ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 26 ገጽ 170-ገጽ 173 ሕ.ጽ. 4
  • ብስነ-መጐታዊ መገዲ ምቕራብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብስነ-መጐታዊ መገዲ ምቕራብ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣስተዋጽኦ እተዳልወሉ መገዲ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ቀንዲ ነጥብታት ምጕላሕ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • እተመደበልካ ጽሑፍ ምጥቃም
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ቀንዲ ነጥብታት ጐሊሑ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 26 ገጽ 170-ገጽ 173 ሕ.ጽ. 4

መጽናዕቲ 26

ብስነ-መጐታዊ መገዲ ምቕራብ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ሓሳባት ዘሎ ምትእስሳር: ነቲ ዝበጻሕካዮ መደምደምታ: ወይ ነቲ ኽትወቕዖ ዝደለኻ ዕላማ ንጹር ብዚገብር መገዲ ጠርንፎ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ ሓበሬታ ብስነ-መጐታዊ መገዲ ምስ ዚቐርብ: ሰማዕቲ ንኺርድእዎን ንኪቕበልዎን ንኺዝክርዎን ዝቐለለ ይዀነሎም።

ንሓደ ትምህርቲ ብስነ-መጐታዊ መገዲ ቕድሚ ምውዳብካ: ኣብ ኣእምሮኻ ሓደ ዕላማ ኺህልወካ ኣለዎ። ዕላማኻ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ሓደ ርእሰ ነገር: ማለት ብዛዕባ ሓደ እምነት: ኣረኣእያ: ባህርይ: ኣካይዳ: ወይ ኣነባብራ ኽትሕብሮም ጥራይ ድዩ፧ ንሓደ ሓሳብ መርትዖ ኸተቕርብ ወይ ከተፍርስ ዲኻ እትደሊ፧ ዕላማኻ ሞሳ ኸም ዜሕድሩ ምግባር ወይ ስጕምቲ ንኺወስዱ ምልዕዓል ድዩ፧ እተቕርቦ ኽፍሊ ንሓደ ውልቀ-ሰብ ይኹን ንብዙሓት ሰባት: ብዚግባእ ንምቕራብ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ኣቐዲሞም እንታይ ከም ዚፈልጡን ብዛዕባኡ እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎምን ኣብ ግምት ከተእቱ ኣሎካ። ነዚ ምስ ገበርካ: ነቲ ኽፍልኻ ነዚ ዕላማ እዚ ንኽትወቅዕ ብዚሕግዘካ መገዲ ኣስተዋጽኦ ኣዳልወሉ።

ግብሪ ሃዋርያት 9:22 ብዛዕባ እቲ ሳውል (ጳውሎስ) ኣብ ደማስቆ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት: “ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ኣይሁድ ከኣ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃዱ ኣፎም የትሕዞም ነበረ” ትብል። እቲ ኣብዚ ኣፎም ኬትሕዞም ዘኽኣሎ ስነ-መጐታዊ መርትዖ እንታይ ዜጠቓልል ነበረ፧ ከምቲ ጸኒሑ ጳውሎስ ኣብ ኣንጾክያን ኣብ ተሰሎንቄን ኣብ ዝፈጸሞ ኣገልግሎቱ ተሓቢሩ ዘሎ: ፈለማ ኣይሁድ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኸም እተቐበሉ ድሕሪ ምግላጽ: እቲ ጽሑፋት ብዛዕባ መሲህ ዚብሎ ኸም ዚኣምኑሉ ዚዛረቡ ምዃኖም ሓበሮም። ድሕሪኡ: ጳውሎስ ምስ ህይወትን ኣገልግሎትን እቲ መሲህ ዚተሓሓዝ እተወሰነ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት መረጸ። ነዚ ብምጥቃስ ከኣ ምስቲ ንየሱስ ብሓቂ ዘጋጠሞ ነገራት ኣወዳደሮ። ኣብ መወዳእታ: የሱስ ንሱ ክርስቶስ ወይ መሲህ ምዃኑ ዝበጽሖ መደምደምታ ገለጸሎም። (ግብ. 13:16-41፣ 17:2, 3) ንስኻውን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ብስነ-መጐታዊ መገዲ ምስ እተቕርቦ: ንኻልኦት ኬእምኖም ይኽእል እዩ።

ነቲ እተቕርቦ ምውዳቡ። ሓደ ኽፍሊ ብእተፈላለየ ስነ-መጐታዊ መገዲ ኺስራዕ ይከኣል እዩ። ዝሓሸ ዀይኑ እንተ ረኺብካዮ: ክልተ ሜላታት ብምውህሃድ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ገለ ኻብዚ ሜላታት እንሆ:-

