ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክረክብ እደሊ ኢየ!
1 መብዛሕትና ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክንረክብ ባህጊ ከም ዘሎና ተዛሪብና ኢና: ከምኡ ኢልና ክንብህግ ዝገብረና ብቑዕ ምኽንያት ድማ ኣሎ። እቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምራሕ ዕዮ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ሸቶና እንበጽሓሉ መገዲ ኢዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ገና ግን መብዛሕትና ነቲ ንሓደ ሰብ ሓቂ ብምምሃር ዝርከብ ፍሉይ ሓጐስ ከየስተማቐርናዮ ኣዋርሕ ምናልባትውን ዓመታት ኣሕሊፍና ኢና። ጽንዓት ንምርካብ ኣብ ወርሒ ሕዳር እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ክንዕድላ ከሎና: ሓደስቲ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ፍሉይ ጻዕሪ ክንገብር ንኽእል ኢና።
2 ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኸውን ቀዳመ-ሰናብቲ መድቡ:- ኵሎም ኣስፋሕቲ ሓድሽ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምርካብ ምእንቲ ከድህቡ ካብዛ ወርሒ እዚኣ ገለ ግዜ ክምድቡ ነተባብዖም ኣሎና። ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝመርሑ ኣሕዋት ነዚ ዕላማ እዚ ብፍላይ ዝጥቀምሉ ቀዳመ-ሰንበት(ሰናብቲ) ክመርጹ: ድሕርዚ ድማ ኣብቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ናይ ምግባር ዕዮ ጻዕሪ ንምግባር ጕጅለታቶም ከተሓባብሩ ኣለዎም።
3 ነቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ እትጽሕፈሉ መዝገብካ ናብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ክትከይድ ከለኻ ተማልኣዮ። ድሕርዚ: ንዅሎም እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ: ጽሑፍ ዝወሰዱ: ወይ ኣብ ኣኼባታት ተኻፊሎም ዝፈልጡ ሰባት ብጽሓዮም። ንዅሎም ክትበጽሖም ከለኻ ጽንዓት ምጅማር ዝብል ፍሉይ ዕላማ ኣብ ኣእምሮኻ ሓዝ።
4 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ዘርኢ መርኣያ ኣዳልዉ:- ኣብቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበር ከሎ ከመይ ገይርካ ጽንዓት ከም ዝጅመር ዘርኢ ጽቡቕ ምድላው እተገብሮ መርኣያ ክቐርብ ኣለዎ። ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:- “ብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎም: ነቲ ንዅልና ኣብ ህይወት ዘጋጥመና ኣገዳሲ ሕቶታት ዝኸውን መልሲ ሒዙ ከም ዘሎ ግን ኣይግንዘብዎን ኢዮም። [ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ዘሎ ትሕዝቶ ኣርእዮ እሞ ነቲ ኣብ ምዕራፍ 3, 5, 6, 8, ከምኡውን 9 ዘሎ ኣርእስትታት ወይ ካብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገለ ኣርእስትታት ኣንብበሉ።] በዛ ንመጽናዕቲ እትሕግዝ መጽሓፍ ገይርካ ኣብ ሰሙን ዳርጋ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ጽንዓት ብምግባር: ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ መሰረታዊ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ካብዘን ኣርእስትታት እዚኣተን ሓንቲ ምረጽ እሞ: እቲ ፕሮግራም ብኸመይ ከም ዝግበር ከርእየካ ሕጉስ ኢየ።” እቲ ሰብ መደቡ ትሑዝ ስለ ዝዀነ ጽንዓት ንኽገብር ፍቓደኛ እንተድኣ ዘይመሲሉ: ዝሓጸረ ፕሮግራም ከም ዘሎና እውን ግለጸሉ። ምስታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣላልዮ እሞ ኣብ ሰሙን ካብ 15-30 ደቒቕ ዝኸውን መዲቡ ሓንቲ ሓጻር ትምህርቲ ክማሃር ዓድሞ።
5 ኵልና ጽንዓታት ንምጅማር ብሓባር ጻዕሪ እንተድኣ ገይርናን የሆዋ ድማ ንጻዕርና ክባርኾ እንተድኣ ጸሊናን: ሓደስቲ ጽንዓታት ከም እንረክብ እተረጋገጸ ኢዩ! (1 ዮሃ. 5:14, 15) ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ እንተድኣ ደሊኻ: እዛ ወርሒ እዚኣ ሓደ ጽንዓት ንምጅማር ጽብቕቲ ኣጋጣሚ ክትኰነልካ ትኽእል ኢኻ።