ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ 6ይ ክፋል:-
እቲ ተማሃራይ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ሕቶ ምስ ዚሓትት
1 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንሳእ ብግቡእ ምስ ጀመርኩም: ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሓደ ኣርእስቲ ናብ ካልእ ኣርእስቲ እናዘለልኩም ኣብ ክንዲ እትወስድዎ: ብስሩዕ ኣገባብ ክትወስድዎ ዝበለጸ እዩ። እዚ ኣገባብ እዚ ነቲ ተመሃራይ ርጡብ ፍልጠት ኬጥርን መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብርን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። (ቈሎ. 1:9, 10) ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እተፈላለየ ኣርእስትታት ሕቶታት ይሓቱ እዮም። ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽትህበሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
2 መስተውዓሊ ኹን:- እቲ ዚለዓል ሕቶታት ምስቲ እተጽንዕዎ ዘለኹም ኣርእስቲ ዚዛመድ እንተደኣ ዀይኑ ብኡንብኡ ኽትምልሶ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሕቶታት ድሒሩ ኣብታ እተጽንዕዋ ዘለኹም ጽሕፍቲ ዚምለስ እንተደኣ ዀይኑ ድማ: ኣብ ዚቕጽል መጽናዕቲ ኸም ዚምለስ ምሕባር ጥራይ ኣኻሊ እዩ። እቲ ሕቶታት ምስታ እተጽንዕዋ ዘለኹም ጽሕፍቲ ዘይዛመድ ምስ ዚኸውን ወይ ብግቡእ ንምምላሱ ምርምር ምግባር ዜድልዮ እንተደኣ ዀይኑ ግን ነቲ ጕዳይ ደድሕሪ እቲ መጽናዕቲ ወይ ድማ ካልእ ግዜ ክትመያየጥሉ ዝበለጸ እዩ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ነቲ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ዚለዓል ሕቶታት ኣብ መዘኻኸሪ ወረቐት ምጽሓፍ: ነቲ ተመሃራይ ሕቶኡ ዕቱብ ኣቓልቦ ኸም እተዋህቦ ዜረጋግጸሉን እቲ መጽናዕቲ ድማ ከይትዓናቐፈ ኪቕጽል ከም ዜኽእልን ተገንዚቦም እዮም።
3 ኣብቶም መሰረታውያን ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋትና ዚበዝሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ሓጺር መልሲ ጥራይ እዩ ዚወሃቦም። እቲ ተመሃራይ ሓደ ትምህርቲ ምቕባሉ ምስ ዜሸግሮ ወይ ኣብ ናይ ሓሶት እምነት ምስ ዚደርቕ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ እንታይ ከም ዚብል ኣስፊሑ ዚገልጽ ካልእ ጽሑፍ ምውካስ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ተመሃራይ ገና በዚ እውን እንተ ዘይዓገበ: ነቲ ኣርእስቲ ንኻልእ ግዜ ኣወንዚፍካ ስሩዕ መጽናዕትኻ ቐጽል። (ዮሃ. 16:12) ምናልባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ምርዳእ እናሰፍሐን ብመንፈስ እናዓበየን ምስ ከደ እቲ ትምህርቲ ይርድኦ ይኸውን።
4 ትሑት ኩን:- ንዝቐረበልካ ሕቶ መልሱ ርግጸኛ ምስ ዘይትኸውን: ብግምት ክትምልስ ካብ ምፍታን ተቘጠብ። (2 ጢሞ. 2:15፣ 1 ጴጥ. 4:11) ነታ ሕቶ ምርምር ድሕሪ ምግባር ክትምልሰሉ ምዃንካ ግለጸሉ። በቲ ኣጋጣሚ እቲ ጌርካ እውን ነቲ ተመሃራይ ምርምር ብኸመይ ከም ዚግበር ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ። ቀስ ብቐስ ድማ ነቲ ብማሕበር የሆዋ እተዳለወ እተፈላለየ ምርምር ንምግባር ዚሕግዝ መሳርሒታት ብኸመይ ኪጥቀመሉ ኸም ዚኽእል ኣርእዮ። በዚ መገዲ እዚ ድማ እቲ ተመሃራይ ሕቶታቱ ባዕሉ ኺምልስ ኪለማመድ ይኽእል እዩ።—ግብ. 17:11