ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 11/15 ገጽ 7-9
  • ከይረኣኻ ምንባር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከይረኣኻ ምንባር
  • ንቕሑ!—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዓይነ ስዉራን ብዛዕባ የሆዋ ኺመሃሩ ሓግዞም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ህይወት ዚቕይር ነጠብጣብ
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንዓይነ ስዉራን ምምስካር
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ኣዒንትኻ ነቲ ብስራት ምኽፋት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2015
g 11/15 ገጽ 7-9
ፓኲን ብዓል ቤታን

ከይረኣኻ ምንባር

“ኣብ ዓይኒ ዚነጥብ ብርቱዕ መድሃኒት ምስ ተዋህበኒ፡ ኣዒንተይ ደኺሙ። ጐርዞ ምስ ኰንኩ ኸኣ፡ ጠሪሰ ዓዊረ፡ ብጭንቀት እውን ተዋሒጠ።”—ብዓል ቤታ እውን ዓይነ ስዉር ዝዀነ ኣብ ማእከላይ ዕድመ እትርከብ ፓኲ።

ዑረት ወይ ከቢድ ናይ ምርኣይ ጸገም ካብ ከም ማህሰይትን ሕማምን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ጠንቂ ኺመጽእ ይኽእል እዩ። እዚ ጠንቅታት ድማ ንኣዒንቲ፡ ንመትኒ ኣዒንቲ፡ ወይ ንሓንጎል ኪጐድእ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ወይ ብምሉኡ ናይ ምርኣይ ክእለቶም ዚስእኑ ሰባት፡ ነቲ ዝወረዶም ምቕባል ይኸብዶምን ይጕህዩን ይፈርሁን እዮም። ብዙሓት ግና ንዘጋጠሞም ሽግር ክኢሎም ዜዕግብ ህይወት ይመርሑ እዮም።

ከም ንቡር፡ ኣዒንትና ነቲ ኻብታ ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም ሓበሬታ እንእክበሉ ቐንዲ ምንጪ ዀይኑ እዩ ዜገልግለና። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ናይ ምርኣይ ክእለቱ ኺስእን ከሎ፡ ብዝያዳ ኣብቲ ዝተረፈ ህዋሳቱ፡ ማለት ኣብ ምስማዕን ምሽታትን ምድህሳስን ምስትምቃርን እዩ ዚምርኰስ።

ብመሰረት መጽሔት ሳይንትፊክ ኣመሪካን፡ ኣብ ተዓጻጻፍነት ኣእምሮ እተገብረ መጽናዕቲ፡ ሓንጎል “ብተመክሮ ናይ ምቕያር” ክእለት ከም ዘለዎ ይሕብር እዩ። እታ ዓንቀጽ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ሓንጎል ካብ ሓደ ህዋስ ዚረኽቦ ዝነበረ ሓበሬታ ምስ ሰኣነ፡ ነቲ ኻልእ ህዋሳት ንምድጋፍን ዓቕሙ ንምውሳኽን ብዜኽእል መገዲ ባዕሉ ዳግመ ውዳበ ኺገብር ይኽእል እዩ” ትብል። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነዚ ዚስዕብ ህዋሳት እስከ ንርአ።

ምስማዕ፦ ሰብ ብድምጹ፡ ብኣረጋግጻኡ፡ ወይ ብኻልእ ደሃዩ ኺልለ ይከኣል እዩ። ፈርናንዶ ዝስሙ ዓይነ ስዉር፡ “ንሰባት ብድምጾም ወይ ብኣካይዳኦም ምዝካርን ምልላይን ክኢለ እየ” ይብል። ህዋን ዝስሙ ዓይነ ስዉር ድማ፡ “ንዓይነ ስዉር፡ ድምጺ ሰብ ከም መንነት እዩ” ይብል። ዓይነ ስዉራን ከም ካልኦት ሰባት ነቲ እተፈላለየ ስምዒታት ዜመሓላልፍ ቃና ድምጺ የተኵሩሉ እዮም።

