ክትሕግዘሉ እትኽእል መገዲ
“ናይ መንፈስ ጭንቀት ዘለዎም ቈልዑ ሓገዝ የድልዮም ኢዩ። ይኹን እምበር ቈልዑ ነዚ ሓገዝ እዚ ባዕሎም ክረኽብዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ሓደ እኹል ሰብ መጀመርታ ነቲ ግድል ክርድኦ ደሓር ድማ ኣርዚኑ ኽወስዶ ኣለዎ። እዚ እቲ ዝኸበደ ኢዩ።”—ዶክተር ማርክ ኤስ. ጎልድ
ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዘሎ ውሉድካ ጭንቀት ከም ዘለዎ እንተድኣ ጠርጢርካ እንታይ ኢኻ ክትገብር እትኽእል፧ ቅድም ቀዳድም: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ተሃዊኽካ ኣብ መደምደምታ ኣይትብጻሕ። ከመይሲ ዅሉ እቲ ምልክታት ንኻልእ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።a ኣብ ርእሲ እዚ እውን ዅሎም መንእሰያት ሓሓሊፉ ጠባያቶም ይቀያየር ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ሽግር እንተድኣ ቐጺሉ እሞ ግዝያዊ ትካዘ ጥራይ ከም ዘይኰነ እንተድኣ ተገንዚብካ ግን ንሓኪም ምምኻር ዝሓሸ ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ ነተን የሱስ “ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር: ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም” ብምባል እተዛረበን ቃላት ምዝካር የድሊ።—ማቴዎስ 9:12
ውሉድካ ንኽደክም ግደ ገይርሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ እትብሎ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ህይወቱ ዘጋጠመ ለውጥታትን ካልእ ሓጋዚ ሓበሬታታትን እንተልዩ ኸይሓባእካ ንሓኪም ግለጸሉ። እቲ ሓኪም ቅድሚ ምውሳኑ እኹል ግዜ ሂቡ ንዅሉ እቲ ምልክታት ሰሚዕዎ እንተ ዀይኑ ኣረጋግጽ። ዶክተር ዴቪድ ጂ. ፋስለር ከምዚ ብምባል የጠንቅቕ:- “ንሓደ ቘልዓ ንምግምጋም ክሕግዘካ ዝኽእል ሓበሬታ ኣብ ውሽጢ 20 ደቒቕ ጥራይ ክትረኽቦ ኣይከኣልን ኢዩ።”
ዝዀነ ይኹን ዝመጸካ ሕቶታት ነቲ ሓኪም ከይተሰከፍካ ሕተቶ። ንኣብነት: እቲ ዶክተር ውሉድኩም ከቢድ ጭንቀት ዘለዎ ዀይኑ እንተድኣ ተሰሚዕዎ: ኻልእ ዓይነት ሕማም ክኸውን ከም ዘይክእል ዘረጋገጸ ስለምንታይ ምዃኑ ኽትሓቶ ትደሊ ትኸውን። ብዛዕባ እቲ ሓኪም ዝሃቦ ገምጋም ትጠራጠር እንተድኣ ዄንካ: ንኻልእ ሓኪም እውን ክትሓትት ከም እትደሊ ንገሮ። ቅንዕና ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ሓኪም ንኻልእ ካብ ምሕታት ከታርፈካ ኣይፍትንን ኢዩ።
ነቲ ዅነታት ናተይ ኢልካ ምሓዙ
ውሉድካ ከቢድ ጭንቀት እንተድኣ ሒዝዎ: በቲ ዅነታት ኣይትሕፈር። ከመይሲ ጥቁዋት መንእሰያት እውን ከይተረፈ ጭንቀት ክሕዞም ይኽእል ኢዩ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ ብእተኻእሎም መጠን ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝጽዕሩ ዝነበሩ ሰባት ዕድሚኦም ብዘየገድስ ዘሳቒ ስምዒታት የጋጥሞም ከም ዝነበረ ይገልጸልና ኢዩ። ንኣብነት ብዛዕባ እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ሕሰብ። ንሱ ብኣምላኽ እተጠንጠነ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ ብህይወት ምንባር ጸሊኡ ነበረ። (እዮብ 10:1፣ 29:2, 4, 5) ሃና ምብላዕ ክሳዕ እትስእን “ብነፍሳ ተመሪራ” ዝነበረት ኣገልጋሊት ኣምላኽ ኢያ። (1 ሳሙኤል 1:4-10) እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ያእቆብ እውን ድሕሪ ሞት ወዱ ብዙሕ መዓልትታት ሓዘነ: ‘ምጽንናዕ ኸኣ አበየ።’ ሕሉፍ ሓሊፉ እኳ ድኣ ሞይቱ ምስ ወዱ ኽቕበር ኢዩ ተመንዩ! (ዘፍጥረት 37:33-35) ስለዚ እምበኣር: ስምዒታዊ ምንዋጽ ዅሉ ሳዕ ብሰንኪ መንፈሳዊ ድኻም ኢዩ ዝመጽእ ማለት ኣይኰነን።
ይኹን እምበር: ኣብ መንእሰያት ዘጋጥም ጭንቀት ንወለዲ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣደ ሓንቲ ናይ መንፈስ ጭንቀት ዝነበራ መንእሰይ “ኣብ ኣዘራርባይን ተግባረይን ኣዝየ ኽጥንቀቕ ኣሎኒ። እጭነቕ: እፈርህ: ገጨውጨው እብል: እሓርቕን እሕለልን” ትብል። ሓንቲ ኻልእ ድማ ከምዚ ትብል:- “ሓንቲ ኣደ ምስ ጓላ ዕዳጋ ክትከይድ ከላ እርኢ እሞ ኣነ ግን [ምስ ጓለይ] ከምኡ ኽገብር ዘይምኽኣለይን ንዝመጽእ እውን እንተዀነ ፈጺመ ክገብር ከም ዘይክእል ብምሕሳብ እጕሂ።”
ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ክሓድረካ ንቡር ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ እዚ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ እንተድኣ ኣጋጢሙካ ንሓደ እትኣምኖ ፈታዊ ቀሪብካ ስምዒትካ ዘይተካፍሎ፧ ምሳሌ 17:17 “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ብምባል ትገልጽ። (ምሳሌ 17:17) ንጸሎት እውን ዕሽሽ ኣይትበሎ። መጽሓፍ ቅዱስ: ጾርና ናብ ኣምላኽ እንተድኣ ደርቢናዮ ከም ዘጸናንዓና ይነግረና ኢዩ።—መዝሙር 55:22
ናይ ምውቃስ ዝንባለ
መብዛሕትኦም ወለዲ ናይቶም ጭንቀት ዘለዎም መንእሰያት: ኣዝዮም ይድቈሱ: በቲ ዘጋጠመ ዅነታት ከኣ ንርእሶም ይወቕሱ። ሓንቲ ወላዲት ከምዚ ትብል:- “ውሉድካ ጭንቀት ምስ ሓዞ ንርእስኻ ትወቅስ ካልእ ሰብ ዝበለ እንተበለ ኸኣ ከእምነካ ኣይክእልን ኢዩ። ‘እንታይ ጌጋ ኢና ገይርና፧ መበገሲኡ እንታይ ክኸውን ይኽእል፧ ብወገነይ እንታይ ኢየ ገይረ፧’ እናበልካ ትጭነቕ።” ወለዲ በዚ መዳይ እዚ ኣተሓሳስብኦም ሚዛናዊ ኽገብርዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
ኣብ ቤት ሕማቕ ሃዋሁ ምስ ዝህሉ ንሓደ ቘልዓ ሕማቕ ጽልዋ ኽገብረሉ ከም ዝኽእል ፍሉጥ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ ከምዚ ዝብል ማዕዳ ዝህቦም:- “ኣቱም ኣቦታት: ሕሊናኦም ከይዐርብ: ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።” (ቈሎሴ 3:21) ስለዚ ወለዲ ንውሉዳቶም ንምቕጻዕ ዝጥቀምሉ ኣገባብ ክምርምርዎን ዘድሊ ምትዕርራይ ከኣ ኽገብሩን ኣለዎም። ይኹን እምበር: እዚ ሕማም እዚ ዅሉ ግዜ ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ወለዲ ኢዩ ዝመጽእ ማለት ኣይኰነን። ናይ ስምዒት ምዝንባል ኣብቲ ብዙሕ ፍቕሪ ዝረኣየለን ስድራቤታት እውን ከይተረፈ ኸጋጥም ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ንውሉዳቶም ብእተኻእሎም መጠን ንምሕጋዝ ዝጽዕሩ ወለዲ ናይ ገበን ስምዒት ክስምዖም የብሉን።