ብኣርእስቲ ምስራዕ። እዚ ሜላ እዚ ንመደረኻ በቲ ነፍሲ ወከፍ ንዕላማኻ ኣበርክቶ ዚገብር ክፋላት ምውዳብ ዜጠቓልል እዩ። እቲ ኽፋላት ነቲ ርእሰ ነገር ንኽትርድኦ ኣገዳሲ ዝዀነ ቐንዲ ነጥብታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሓደ ነገር ዜረጋግጽ ወይ ዜፍርስ ፍሉይ መርትዖታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኡ ነጥብታት ምስቲ ርእሰ ነገር ዚዛመድ እኳ እንተ ዀነ: ብመሰረት ሰማዕትኻ ወይ ዕላማኻ ግን ክትውስኾ ወይ ክትስርዞ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ብኣርእስቲ እተሰርዐ ኣቀራርባ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ዚምልከት ሓጺር ኣቀራርባ: (1) ስም ኣምላኽ ክንፈልጥ ስለምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑ: (2) ስም ኣምላኽ መን ምዃኑ: ከምኡውን (3) ነቲ ስም እቲ ብኸመይ ከነኽብሮ ኸም እንኽእል ኬጠቓልል ይኽእል እዩ።

ንሓደ ጽሑፍ ብኣርእስቲ ብምስራዕ ዝመጸ: ካብቲ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣብ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንጥቀመሉ ኢሉ ዘዳለዎ ጽሑፋት ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። (ማቴ. 24:45) እዚ ጽሑፋት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ንተመሃሮ ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ሓፈሻዊ ፍልጠት ንኺህልዎም ዜኽእል ሓያሎ ርእሰ ነገራት ወይ ኣርእስትታት ዜጠቓልል እዩ። እቲ ዕብይ ዝበለ ጽሑፋት ንነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ንምክፍፋል ንኡስ ኣርእስትታት ይጥቀም እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣርእስቲ ነቲ እቲ ተመሃራይ ካብቲ ትምህርቲ ዚረኽቦ ነገራት የዳልዎ: ንሓፈሻዊ ፍልጠት ድማ ኣበርክቶ ይገብር።

ምኽንያትን ሳዕቤንን። ካብ ምኽንያትን ሳዕቤንን ተበጊስካ መረዳእታ ምቕራብ: ንሓደ ሓበሬታ ብስነ-መጐታዊ መገዲ እተቕርበሉ ኻልእ ሜላ እዩ።

ንሓደ ጕጅለ ወይ ንውልቀ-ሰባት ብዛዕባ ዚገብርዎ ዘለዉ ወይ ኪገብርዎ ዝመደቡ ነገር ዜምጽኣሎም ውጽኢት ተጠንቂቖም ንኺሓስቡሉ ትዛረቦም እንተ ደኣ ኣሊኻ: እዚ ሜላ እዚ ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ሜላ እዚ ምሳሌ ምዕራፍ 7 ብልጽቲ ኣብነት እያ እትዀነና። ኣብታ ምዕራፍ ሓደ “ልቢ ዜብሉ” (ምኽንያት) ዓሻ ጐበዝ: ምስ ኣመንዝራ ኸም ዚኸይድን መሪር ሳዕቤን ከም ዚዓጽድን (ሳዕቤን) ብንጹር ትገልጽ።—ምሳ. 7:7

ነዚ ዝያዳ ምእንቲ ኸተጕልሖ: ነቲ እቶም ብመገድታት የሆዋ ምምልላስ ዝኣበዩ ዜጋጥሞም ሕማቕ ፍረ: ምስቲ እቶም ንየሆዋ ዚሰምዑ ዚረኽብዎ ጽቡቕ ፍረ ኸተነጻጽሮ ትኽእል ኢኻ። ሙሴ ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኹ: ንህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ቕድሚ ምእታዎም ከምዚ ዝኣመሰለ ምንጽጻር ብምግባር ተዛሪብዎም ነበረ።—ዘዳ. ምዕ. 28

ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት: ንሓደ ዅነታት (ሳዕቤን) ብምግላጽ ዘረባኻ ድሕሪ ምጅማር: ነቲ ነዚ ኣበርክቶ ዝገበረ ረቛሒታት ዚገልጽ መርትዖታት (ምኽንያት) ድሕሪኡ ምግላጽካ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ጸገምን ፍታሕን ዚበሃል ሜላ ዝሰዓበ እዩ።

