ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 10 ገጽ 115-ገጽ 117 ሕ.ጽ. 3
  • ውዕዉዕ ኣዘራርባ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውዕዉዕ ኣዘራርባ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብውዕዉዕ ስምዒት ብምምሃር
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ንሰማዕትኻ ዜስተምህር
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ውዕዉዕ ኣዘራርባ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ብናትካ ቓላት ምዝራብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 10 ገጽ 115-ገጽ 117 ሕ.ጽ. 3

መጽናዕቲ 10

ውዕዉዕ ኣዘራርባ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ብህያው ኣቀራርባ ጌርካ: ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ እትዛረቦ ነገር ሓያል ስምዒትካ ኣርኢ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንኽፍልኻ ብውዕዉዕ መገዲ እንተ ኣቕሪብካዮ: ሰማዕትኻ ብተገዳስነት ይሰምዑኻ፣ ኣብ ግብሪ ንኼውዕልዎ እውን የለዓዕሎም ይኸውን። ነቲ እትብሎ ብውዕዉዕ መገዲ እንተ ኣቕሪብካዮ: እዚ መንፈስ እዚ ናባታቶም ኪተኣታቶ እዩ።

ውዕዉዕ ኣዘራርባ ንሓደ መደረ ህያው ይገብሮ። መሃሪ ኽፍሊ ምቕራብ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ: ኣቓልቦ ሰማዕቲ ንምስሓብ ዚሕግዝ ግን ህያውን ውዕዉዕን ኣቀራርባ እዩ። እንታይነት ባህልኻ ወይ ባህርይካ ብዘየገድስ: ብውዕዉዕ መገዲ ምቕራብ ከተማዕብሎ እትኽእል ነገር እዩ።

ስምዒት ብዜንጸባርቕ መገዲ ተዛረብ። የሱስ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኺዛረባ ኸሎ: እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ “ብመንፈስን ብሓቅን” ኬምልኽዎ ኸም ዘለዎም ነገራ። (ዮሃ. 4:24) ኣምልኾኦም ካብ ሞሳ ዝመልኦ ኣልባብ ዝነቐለን ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ዚሰማማዕን ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ ሰብ ዓሚቝ ሞሳ ምስ ዚህልዎ: ኣብቲ ዚዛረበሉ መገዲ ይንጸባረቕ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ፍቕራዊ መሰናድዎ ንሰባት ንምዝራብ ህንጡይ እዩ ዚኸውን። ኣብ ገጹ ዚንበብ መግለጺታትን ኣካላዊ ምንቅስቓሱን ድምጹን ነቲ ብሓቂ ዚስምዖ ስምዒት እዩ ዜንጸባርቕ።

እሞ ደኣ ሓደ ንየሆዋ ዜፍቅርን ነቲ ዚዛረቦ ዘሎ ዚኣምነሉን ተዛራባይ: ብውዕዉዕ ኣዘራርባ ብምቕራብ ዝመጸ ጕድለት ኪህልዎ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ ዚዛረቦ ምድላው ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ኣብቲ ዜቕርቦ ርእሰ ነገር ምሉእ ብምሉእ ኪኣቱ ወይ ብስምዒት ኣብኡ ኺጥሕል ኣለዎ። ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ኺዛረብ ተመዲቡ እስከ ንበል። እቲ ተዛራባይ መደረ ኬቕርብ ከሎ: ሓሳባቱ ብዝርዝር ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ: መስዋእቲ የሱስ ነቲ ተዛራባይን ነቶም ሰማዕትን ዜምጽኦ ረብሓ ብዜሕድረሉ ሞሳ ኺምላእ ኣለዎ። የሆዋ ኣምላኽን ክርስቶስ የሱስን ነዚ ዜደንቕ መሰናድዎ እዚ ብምግባሮም ዘለዎ ምስጋና ኺዝክሮ ኣለዎ። እዚ ንደቅሰብ ዚኸፍቶ ዓብዪ ተስፋ: ማለት ኣብታ ኸም ብሓድሽ እትምስረት ምድራዊት ገነት ፍጹም ጥዕና ሒዝካ እትነብረሉ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ኪሓስበሉ ኣለዎ። በዚ ኸምዚ ልቡ እውን ኣብቲ መደረ የእትዎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስራኤል መምህርን ጸሓፍን ዝነበረ እዝራ: “ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን . . . ልቡ ኣዳለወ” ይብል። (እዝ. 7:10) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ነቲ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኰነስ: ልብና እንተ ኣዳሊና: ካብ ልቢ ኽንዛረብ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ኻብ ልቢ ዝነቐለ መግለጺታት ሓቂ: ነቶም ሰማዕትና ንሓቂ ፍቕሪ ንኺሓድሮም ብዙሕ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ሰማዕትኻ ሕሰብ። ብውዕዉዕ ኣዘራርባ ንምቕራብ ዚሕግዝ ካልእ ኣገዳሲ ረቛሒ: ሰማዕትኻ ነቲ እትብሎ ነገራት ኪሰምዕዎ ኸም ዚደልዩ እምነት ምሕዳር እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ኣቀራርባኻ ኽትዳለወሉ ኸለኻ: ጠቓሚ ሓሳባት ክትእክብ ጥራይ ዘይኰነስ: ንሰማዕትኻ ብዚጠቅም መገዲ ንኽትጥቀመሉ መምርሒ የሆዋ ንኽትረክብ ክትጽሊ ኣሎካ ማለት እዩ። (መዝ. 32:8፣ ማቴ. 7:7, 8) ሰማዕትኻ ነቲ ትምህርቲ እቲ ስለምንታይ ከም ዜድልዮም: ብኸመይ ከም ዚጠቕሞም: ከምኡውን ኣገዳስነቱ ኺግንዘቡሉ ብዚኽእሉ መገዲ ብኸመይ ከተቕርቦ ኸም እትኽእል ተንትኖ።