ነቲ ጭንቀት ዝሓዞ ውሉድካ ተሓታቲ ባዕሉ ከም ዝዀነ ገይርካ ምንቃፉ እውን ኣየድልን ኢዩ። ደሓር ከኣ እቲ ውሉድ ዘጋጠሞ ናይ ስምዒት ምዝንባል ልዕሊ ዓቕሙ ኢዩ። ሓንቲ ኣደ ኸምዚ ትብል:- “ወደይ ፍሮማይ ወይ ከኣ ነድሪ ጕርጕማ ምስ ዝሓምም ተሓታቲ ባዕሉ ከም ዝዀነ ገይረ ኣይነቕፎን ኢየ። ጭንቀት ምስ ሓዞ ግን ከምኡ ገበርኩ። ብምሕማሙ ንውሉደይ ነቒፈዮ። ከምኡ ምግባረይ ከኣ ኣዝዩ ኢዩ ዘጕህየኒ።” ንጭንቀት ከም ድኻም ዘይኰነስ ከም ሕማም ገይርካ ምውሳዱ ወለዲ ይኹኑ ኻልኦት ሰባት ነቲ ግዳይ ብኸመይ ከም ዝድግፍዎ ጥራይ ንኽሓስቡ ይሕግዞም ኢዩ።
ጭንቀት ዘለዎ ውሉድ ምዕባይ ነቲ ኣብ መንጎ ወለዲ ዘሎ ርክብ ኣዕሚቑ ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ በዓልቲ እንዳ “ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ኽህልወና እንጽበዮ ዝነበረና ናብራን ብሰንኪ ወድና ዘሕለፍናዮ ናብራን ምስ እንሓስብ ንሓድሕድና ንወቓቐስ ነበርና” ትብል። ጭንቀት ዝሓዛ ጓል ዘላቶ ቲም ከምዚ ይብል:- “ንናይ መርዓ ብጻይ ክትወቅስ ቀሊል ኢዩ። እቲ ውሉድ ጭንቀት ከም ዘለዎ ዝሕብር ምልክታት ቅድሚ ምርኣዩ ወለዲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘይምስምማዕ እንተድኣ ነይርዎም: እቲ ውሉድ ዘርእዮ ዘይልሙድ ባህርያት ነቲ ጸገም ከም ዝባራዕ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ።” ናይ ውሉድካ ጭንቀት ኣብ ሓዳርካ ንፋስ ከእትወልካ ኣይተፍቅደሉ! ንገዛእ ርእስኻ: ንውሉድካ ወይ ከኣ ንናይ መርዓ ብጻይካ ብምውቃስ እተፍርዮ ነገር የለን። እቲ ኣገዳሲ ነገር ነቲ እዚ ሕማም እዚ ዘለዎ ሰብ ምሕጋዝ ኢዩ።
ሓገዝ ምሃብ
መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት “ነተን እተጨነቓ ነፍሳት ብዘጸናንዕ ቃላት ተዛረብወን” ኢሉ ይምዕድ። (1 ተሰሎንቄ 5:14 NW ) እቲ ጭንቀት ዘለዎ መንእሰይ ንገዛእ ርእሱ እምብዛ ኣትሒቱ ብምርኣይ ዝድቈስ እንተድኣ ዀይኑ ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ “ከምኡ ክስምዓካ ኣይግባእን ኢዩ” ወይ ከኣ “ከምኡ ምሕሳብ ጌጋ ኢዩ” እናበልካ ብምዅናን ክትሕግዞ ኣይትኽልን ኢኻ። ኣብ ክንድኡ ግን ‘ድንጋጽ’ ብምርኣይ ጸገሙ ክትርድኣሉ ጸዓር። (1 ጴጥሮስ 3:8) ጳውሎስ ንክርስትያናት “ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ” ብምባል ምዒድዎም ኢዩ። (ሮሜ 12:15) ሓደ ናይ መንፈስ ጭንቀት ዘለዎ ሰብ ብሓቂ ከም ዝሳቐ ኣይትረስዕ። እቲ ስቓይ ብሓሳቡ ዘምጽኦ ወይ ከኣ ቈላሕታ ክረክብ ኢሉ ዝፈጠሮ ኣይኰነን። ጽን ኢልካ ድሕሪ ምስማዕካ ናይ ልቡ ከም ዝገልጸልካ ግበር። ስለምንታይ ከምኡ ይስምዖ ኸም ዘሎ ሕተቶ። ድሕርዚ ኸኣ እቲ መንእሰይ ንርእሱ ኣትሒቱ ንኽርእያ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘይብሉ ንኽግንዘብ ብህድኣትን ብትዕግስትን ሓግዞ። ኣምላኽ ፈቃርን መሓርን ምዃኑ ምስ እተዘኻኽርዎ ኸኣ ነቲ ሰብ ጭንቀቱ ኸህድኣሉ ይኽእል ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 5:6, 7
ካልእ ክትወስዶ እትኽእል ግብራዊ ስጕምትታት እውን ኣሎ። ንኣብነት: እቲ ጭንቀት ዘለዎ ውሉድካ ግቡእ ዕረፍትን መግብን ከም ዝረክብ: ምውስዋስ ኣካላት ከኣ ከም ዘዘውትር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። (መክብብ 4:6) መድሃኒት እንተድኣ ተኣዚዝሉ ኸኣ ስለምንታይ ክወስዶ ኸም ዘለዎ ክግንዘብ ምሕጋዙ ጥበባዊ ኢዩ። ደገፍካ ካብ ምሃብ ኰነ ፍቕርኻ ካብ ምግላጽ ፈጺምካ ኣይተቋርጽ።
