ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • YC ትምህርቲ 5 ገጽ 12-13
  • ሳሙኤል ቅኑዕ ዘበለ ይገብር ነበረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሳሙኤል ቅኑዕ ዘበለ ይገብር ነበረ
  • ንደቅኻ ምሃሮም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሳሙኤል ናብ ቅኑዕ ዘበለ ለገበ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሓደ ንእሽቶ ወዲ ንኣምላኽ የገልግል
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዓቢ ነበረ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓበየ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
ንደቅኻ ምሃሮም
YC ትምህርቲ 5 ገጽ 12-13

ትምህርቲ 5

ሳሙኤል፡ ቅኑዕ ዘበለ ይገብር ነበረ

ሳሙኤል ካብቲ ንእሽቶ ዝነበረሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ኣብቲ ሰባት ንየሆዋ ዜምልኹሉ ዝነበሩ ማሕደር ይነብርን የገልግልን ነበረ። ሳሙኤል ከመይ ኢሉ ናብቲ ማሕደር ከም ዝኸደ ትፈልጥዶ፧ መጀመርታ፡ ብዛዕባ እታ ሃና እትብሃል ኣደ ሳሙኤል እስከ ንምሃር።

ሃና ንነዊሕ ግዜ ውላድ ትደሊ ነበረት፣ ግናኸ፡ ውላድ ኣይነበራን። ስለዚ፡ ናብ የሆዋ ጸለየት፡ ኪሕግዛ ድማ ለመነቶ። ወዲ እንተ ወሊዳ፡ ኣብኡ ኺነብርን ኬገልግልን ናብቲ ማሕደር ከም እትሰድዶ ተመባጽዐት። የሆዋ ኸኣ ንጸሎታ መለሰላ፣ ወዲ እውን ሃባ። ነቲ ወዲ ድማ ስሙ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ። ሳሙኤል ወዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ከምቲ ሃና እተመባጽዓቶ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼገልግል፡ ናብቲ ማሕደር ወሰደቶ።

ሽዑ፡ ኤሊ ኣብቲ ማሕደር ሊቀ ኻህናት ኰይኑ የገልግል ነበረ። ክልተ ደቁ እውን ምስኡ የገልግሉ ነበሩ። ማሕደር፡ ኣምላኽ ዚምለኸሉ ቤት ከም ዝነበረ፡ ሰባት ከኣ ኣብኡ ጽቡቕ ነገር ኪገብሩ ይግብኦም ከም ዝነበረ ኣይትርስዖን ኢኻ። ደቂ ኤሊ ግና ኣዝዩ ኽፉእ ነገር ይገብሩ ነበሩ። ሳሙኤል ድማ ነቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ይርእዮ ነበረ። እሞኸ ሳሙኤል ከም ደቂ ኤሊ ኽፉእ ነገር ገይሩዶ፧— ኣይገበረን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ወለዱ ዝመሃርዎ፡ ጽቡቕ ዘበለ ይገብር ነበረ።

ኤሊ ነቶም ክልተ ደቁ እንታይ ኪገብሮም ነይርዎ፧— ኪቐጽዖም ነይርዎ። ኣብ ቤት ኣምላኽ ካብ ምስራሕ እውን ኪኽልክሎም ነይርዎ። ኤሊ ግና ከምኡ ኣይገበረን። ስለዚ፡ የሆዋ ንዕኡን ንኽልቲኦም ደቁን ተቘጥዖም፣ ኪቐጽዖም ድማ ወሰነ።

እቲ ቘልዓ ዝነበረ ሳሙኤል ንኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ይዛረቦ

ሳሙኤል ንኤሊ፡ መልእኽቲ የሆዋ ነገሮ

ሓደ ምሸት፡ ሳሙኤል ደቂሱ ኸሎ፡ ‘ሳሙኤል’ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ሰምዐ። ጐይዩ ናብ ኤሊ ምስ ከደ፡ ኤሊ፡ ‘ኣይጸዋዕኩኻን’ ኢሉ መለሰሉ። ካልኣይን ሳልሳይን ሳዕ እውን ከምኡ ዀነ። ኣብቲ ሳልሳይ ሳዕ፡ ኤሊ ንሳሙኤል፡ መሊሱ ድምጺ እንተ ሰሚዑ፡ ‘የሆዋ፡ እሰምዕ ኣለኹ እሞ፡ በጃኻ ተዛረብ’ ኪብል ነገሮ። ሳሙኤል ከኣ ከምኡ ገበረ። የሆዋ ድማ ንሳሙኤል፡ ‘ሕማቕ ነገር ስለ ዝገበሩ፡ ንስድራ ቤት ኤሊ ክቐጽዖም ምዃነይ ንኤሊ ንገሮ’ በሎ። ሳሙኤል ነዚ መልእኽቲ እዚ ንኤሊ ኺነግሮ ቐሊል ዝነበረዶ ይመስለካ፧— ቀሊል ኣይነበረን። ግናኸ፡ ሳሙኤል ፈሪሁ እኳ እንተ ነበረ፡ ከምቲ የሆዋ ኺገብር ዝነገሮ ገበረ። ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ድማ ተፈጸመ። ክልቲኦም ደቂ ኤሊ ተቐትሉ፣ ኤሊ እውን ሞተ።

ሳሙኤል ንዓና ጽቡቕ ኣብነት ይዀነና እዩ። ካልኦት ሰባት ሕማቕ ኪገብሩ እኳ እንተ ረኣየ፡ ንሱ ግና ቅኑዕ ዘበለ ገበረ። ንስኻኸ ኸም ሳሙኤል ክትከውንን ቅኑዕ ዘበለ ኽትገብርን ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንየሆዋን ንወለድኻን ከተሐጕሶም ኢኻ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ

  • 1 ሳሙኤል 2:22-26፣ 3:1-21

ሕቶታት፦

  • ኣደ ሳሙኤል እንታይ መብጽዓ እያ እተመባጽዐት፧

  • ሳሙኤል ንደቂ ኤሊ ኣብቲ ማሕደር እንታይ ኪገብሩ እዩ ርእይዎም፧

  • የሆዋ ንሳሙኤል እንታይ ኢሉ እዩ ዝነገሮ፧

  • ሳሙኤል ንዓና ጽቡቕ ኣብነት ዚዀነና ስለምንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