ንሓበሬታ ጠዊኻ ምቕራቡ
“ፕሮፓጋንዳ ብውሕልነትን ብምድግጋምን እንተድኣ ተዘውቲሩ መንግስተ ሰማያት ከም ገሃነም: እቲ ኣዝዩ ሕማቕ ናብራ ድማ ከም ገነት ኣምሲልካ ክቐርብ ይኽእል ኢዩ።”— ኣዶልፍ ሂትለር: ማይን ከይምፕፍ
ምዕባለ መራኸቢ ብዙሓን ካብ ወረቐት ጀሚሩ ክሳዕ ተሌፎን: ተለቪዥን: ኢንተርነት እናኣስፋሕፍሐ ምስ ከደ ዘስድዕ መልእኽትታት ብዘይተሓስበ መገዲ ክውስኽ ክኢሉ ኢዩ። እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እተራእየ መሰረታዊ ለውጢ እዚ ምዕልቕላቕ ሓበሬታ ከም ዝህሉ ገይሩ ኢዩ። ከመይሲ ሎሚ ሰባት ካብ ኵሉ ኵርንዓት ብዝመጾም ሓበሬታታት ኢዮም ተቐቢሮም ዘለዉ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ንዝመጾም ሓበሬታ ቀልጢፎም ብምቕሳምን ብዘይሕቶ ወይ ከይመርመሩ ብምቕባልን ምላሽ ይህብሉ።
እቲ ብጕርሒ እተመልአ ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሕ ሰብ: ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብፍላይ ንርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዝነጽግ ሓጺር መገዲ ይፈትዎ ኢዩ። ፕሮፓጋንዳ ንስምዒት ብምልዕዓል: ንዅነታት እቶም ምትእምማን ዘይብሎም ሰባት ብምምዝማዝ: ዘደናግር ቃላት ብምጥቃም: ከምኡውን ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ደፊኑ ብምቕራብ ኢዩ ስርሑ ዝሰርሕ። ታሪኽ ከም ዘረጋግጾ ኸኣ እዚ ሜላታት እዚ ኣዝዩ ኣስላጢ ዀይኑ ተረኽበ።
ታሪኽ ፕሮፓጋንዳ
ኣብዚ እዋን እዚ እታ “ፕሮፓጋንዳ” እትብል ቃል ኣሉታዊ ትርጕም ኢዩ ዘለዋ: መደናገሪ ሜላታት ዝብል ሓሳብ ከኣ ኢያ እተመሓላልፍ። ብመሰረቱ ግን እታ ስያመ እቲኣ ትርጕማ ከምኡ ኣይነበረን። እታ “ፕሮፓጋንዳ” እትብል ቃል ካብታ ኮንግረጋትዮ ደ ፕሮፓጋንዳ ፊደ (እምነት ናይ ምስፍሕፋሕ ጉባኤ) እትብል ንናይ ሮማ ካቶሊክ ጕጅለ ካርዲናላት መጸውዒት ዝነበረት ናይ ላቲን ስም ኢያ ተወሲዳ። እዛ ብሕጽር ዝበለ ፕሮፓጋንዳ ተባሂላ እትጽዋዕ ኮሚተ: ሚስዮናውያን ንምቍጽጻር ብጳጳስ ግሪጎሪ መበል 15 ብ1622 ኢያ ተመስሪታ። በብቕሩብ ከኣ “ፕሮፓጋንዳ” እምነት ንምስፍሕፋሕ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ንምምልካት ዝውዕል ኰነ።
ይኹን እምበር: ናይ ፕሮፓጋንዳ ኣምር ዝጀመረ ኣብ መበል 17 ዘመን ኣይኰነን። ኣብ ግዜ ጥንቲ ሰባት: ስነ-ሓሳብ ንምዝርጋሕ ወይ ከኣ ዝናን ስልጣንን ንምድልዳል ብዝረኸብዎ መራኸቢ ብዙሓን ክጥቀሙ ጸኒሖም ኢዮም። ንኣብነት: ካብ ግዜ ፈርኦናት ግብጺ ኣትሒዙ ስነ-ጥበብ ናይ ፕሮፓጋንዳ ሸቶ ንምውቃዕ ከገልግል ጸኒሑ ኢዩ። እዞም ነገስታት እዚኣቶም ነቲ ናይ ፒራሚድ ሓወልትታቶም ናይ ስልጣንን ዘለኣለማውነትን መልእኽቲ ከም ዘመሓላልፍ ገይሮም ይቐርጽዎ ነበሩ። ብተመሳሳሊ: እቲ ናይ ሮማውያን ስነ-ህንጻ ንፖለቲካዊ ዕላማ ማለት ነቲ መንግስቲ ንምውዳስ የገልግል ነበረ። ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም መንግስታት ነቲ ብማዕከናት ዜና ዝፍኖ ዝነበረ ወረ ውግእ ከም ድላዮም ገይሮም ንምቍጽጻር ንጡፍ ተሳትፎ ኣብ ዝገብርሉ ዝነበሩ እዋን እታ “ፕሮፓጋንዳ” እትብል ስያመ ብሓፈሻ ኣሉታዊ ዝዀነ ትርጕም ሒዛ ነበረት። ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም እውን ኣዶልፍ ሂትለርን ዮሴፍ ጐበልዝን ክኢላታት ዘርጋሕቲ ፕሮፓጋንዳ ምዃኖም ኣርእዮም ኢዮም።
ደድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ፕሮፓጋንዳ ሃገራዊ ፖሊሲ ንምስፍሕፋሕ ዓቢ መሳርሒ ዀይኑ ብቐጻሊ ከገልግል ጸኒሑ ኢዩ። ምዕራባውያንን ምብራቓውያንን ሻራ ሃገራት ደገፍ ሓፋሽ ህዝቢ ንምርካብ ዘለወን ሓይሊ ተጠቒመን ዓበይቲ ወፈራታት ኣካይደን ኢየን። ኵሉ መዳያት ማሕበራዊ ናብራን ሃገራዊ ፖሊሲን ናይ ፕሮፓጋንዳ ዕላማታት ንምውቃዕ ይዝውተር ነበረ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ እተሓላለኸ ቴክኒካት ፕሮፓጋንዳ ኣብ ናይ ምርጫ ጐስጓሳት ኰነ ኣብቲ ናይ ትምባኾ ኩባንያታት ዝገብረኦ ሬክላም ክዝውተር ጸኒሑ ኢዩ። እቶም ምሁራት ዝበሃሉን ካልኦት መራሕትን ሽጋራ ምትካኽ ዘምሕርን ንጥዕና ድማ ኣድላይን ከም ዝዀነ ድኣ እምበር ንጥዕና ህዝቢ ዝጐድእ ከም ዘይኰነ ገይሮም ንምቕራብ መሳርሒ ኰይኖም ኢዮም።
ጭው ዝበለ ሓሶት!
ሓደ ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሕ ሰብ ዝጥቀመሉ ዝያዳ ስሉጥ ዝዀነ ናይ ምትላል ኣገባብ ጭው ዝበለ ሓሶት ምጥቃም ኢዩ። ንኣብነት እቲ ማርቲን ሉተር ኣብ 1543 ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣውሮጳ ዝነብሩ ኣይሁድ ዝጸሓፎ ሓሶት ንርአ:- “ዔላታት መሪዞም: ቅትለት ፈጺሞም: ቈልዑ ጨውዮም ኢዮም . . . እኩያት: ሕሱማት: ቂመኛታት: ጐራሓት ኣትማን: ቀተልቲ ነፍሲ: ዝናኸሱን ዝጓድኡን ውሉድ ድያብሎስ ኢዮም።” ነቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉኸ እንታይ ምሕጽንታ ኢዩ ዝሃቦም፧ “ንኣብያተ-ጸሎቶም ወይ ኣብያተ-ትምህርቶም ብሓዊ ተኵሱ . . . ኣባይቶም እውን ክፈርስን ክዓኑን ኣለዎ።”
ነቲ መዋእል እቲ ዘጽንዐ ሓደ ናይ መንግስትን ማሕበራዊ መጽናዕትን ፕሮፌሰር ከምዚ በለ:- “ጸረ-ሴማዊ ምንቅስቓስ ብመሰረቱ ምስ ተግባራት ኣይሁድ ምንም ርክብ ስለ ዘይብሉ: ምስቲ ሓደ ጸረ-ሴማዊ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ባህሪ ኣይሁድ ዘለዎ ፍልጠት እውን ምንም ርክብ የብሉን።” ወሲኹውን ከምዚ በለ:- “ዝዀነ ይኹን ብልሽውና ምስ ኣይሁድ ይተሓሓዝ ስለ ዝነበረ ጠንቂ ናይ ባህርያዊ ወይ ማሕበራዊ ሕማማት: ኣይሁድ ከም ዝዀኑ ገይርካ ኢዩ ዝውሰድ ነይሩ።”
ሓፈሻዊ ገምጋም ምሃብ
ካልእ ዕዉት ኰይኑ እተረኽበ ናይ ፕሮፓጋንዳ ሜላ ኸኣ ካብ ሒደት መርትዖ ተበጊስካ ሓፈሻዊ ገምጋም ምሃብ ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ሓቂ መዘራረቢ ዝዀነ ጉዳይ ዝምልከት ጭብጥታት ቀቢርካ ንገለ ጕጅለ ሰባት ብሓፈሻ ንምሕሳር ኢዩ ዕላምኡ። ንኣብነት “ጂፕሲ [ወይ ስደተኛታት] ሰረቕቲ ኢዮም” ዝብል ቃላት ኣብ ገለ ሃገራት ኣውሮጳ ብተደጋጋሚ ኢዩ ዝስማዕ። ግን ሓቂ ድዩ፧
