ዛንታ 90
ኣብ ዔላ ምስታ ሰበይቲ
የሱስ ኣብ ሰማርያ ኣብ ጥቓ ሓደ ዔላ ከዕርፍ ጕዕዞ ኣቋረጸ። ደቀ መዛሙርቱ መግቢ ንምዕዳግ ናብ ከተማ ከዱ። እዛ የሱስ ዝዛረባ ዘሎ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። ‘ማይ ግዳ ኣስትይኒ’ ኸኣ በላ።
እዚ ነታ ሰበይቲ ኣጸቢቑ ኣገረማ። ስለምንታይ ከም ዘገረማ ትፈልጥዶ፧ የሱስ ኣይሁዳዊ ንሳ ኸኣ ሳምራዊት ብምዃና ኢዩ። መብዛሕትኦም ኣይሁድ ከኣ ንሳምራውያን ኣይፈትዉዎምን ኢዮም ነይሮም። አረ ኣይዛረብዎምን እውን ኢዮም ነይሮም! የሱስ ግን ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኢዩ ዘፍቅር ነይሩ። ስለዚ ‘እዚ ዝሓተኪ ዘሎ መን ምዃኑ እንተ ትፈልጢ: ምለመንክዮ ነይርኪ ንሱ ኸኣ ህይወት ዝህብ ማይ ምሃበኪ ነይሩ’ በላ።
እታ ሰበይቲ ኸኣ ‘ጐይታይ እዚ ዔላ ዓሚቝ ኢዩ: ንስኻ ኸኣ መቕድሒ የብልካን። እዚ ህይወት ዝህብ ማይ ደኣ ካበይ ከተምጽኦ ኢኻ፧’ በለቶ።
የሱስ ከኣ ‘ካብዚ ዔላ እዚ እንተ ሰተኺ መሊስኪ ትጸምኢ: እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ግን ንዘለኣለም ዘንብር ኢዩ’ ኢሉ ገለጸላ።
እታ ሰበይቲ ኸኣ ‘ጐይታይ እዚ ማይ እዚ ሃበኒ! ፈጺመ ኸኣ ኣይጸምእን። ማይ ደልየ ኸኣ ኣብዚ ድሕሪ ደጊም ኣይመጸእን’ በለቶ።
እዛ ሰበይቲ እዚኣ የሱስ ብዛዕባ ናይ ብሓቂ ማይ ዝዛረብ ዘሎ መሰላ። የሱስ ግን ብዛዕባ ኣምላኽን መንግስቱን ዝምልከት ሓቂ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። እዚ ሓቂ እዚ ከም ህይወት ዝህብ ማይ ኢዩ። ንሓደ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦ ይኽእል ኢዩ።
የሱስ ነታ ሰበይቲ ‘ኪዲ እሞ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ምጺ’ በላ።
ንሳ ኸኣ ‘ሰብኣይ የብለይን’ ኢላ መለሰትሉ።
የሱስ ከኣ ‘ቅኑዕ መለስኪ። ሓሙሽተ ሰብኡት ነበሩኺ: እቲ ሕጂ ምስኡ እትነብሪ ዘለኺ ኸኣ ሰብኣይኪ ኣይኰነን’ በላ።
እቲ ዝበሎ ዅሉ ሓቂ ስለ ዝዀነ እታ ሰበይቲ ተገረመት። የሱስ ነዚ ነገራት እዚ ብኸመይ ፈለጦ፧ የሱስ እቲ ብኣምላኽ እተላእከ መብጽዓ እተገብረሉ ኢዩ: ኣምላኽ ከኣ እዚ ሓበሬታ እዚ ሃቦ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ተመልሱ: ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኽዛረብ ስለ ዝጸንሖም ከኣ ገረሞም።
ካብዚ ዅሉ እንታይ ኢና እንምሃር፧ የሱስ ካብ ኵሉ ዓሌት ንዝዀኑ ሰባት ሕያዋይ ከም ዝዀነ ዘርኢ ኢዩ። ንሕና እውን ሕያዎት ክንከውን ኣሎና። ገሊኦም ሰባት ካብ ገለ ዓይነት ዓሌት ስለ ዝዀኑ ጥራይ እኩያት ኢዮም ኢልና ክንሓስብ የብልናን። የሱስ ኵሎም ሰባት እቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ሓቂ ክፈልጡ ኢዩ ዝደልዮም። ንሕና እውን ሰባት ሓቂ ክማሃሩ ክንሕግዞም ኣሎና።