ስምዒትካ ዜለዓዕለካ ነገር ክሳዕ እትረክብ: ነቲ ኽፍልኻ ተዳለወሉ። እቲ ስምዒትካ ዜለዓዕል ነገር ናይ ግድን ሓድሽ ሓሳባት ኪኸውን የብሉን: የግዳስ ነቲ ርእሰ ነገር እትርእየሉ ኣንፈት ሓድሽ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰማዕትኻ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ንኼደልድሉ: ንዝገበሮ መሰናድዎ ሞሳ ንኼሕድሩ: ነቲ ኣብዚ ኣረጊት ስርዓት ዜጋጥሞም ጸቕጥታት ንኺዋጽኡሉ: ወይ ኣብ ኣገልግሎት ኣድማዕቲ ንኪዀኑ ዜኽእሎም ብሓቂ ዚሕግዝ ነገር እንተ ተዳሊኻ: ንመደረኻ ብውዕዉዕ መገዲ ንኸተቕርቦ እኹል ምኽንያት ይህልወካ።

እቲ እተዋህበካ ኽፍሊ ንህዝቢ ምንባብ እንተ ዀይኑኸ፧ ነዚ ብውዕዉዕ መገዲ ምእንቲ ኸተንብቦ: ነቲ ቓላት ብቕኑዕ ካብ ምድሃይን ብዚግባእ ካብ ምጥርናፍን ንላዕሊ እዩ ዜድሊ። ነቲ ጽሑፍ ኣጽንዓዮ። ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ እንተ ደኣ ዄንካ: ምርምር ግበረሉ። መሰረታዊ ትርጕሙ ተረድኣዮ። ንዓኻን ንሰማዕትኻን ብኸመይ ከም ዚጠቕመካ ሕሰበሉ: ንሰማዕትኻ ንኸተመሓላልፍ ዘሎካ ባህጊ ብዜንጸባርቕ መገዲ ድማ ኣንብቦ።

ናብ ኣገልግሎት ክትወፍር ዲኻ እትዳሎ ዘለኻ፧ ነቲ እትመያየጠሉ ርእሰ ነገርን ክትጥቀመሉ ዝመደብካ ጥቕስታትን መርምሮ። ኣብ ኣእምሮ ሰባት እንታይ ከም ዘሎ እውን ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣብ ዜና እንታይ እዩ ተባሂሉ፧ እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም ዘሎ፧ ቃል ኣምላኽ ነቲ ንሰባት ዜጨንቖም ጸገማት ዚኸውን ፍታሕ ከም ዝሓዘ ንኸተርእዮም ምስ ተዳለኻ: ነዚ ንምግባር ትህንጠ ኢኻ: ውዕዉዕ ኣዘራርባ ድማ ባዕሉ እዩ ዚመጸልካ።

ብህያው ኣቀራርባ ጌርካ ውዕዉዕ ኣዘራርባ ኣርኢ። ውዕዉዕ ኣዘራርባ: ብህያው ኣቀራርባ ጌርካ እዩ ብዝያዳ ዚንጸባረቕ። እዚ ኣብቲ ኣብ ገጽካ ዚንበብ መግለጺታት ንጹር ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ነገር ኣሚንካሉ ትዛረብ ከም ዘለኻ ደኣ እምበር: ብግዲ ኺሰምዑኻ ኸም እትደሊ ኺመስል የብሉን።

ሚዛናዊ ኽትከውን ኣሎካ። ገሊኦም ብዝዀነ ይኹን ነገር ስምዒቶም ይለዓዓል እዩ። ሓደ ሰብ እምብዛ ስምዒታዊ ዀይኑ ዚዛረብ እንተ ዀይኑ: ሰማዕቱ ብዛዕባ መልእኽቱ ዘይኰነስ: ብዛዕባኡ እዮም ዚሓስቡ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: እቶም ሓናኻት ዘበሉ ብዝያዳ ገለጽቲ ንኪዀኑ ምትብባዕ የድልዮም እዩ።