ሓደ መንእሰይ ጭንቀት ምስ ዝሕዞ ንዕኡ ይኹን ንኣባላት ስድራቤቱ መሪር ተመክሮ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር እቲ እተርእዮ ትዕግስቲ: ዘይምሕላል: ከምኡውን ፍቕሪ ነቶም ጭንቀት ዘለዎም መንእሰያት ንምሕጋዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኡ ሕማማት ከም ሞኖኑክሊዮሲስ: ሽኮርያ: ዋሕዲ ደም: ሃይፖታይሮዲዝም: ሃይፖግላይሰምያ ዝኣመሰለ ምስ ጭንቀት እተተሓሓዘ ምልክትታት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን]
ናይ መንፈስ ጭንቀት ዘሎካ መንእሰይ እንተድኣ ዄንካ
ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ: ዅነታትካ እውን ክመሓየሽ ዘይክእል ኣይኰነን። እቲ ዘሎካ ጭንቀት (1) ናይ ኣካላትካ ከሚካል ምምዝባል ወይ (2) ኣብ ናብራ ህይወትካ ምስ ዘጋጥመካ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝዀነ ኵነታት እተተሓሓዘ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተ በዚ እንተ በቲ ብዘጋጠመካ ዅነታት ንስኻ ኣይትውቀስን ኢኻ። ገና ግን ንምፍትሑ እንታይ ኢኻ ክትገብር እትኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ” ብምባል ይገልጸልና። (ምሳሌ 18:24) ከምዚ ዝኣመሰለ ፈታዊ ረኺብካ ስምዒትካ ዘይተፍስሰሉ፧ ሓደ ካብ ወለድኻ ወይ ከኣ ካልእ ብሱል ሰብ ነዚ ሕማም እዚ ንኸተሰንፎ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ኣጸቢቖም ክሕግዙኻ ይኽእሉ ኢዮም።
ወለድኻ ከቢድ ጭንቀት ከም ዝሓዘካ ዀይኑ ዝስምዖም እንተድኣ ዀይኑ ነቲ ኣጋጢሙካ ዘሎ ምዝንባል ንምፍዋስ ተመክሮ ናብ ዘለዎ ሓኪም ክወስዱኻ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ጥበባዊ ስጕምቲ ኢዩ: ከመይሲ ሕክምና ክርከብ እንተድኣ ተኻኢሉ እዚ ሕማም እዚ ብግቡእ ክፍወስ ዝከኣል ነገር ኢዩ። ንኣብነት ከሚካላዊ ምምዝባል እንተድኣ ኣጋጢሙ ስምዒት ዘነቓቕሕ መድሃኒት ክእዘዘልካ ይኽእል ኢዩ። እዚ ኣባኻ ዝውዕል እንተድኣ ዀይኑ መድሃኒት ንምውሳድ ኣይትሕፈር። እዚ ነቲ ናይ ኣካላትካ ስነ-ቐመማዊ መስርሕ ናብ ዝነበሮ ከም ዝምለስ ዝገብር: ነቲ ኣብ ናብራ ህይወትካ እትረኽቦ ዝነበርካ ሓጐስን ርግኣትን ንኽምለሰልካ ክሕግዘካ ዝኽእል ቀንዲ መገዲ ድማ ኽኸውን ይኽእል ኢዩ።
ብዙሓት ጭንቀት ዘለዎም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብጸሎት ምስ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ብምቅርራብን ምጽንናዕ ክረኽቡ ክኢሎም ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና:- “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።”b—መዝሙር 34:18
[እግረ-ጽሑፍ]
b ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ነታ “መንእሰያት ዝሓትዎ . . . መንፈስ ጭንቀት ከም ዘሎኒ ንኻልእ ሰብዶ ኽነግር ይግብኣኒ ኢዩ፧” እትብል ኣብ ናይ ጥሪ-መጋቢት 2001 ሕታም ንቕሑ! ዝወጸት ዓንቀጽ ርአ።
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ነቶም ናይ መንፈስ ጭንቀት ዘለዎም ዝኸውን ሓገዝን ተስፋን
