ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 92 ገጽ 214-ገጽ 215 ሕ.ጽ. 1
  • የሱስ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ተራእዮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ተራእዮም
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ኣብ ባሕሪ ገሊላ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ምስ ፍርህን ጥርጣረን ተቓለሰ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ምስ ፍርህን ጥርጣረን ተቓለሰ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 92 ገጽ 214-ገጽ 215 ሕ.ጽ. 1
ዓሳ ኣብ ጓህሪ እናተጠብሰ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ይዛረቦም

ትምህርቲ 92

የሱስ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ተራእዮም

ካብቲ የሱስ ንሃዋርያቱ እተራእየሉ እተወሰነ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ጴጥሮስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ ኺገፍፍ ከደ። ቶማስን ያእቆብን ዮሃንስን ገሊኦም ደቀ መዛሙርትን እውን ምስኡ ኸዱ። ምሉእ ለይቲ ዓሳ ኺገፍፉ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይሓዙን።

ኪወግሕ ምስ በለ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ገምገም ደው ኢሉ ረኣዩ። ንሱ ኸኣ ብማዕዶ ተዳህዩ፡ ‘ዓሳዶ ሒዝኩም፧’ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ‘ኣይሓዝናን’ በልዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ” በሎም። ከምኡ ምስ ገበሩ፡ እቲ መርበብ ብዓሳ ስለ ዝመልአ፡ ስሒቦም ናብ ጃልባ ኼእትውዎ ኣይከኣሉን። ሽዑ፡ ዮሃንስ፡ እቲ ሰብኣይ የሱስ ምዃኑ ስለ ዘስተውዓለ፡ “ጐይታና እዩ!” በለ። ጴጥሮስ ከኣ ብኡብኡ ዘሊሉ ናብ ማይ ኣትዩ፡ ሓምቢሱ ናብ ገምገም ወጸ። እቶም ዝተረፉ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ብጃልባ ሰዓብዎ።

ኣብ ገምገም ምስ በጽሑ፡ እንጌራን ኣብ ጓህሪ ዚጥበስ ዓሳን ረኣዩ። የሱስ ከኣ መወሰኽታ ኪዀኖም ኢሉ ገለ ኻብቲ ዝሓዝዎ ዓሳ ኼምጽኡ ሓተቶም። ድሕሪኡ፡ “ንዑ ቝረሱ” በሎም።

ጴጥሮስ ናብቲ የሱስ ደው ዝበለሉ ገምገም ይበጽሕ፡ ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ብጃልባ ይስዕብዎ

ምስ ቈረሱ ኸኣ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ ‘ካብ ዕዮ ምግፋፍ ዓሳ ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧’ ኢሉ ሓተቶ። ጴጥሮስ ድማ፡ ‘እወ ጐይታይ፡ ከም ዝፈትወካ ትፈልጥ ኢኻ’ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ‘እምበኣር፡ ዕያውተይ ኣብልