ምስ ኵነታት ዚኸይድ ኣቀራርባ ኽትጥቀም ጽዓር
ኣብ ሰባት ዘሎና ናይ ሓቂ ተገዳስነት ድሌታቶም ክንፈልጥን መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ብኸመይ ነባሪ ፍታሕ ከተምጽኣሉ ኸም እትኽእል ንኽንገልጸሎምን ኬለዓዕለና እዩ። (ፊል. 2:4) ብዙሓት ኣስፋሕቲ: ነቲ ብዓል ቤት ኣብቶም ኣብ ጽሑፋትና ዚወጹ ናይ ገነት ስእላዊ መግለጺታት ሓሳባት ኪህብ ምዕዳሙ: ኣስላጢ ዀይኑ ዝረኸብዎ ኣቀራርባ እዩ።። ከም ኣብነት: ገለ ኻብቶም ናይ ገነት ስእላዊ መግለጺታት ሒዞም ዘለዉ ጽሑፋትና ኣብ የማናይ ወገን ናይዚ ዓምዲ እዚ ተዘርዚሮም ይርከቡ። ከምዚ ኽትገብር ከሎኻ ኻብዚ ቐጺሉ ዘሎ መእተዊታት ሓደ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ።
◼ “ከምዚ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ዅነታት እነስተማቕረሉ እዋን ዚመጽእዶ ይመስለካ፧”
◼ “ኵላትና: ደቅና ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓለም ኪነብሩ ንደሊ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንኽንረክብ ግን እንታይ ኪግበር ኣለዎ ምበልካ፧”
◼ “እዚ ስእላዊ መግለጺ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣብ ምድሪ ምስ ኰነ: ምድርና እንታይ ከም እትመስል ዜርኢ ስእሊ እዩ። ካብዚ ሕጂ እነሕልፎ ዘሎና ህይወት ፍልይ ዝበለ ነገር ይረኣየካዶ ኣሎ፧”
◼ “ኣብ ከምዚ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ዅነታት ክትነብር ምደለኻዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዚ ኣብ ግዜና ዚፍጸምዶ ይመስለካ፧”
እቲ ሰብ ኪምልስ ከሎ ጽን ኢልካ ስምዓዮ: ሓደ ወይ ክልተ ተወሳኺ ሕቶታት ብምሕታት ድማ ኣረኣእያኡ ኽትፈልጥ ጽዓር። ገሊኦም ሰባት: ከምቲ ኣብቲ ስእሊ ዘሎ ዅነታት ኪነብሩ ኸም ዘይደልዩ ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ኪፍጸም እዩ ኢሎም ከም ዘይኣምኑ ምስ ዚነግሩኻ: ቀልጢፍካ ተገዳስነት የብሎምን ኢልካ ኣይትደምድም። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚስምዖም ንምፍላጥ ብሜላ ሕተቶም። እቲ ዚህቡኻ መልሲ ብምኽንያት እቲ ንደቅሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ፈጺሙ ዘይፍታሕ ዚመስል ጸገማት ዘለዎም ዓሚቝ ጭንቀት ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ህዝ. 9:4
ነቲ ብዓል ቤት ዜተሓሳስቦ ነገራት ምስ ፈለጥካ: ኣቀራርባኻ ምስ ኵነታቱ ኣሰማምዓዮ። ኣብቲ ምስ ድሌታቱ ዚሰማማዕ መዳይ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣተኵር። ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ዜገድሶ ነገራት ዚምልከት ሓደ ወይ ክልተ ጥቕሲ ኣንብበሉ። (ነቲ ኣብ የማናይ ወገን ናይዚ ዓምዲ እዚ ዘሎ ጥቕስታት ተመልከት።) ቃል ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል እቲ ሰብ ባዕሉ ኸም ዜንብብ ግበር። ተገዳስነት ምስ ዜርኢ እታ ጽሕፍቲ ኣበርክተሉ: ካልኣይ ግዜ ንኽትምለሶ ድማ ቈጸራ ሓዝ። ኣብ ፋልማይ ዝርርብኩም ዝያዳ ተገዳስነት ከም ዜሕድር ግበር።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]
ናይ ገነት ስእላዊ መግለጺታት ዚርከቦም ጽሑፋት
ክርኤሽን እትበሃል መጽሓፍ [እንግሊዝኛ]:- ገጽ 237, 243, 251
ቲቸር እትበሃል መጽሓፍ [እንግሊዝኛ]:- ገጽ 251-4
መጽሓፍ ፍልጠት:- ገጽ 4-5, 188-9
ብሮሹር ብቕዓት:- ገጽ 11, 13
ትሩ ፒስ እትበሃል መጽሓፍ [እንግሊዝኛ]:- ገጽ 98
መጽሓፍ ንኣምላኽ ኣምልኽ:- ገጽ 92-3
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]
ንሰባት ዜጨንቖም ነገራት
ሕማም: ስንክልና
ምዕናው ምድሪ
ሞት: ሓዘን
ስነ-ምግባራዊ ውድቀት
ብልሽውና: ምጕዳል ፍትሒ
ትውክልቲ ዘይግበሮ ምምሕዳር
ናይ ኣባይትን ቍጠባን ጸገማት
ንእንስሳታት ምጭቋን
ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድ: ዘይማዕርነት
ውግእ: ግብረ-ሽበራ
ዋሕዲ ምግቢ: ጕድለት ኣመጋግባ
ድኽነት: ጭቈና
ገበን: ዓመጽ
ጭንቀት