ጭንቀት ንምግላጹ ዘሸግር ነገር ብምዃኑ: ኣብዘን ሓጸርቲ ዓንቀጻት እዚኣተን ንዅሉ መዳያት እዚ ሕማም እዚ ኽንድህስሶ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን ድኣ እምበር ሓተምቲ መጽሔት ንቕሑ! እቲ ኣብዚ ቐሪቡ ዘሎ ሓሳባት ንመንእሰያትን ንወለዶምን ነዚ ዘማስን ናይ ስምዒት ምዝንባል እዚ ንኽጽመምዎ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ምሉእ ምትእምማን ኣለዎም።
ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰ መብዛሕትኡ መምርሒታት: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምዃኑ ኣስተብሂልካሉ ትኸውን። እዚ መጽሓፍ እዚ ናይ ጥንቲ መጽሓፍ ከም ዝዀነ ዝከሓድ ኣይኰነን። ይኹን ድኣ እምበር እቲ ሒዝዎ ዘሎ ምኽሪ ከምቲ ክጸሓፍ ከሎ ግብራዊ ዝነበረ ሎሚ እውን እንተዀነ ማዕሪኡ ግብራዊ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ግዜ እኳ እንተ ተቐየረ ወድሰብ ሰብ ምዃኑ ኣይተርፎን ኢዩ። ንሕናውን ከምቲ ነቶም ቀዳሞት ወለዶታት ኣጋጢምዎም ዝነበረ ብድሆታት ኢዩ ዘጋጥመና ዘሎ። እቲ ፍልልዩ ግን እዚ ሽግራት እዚ ሎሚ ዝያዳ ከቢድን ኣዝዩ ዘስፋሕፍሐን ኢዩ።
ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ግብራዊ ዝዀነሉ ካልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። እዚ ድማ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ብምዃኑ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ከም ፈጣሪና መጠን ኣብ ህይወትና ሓጐስን ዕግበትን ምእንቲ ክንረክብ እንታይ ከም ዘድልየና ይፈልጥ ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሕክምና መጽሓፍ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ: ንኸም ናይ መንፈስ ጭንቀት ዝኣመሰለ ሕማማት ግቡእ ሕክምና ንምርካብ ጻዕሪ ካብ ምግባር ኣይክልክለናን ኢዩ። እንተዀነ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም በዚ ሕማም እዚ ዝሳቐዩ ሰባት ንኸነጸናንዖም ክሕግዘና ዝኽእል መሰረታዊ ስርዓታት ሒዙ ኣሎ። ካብዚ ንላዕሊ ድማ: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንዅሉ ሕማማትና ከጥፍኦ ምዃኑ ዝኣተዎ መብጽዓታት ሒዙልና ኣሎ። (መዝሙር 103:3) እወ: የሆዋ ‘ንልቢ ድቑሳት ህያው ክገብሮ’ ዕላማ ኣለዎ።—ኢሳይያስ 57:15
ብዛዕባ እዚ ዓቢ ተስፋ እዚ ዝያዳ ክትማሃር ምደለኻዶ፧ በጃኻ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ ወይ ከኣ ካብቲ ኣብ ገጽ 5 ናይዛ መጽሔት እዚኣ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ጽሓፍ።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ደንጋጺ ንምዃን ጻዕሪ ግበር
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ኣብቲ መንእሰይ ዝርአ ናይ መንፈስ ጭንቀት እንተድኣ ቐጺሉ ምስ ሓኪም ምምኻር ጥበባዊ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ከም ወላዲ መጠን ተሃዊኽካ ንርእስኻ: ንናይ መርዓ ብጻይካ: ወይ ከኣ ንውሉድካ ኣይትውቀስ