ሪቻርዶስ ሶሜሪቲስ እተባህለ ኣዳላዊ ዓምዲ: ኣብ ሓንቲ ሃገር እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምርዳእ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት “ጽልእን: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ዓሌታዊ ናዕብን” ምልዕዓሉ ይገልጽ። ይኹን እምበር: ወዲ ዓዲ ይኹን ወጻእተኛ ኣብታ ሃገር እቲኣ ብዝፍጽምዎ ገበን ዝመጸ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኸም ዘይበልጽ ብመርትዖ ተረጋጊጹ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ግሪኽ “ዝፍጸም ገበን 96 ካብ 100 በቶም [ግሪኻውያን]” ምዃኑ ብመጽናዕቲ ከም እተረኽበ ሶሜሪቲስ ሓቢሩ ኣሎ። ከምዚ ብምባል ከኣ ትዕዝብቱ ይገልጽ:- “ጠንቂ ገበን ‘ዓሌታዊ’ ዘይኰነስ ቍጠባውን ማሕበራውን ኵነታት ኢዩ።” ብገበን ኣሳቢቦም “ብብልሓት ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ጽልእን ዓሌትነትን ከም ዝለዓል” ብምግባሮም ንመራኸቢ ብዙሓን እውን ወቒስዎም ኢዩ።
ናይ ለጠፍ ስም
ገለ ሰባት ኣብ ጭብጥታት ኣብ ክንዲ ዘተኵሩ ንባህርያት ወይ ድራኸ ናይቶም ምስኦም ዘይሰማምዑ ሰባት ብምጥርጣር ይጸርፍዎም። ናይ ለጠፍ ስም ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ: ጕጅለ: ወይ ርእይቶ: ኣሉታውን ብቐሊሉ ክዝከር ዝኽእልን ቃላት ኰይኑ ናይ ምጥቃን ሓይሊ ድማ ኣለዎ። እቲ ጠቃኒ ተስፍኡ እቲ ጸርፊ ጠቢቑ ንኽተርፍ ኢዩ። ሰባት ነቲ መርትዖ ባዕላቶም ኣብ ክንዲ ዝምርምርዎ ብመሰረት እቲ ኣሉታዊ ናይ ለጠፍ ስም ጥራይ ነቲ ሰብ ወይ ነቲ ርእይቶ እንተድኣ ነጺጎምዎ እቲ ጠቃኒ እተጠቕመሉ ሜላ ተዓዊቱ ማለት ኢዩ።
ንኣብነት ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንኣንቈራታት ናይ ምጽላእ ስምዒታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። እዚ ዝንባለ እዚ ገለገለ ድራኸታት ኣለዓዓለ: ጽልኢ ኣሕደረ: ኣብ ልዕሊ እተን ንኡሳን ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ከኣ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ዝንባለ ከም ዘስፋሕፍሕ ገበረ። መብዛሕትኡ ግዜ እታ “ኣንቈራ” እትብል ቃል ስለ እትደጋገም ተለሚዳ ኢያ። ጀርመናዊ ፕሮፌሰር ማርቲን ክሪለ ብ1993 ከምዚ በለ:- “‘ኣንቈራ’ ቅያር ናይታ ‘መናፍቕ’ እትብል ቃል ኢያ። ሎሚ ኣብ ጀርመን ሓደ መናፍቕ: ከምቲ ቅድም ዝግበር ዝነበረ: [ንጥፍኣት እተመጠወ] ኢዩ። እቲ መናፍቕ ብሓዊ እንተድኣ ዘይጠፊኡ . . . ብጸለመ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ከም ዘይረክብ ይግበር: ይግለል: ከምኡውን ቍጠባዊ ዕንወት ይስዕቦ።”
