ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 90 ገጽ 210
  • የሱስ ኣብ ጐልጎታ ሞተ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ኣብ ጐልጎታ ሞተ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጲላጦስን ሄሮድስን ገበን ኣይረኸቡሉን
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ካብ ጲላጦስ ናብ ሄሮድስ ምኻድ እንደገና ኸኣ ምምላስ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ጶንጥዮስ ጲላጦስ መን እዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • የሱስ ኪቕተል ኣሕሊፍካ ተዋህበ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 90 ገጽ 210
የሱስ ኣብ ጕንዲ ተሰቒሉ ኸሎ፡ ሓደ ሓለቓ ሚእትን ማርያምን ዮሃንስን ካልኦት ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ጥቓኡ ደው ይብሉ

ትምህርቲ 90

የሱስ ኣብ ጐልጎታ ሞተ

እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ንየሱስ ናብ ቤተ መንግስቲ እቲ ሹም ወሰድዎ። ጲላጦስ ከኣ፡ “ኣብዚ ሰብ እዚ እንታይ ክሲ ኣሎኩም፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ‘“ንጉስ እየ” ይብል እዩ’ በልዎ። ጲላጦስ ከኣ ንየሱስ፡ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ድማ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ መለሰሉ።

ሽዑ፡ ጲላጦስ ንየሱስ፡ ሄሮድስ እቲ ገዛኢ ገሊላ ገለ በደል እንተ ረኸበሉ ኢሉ፡ ናብኡ ለኣኾ። ሄሮድስ ግና ንየሱስ ዋላ ሓንቲ በደል ስለ ዘይረኸበሉ፡ ናብ ጲላጦስ መለሶ። ሽዑ፡ ጲላጦስ ነቶም ህዝቢ፡ ‘ኣነን ሄሮድስን ዋላ ሓንቲ በደል ኣይረኸብናሉን። ክፈትሖ እየ’ በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ቅተሎ! ቅተሎ!’ ኢሎም ጨደሩ። ወተሃደራት ድማ ንየሱስ ብመግረፊ ገረፍዎ፡ ጡፍ በሉሉ፡ ወቕዕዎ እውን። ኣኽሊል እሾዅ ኣብ ርእሱ ገይሮም ከኣ፡ “ሰላም፡ ኦ ንጉስ ኣይሁድ” እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ። ጲላጦስ ድማ መሊሱ ነቶም ህዝቢ፡ ‘ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን’ በሎም። ንሳቶም ግና፡ “ስቐሎ!” ኢሎም ጫውጫው በሉ። ስለዚ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ኪሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም።

ንሳቶም ከኣ ንየሱስ፡ ጐልጎታ ናብ እትብሃል ቦታ ወሰድዎ፣ ኣብ ጕንዲ ሸንኪሮም ድማ ነቲ ጕንዲ ደው ኣበልዎ። የሱስ ከኣ፡ “ኣቦ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም” ኢሉ ጸለየ። ገሊኦም ሰባት ድማ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብቲ ጕንዲ ውረድ፡ ርእስኻ እውን ኣድሕን’ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ።

ሓደ ኻብቶም እተሰቕሉ ገበነኛታት ግና፡ “መንግስትኻ ምስ ሓዝካ፡ ዘክረኒ” በሎ። የሱስ ድማ፡ “ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ኢሉ ቓል ኣተወሉ። ድሕሪ ቐትሪ ኸኣ፡ ንሰለስተ ሰዓት ኣብታ ምድሪ ጸልማት ኰነ። ገሊኦም ደቀ መዛሙርቱን ኣዲኡ ማርያምን ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ ጕንዲ ደው ኢሎም ነበሩ። ሽዑ፡ የሱስ ንዮሃንስ፡ ንማርያም ከም ኣዲኡ ገይሩ ኺከናኸና ተላበዎ።

ኣብ መወዳእታ፡ የሱስ “ተፈጺሙ!” በለ። ርእሱ ኣድነነ፡ ትንፋሱ እውን ሓለፈት። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ። ኣብታ ቤተ መቕደስ ድማ፡ እቲ ኣብ መንጎ ቕድስትን ቅድስተ ቕዱሳንን ዝነበረ መጋረጃ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ‘እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ’ በለ።

“ተስፋታት ኣምላኽ ዘበለስ ብእኡ ‘እወ’ ዀይኑ እዩ።”—2 ቈረንቶስ 1:20

ሕቶታት፦ ስለምንታይ እዩ ጲላጦስ፡ የሱስ ኪቕተል ዝፈቐደ፧ የሱስ ካብ ርእሱ ንላዕሊ ንኻልኦት ከም ዚሓልየሎም ብኸመይ ኣርእዩ፧

ማቴዎስ 27:11-14, 22-31, 38-56፣ ማርቆስ 15:2-5, 12-18, 25, 29-33, 37-39፣ ሉቃስ 23:1-25, 32-49፣ ዮሃንስ 18:28–19:30

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