ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g21 ቍ. 3 ገጽ 4-5
  • ዩኒቨርስ እንታይ ይነግረና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዩኒቨርስ እንታይ ይነግረና፧
  • ንቕሑ!—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • በዛ ጽብቕቲ ምድርና ባህ ይበልካ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ብርቂ ስርዓተ-ጸሓይና ብኸመይ ናብ ህላወ መጸ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ‘እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ’ የሆዋ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ሓይሊ
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ፈጣሪ ንህይወትካ ትርጕም ዘለዎ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2021
g21 ቍ. 3 ገጽ 4-5
ኣብ ርእሲ ኸረን ዝደየቡ ሰባት ነቲ ኣብ ጸልማት ዝወረሶ ሰማይ ዘሎ ኸዋኽብትን ፕላነታትን ይጥምቱ። ሓዲኦም ብተሌስኮፕ ይርኢ።

ዩኒቨርስ እንታይ ይነግረና፧

ዩኒቨርስ ንስነ ኰዀበኛታት ወትሩ እዩ ዜስተንክሮም። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ንምርምሮም ዚኸውን ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝሓሸ ናውቲ ኣለዎም። እሞ ደኣ እንታይ ርኽበታት እዩ ዘሎ፧

ዩኒቨርስ እተወደበ እዩ። ብመሰረት ሓንቲ ኣብ መጽሔት ኣስትሮኖሚ ዝወጸት ዓንቀጽ፡ “ጋላክሲታት ኣብ ሰማይ ብወዝቢ ፋሕ ኢሉ ኣይኰነን ዘሎ፣ የግዳስ ከም ዓለባ ሳሬት ዝበለ ንድፊ ኣለዎ።” እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን፧ ስነ ፍልጠተኛታት፡ እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ ብሰንኪ እቲ ጸሊም ነገር (dark matter) ተባሂሉ ዚፍለጥ ዘይርአ ነገር ምዃኑ ይኣምኑ። እዚ ጸሊም ነገር እዚ፡ ‘ጋላክሲታትን ጥምሮ ጋላክስታትን ዚስርዑሉን እተጾሩሉን ከም ከብሒ ዝበለ ዘይርአ ነገር’ ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

እሞ ደኣ ዩኒቨርስ ብኸመይ እዩ ተወዲቡ፧ እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዘሎ ስርዓትሲ ብወዝቢ ኺመጽእ ይኽእል ድዩ፧ ኣለን ሳንዲጅ ዝሃቦ ሓሳብ እስከ ንርአ። ንሱ “ሓደ ኻብቶም ካብ ኵሉ ዝዓበዩን ጽልዋ ዘለዎምን ናይ መበል 20 ዘመን ስነ ኰዀበኛታት” ጌርካ እዩ ዚርአ፣ ብኣምላኽ ዚኣምን ድማ እዩ ነይሩ።

ንሱ ኸኣ፡ “‘እዚ ስርዓት እዚ ኻብ ሕንፍሽፍሽ መጺኡ’ ዚብልዎ ሓሳብ ዘይከውን ገይረ እየ ዝርእዮ። ዚውድቦ ስርዓት ኪህሉ ኣለዎ” ይብል።

ዩኒቨርስ ንህይወት ንምድጋፍ ብደቂቕ እተቓነየ እዩ። ብዛዕባ እቲ ስነ ፍልጠተኛታት፡ ድኹም ሓይሊ ዚብልዎ እሞ ሕሰብ። እቲ ሓይሊ እቲ ንጸሓይና ብስሩዕ ክትነድድ የኽእላ። እቲ ሓይሊ ኻብቲ ዘለዎ ዝደኸመ እንተ ዚኸውን፡ ጸሓይ ኣይምሃለወትን። ዝሓየለ እንተ ዚኸውን ከኣ፡ ጸሓይ ቀደም ምጠፍአት።

እቲ ድኹም ሓይሊ፡ ሓደ ኻብቲ ንሕና ኽንህሉ ዜኽእለና ብደቂቕ እተቓነየ ሓይልታት እዩ። ኣኒል ኣናንታስዋሚ ዝስሙ ስነ ፍልጠተኛ፡ ሓደ ኻብዚ ሓይልታት እዚ ኻብቲ ሕጂ ዘለዎ እተፈልየ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ “ከዋኽብትን ፕላነታትን ጋላክስታትን ኣይምቘመን። ህይወት እውን ኪህሉ ኣይምኸኣለን” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።

