጽ 201ን ቀዳመይቲ ዓንቀጽ ናይ ገጽ 202ን ሸፍኖ።) ብድሕርዚ ተሞክሮ ዘለዎም ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ሓደስቲ ተገደስቲ ስድራቤት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓት ብምግባሮም ካብቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምጽናዕ ዝቃወሙ ጐረባብቲ ዝወርዶም ምፍርራህ ዝገልጽ ተዋስኦ ኣቕርብ። (ነቲ ዝተረፈ ናይታ ዓንቀጽ ቀንዲ ሓሳባት ኣቕርብ።) ሓደስቲ ተገደስቲ ስድራቤት ስለምንታይ ክጃጅዉ ወይ ተስፋ ክቘርጹ ከም ዘይብሎም ነቲ ምኽንያት ጽቐጠሉ።

13 ደቒቕ:- “ከኣልትን ተዓጻጸፍትን ኣገልገልቲ።” ካብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና ገጽ 91-94 ብሕቶን መልስን ዝወሃብ ምይይጥ። ነቲ ናይ መጀመርታን መወዳእታን ክፋላት ኣሕጽር ኣቢልካ ኣቕርቦ: ናብቲ ብጽቡቕ እተዓጠቕና ንኽንከውን ኢሉ የሆዋ ሂቡና ዘሎ ሞሳ ከነርኢ ኣድላዪ ምዃኑ ብምግናን ድማ ዝበዝሐ ግዜ ናብታ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ምጥቃም” ኣሕልፍ። ኵሎም: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ገለ ቍጽሪ ናይ መጽሔታት ክዕድሉን ካብቲ ናይ ወርሓዊ ዕደላ ድማ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ከበርክቱን ሸቶ ክገብሩ ጽቡቕ ኢዩ። ሕጂ ኣብ ኵሉ ምቹእ ኣጋጣሚታት እተፈላለየ ብሮሹራት ብዛዕባ ምብርካት ዝመጸ ኣወንታውያን ክንከውን ክንፍትን ኣሎና።

መዝሙር 169ን መዕጸዊ ጸሎትን

31 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 136

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት

15 ደቒቕ:- “ሃነጽቲ ኵኑ።” ብሽማግለ ዝወሃብ ምይይጥን ዝርርብን።

20 ደቒቕ:- ናይ ነሓሰ ናይ ጽሑፋት ዕደላ ተዘራረበሉ። ክትጥቀመሎም እትኽእል 32 ገጽ ዘለዎም ብሮሹራት ጥቐሶም። ኣብ ወርሒ ሓምለ ብሮሹራት ከበርክቱ ከለዉ ዘጋጠሞም ዘገድስ ተሞክሮ ክነግሩ ኣስፋሕቲ ዓድም። በታ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ብኸመይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጅመር ኣብርህ። ነቲ ኣብ ክፍሊ 1 ቍጽሪ 1 ዘሎ ሕቶ ኣልዕሎ። ነቶም ኣብ ቍጽሪ 2-4 ዘለዉ ሓሳባት ዝቐርቡ ናይ በዓል ቤት ግበረ-መልስታት ኣዳሉ። እዛ ብሮሹር ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ከም ዝግደስን ኣብታ እትመጽእ ናቱ ሓዳስ ዓለም ከኣ ስቓይ ዘይብሉ ህይወት ከነስተማቕር ከም እንኽእልን እተርኢ ምዃና ግለጽ። ንዝያዳ ምይይጥ ከም እትምለስ ንገር።

መዝሙር 179ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