መደብ 9 መስከረም እትጅምር ሰሙን
9 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 31ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 26 ¶9-15፡ ኣብ ገጽ 208 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ቈረንቶስ 10-16 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 1 ቈረንቶስ 14:7–25 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ሓደ ሓጥእ ሰብ፡ ‘ንገጽ የሆዋ ኸለውህ’ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧—2 ዜና 33:12, 13፡ ያንግ ሊተራል ትራንስሌሽን ፣ ኢሳ. 55:6, 7 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ እዙዛት ደቅሰብ ብርግጽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም—td 2ሀ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ መንእሰያት—ንህይወትኩም ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኹም እተውዕልዋ፧—1ይ ክፋል። ኣብታ ንህይወትኩም ዘርእስታ ትራክት፡ ካብ ሕጡብ ጽሑፍ 1-9 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። መንግስቲ ኣምላኽ ኬቐድሙ ንዚደልዩ መንእሰያት ኣጸቢቕካ ንኣዶም።
10 ደቒቕ፦ ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ብምጥቃም እተረኽበ ተመክሮታት። ምይይጥ። ሰማዕቲ፡ በታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ተጠቒሞም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዝረኸብዎ ፍልይ ዝበለ ተመክሮታት ኬዘንትዉ ዓድሞም። ንሓደ ኣብ ዝሓለፈ መጽሔታት እተቐበለካ ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሉ ኸለኻ፡ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብኸመይ ክትጥቀመላ ኸም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።—ናይ መጋቢት 2013 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 7 ርአ።
10 ደቒቕ፦ “ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ኣሞጽ።” ሕቶታትን መልስታትን።
መዝሙር 44ን ጸሎትን