ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ወለዶ
“ቅድሚ ክልተ ወርሒ ሕጉስን ንጡፍን ኢየ ነይረ። ሕጂ ግን ሓደ ነገር ክገብር ምስ ዝደሊ ይስልክየኒ። ፈጺመ ሕጉስ ኣይኰንኩን: ብቐሊሉ ድማ እሓርቕ: ካልኦት ከመይ ገይሮም ከም ዝጻወሩኒ ኣይፈልጥን ኢየ። ሃንደበት ስለምንታይ ሕማቕ ክስምዓኒ ኸም ዝጀመረ ኽገልጾ ኣይክእልን ኢየ።”—ፓውል
“እበኪ ብውሸጠይ ከኣ ብዙሕ ኢየ ዝሳቐ። ኣብቲ ዘይሳቐየሉ እዋናት ከኣ ብደወይ ዝሞትኩ ዀይኑ ይስምዓኒ። ዝዀነ ይኹን ነገር ኣየሐጕሰንን ኢዩ። ፈጺመ ምስ ኣዕሩኽተይ ክሕወስ ኣይደልን ኢየ። ብዙሕ ኢየ ዝድቅስ። ዝበዝሕ ግዜ ተሲአ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ኣይክእልን ኢየ: ብትምህርተይ ድማ እናሓመቕኩ ኸድኩ።”—ሜላኒ
ከምዚ ዘጋጥሞም ንፓውልን ሜላኒን ጥራይ ኣይኰነን። መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ ኣባጽሕን ጐራዙትን ብግምት ዳርጋ 8 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ብገለ ዓይነት ጭንቀት ይሳቐዩ ኢዮም: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከኣ 4 ሚእታዊት ዝዀኑ ብዓሚቝ ጭንቀት ይሳቐዩ። ይኹን እምበር: ናይ መንፈስ ጭንቀት መብዛሕትኡ ግዜ ብግቡእ ስለ ዘይምርመር ወይ እውን ፈጺሙ ሸለል ተባሂሉ ስለ ዝሕለፍ እዚ ኣሃዝ እዚ ብዛዕባ ጭንቀት ምሉእ ሓበሬታ ዝህብ ኣይኰነን። ዴቪድ ጂ. ፋስለር እተባህለ ብዛዕባ ኣባጽሕን ጐራዙትን ዘጽንዕ ናይ ሳይኮሎጂ ምሁር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምስ ቈልዑን ኣባጽሕን ጐራዙትን ብምዝርራብ እተገብረ መጽናዕቲ ድሕሪ ምምርማረይ: ብውሕዱ ካብ ኣርባዕተ መንእሰያት ሓደ ቅድሚ ወዲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ምዃኑ ኸቢድ ጭንቀት ከም ዝሕዞ ኢየ ተገንዚበ።”
እቲ ዘሕድሮ ሕማቕ ሳዕቤን
ናይ መንፈስ ጭንቀት ኣብ መንእሰያት ሕማቕ ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎ። አረ ኽኢላታት ከም ዝብልዎስ እዚ ሕማም እዚ ንመንእሰያት ናይ መግቢ ሸውሃቶም ንኸጥፍኡ: ምስ ኣእምሮ እተተሓሓዘ ከቢድ ሽግር ንኸጋጥሞም: ናይ ትምህርቲ ጸገማት ንኸጓንፎም: ከም ሓሽሽን ኣልኮልን ዝኣመሰለ ነገራት ንኸዘውትሩ ዓቢ ጽልዋ ኢዩ ዝገብር።
እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ኣብ መንእሰያት ዝፍጸም ርእሰ-ቕትለት ምስ ጭንቀት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ኢዩ። ብመሰረት እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ሃገራዊ ትካል ጥዕና ኣእምሮ: ካብቶም ከቢድ ጭንቀት ዝሓዞም መንእሰያት 7 ሚእታዊት ዝዀኑ ህይወቶም የሕልፉ ኢዮም።a እዚ እውን እንተዀነ ነቲ ሽግር ምሉእ ብምሉእ ዝገልጾ ኣይኰነን: ከመይሲ ብዘይካ እቶም ርእሰ-ቕትለት ዝፈጸሙ መንእሰያት ብዙሓት ካልኦት እውን ርእሰ-ቕትለት ዝፈተኑ ኣለዉ። ብዛዕባ ዕቤት ኣባጽሕን ጐራዙትን ዝከታተል ቤት ምኽሪ ካርነጂ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ምግላጹ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ:- “ናይ ኣባጽሕን ጐራዙትን ግድላት ሸለል ኢልካ ምርኣይ ሓደጋ ካብ ምዕዳም ፈሊኻ ዝርአ ኣይኰነን። እዚ ሸለልትነት እዚ ንሓደ ወለዶ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኢዩ።”