ሓደ ዓይነ ስዉር፡ ኣእዛኑ ምልላይ ምስ ለመዳ፡ ደሃይ ብምስማዕ ጥራይ ብዛዕባ ኸባቢኡ ይፈልጥ እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣንፈት ዋሕዚ ትራፊክ፡ ስፍሓት ክፍሊ፡ ከምኡ ድማ ዕንቅፋት ኣበይ ከም ዘሎ ኼለሊ ይኽእል እዩ።

ምሽታት፦ ናይ ምሽታት ህዋስ እውን ብዙሕ ሓበሬታ ኺርከበሉ ይከኣል እዩ። እዚ ህዋስ እዚ ግና ብዛዕባ ምንጪ እቲ ሽታ ጥራይ ኣይኰነን ዚሕብር። ንኣብነት፡ ሓደ ዓይነ ስዉር ብሓደ መገዲ ኪኸይድ ከሎ፡ በቲ ናይ ምሽታት ህዋሱ ተጠቒሙ፡ ንካፈተርያን ቤት መግብን ዕዳጋን ካልእ ነገራትን ዜጠቓልል ኣእምሮኣዊ ካርታ ይሰርሕ እዩ። ልክዕ እዩ፡ እቲ ዚፈልጦ ደሃያትን ብምድህሳስ ዚረኽቦ ሓበሬታን እውን ኣብቲ ካርታ ይውሰኽ እዩ።

ምድህሳስ፦ ፍራንሲስኮ፡ “ኣጻብዐይ ኣዒንተይ እየን” እዩ ዚብል። ንውሓት እዘን “ኣዒንቲ” እዚአን ከኣ ብበትሪ ኺናዋሕ ይኽእል እዩ። ብዕዉሩ እተወልደ፡ ብቝልዕነቱ ድማ በትሪ ምጥቃም እተማህረ ማናሰስ፡ “ሳላ ኻልእ ህዋሳተይን ሳላ ተዘክሮይን ሳላ እቲ ኣብ መገዲ ኣጋር ዘሎ ብሓገዝ በትረይ ዘለልዮ ነገራትን ብልክዕ ኣበይ ከም ዝለኹ ይፈልጥ እየ” ኢሉ እዩ።

ሓደ ሰብ ብብረይል እተዳለወ ግምቢ ዘብዐኛ የንብብ

ብብረይል እተዳለወ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ምንባብ

ብዘይካዚ፡ ዓይነ ስዉራን ብናይ ምድህሳስ ህዋሶም ተጠቒሞም፡ ብብረይል እተዳለወ ጽሑፋት የንብቡ እዮም። ሕጂ እሞ ኸኣ ንኣእምሮን መንፈሳዊ ህይወትን ዓይነ ስዉር ዚጠቅም እተፈላለየ መሰናድዎታት ኣሎ። እዚ መሰናድዎታት እዚ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ብብረይል ዚዳሎ ጽሑፋት፡ ቅዳሓት ኣውድዮን ተክኖሎጂ ኮምፕዩተርን እውን የጠቓልል። ዓይነ ስዉራን ብሓገዝ እዚ መሰናድዎታት እዚ ገይሮም መጽሓፍ ቅዱስን ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ እተፈላለየ ጽሑፋትን ኬንብቡ ይኽእሉ እዮም።a

እዚ መንፈሳዊ መሰናድዎታት እዚ፡ ነቶም ኣብ መእተዊ እተጠቕሱ ፓኲን ብዓል ቤታን፡ ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕን ተስፋን ኰይንዎም እዩ። ካብቶም መንፈሳውያን ስድራ ቤቶም ዝዀኑ ኣብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚርከቡ ብጾቶም እውን ደገፍ ረኺቦም እዮም። ብዛዕባ እዚ ፓኲ፡ “ሕጂ ኣብ ህይወትና ብዙሕ እንገብሮ ነገር ኣሎና፡ ጽግዕተኛ ኻብ ምዃን ብመጠኑ ተላቒቕና ኢና” ትብል።

