ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 9 ገጽ 28-ገጽ 29 ሕ.ጽ. 1
  • ኣብ መወዳእታኡ ወዲ ወለዱ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ መወዳእታኡ ወዲ ወለዱ!
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ “ልዕልቲ” ኢሉ ጸውዓ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ኣብርሃምን ሳራን ንእምነቶም ክትቀድሓ ትኽእል ኢኻ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • “መልክዐኛ ሰበይቲ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ኣብርሃም መን እዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 9 ገጽ 28-ገጽ 29 ሕ.ጽ. 1
መላእኽቲ ንኣብርሃም ኪዛረብዎ ኸለዉ፡ ሳራ ኣብ ውሽጢ ድንኳን ኰይና ትሰምዕ

ትምህርቲ 9

ኣብ መወዳእታኡ ወዲ ወለዱ!

ኣብርሃምን ሳራን ካብ ዚምርዓዉ ብዙሕ ዓመታት ገይሮም ነበሩ። ነታ ኣብ ኡር ዝነበረት ምሽእቲ ቤቶም ሓዲጎም ኣብ ድንኳን ይነብሩ ነበሩ። ሳራ ግና ንየሆዋ ትኣምኖ ስለ ዝነበረት፡ በዚ ኣየማረረትን።

ሳራ ውሉድ ኪህልዋ ስለ ዝደለየት፡ ንኣብርሃም፡ ‘ገረደይ ኣጋር ውሉድ እንተ ወሊዳ፡ ከም ውሉደይ ኪዀነለይ ይኽእል እዩ’ በለቶ። ድሕርዚ፡ ኣጋር ወዲ ወለደት። ስሙ ድማ እስማኤል ተባህለ።

ሳራ ብጥንስታ

ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፡ ኣብርሃም ወዲ 99 ዓመት ምስ ኰነ፡ ሳራ ኸኣ ጓል 89 ዓመት ምስ ኰነት፡ ሰለስተ በጻሕቲ መጽዎም። ኣብርሃም ድማ ነቶም ኣጋይሽ ኣብ ትሕቲ ኦም ኮፍ ኪብሉ እሞ ምግቢ ኺበልዑ ዓደሞም። እቶም በጻሕቲ መን ምንባሮምሲ ትፈልጥዶ፧ መላእኽቲ እዮም ነይሮም! ንሳቶም ከኣ ንኣብርሃም፡ ‘ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ፡ ንስኻን ሰበይትኻን ወዲ ኺህልወኩም እዩ’ በልዎ። ሳራ ድማ ኣብ ውሽጢ ድንኳን ኰይና ትሰምዖም ነበረት። ብልባ እናሰሓቐት ከኣ፡ ‘ኣነ ኣሪገ ኽነሰይሲ ብሓቂዶ ውሉድ ክወልድ እየ፧’ በለት።

ንዓመታኡ፡ ከምቲ መልኣኽ የሆዋ ዝበሎ፡ ሳራ ወዲ ወለደት። ኣብርሃም ከኣ ንዕኡ ይስሃቅ ኢሉ ሰመዮ፣ ትርጉሙ ኸኣ፡ “ሰሓቕ” ማለት እዩ።

ይስሃቅ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ፡ እስማኤል ንዕኡ ኼላግጸሉ ኸሎ ሳራ ረኣየት። ስለዚ፡ ንወዳ ኻብ ጕድኣት ክትከላኸለሉ ስለ ዝደለየት፡ ናብ ኣብርሃም ከይዳ፡ ንኣጋርን ንእስማኤልን ኪሰጕጎም ነገረቶ። ኣብ ፈለማ፡ ኣብርሃም ከምኡ ኺገብር ኣይደለየን። የሆዋ ግና ንኣብርሃም፡ ‘ንሳራ ስምዓያ። ንእስማኤል ክከናኸኖ እየ። ነቲ ዘተስፈኹኻ ቓል ግና ብይስሃቅ ኣቢለ እየ ዝፍጽሞ’ በሎ።

ኣጋርን እስማኤልን ተሰጒጎም ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሳራ ንይስሃቅ ትሓቝፎ

“ሳራ . . . ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምጥናስ ብእምነት ሓይሊ ረኺባ እያ።”—እብራውያን 11:11

ሕቶታት፦ ሳራ፡ እቶም መላእኽቲ ንኣብርሃም እንታይ ኪብልዎ እያ ሰሚዓ፧ የሆዋ ንይስሃቅ ብኸመይ እዩ ኻብ ጕድኣት ተኸላኺሉሉ፧

ዘፍጥረት 16:1-4, 15, 16፣ 17:25-27፣ 18:1-15፣ 21:1-14፣ እብራውያን 11:11

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