ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 49 ገጽ 122-ገጽ 123 ሕ.ጽ. 3
  • ኣብ ገሊላ ሰበኸ፡ ንሃዋርያት ድማ ኣሰልጠኖም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ገሊላ ሰበኸ፡ ንሃዋርያት ድማ ኣሰልጠኖም
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ገሊላ እተገብረ ካልእ ናይ ስብከት ጕዕዞ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ኣቱም ዓየይቲ ተሓጐሱ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • መስጐጕቲ እኳ እናሃለወ፡ ኪሰብኩ ኣዳለዎም
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ለኣኾም
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 49 ገጽ 122-ገጽ 123 ሕ.ጽ. 3
የሱስ ንሃዋርያቱ በብኽልተ ገይሩ ኺሰብኩ ይሰድዶም

ምዕራፍ 49

ኣብ ገሊላ ሰበኸ፡ ንሃዋርያት ድማ ኣሰልጠኖም

ማቴዎስ 9:35–10:15 ማርቆስ 6:6-11 ሉቃስ 9:1-5

  • የሱስ ከም ብሓድሽ ኣብ ገሊላ ዞረ

  • ንሃዋርያቱ ኺሰብኩ ለኣኾም

የሱስ ንኽልተ ዓመት ኣቢሉ ኣበርቲዑ ድሕሪ ምስባኹ፡ ዕዮኡ ኼዛሕትል ወይ ዕሽሽ ኪብሎ ጀሚሩዶ፧ ኣይፋሉን፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ “ኣብ ምኵራባቶም እናመሃረ፡ ብስራት መንግስቲ እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ድናሰን እናኣሕወየ፡ ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣቝሻትን [ገሊላ] ዞረ።” (ማቴዎስ 9:35) እቲ ኣብቲ ጕዕዞኡ ዝረኣዮ ኸኣ፡ ዕዮ ስብከቱ ኼስፍሕ ከም ዜድሊ ኣረጋገጸሉ። ነዚ ግና ብኸመይ እዩ ፈጺምዎ፧

የሱስ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሓውዩን ኪጸናንዑን ዜድልዮም ሰባት ይርኢ ነበረ። ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን ስለ ዝነበሩ፡ ደንገጸሎም። ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ጐይታ እኽሊ፡ ናብ እኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ ለምንዎ” በሎም።—ማቴዎስ 9:37, 38።

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ በቤት እናኸዱ መንግስቲ ኣምለኽ ይሰብኩ

የሱስ፡ ሓገዝ ካበይ ኪርከብ ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ነቶም 12 ሃዋርያት ጸዊዑ ድማ፡ በብኽልተ ገይሩ ሽዱሽተ ጕጅለ ሰበኽቲ ኣዳለወ። ቀጺሉ፡ “ናብ መገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፡ ናብ ዝዀነት ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኪዱ። ክትከዱ ኸለኹም፡ ‘መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ እናበልኩም ስበኹ” ኢሉ ንጹር መምርሒ ሃቦም።—ማቴዎስ 10:5-7።

እታ ዚሰብክዋ መንግስቲ፡ እታ የሱስ ኣብቲ ኣብነት ዚኸውን ጸሎት እተዛረበላ መንግስቲ እያ። “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ” ኺብሃል ከሎ፡ እቲ ንጉስ ኪኸውን ብኣምላኽ እተሸመ የሱስ ክርስቶስ ኣብኡ ምንባሩ እዩ ዜመልክት ነይሩ። ደቀ መዛሙርቱ ብሓቂ ወኪላት እዛ መንግስቲ ምዃኖም ግና ብኸመይ ኪፍለጥ ይከኣል፧ የሱስ ንዓታቶም፡ ንሕሙማት ኬሕውዩን ምዉታት ኬተንስኡን ሓይሊ ሃቦም፣ ነዚ ድማ ብናጻ ኺገብርዎ መምርሒ ሃቦም። እሞ ደኣ እቶም ሃዋርያት ናይ ዕለት እንጌራኦምን ካልእ ዜድልዮም ነገራትን ከመይ ገይሮም ኬማልኡ ኽኢሎም፧

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብዚ ዙረት ስብከት እዚ፡ ስጋዊ ምድላዋት ከይገብሩ ነገሮም። ወርቂ ዀነ፡ ብሩር ኰነ፡ ነሓሲ ዀነ፡ ኣብ ቅናውቶም ኪሕዙ ኣይነበሮምን። ንመገዲ ለቘታ ስንቂ፡ ወይ ቅያር ቀምሽ፡ ወይ ኣሳእን እኳ ኺሕዙ ኣይነበሮምን። ስለምንታይ፧ የሱስ፡ “ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ” ኢሉ ኣረጋገጸሎም። (ማቴዎስ 10:10) እቶም ነቲ መልእኽቲ ዜማስውሉ ሰባት ነቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ኬማልኡሎም ምዃኖም ተነግሮም። የሱስ፡ “ኣብ እትኣትውዋ ቤት፡ ካብኣ ኽሳዕ እትወጹ፡ ኣብኣ ተቐመጡ” በሎም።—ማርቆስ 6:10።

የሱስ ቀጺሉ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሒዞም ንሰብ ቤት ብኸመይ ከም ዚቐርብዎም ከምዚ ኢሉ መምርሒ ሃቦም፦ “ናብ ቤት ክትኣትዉ ኸለኹም፡ ሰላም በሉ። እታ ቤት ዚግብኣ እንተ ዀይና፡ ሰላምኩም ይሕደራ፣ ዘይግብኣ እንተ ዀይና ግና፡ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ። እንተ ዘይተቐቢሎምኹም፡ ወይ ቃልኩም እንተ ዘይሰሚዖም፡ ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ደሮና ኣእጋርኩም ንገፉ።”—ማቴዎስ 10:12-14።

ብዘላ ኸተማ ወይ ቍሸት ነቲ መልእኽቶም እንተ ዘይተቐቢላቶ፡ እንታይ እያ እትኸውን፧ የሱስ ኣብ ልዕሊኣ ብርቱዕ ፍርዲ ኸም ዚወርድ ገለጸ። “ብመዓልቲ ፍርዲ፡ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣ፡ ንምድሪ ሶዶምን ጎሞራን ኪቐልል እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በለ።—ማቴዎስ 10:15።

  • የሱስ ኣብ ገሊላ ኻልእ ዙረት ስብከት ዝጀመረ መዓስ እዩ፧ ሰባት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ከም ዝነበሩኸ እዩ ዘስተብሃለ፧

  • የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያቱ ኺሰብኩ ኺልእኮም ከሎ፡ እንታይ መምርሒ እዩ ዝሃቦም፧

  • “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