መዝሙር 16
ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ተዓቈብ!
1. ኣቱም ትሑታት ንኣምላኽ ድለዩ፡
ትሑታት ኩኑ፡ ጽድቂ ግበሩ፣
ካብታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓኡ
ክትሕብኡ፡ ክትስተሩ።
(ኣዝማች)
ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ተዓቘብ፡
ቁም ኣብ ጐድኒ ግዝኣቱ፣
ክትረክብ ኢኻ በረኸትን ዕቝባን፡
ስዓቦ ትእዛዛቱ።
2. ሓቅን ፍትሕን እትጸምኡ ዘበልኩም፡
ንዑ መገዲ ኣምላኽ ፍለጡ፣
ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሱስ ተጸግዑ፡
ካብቲ ጨቋኒ ኣምልጡ።
(ኣዝማች)
ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ተዓቘብ፡
ቁም ኣብ ጐድኒ ግዝኣቱ፣
ክትረክብ ኢኻ በረኸትን ዕቝባን፡
ስዓቦ ትእዛዛቱ።
3. ርእስኹም ቅንዕ ኣቢልኩም ርኣዩ፡
ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ጀሚሩ፣
ብርሃን ኣምላኽ ብሓጐስ ተቐበሉ፡
ንዕኡ ድማ ኣኽብሩ።
(ኣዝማች)
ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ተዓቘብ፡
ቁም ኣብ ጐድኒ ግዝኣቱ፣
ክትረክብ ኢኻ በረኸትን ዕቝባን፡
ስዓቦ ትእዛዛቱ።
(መዝ. 59:16፣ ምሳ. 18:10፣ 1 ቈረ. 16:13 እውን ርአ።)