መደብ 26 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
26 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 31ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 13 ¶8-16፡ ኣብ ገጽ 105 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሚክያስ 1-7 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ሚክያስ 3:1-12 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ሰባት ክብሪ ኺወሃቦም ይኽእል እዩ፡ ኪምለኽ ዘለዎ ግን ኣምላኽ ጥራይ እዩ—td 31ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ የሆዋ ጸሎት ከም ዚሰምዕ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧—1 ዮሃ. 5:14 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ናይ ቀረባ እዋን ሕታም ተጠቒምካ፡ ኣብ ታሕሳስ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር መርኣያ ኣቕርብ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣብዚ ዕዮ እዚ ንኺካፈሉ ኣተባብዓዮም።
10 ደቒቕ፦ ተረፎም ጐደሎ ይምልእ። ኣብ ናይ 15 ሕዳር 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 8-9 ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ።
15 ደቒቕ፦ “ርእስኻ ኣይትቐይድ—ብስራሕ ትሑዝ ምስ እትኸውን።” ሕቶታትን መልስታትን። ንሓደ ብስራሕ ትሑዝ ክነሱ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ እተኻፈለ ኣስፋሒ ኣሕጽር ኣቢልካ ቓለ መጠይቕ ግበረሉ።
መዝሙር 25ን ጸሎትን