ውዕዉዕ መንፈስ ይመሓላለፍ እዩ። ንሰማዕትኻ ብዚግባእ ትጥምቶም እንተ ዄንካን መደረኻ ብውዕዉዕ ኣዘራርባ እንተ ኣቕሪብካዮን: ሰማዕትኻ እዚ ስምዒት እዚ ኺሓድሮም እዩ። ኣጵሎስ ህያው ኣዘራርባ ይጥቀም ብምንባሩ: ስልጡን ተዛራባይ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ብመንፈስ ኣምላኽ እንተ ተቓጺልካ: እቲ ህያው ኣዘራርባኻ ነቶም ዚሰምዑኻ ኣብ ግብሪ ንኼውዕልዎ ኺድርኾም እዩ።—ግብ. 8:24, 25፣ ሮሜ 12:11

ነቲ እተመሓላልፎ መልእኽቲ ዚሰማማዕ ውዕዉዕ ኣዘራርባ። እቲ ውዕዉዕ ኣዘራርባኻ ኣብ ብምሉኡ እቲ መደረኻ ኸይትጥቀመሉ እሞ ንሰማዕትኻ ኸይተድክሞም ተጠንቀቕ። ከመይሲ: ድሕሪኡ ኺገብርዎ እትህቦም ዝዀነ ይኹን ማዕዳ: ዝደኸማ ኣእዛን እየን ዚቅበላኦ። እዚ ኸኣ ኣብ ኣቀራርባኻ ኽትለዋውጠሉ እትኽእል ትምህርቲ ኸተዳሉ ኸም ዘሎካ የጕልሕ። ዘይተገዳስነት ዜንጸባርቕ ኣቀራርባ ኸይትጥቀም ተጠንቀቕ። ነቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ተጠንቂቕካ እንተ ተዳሊኻሉ: ኣጸቢቕካ ኽትግደሰሉ ኢኻ። ገሊኡ ነጥብታት ግን ካብ ካልእ ብዝያዳ ብውዕዉዕ መገዲ ኪቐርብ ኣለዎ: እዚ ኸኣ ኣብ ምሉእ እቲ መደረ ብሜላ ኺስኳዕ ኣለዎ።

ብፍላይ ቀንዲ ነጥብታት ብውዕዉዕ ኣዘራርባ ኪቐርብ ኣለዎ። መደረኻ ኣብኡ ተመስሪትካ እተማዕብለሉ ብፍላይ ኣገዳሲ ነጥብታት ኪህልዎ ኣለዎ። እዚ ድማ ቀንዲ ነጥብታት እቲ መደረኻ ብምዃኑ: መብዛሕትኡ ግዜ ንሰማዕትኻ ኼለዓዕሎም እተዳለወ ነጥብታት እዩ ዚኸውን። ንሰማዕትኻ ምስ ኣእመንካዮም: ነቲ እተገልጸሎም ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘለዎ ረብሓታት ምእንቲ ኽትሕብሮም ከተለዓዕሎም ኣሎካ። እቲ ውዕዉዕ ኣቀራርባኻ ልቢ ሰማዕትኻ ንኽትትንክፍ ኪሕግዘካ እዩ። ህያው ኣቀራርባ ብጻዕሪ ጥራይ ዚመጽእ ኣይኰነን። ብህያው መገዲ ንኸተቕርብ ምኽንያት ኪህልወካ ኣለዎ: ነዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ክፍልኻ ኢኻ እትረኽቦ።

ብኸመይ ከም እተማዕብሎ

  • ነቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኰነስ: ንልብኻውን ኣዳልዎ፣ በዚ ኸምዚ ስምዒትካ ኣብኡ እቱው ይኸውን።

  • እቲ እትሽፍኖ ነጥብታት ነቶም እትዛረቦም ሰባት ብኸመይ ከም ዚጠቕሞም ተጠንቂቕካ ሕሰበሉ።

  • ነቲ ብፍላይ ብውዕዉዕ ኣዘራርባ ኸተቕርቦ ዚግባእ ክፋላት ኣለሊ።

  • ኣብ ኣዘራርባኻ ህያው ኩን። ገጽካ ንስምዒትካ ኸም ዜንጸባርቕ ግበሮ። ብሓይልን ብብርታዐን ተዛረብ።

መላመዲ:- እያሱ ምዕራፍ 1ን 2ን ከተንብቦ ኸለኻ: ኣበይን ብኸመይን ብውዕዉዕ መገዲ ኸም እተንብቦ እናወሰንካ መርምሮ። ነቲ ጽሑፍ ብዚሰማማዕ ውዕዉዕ መንፈስ ጌርካ ምንባቡ ተለማመድ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