ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 90
  • ኣብ ዔላ ምስታ ሰበይቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ዔላ ምስታ ሰበይቲ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ጥቓ እታ ዒላ ዝረኸባ ሰበይቲ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ምምሃር
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ መሃራ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ማይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 90

ዛንታ 90

ኣብ ዔላ ምስታ ሰበይቲ

የሱስ ኣብ ሰማርያ ኣብ ጥቓ ሓደ ዔላ ከዕርፍ ጕዕዞ ኣቋረጸ። ደቀ መዛሙርቱ መግቢ ንምዕዳግ ናብ ከተማ ከዱ። እዛ የሱስ ዝዛረባ ዘሎ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። ‘ማይ ግዳ ኣስትይኒ’ ኸኣ በላ።

እዚ ነታ ሰበይቲ ኣጸቢቑ ኣገረማ። ስለምንታይ ከም ዘገረማ ትፈልጥዶ፧ የሱስ ኣይሁዳዊ ንሳ ኸኣ ሳምራዊት ብምዃና ኢዩ። መብዛሕትኦም ኣይሁድ ከኣ ንሳምራውያን ኣይፈትዉዎምን ኢዮም ነይሮም። አረ ኣይዛረብዎምን እውን ኢዮም ነይሮም! የሱስ ግን ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኢዩ ዘፍቅር ነይሩ። ስለዚ ‘እዚ ዝሓተኪ ዘሎ መን ምዃኑ እንተ ትፈልጢ: ምለመንክዮ ነይርኪ ንሱ ኸኣ ህይወት ዝህብ ማይ ምሃበኪ ነይሩ’ በላ።

እታ ሰበይቲ ኸኣ ‘ጐይታይ እዚ ዔላ ዓሚቝ ኢዩ: ንስኻ ኸኣ መቕድሒ የብልካን። እዚ ህይወት ዝህብ ማይ ደኣ ካበይ ከተምጽኦ ኢኻ፧’ በለቶ።

የሱስ ከኣ ‘ካብዚ ዔላ እዚ እንተ ሰተኺ መሊስኪ ትጸምኢ: እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ግን ንዘለኣለም ዘንብር ኢዩ’ ኢሉ ገለጸላ።

እታ ሰበይቲ ኸኣ ‘ጐይታይ እዚ ማይ እዚ ሃበኒ! ፈጺመ ኸኣ ኣይጸምእን። ማይ ደልየ ኸኣ ኣብዚ ድሕሪ ደጊም ኣይመጸእን’ በለቶ።

እዛ ሰበይቲ እዚኣ የሱስ ብዛዕባ ናይ ብሓቂ ማይ ዝዛረብ ዘሎ መሰላ። የሱስ ግን ብዛዕባ ኣምላኽን መንግስቱን ዝምልከት ሓቂ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። እዚ ሓቂ እዚ ከም ህይወት ዝህብ ማይ ኢዩ። ንሓደ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦ ይኽእል ኢዩ።

የሱስ ነታ ሰበይቲ ‘ኪዲ እሞ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ምጺ’ በላ።

ንሳ ኸኣ ‘ሰብኣይ የብለይን’ ኢላ መለሰትሉ።

የሱስ ከኣ ‘ቅኑዕ መለስኪ። ሓሙሽተ ሰብኡት ነበሩኺ: እቲ ሕጂ ምስኡ እትነብሪ ዘለኺ ኸኣ ሰብኣይኪ ኣይኰነን’ በላ።

እቲ ዝበሎ ዅሉ ሓቂ ስለ ዝዀነ እታ ሰበይቲ ተገረመት። የሱስ ነዚ ነገራት እዚ ብኸመይ ፈለጦ፧ የሱስ እቲ ብኣምላኽ እተላእከ መብጽዓ እተገብረሉ ኢዩ: ኣምላኽ ከኣ እዚ ሓበሬታ እዚ ሃቦ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ተመልሱ: ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኽዛረብ ስለ ዝጸንሖም ከኣ ገረሞም።

ካብዚ ዅሉ እንታይ ኢና እንምሃር፧ የሱስ ካብ ኵሉ ዓሌት ንዝዀኑ ሰባት ሕያዋይ ከም ዝዀነ ዘርኢ ኢዩ። ንሕና እውን ሕያዎት ክንከውን ኣሎና። ገሊኦም ሰባት ካብ ገለ ዓይነት ዓሌት ስለ ዝዀኑ ጥራይ እኩያት ኢዮም ኢልና ክንሓስብ የብልናን። የሱስ ኵሎም ሰባት እቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ሓቂ ክፈልጡ ኢዩ ዝደልዮም። ንሕና እውን ሰባት ሓቂ ክማሃሩ ክንሕግዞም ኣሎና።

ዮሃንስ 4:⁠5⁠-​43፣ 17:⁠3

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