ሓንቲ ንናይ ፕሮፓጋንዳ ምርመራ ዝቘመት ትካል ከምዚ በለት:- “ናይ ለጠፍ ኣስማት ኣብ ታሪኽ ዓለምን ኣብ ብሕታዊ ኵነታትናን እዚ ዘይብሃል ሓያል ጽልዋ ኣሕዲሩ ኢዩ። ጽቡቕ ኣስማት ኣባላሽዩ . . . [ሰባት] ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከም ዝዳጐኑ ገይሩ: ንደቅሰብ ኣብ ውግእ ተሳቲፎም ንብጾቶም ክሳዕ ምቕታል ዘብጽሕ ነድሪ ከም ዘሕድሩ ገይሩ ኢዩ።”
ንስምዒታት ምምዝማዝ
ስምዒታት ኣብ ጭቡጥ ነገራት ወይ ከኣ ርትዓዊ ክትዕ ዝመጸ ብዙሕ ዘይዓዪ እኳ እንተዀነ ንምስዳዕ ግን ወሳኒ ግደ ኢዩ ዘለዎ። ተመክሮ ዘለዎም ክኢላታት ተንተንቲ ልክዕ ከም ሓደ ደራፋይ ስምዒት ዘለዓዕል ቃላት ብምእላም ንስምዒት ሰባት ብውሕልነት ከም ድላዮም ኢዮም ዝጠዋውይዎ።
ንኣብነት: ፍርሂ ምስትውዓልካ ከጸልምት ዝኽእል ስምዒት ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ቅንኢ ከም መሳርሒ ክትጥቀመሉ ዝከኣል ንፍርሂ እውን ከም መሳርሒ ገይርካ ክትጥቀመሉ ይከኣል ኢዩ። ናይ 15 ለካቲት 1999 ዘ ግሎብ ኤንድ መይል ናይ ካናዳ ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ነዚ ዝስዕብ ካብ ከተማ ሞስኮ እተረኽበ ጸብጻብ ኣቕረበት:- “ዝሓለፈ ሰሙን ሰለስተ ኣዋልድ ኣብ ሞስኮ ርእሰ-ቕትለት ምስ ፈጸማ እቲ ናይ ሩስያ መራኸቢ ብዙሓን እዘን ኣዋልድ እዚኣተን ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢየን ዝብል ርእይቶ ብኡንብኡ ኣቕረበ።” ነታ “ኣኽረርቲ” እትብል ቃል ኣቕልበላ። ሰባት ንሓደ ንመንእሰያት ናብ ርእሰ-ቕትለት ከም ዝደፋፍኦም ገይርካ ዝቝጸር ኣኽራሪ ሃይማኖታዊ ማሕበር ምፍርሆም ዘይተርፍ ኢዩ። እዘን ዘሕዝን ኵነታት ዘጋጠመን ኣዋልድ ብሓቂዶ ብገለ መገዲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርክብ ነይርወን ኢዩ፧
ግሎብ ከምዚ ብምባል ትቕጽል:- “ጸኒሑ ፖሊስ: እተን ኣዋልድ ምስ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ምንም ርክብ ከም ዘይነበረን ተኣመነ። ድሮ ግን እቲ ናይ ሞስኮ ፈነወ ተለቪዥን ኣብቲ ኣንቈራ ሓድሽ መጥቃዕቲ ፈንዩ ነበረ: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣባላት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግዳያት እቲ እሱራት ዝቕተልሉ ደምበ ናዚ ኰይኖም ከም ዝነበሩ ታሪኽ ዝምስክሮ ኽነሱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናዚ ጀርመን ምስ ኣዶልፍ ሂትለር ተሓባቢሮም ኢዮም ብምባል ንተዓዘብቲ ነገሮም።” ኣብ ኣእምሮ እቶም ግጉይ ሓበሬታ እተዋህቦም ምናልባት እውን ፍርሂ ነይርዎም ክኸውን ዝኽእል ህዝቢ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርእሰ-ቕትለት ዝፍጽሙ ኣንቈራ ወይ ከኣ ተሓባበርቲ ናዚ ከም ዝዀኑ ገይርካ ኢዮም ዝረኣዩ!
ጽልኢ ብፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑ ሰባት ዝምዝመዝ ብርቱዕ ስምዒት ኢዩ። ነዚ ስምዒት እዚ ንምልዕዓል ቀንዲ መሳርሒ ዀይኑ ዝዓዪ ኸኣ ሽምጠጣ ኢዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ እተወሰኑ ዓሌታዊ: ቀቢላዊ: ወይ ሃይማኖታዊ ጕጅለታት ጽልኢ ዘተባብዕን ዝምዝምዝን ሕሱም ቃላት መወዳእታ ዘይብሉ ኢዩ ዝመስል።
