ዛንታ 101
የሱስ ተቐትለ
እዚ ዝፍጸም ዘሎ ዘሰንብድ ነገር እሞ ርኣዮ! የሱስ ይቕተል ኢዩ ዘሎ። ኣብ ዕንጨይቲ ኢዮም ሰቒሎሞ። ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብመስማር ተሸንኪሩ ኢዩ ዘሎ። ንየሱስ ከምዚ ኽገብርዎ ዝደልዩስ ስለምንታይ ኰን ይኸውን፧
ገሊኦም ንየሱስ ስለ ዝጸልእዎ ኢዩ። መን ምዃኖም ትፈልጥዶ፧ ሓደ ኻብኣቶም እቲ እኩይ መልኣኽ ሰይጣን ድያብሎስ ኢዩ። ንሱ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ከም ዘይእዘዙ ዝገበሮም ኣካል ኢዩ። ጸላእቲ የሱስ ነዚ ዓቢ ገበን እዚ ኸም ዝገብሩ ዝገበሮም ከኣ ሰይጣን ኢዩ።
የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ቅድሚ ምሽንካሩ እውን ጸላእቱ ናይ ሕሰም ነገራት ኣብ ልዕሊኡ ፈጸሙ። ኣብ ናይ ጌተሴማኔ ጀርዲን መጺኦም ብኸመይ ከም ዝወሰድዎ ትዝክርዶ ኢኻ፧ እዞም ጸላእቲ እዚኣቶም መን ኢዮም ነይሮም፧ እወ: እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኢዮም ነይሮም። እስከ ቀጺሉ እንታይ ከም እተፈጸመ ንርአ።
የሱስ ናብቶም መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ተወስደ: ሃዋርያቱ ሃደሙ። ስለ ዝፈርሑ ንየሱስ ምስ ጸላእቱ ንበይኑ ሓዲጎምዎ ከዱ። ሃዋርያ ጴጥሮስን ዮሃንስን ግን ኣርሒቖም ኣይከዱን። ንየሱስ እንታይ ከም ዘጓንፎ ንምርኣይ ሰዓብዎ።
እቶም ካህናት ንየሱስ ናብቲ ኣሪጉ ዝነበረ ሃና እቲ ናይ ቅድም ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። እቲ ህዝቢ ኣብኡ ብዙሕ ኣይጸንሐን። ካብኡ ንየሱስ ናብ ቤት ቀያፋ እቲ ሽዑ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ወሰድዎ። ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ ኣብ ቤቱ ተኣኪቦም ነበሩ።
ኣብዚ ኣብ ቤት ቀያፋ ኸኣ ከሰስዎ። ሰባት ብዛዕባ የሱስ ሓሶት ክዛረቡ ኣምጽእዎም። ኵሎም እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ‘የሱስ ይቀተል’ ይብሉ ነበሩ። ብድሕርዚ ኸኣ ኣብ ገጹ ጡፍ በልሉ: በእዳዎምውን ኣጕሰጥዎ።
እዚ ዅሉ ክኸውን ከሎ: ጴጥሮስ ኣብቲ ገበላ ነበረ። ቍሪ ዝመልኦ ለይቲ ኢዩ ነይሩ: ስለዚ እቶም ሰባት ሓዊ ኣናኸሱ። እናሰሓኑ ኸለዉ ኸኣ ሓንቲ ኣገልጋሊት ንጴጥሮስ እናጠመተት ‘እዚ ሰብኣይ እውን ምስ የሱስ ነይሩ ኢዩ’ በለት።
ጴጥሮስ ኸኣ ‘ኣይፋለይ! ኣይነበርኩን’ ብምባል መለሰ።
ሰለስተ ግዜ ሰባት ንጴጥሮስ ምስ የሱስ ነይርካ ኢኻ በልዎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግን ጴጥሮስ ከሓደ። ጴጥሮስ ኣብታ ሳልሰይቲ ግዜ ከምኡ ምስ በለ: የሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣዮ። ጴጥሮስ ብምሕሳዉ ኣዝዩ ጐሃየ: ከይዱ ኸኣ በኸየ።
ዓርቢ ንግሆ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ: ካህናት ንየሱስ ናብቲ ዓቢ መአከቢኦም: ኣደራሽ ሳንሄድሪን ወሰድዎ። ኣብኡ እንታይ ከም ዝገብርዎ ተዘራረቡ። ናብቲ ገዛኢ ናይ ኣውራጃ ይሁዳ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ከኣ ወሰድዎ።
እቶም ካህናት ከኣ ንጲላጦስ ‘እዚ እኩይ ሰብ ኢዩ። ክቕተል ኣለዎ’ ብምባል ተዛረብዎ። ጲላጦስ ንየሱስ ሕቶታት ድሕሪ ምሕታቱ ‘ዋላ ሓንቲ ክፍኣት ኣይረኸብኩሉን’ በለ። ብድሕርዚ ጲላጦስ ንየሱስ ናብ ሄሮድስ ኣንጢጳስ ሰደዶ። ሄሮድስ ናይ ገሊላ ገዛኢ ኢዩ ነይሩ: ኣብ የሩሳሌም ግን ነበረ። ሄሮድስ እውን ንየሱስ ዋላ ሓንቲ በደል ኣይረኸበሉን: ስለዚ እንደገና ናብ ጲላጦስ ሰደዶ።
ጲላጦስ ንየሱስ ክሓድጎ ደለየ። እቶም ጸላእቲ የሱስ ግን ኣብ ክንድኡ ካልእ እሱር ክስደደሎም ደለዩ። እቲ ክስደደሎም ዝደለይዎ ሰብኣይ ከኣ እቲ በርባን እተባህለ ዘራፊ ኢዩ። ጲላጦስ ንየሱስ ናብ ወጻኢ ክወስዶ ከሎ ዳርጋ ፋዱስ ኣቢሉ ኢዩ ነይሩ። ነቶም ሰባት ከኣ ‘እንሆ ንጉስኩም!’ በሎም። እቶም ሊቃውንቲ ካህናት ግን ‘ንዮ በሎ! ስቐሎ! ስቐሎ!’ በሉ። ስለዚ ጲላጦስ ንበርባን ሰደዶ: ንሳቶም ከኣ ንየሱስ ክቕተል ወሰድዎ።
ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ ኸኣ የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ተሸንከረ። ኣብዚ ስእሊ ደኣ ኣይርኣዩን ኢዮም እምበር: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጐድኒ የሱስ ገበነኛታት እውን ተሰቒሎም ኣለዉ። የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ኸኣ ሓደ ካብቶም ገበነኛታት ንየሱስ ‘ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ’ በሎ። የሱስ ከኣ ‘ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ እብለካ ኣለኹ’ ብምባል መለሰሉ።
እዝስ ዘገርም መብጽዓዶ ኣይኰነን፧ እታ የሱስ ዝዛረበላ ዘሎ ገነት እንታይ ምዃና ትፈልጥዶ፧ እታ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ዝገበራ ገነት ኣበይ ኢያ ነይራ፧ እወ: ኣብ ምድሪ ኢያ ነይራ። የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ኽገዝእ ከሎ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ሓዳስ ገነታዊት ምድሪ እናተሓጐሰ ምእንቲ ኽነብር ህያው ክገብሮ ኢዩ። ብዛዕባ እዝስ ክንሕጐስ ኣይግብኣናንዶ፧