እወ፡ ዑረት ፍሉይ ብድሆታት የምጽእ እዩ። ሰባት ነዚ ብድሆታት እዚ ኽኢሎም ተሓጒሶም ኪነብሩ ኽንርኢ ኸለና ግና፡ እዚ ንተዓጻጻፍነትን ንብርታዐን ሰብ ከም እነድንቕ እዩ ዚገብረና።

a ናይ የሆዋ መሰኽኽር ብልዕሊ 25 ቋንቋ፡ ብብረይል ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ጽሑፋት የዳልዉ እዮም።

ዓይነ ስዉር እኳ እንተ ዀንኩ፡ ዜዕግብ ህይወት ኣሎኒ

ማርኮ ኣንቶንዮን እቲ ዚመርሖ ዳንተ ዝስሙ ኸልቡን

ማርኮ ኣንቶንዮ ብዓል ሓዳርን ኣቦን ዋና ሓደ ብሽርካ ዝቘመ ትካልን እዩ። ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ እውን ዓይነ ስዉር እዩ። ብዛዕባ ዘሐጐሶን ዘጸገሞን ኣጋጣሚታት ምስ ንቕሑ! ቓለ መጠይቕ ገይሩ እዩ።

ንትካልካ ብኸመይ ኢኻ እተካይዶ፧

ኣብ ስራሐይ ብተሌፎን ንዚቐርብ ሕቶታት ምላሽ እህብ፡ ምስ ዓማዊልን ኣቕረብትን ድማ እራኸብ፡ ዕዮ ባንክ እውን እሰርሕ እየ።

ንምዝንጋዕ እንታይ ትገብር፧

ሙዚቃ እፈቱ እየ። የዛንየኒ እዩ። ፒያኖ እጻወት እየ፣ ልክዕ እዩ፡ ብብረይል እተዳለወ ሙዚቃ እናኣንበብኩ ብኽልቲኡ ኢደይ ክጻወት ስለ ዘይክእል፡ እዚ የጸግመኒ እዩ። ሓደ ሙዚቃ ንምጽዋት፡ ኣብ ፈለማ ብየማን ኢደይ እናኣንበብኩ ብጸጋመይ ፒያኖ እጻወት። ድሕሪኡ፡ ኣእዳወይ ዚጻወታኦ ተራ ኣቀያይረ ነቲ መስርሕ እደግሞ። ነቲ ሙዚቃ ብልበይ ምስ ኣጽናዕክዎ፡ ብኽልቲኡ ኣእዳወይ እጻወቶ።

ብፍላይ ዘጸገመካ ነገር እንታይ እዩ፧

ብንእስነተይ ወለደይን ኣሕዋተይን ጽቡቕ ገይሮም እዮም ተኸናኺኖምኒ፣ ዓይነ ስዉር ከም ዘይኰንኩ ገይሮም እዮም ሒዞምኒ። እቲ ዘይተርፍ ምጕናጽን ምውዳቕን እኳ እንተሎ፡ መብዛሕትኡ እቲ ዚርኢ ሰብ ዚገብሮ ነገር ምግባር ግና ለሚደ እየ። ምስ ዓበኹ፡ ማኪና ኽዝውር ዘይምኽኣለይ ብሓቂ ይርብሸኒ ነይሩ።

ሕጂ ብዓል ሓዳርን ኣቦን እየ፣ ኣነ ዘናብሮም፡ ንሳቶም እውን ደገፎም ዚህቡኒ ፈቃራት ስድራ ቤት ኣለዉኒ። እቲ ዝፈትዎ ወደይ ዴቪድ፡ ንመትኒ ዓይኒ ዜማህምን ሕማም ወሪሱ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጽቡቕ ኣብነት ክዀኖ እጽዕር ኣለኹ። ብዓቕልን ብቘራጽነትን ብዙሕ ነገር ምግባር ከም ዚኽእል ክምህሮ እደሊ እየ።