ገለ ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑ ሰባት ንትምክሕቲ ከም መሳርሒ ይጥቀምሉ ኢዮም። እዚ ዝስዕብ ትርጕም ዘለዎ ሓረጋት ብምስትብሃል ትምክሕቲ ከለዓዕል ንዝኽእል ኣቀራርባ ብቐሊሉ ከነለልዮ ንኽእል ኢና:- “ዝዀነ ይኹን መስተውዓሊ ሰብ ከም ዝፈልጦ . . .” ወይ ከኣ “ከምዚ ኸማኻ ዝበለ ፈላጥ ሰብ ክግንዘቦ ዘለዎ ነገር . . .።” ብኣንጻሩ ኸኣ ንትምክሕቲ ዝትንክፍ ኣቀራርባ ኣብድታት ከይንመስል ዝብል ፍርሂ ከሕድረልና እውን ይኽእል ኢዩ። ብምስዳዕ ክኢላታት ዝዀኑ ሰባት ነዚ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ኢዮም።
ጭርሖታትን ኣርማታትን
ጭርሖታት ብቐንዱ ኣቕዋም ወይ ከኣ ሸቶ ንምግላጽ ዝውዕል ሓጺር ሓሳብ ክኸውን ከሎ መልእኽቱ ግን ብንጹር ዝግለጽ ኣይኰነን። ትርጕሙ ብንጹር ዘይምግላጹ ኸኣ ሰባት ብቐሊሉ ከም ዝሰማምዕሉ ዝገብር ኢዩ።
ንኣብነት: ኣብ እዋን ሃገራዊ ቅልውላው ወይ ግጭት እቶም ለመጫት ከም እኒ “ሎሚ ምስ ሃገረይ ጽባሕ ምስ ሃገረይ:” “ዓደቦይ: ሃይማኖተይ: ህዝበይ:” “ናጽነት ወይ ሞት” ዝብል ጭርሖታት ይጥቀሙ ይዀኑ ኢዮም። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ቅልውላው ወይ ግጭት ዝምልከት ናይ ሓቂ ጕዳይ እንታይ ምዃኑ ብጥንቃቐ ይምርምርዎዶ ኢዮም: ወይስ ንዝሰምዕዎ ዘበለ ዅሉ ኢዮም ዝቕበልዎ፧
ብዛዕባ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ክጽሕፍ ከሎ ዊንስተን ቸርችል ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ነዞም ብዙሓት ሰላማውያን ገባሮን ሰራሕተኛታትን ኣብ ንሓድሕዶም ናብ ዝጣፍኡ ሰራዊት ንምቕያሮም ሓንቲ ሓያል ጭርሖ ጥራይ ኢያ እተድሊ።” ካልእ እተዓዘቦ እውን ‘መብዛሕትኦም ሰባት እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ምስ ዝንገሩ ከይሓሰቡ ኢዮም ምላሽ ዝህቡ’ በለ።
ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑ ኣካላት መልእኽቶም ንምትሕልላፍ ከም እኒ ንኽብሪ ሰባት ኢልካ ዝግበር ናይ መድፍዕ ተዅሲ: ወተሃደራዊ ሰላምታ: ባንዴራ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ብዙሕ ኣርማታትን ምልክታትን ኢዮም ዝጥቀሙ። ንፍቕሪ ወለዲ እውን እንተዀነ ይምዝምዝዎ ኢዮም። ስለዚ ነቲ ጐራሕ ኣስዳዒ ኣካል ከም እኒ ዓደቦ: ወላዲት ሃገር: እመቤታችን ቤተ-ክርስትያን ዝኣመሰለ መግለጺታት ልክዕ ከም ጠቓሚ ናውቲ ኢዩ ዘገልግሎ።
ብውዲት እተኣልመ ውሕሉል ፕሮፓጋንዳ እምበኣር ኣተሓሳስባ ከልምስ: ንጹር ምርዳእን ምስትውዓልን ከጥፍእ: ንሰባት ከኣ ሆ ኢሎም ከም ዝለዓሉ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ። ንርእስኻኸ ብኸመይ ኢኻ ከተዕቍባ እትኽእል፧
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
ብውዲት እተኣልመ ውሕሉል ፕሮፓጋንዳ ኣተሓሳስባ ከልምስን ንጹር ምርዳእ ከጥፍእን ይኽእል ኢዩ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጽምዎ ዕዮ ፕሮፓጋንዳ ድዩ፧