ጸገምን ፍታሕን። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብዛዕባ እቲ ንሰባት ዜጨንቕ ጸገም ኣልዒልካ ድሕሪ ምዝራብ: ዜዕግብ ፍታሕ እንተ ሓቢርካ: እዚ ነቲ ሰብ ኪሰምዓካ የተባብዖ ይኸውን። እቲ ጸገም ከኣ ባዕልኻ እተልዕሎ ወይ እቲ ሰብ ዜበግሶ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ገለ ኻብቲ ኸም ጸገም ዚጥቀስ ነገራት: ሰባት ምእራጎምን ሙማቶምን: ምስፍሕፋሕ ገበን: ወይ ኣብ ኵሉ ዚርከብ ዘይፍትሓውነት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ርኡይ ስለ ዝዀነ: እዚ ጸገም እዚ ኸም ዘሎ ንምርግጋጽ ብዙሕ መግለጺ ኣየድልን እዩ። ስለዚ: ኣብ መጀመርታ ነቲ ጸገም እቲ ድሕሪ ምጥቃስካ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍታሕ ኣቕርቦ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: እቲ ጸገም ናይ ብሕቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገለ ኻብዚ ንጽል ወላዲ ዚረኽቦ ጸገማት: ብሰንኪ ኸቢድ ሕማም ዜጋጥም ተስፋ ምቝራጽ: ወይ ሓደ ሰብ ብኻልእ ሰብ ግፍዒ ይወርዶ ብምህላዉ ዝረኸቦ ሽግር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ውጽኢት ንኺህልወካ: ፈለማ ጽን ኢልካ ስማዕ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ እዚ ጸገማት እዚ ብዚምልከት ጠቓሚ ሓበሬታ ኣለዎ። እንተዀነ ግን: ብምስትውዓል ክትጥቀመሉ ይግባእ። እቲ ምይይጥካ ብሓቂ ነቲ ሰብ ኪጠቕሞ እንተ ዀይኑ: ክውንነት ኣብ ግምት እተእቱ ኽትከውን ኣሎካ። እቲ እትዛረቦ ዘለኻ ነባሪ ፍታሕ: ናይ ሓጺር ግዜ እፎይታ: ወይ ነቲ ኣብዚ ስርዓት እዚ ኪቕየር ዘይከኣል ኵነታት ብኸመይ ከም ዚጻወሮ ዚሕብር እንተ ዀይኑ ብንጹር ግለጸሉ። ብኻልእ ኣዘራርባ: እቲ እተቕርቦ ቕዱስ ጽሑፋዊ መረዳእታ: ነቲ ኻብኡ ተበጊስካ እትበጽሖ መደምደምታ ብቑዕ ዚኸውን ምዃኑ ኣረጋግጽ። እንተ ዘይኰይኑ ግን: እቲ ፍታሕ ኢልካ ዘቕረብካዮ ነገር ነቲ ሰብ ስነ-መጐታዊ ዀይኑ ኸይረኣዮ ወይ ከይወሓጠሉ ይኽእል እዩ።

መስርዕ ግዜ ዝሓለወ። ገሊኡ ትምህርቲ ብተርታ ግዜ ሓልዩ እዩ ኪቐርብ ዚግባእ። ንኣብነት: ኣብ መጽሓፍ ዘጸኣት እቲ ዓሰርተ መዓት በቲ ዘጋጠመሉ ተርታ እዩ ቐሪቡ ዘሎ። ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ሃዋርያ ጳውሎስ ዘርዚርዎም ዘሎ ኣብነታውያን ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን እውን ብመስርዕ ግዜ እዮም ተዘርዚሮም ዘለዉ።

ብዛዕባ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመታት ብመስርዕ ግዜ እንተ ዘርዚርካ: እዚ ንሰማዕትኻ ገሊኡ ዅነታት ብኸመይ ከም ዝማዕበለ ንኺርድኡ ይሕግዞም እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽን ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈጸመ ፍጻመታትን ዚውዕል እዩ። ስለዚ: መስርዕ ግዜያዊ ኣቀራርባ ምስ ምኽንያትን ሳዕቤንን ዚሕብር መረዳእታ ሓዊስካ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጻኢ ኪኸውን ምዃኑ ዚገልጾ ነገራት ክትጠቅስ እንተ መዲብካ: ሰማዕትኻ ንምዝካሩ ዝቐለለ ዚዀነሎም መስርዕ ግዜ ዝሓለወ ኣቀራርባ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብመስርዕ ግዜያዊ ኣቀራርባ ምጥቃም ኪበሃል ከሎ ግን ወትሩ ኻብ መጀመርታ ኽትጅምር ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ንሓደ ታሪኽ በቲ ዚምስጥ ነጥቢ ምስ እትጅምሮ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ተመክሮ ኸተዘንቱ ኸለኻ: ብዛዕባ ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ዘለዎ ንጽህና ኣብ ፈተና ዝኣተወሉ እዋን ክትነግር ትደሊ ትኸውን። ተገዳስነት ምስ ኣለዓዓልካ: ድሕሪኡ ነቲ ናብኡ ዝመርሐ ዝርዝር ታሪኽ ብመስርዕ ግዜ ኸተዘንትዎ ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ጕዳይ ዚምልከት ነጥብታት ጥራይ ምጥቃም። ንኽፍልኻ እትውድበሉ መገዲ ብዘየግድስ: ነቲ ጕዳይ ዚምልከት ነጥብታት ጥራይ ክትጥቀም ኣሎካ። እቲ ፍረ ነገር መደረኻ ኣብቲ እትመርጾ ነጥብታት ጽልዋ ኺህልዎ ኣለዎ። ዓይነት ሰማዕትኻ እውን ኣብ ግምት ከተእቱ ይግባእ። ንሓደ ጕጅለ ሓደ ነጥቢ ኣገዳሲ ኪኸውን ከሎ: ንኻልእ ጕጅለ ግን ዘየድሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኵሉ እቲ እተቕርቦ ትምህርቲ: ዕላማኻ ንኽትወቅዕ ኣበርክቶ ዚገብር ኪኸውን ኣለዎ። እንተ ዘይኰይኑ ግን ኣቀራርባኻ ምናልባት መሳጢ እውን እንተ ዀነ: ውጽኢታዊ ግን ከይኸውን ይኽእል እዩ።