ብዘይ ሓሳብ ድዮም ዝነብሩ፧
ገለ ሰባት: ኰተቴታት ናይ መንፈስ ጭንቀት ክሕዞም ዝኽእል ኰይኑ ኣይስምዖምን ኢዩ። ‘ቈልዑ ደኸይኰኑ! ብዘይ ሓሳብ ኢዮም ዝነብሩ። ከም ዓበይቲ ዘጨንቕ ነገራት የብሎምን’ ይብሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግን መንእሰያት ብሓቂዶ ዘጨንቕ ነገራት የብሎምን ኢዩ፧ ኣባጽሕን ጐራዙትን ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ካብ ዝግንዘብዎ ንላዕሊ ዝዓበየ ጸቕጥታት የጋጥሞም ኢዩ። ዶክተር ዳንየል ጎልማን ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “እዚ [መበል 20] ክፍለ ዘመን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ምልእቲ ዓለም ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ወለዶ: ካብ ወለዶም ንላዕሊ ብኸቢድ ጭንቀት ክጥቅዕሉ ኣብ ዝኽእልሉ ሓደገኛ ዅነታት ኢዮም ዝርከቡ። ከቢድ ጭንቀት ክበሃል ከሎ ኸኣ ትትክዝ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወትካ ሕልንኻ ይዓርበካ: ትድቈስ: ትምረር: ሕርብት ይብለካ ማለት ኢዩ። እዚ ናይ ጭንቀት እዋናት እዚ ድማ ገና ብንእሽቶኻ ኢዩ ዝጅምር።”
ይኹን እምበር: ብዙሓት ወለዲ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ይቃወሙ ይዀኑ ኢዮም:- ‘ንሕና ንእስነትና ጭንቀት ከይሓዘና ኢና ኣሕሊፍናዮ። ውሉድና ብኣሉታዊ ስምዒታት ዝወሓጥ ድኣ እሞ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ይኹን እምበር: ዓበይቲ ንእዋን ንእስነቶም ምስዞም ናይ ሎሚ መንእሰያት ከነጻጽርዎ የብሎምን። ቅድም ቀዳድም ውልቀ-ሰባት ኣብ ከባቢኦም ንዘላ ዓለም ዝዕዘብሉን ምላሽ ዝህብሉን መገዲ ይፈላለ ኢዩ።
ብዘይካ እዚውን: ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ተወሳኺ ብድሆ ኣለዎም። ዶክተር ካትሊን ማኮይ ኣብታ ነቲ ናይ ውሉድኩም ናይ መንፈስ ጭንቀት ተረድእዎ [እንግሊዝኛ] እትብል መጽሓፋ ከምዚ በለት:- “ካብታ ወለዶም መንእሰያት ከለዉ ዝነበረት ኣብ ኣዝያ እተፈልየት ዓለም ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ።” ዶክተር ማኮይ: ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት እተኻየደ ርኡይ ለውጥታት ድሕሪ ምጥቃሳ ኸምዚ ብምባል ትድምድም:- “ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ምስቲ ንሕና ሓደ ወለዶ ይገብር ዝስምዓና ዝነበረ ዅነታት ክነጻጸር ከሎ ዝስምዖም ዕቝባ: ዘለዎም ምትእምማንን ተስፋን ኣዝዩ ድኹም ኢዩ።”
ነቲ ኣብ መንእሰያት ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ጭንቀት ኣብ ግምት ብምእታው: እዘን ዝስዕባ ሰለስተ ሕቶታት ኣብተን ቀጺለን ዘለዋ ዓንቀጻት መልሲ ኽወሃበለን ኢዩ:-
• ገለ ኻብቲ ኣብ መንእሰያት ዝርአ ጭንቀት እንታይ ምልክታት ኢዩ ዘለዎ፧
• ነቲ ዅነታት ዘበግሶ እንታይ ኢዩ፧
• ናይ መንፈስ ጭንቀት ዘለዎም መንእሰያት ብኸመይ ክሕገዙ ምኸኣሉ፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኦም ክኢላታት እቲ ልክዕ ኣሃዝ ካብዚ ንላዕሊ ምዃኑ ኢዮም ዝኣምንሉ። ከመይሲ ብድንገት ኢዩ ተባሂሉ እተወርየሉ መብዛሕትኡ ሞት ብርእሰ-ቕትለት እተፈጸመ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።