ገለ ካብቶም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጻረሩ ሰባት ናይ ጽዮን ፕሮፓጋንዳ ከም ዝዝርግሑ ገይሮም ይኸስዎም። ካልኦት ከኣ ኣገልግሎት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕላምኡ ኮምኒዝም ንምስፍሕፋሕ ኢዩ ኢሎም ይኸሱ። ካልኦት ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጽምዎ ዕዮ ንዕላማን ረብሓን “ናይ ኣመሪካ ሃጸይነት” ዘደንፍዕ ኢዩ ይብሉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ማሕበራዊ: ቍጠባዊ: ፖለቲካዊ: ወይ ሕጋዊ ስርዓት ንምልዋጥ ብዝብል ዕላማ ዕግርግር ዘለዓዕሉ ፋሉላት ኢዮም ዝብሉ እውን ኣለዉ። ኵሉ እዚ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ክስታት እዚ ሓቂ ክኸውን ከም ዘይክእል ግሁድ ኢዩ።
እቲ ሓቁ ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣይኰኑን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጽምዎ ዕዮ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ብምባል ዝሃቦም ትእዛዝ ብተኣማንነት ከም ዝእዘዝዎ ዘርኢ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ዕዮኦም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ብስራት ናይታ ኣምላኽ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ሰላም ንምውራድ ከም መሳርሒ ዝጥቀመላ ሰማያዊት መንግስቲ ዘተኰረ ኢዩ።—ማቴዎስ 6:10፣ 24:14
ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዓዘብዎም ሰባት: እዞም ናይ ክርስትያን ማሕበረሰብ እዚኣቶም ንጽቡቕ ስርዓት ናይ ዝዀነት ትኹን ሃገር ዝዘርጉ ኢዮም ዘብሎም መርትዖ ክረኽቡ ኣይክኣሉን።
ብዙሓት ጋዜጠኛታት: ደያኑን ካልኦትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዝነብርሉ ማሕበረሰብ ጠቓሚ ኣበርክቶ ከም ዝገብሩ ርእይቶ ሂቦም ኢዮም። ገለ ኣብነታት ንርአ። ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣውራጃዊ ኣኼባ ድሕሪ ምክፋላ: ሓንቲ ሪፖርተር ካብ ደቡብ ኣውሮጳ እዚ ዝስዕብ ርእይቶ ሃበት:- “እዞም ሰባት እዚኣቶም ጽኑዕ ማእሰር ስድራቤት ዘለዎም: ንኻልኦት ምእንቲ ከይጐድኡ ፈቃራት ክዀኑን ምስ ሕልንኦም ተሰማሚዖም ክኸዱን ኢዮም ዝማሃሩ።”
ሓደ ኣቐድም ኣቢሉ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ዝነበሮ ጋዜጠኛ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ናብራ ህይወቶም ኣብነት ዝኸውን ኢዩ። ነቲ ቅኑዕን ስነምግባራውን ስርዓታት ኣይጥሕስዎን ኢዮም።” ሓደ ፖለቲከኛ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመሳሳሊ ሓሳብ ሂቡ ኢዩ:- “ምስ ካልኦት ሰባት ብዓሚቝ ሕያውነትን ፍቕርን ውርዝውናን ኢዮም ዝመላለሱ።”
