ትምህርቲ 10
የሱስ ወትሩ ይእዘዝ ነበረ
ንወለድኻ ምእዛዝ ኵሉ ሳዕ ቀሊል ድዩ፧— ሓድሓደ ግዜ፡ ቀሊል ኣይኰነን። የሱስ ንየሆዋን ንወለዱን ይእዘዝ ከም ዝነበረ ትፈልጥዶ፧— ንወለድኻ ምእዛዝ ቀሊል ኣብ ዘይኰነሉ እዋን እውን ምእንቲ ኽትእዘዝ፡ ኣብነት የሱስ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ እስከ ንምሃር።
የሱስ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምንባሩ፡ ምስ ኣቦኡ የሆዋ ኣብ ሰማይ ይነብር ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ምድሪ እውን ወለዲ ነበርዎ። ንሳቶም፡ ዮሴፍን ማርያምን ይብሃሉ። ብኸመይ ወለዱ ኸም ዝዀኑ ትፈልጥዶ፧—
የሱስ ኣብ ምድሪ ምእንቲ ኺውለድን ምእንቲ ኺነብርን፡ የሆዋ ነታ ኣብ ሰማይ ዝነበረት ህይወት የሱስ ናብ ከብዲ ማርያም ኣእተዋ። እዚ ተኣምራት እዩ ነይሩ! ከምቲ ቘልዓ ኣብ ከብዲ ኣዲኡ ዚዓቢ፡ የሱስ እውን ኣብ ከብዲ ኣዲኡ ዓበየ። ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ድማ ተወልደ። በዚ ኸምዚ እዮም ማርያምን ሰብኣያ ዮሴፍን፡ ኣብ ምድሪ ወለዲ የሱስ ዝዀኑ።
የሱስ ገና ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንኣቦኡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮ ዜርኢ ነገር ገበረ። ከምኡ ዝገበረ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ፋስጋ ምእንቲ ኼብዕሉ ነዊሕ ተጓዒዞም፡ ናብ የሩሳሌም ምስ ከዱ እዩ። ዮሴፍን ማርያምን ናብ ቤቶም ኣብ ዚምለሱሉ ዝነበሩ እዋን፡ ንየሱስ ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን። ኣበይ ከም ዝነበረ ትፈልጥዶ፧—
የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
ዮሴፍን ማርያምን ቀልጢፎም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ እሞ፡ ንየሱስ ኪደልይዎ ጀመሩ። ኪረኽብዎ ስለ ዘይከኣሉ ኸኣ፡ ኣመና ተጨኒቖም ነበሩ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ግና፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸብዎ! የሱስ ስለምንታይ ኣብ ቤተ መቕደስ ከም ዝነበረ ትፈልጥዶ፧— ኣብኡ ብዛዕባ ኣቦኡ የሆዋ ኺምሃር ይኽእል ስለ ዝነበረ እዩ። ንየሆዋ የፍቅሮ ነበረ፣ ንዕኡ ብኸመይ ከም ዜሐጕሶ እውን ኪምሃር ይደሊ ነበረ። ዓብዩ ሰብኣይ ምስ ኰነ እኳ፡ የሱስ ወትሩ ንየሆዋ ይእዘዞ ነበረ። ዋላ እውን ምእዛዝ ይኸብዶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ መከራ ዜስዕበሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ከምኡ ይገብር ነበረ። ንዮሴፍን ንማርያምንከ ይእዘዞምዶ ነይሩ፧— እወ፣ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ይእዘዞም ከም ዝነበረ ይነግረና እዩ።
ካብ የሱስ እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧— ንስኻ እውን፡ ከቢድ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እውን ከይተረፈ ንወለድኻ ኽትእዘዞም ኣሎካ። እሞኸ ኸምኡ ኽትገብር ዲኻ፧—