ዩኒቨርስ ንደቂ ሰብ እትኸውን ብልጽቲ መንበሪት ኣላቶ። ምድሪ ልክዕ ሃዋህው ኣለዋ፡ ልክዕ መጠን ማይ ኣለዋ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ቦታኣ ኽትከውን እተኽእላ ልክዕ ዝግዝፋ ወርሒ ኣላታ። ናሽናል ጂኦግራፊክ፡ “እቲ እተጠናነገ መርበብ ስነ መሬትን ስነ ኣከባብን ስነ ህይወትን፡ ነዛ እተደንጹ ኸውሒ [ንምድርና]፡ ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተረኽበ ዘበለ ንደቂ ሰብ እትምሽእ በይና ኸም እትኸውን ገይርዋ” ትብል።a

ሓደ ጸሓፊ ኸም ዝበሎ፡ ስርዓተ ጸሓይና ኣብ ጋላክሲና ኻብ ካልእ ከዋኽብቲ ምሕድግ ኢሉ እዩ ዘሎ። እተገለለ ብምዃኑ ግና፡ ህይወት ኣብ ምድሪ ኺህሉ ኽኢሉ ኣሎ። ኣብ ማእከል ጋላክስና ወይ ኣብቲ ጫለዳ ዚመስል ኽፋሉ ኣብ ጥቓ ኻልኦት ከዋኽብቲ ንነብር እንተ ንኸውን ኔርና፡ እቲ ኻብኡ ዚመጽእ ጸርጊ ንህይወትና ኣብ ሓደጋ መእተዎ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ኣብቲ ገሊኦም ስነ ፍልጠተኛታት፡ “ኪንበረሉ ዚከኣል ዞባ ጋላክሲ” ዚብልዎ ቦታ ኢና ዘለና።

ፖል ዴቪስ ዚብሃል ፊዝከኛ ኣብቲ ብዛዕባ ዩኒቨርስን ባህርያቱን ዘሎ ስነ ፍልጠት ተመርኲሱ ኸምዚ ኣብ ዚብል መደምደምታ በጺሑ ኣሎ፦ “ኣብዚ ዩኒቨርስ ዘሎና ህልውና ብዕድል ዝመጸ፡ ብድንገት ኣብ ታሪኽ እተኸስተ፡ ኣብቲ ቆዝሞሳዊ ድራማ ብወዝቢ ዝዀነ ኢለ ኣይኣምንን እየ። . . . ብዕላማ ኢና ኣብዚ ኽንህሉ ተሓሲብና።” ዴቪስ፡ ኣምላኽ ንዩኒቨርስን ንሰብኣዊ ህይወትን ከም ዝፈጠረ ዚምህር ኣይኰነን፣ ግናኸ፡ እንታይ ይመስለካ፧ ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ መሸም ዩኒቨርስን ምድርን ንህይወት ተባሂሉ እተነድፈ እዩ ዚመስል። ከምኡ መሲሉ ዚርአ ዘሎ፡ ብሓቂ ስለ ተነድፈ ደዀን ኪኸውን ይኽእል፧

a እዛ ኣብ ናሽናል ጂኦግራፊክ ዝወጸት ዓንቀጽ፡ ኣምላኽ ንምድርን ንደቂ ሰብን ከም ዝፈጠሮም እትእምት ኣይኰነትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምድሪ ንሰባት እትምሽእ መንበሪት ምዃና ጥራይ እያ እትገልጽ ነይራ።

ነዚ ሕሰበሉ፦

ጋዜጣታትን ኵነታት ኣየር ዚገልጽ ኣፕሊኬሽናትን፡ ጸሓይን ወርሕን ዚበርቃሉ ዀነ ዚዓርባሉ ልክዕ ግዜ ይንበ እዩ። ሰባት ነዚ ተዓዚቦም እንታይ ከም ዚኸውን ኪንበዩ ኻብ ከኣሉ፡ ነቲ እተመስረተሉ ሕግታት ስነ ኰዀብ ደኣ መን ፈጢርዎ፧

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሞባይሉ ጸሓይ እትዓርበሉ ሰዓት ይርኢ።
    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