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስልጣን ተገዛኢ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ቅኑዕ ምዃኑ ይምህሩ ኢዮም። ንሕጊ ዘኽብሩ ዜጋታት ከም ምዃኖም መጠን ከኣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቅንዕና: ሓቀኛ ምዃን: ንጽህና ዝህቦ ስርዓታት ይስዕብዎ ኢዮም። ኣብ ስድራቤታቶም ጽቡቕ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ይሃንጹ: ንኻልኦት እውን ከምኡ ክገብርሉ ዝኽእሉ መገዲ ንኽማሃሩ ይሕግዝዎም። ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ስለ ዝነብሩ: ኣብ ናዕብታት ወይ ፖለቲካዊ ሰውራታት ኣይካፈሉን ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ኻብ ኵሉ ጸብለል ዝበለ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ዝዀነ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ፍጹም ሰላምን ጽድቃዊ መንግስትን ንኸምጽኣሎም ብትዕግስቲ እናተጸበዩ ንሕግታት ናይቶም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ደቅሰብ ብምእዛዝ ኣብነት ክዀኑ ኢዮም ዝጽዕሩ።
ምስናይዚውን እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጽምዎ ዕዮ ትምህርታዊ ኢዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም መሰረት ገይሮም ብምዝውታር ሰባት ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድእዎ ብዓለምለኸ ደረጃ ትምህርቲ ይህቡ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ብዛዕባ ጠባይን ስነ-ምግባራዊ ንጽህናን ቅኑዕ መለክዒታት ከም ዘስፋሕፍሕ ይገብሩ። ንናብራ ስድራቤት ዘመሓይሽ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ይምህሩ: ንመንእሰያት ከኣ ንዘጋጥሞም ፍሉይ ብድሆታት ንኽዋጽእሉ ይሕግዝዎም። ሰባት ሕማቕ ልምድታት ናይ ምስናፍ ሓይሊ ክረኽቡን ምስ ካልኦት ተሰማሚዕካ ናይ ምንባር ክእለት ከማዕብሉን ይሕግዝዎም ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ፈጺምካ “ፕሮፓጋንዳ” ኢዩ ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። ከምቲ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ዝገለጾ ኣብቲ ከይተሰከፍካ ርእይቶታት እትወሃሃበሉ ሃዋሁ: “ፕሮፓጋንዳ ካብ ትምህርቲ” ይፍለ ኢዩ።
[ስእሊ]
እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓትምዎ ጽሑፋት ናይ ስድራቤት ስርዓታትን ክብ ዝበለ ስነ -ምግባራዊ መለክዒታትን ይምህር
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ውግእን ምትካኽ ሽጋራን ዘተባብዕ ፕሮፓጋንዳ ብዙሕ ሞት ኣስዒቡ ኢዩ