ምርምር ክትገብር ከለኻ: ምስቲ ርእሰ ነገር ዚተሓሓዝ ሓያሎ ኣገዳሲ ነጥብታት ትረክብ ትኸውን። ካብኡ ክንደይ ዚኣክል ኢኻ ኽትጥቀመሉ ዚግባእ፧ ንሰማዕትኻ ሓበሬታ እንተ ኣብዚሕካሎም: ዕላማኻ ኽትስሕት ትኽእል ኢኻ። ብዚግባእ እተገልጸ ሒደት ቀንዲ ሓሳባት: ካብቲ ብታህዋኽ ዝቐረበ ሓያሎ ሓሳባት ንላዕሊ ይዝከር። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ብጐድኒ ዚመጽእ መሳጢ ሓሳባት ፈጺምካ ኺኣቱ የብሉን ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: እዚ ንዕላማኻ ንኺሽፍኖ ኣይተፍቅድ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዝርዝር ነጥብታት ብሜላ ኣብ ማርቆስ 7:3, 4 ከምኡውን ዮሃንስ 4:1-3, 7-9 ብኸመይ ከም እተሰዅዐ ኣስተብህል።

ካብ ሓደ ነጥቢ ናብ ካልእ ክትሰግር ከለኻ: ሰማዕትኻ ነቲ ኣብቲ ሓሳባት ዘሎ ምትእስሳር ክሳዕ ዚስሕትዎ ብሃንደበት ኣይትስገር። እቲ ሓሳባት ብሓባር ተኣሳሲሩ ሓደ ዕላማ ምእንቲ ኺወቅዕ: ካብ ሓደ ሓሳብ ናብ ካልእ ዜሰጋግር ድልድል ክትገብር ኣሎካ። እቲ ድልድል ሓደ ምኽንያት ወይ ኣብ መንጎ እቲ ሓሳባት ዘሎ ምትእስሳር ዜርኢ ምሉእ ሓሳብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሓያሎ ቛንቋታት: ምስቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ንምትእስሳር: መስተጻምር ቃላት ወይ ሓረጋት ምጥቃም ይከኣል እዩ።

ነቲ ጕዳይ ዚምልከት ነጥብታት ጥራይ ምጥቃምን ብስነ-መጐታዊ መስርዕ ጥራይ ምስራዕን ዕላማኻ ንኽትወቅዕ ኪሕግዘካ እዩ።

ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:-

  • እንታይ እዩ ዕላማይ፧

  • ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ምስቲ ዕላማ እቲ ብንጹር ተኣሳሲሩ ድዩ፧

  • ዘቕርቦ ሓሳባት ክመርጽ ከለኹ: ንሰማዕተይ ዜድልዮም ነገራት ኣብ ግምት ኣእትየ ድየ፧

  • ሰማዕተይ ካብ ሓደ ሓሳብ ናብ ካልእ ሓሳብ ብዘይ ሃጓፍ ኪሰግሩ ኸም ዚኽእሉ ገይረ ንኽፍለይ ሰሪዐዮ ድየ፧

መላመዲ:- ነዚ ኣብዚ ቐሪቡ ዘሎ ትምህርቲ ድሕሪ ምንባብካ: ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ዚርከብ ፍረ ነገር ኣብ ግምት እናእተኻ ህድእ ኢልካ ደጊምካ ርኣዮ። ነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ነቲ ብምሉኡ እቲ ትምህርቲ ሒዝዎ ዘሎ ዕላማ ብኸመይ ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ኣስተብህል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