ሕጂ ዚመርሓካ ኸልቢ ኣሎካ። ስለምንታይ ኢኻ እዚ መሪጽካ፧

እዚ ዳንተ ዝስሙ ኸልበይ እናመርሓኒ፡ ብፍጥነት ክኸይድ እኽእል እየ። ንፈለማ ግዜ ናብ ሓደ ቦታ ምስ ዝኸድይ፡ ኣነን ዳንተን ነቲ መገዲ ምእንቲ ኽንፈልጦ፡ ዓይነ ስዉርቲ ዘይኰነት ብዓልቲ ቤተይ ሎሊ ተሰንየና እያ። ሓቂ ይሓይሽ፡ ኣብ ፈለማ ንድሕንነተይ ኣብ ኢድ ከልቢ ምውዳቕ ከቢዱኒ ነይሩ እዩ። ንዳንተ ግና ምሉእ ብምሉእ ክተኣማመነሉ ኽኢለ እየ። ኣብ ከባቢና ዜጋጥም ብዘየገድስ ኣብ ዕዮኡ እዩ ዜተኵር። ንመጥመሪኡ ምስ ፈታሕኩሉ ግና ከም ካልእ ከልቢ ይኸውን።

ናይ የሆዋ ምስክር ከም ምዃንካ መጠን፡ ከመይ ጌርካ መጽሓፍ ቅዱስ ብብሕትኻ ተጽንዕ፧

ንዓይነ ስዉራን ዚኸውን ተክኖሎጂ ውሱን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሎሊ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋትን ተንብበለይ ነይራ። ብዙሕ እያ ሓጊዛትኒ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ፡ መደረታት እውን ከይተረፈ ከቕርብ እኽእል ነይረ። ሕጂ ግና መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋትን ብብረይል ስለ ዘሎ፡ ባዕለይ ከንብብ እኽእል እየ። ናብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ከይደ እውን፡ ቅዳሓት ኣውድዮ ኸራግፍ እኽእል እየ። ኣብ ኮምፕዩተረይ እንታይ ከም ዘሎ ናብ ብረይል ቀዪሩ ብምቕራብ ከንብብ ዚሕግዘኒ ንዋት እውን ኣሎኒ። እቲ ንዋት ከኣ ካብ ውሽጡ ብመልክዕ ፊደላት ብረይል ውጥም ዚብል መራፍእ ኣለዎ። ብሓቂ ዜደንቕ እዩ!

ኣብቲ ኣብ ማድሪድ፡ ስጳኛ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ናብ ብረይል ናይ ምግልባጥ ዕዮ፡ ብፍላይ ባህ ዜብለኒ ፍሉይ ዕዮ እዩ። እቲ ብብረይል ዚዳሎ ጽሑፋትና ብሉጽ ምእንቲ ኪኸውን፡ እቶም ነዚ ዜዳልዉ ሰባት ነቲ ዓይነ ስዉራን ዚህብዎ ሓሳባት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ስለዚ፡ ብሓቂ መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከም ዚፈትዉንን ኣኽቢሮም ከም ዚርእዩንን ይስምዓኒ እዩ።

ምስ ካልኦት ምትሕውዋስ የሐጕሰካ ድዩ፧

እወ፡ ብፍላይ ምስ ስድራ ቤተይን ምስ ብጾተይ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ምትሕውዋስ የሐጕሰኒ እዩ፣ ምሳታቶም ሓቢረ እውን ኣብ በቤት እናኸድና ንሰብኽ ኢና። መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከምቲ ንኻልእ ዚሕዝዎ ገይሮም እዮም ዚሕዙኒ። ሓድሓደ ግዜ እሞ ዓይነ ስዉር ምዃነይ እውን ይርስዑ እዮም!

ኣገልግሎት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጽቡቕ ተስፋ ኸካፍል ኣጋጣሚ ይኸፍተለይ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኢሳይያስ 35:5፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ “ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ” ምዃነን ነንብብ ኢና። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንዕዉራት ኣሕውዩ እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ነገር ከም መርኣያ እዩ። (ማቴዎስ 15:30, 31) ስለዚ፡ ዑረት ግዜያዊ ሽግር እዩ፣ ኵሉ ኻልእ ስንክልና እውን ከምኡ እዩ። ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት፡ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ ወይ ሰንኪለ’ ኣይኪብልን እዩ።—ኢሳይያስ 33:24፡ ትርጉም 1990፣ ሉቃስ 23:43።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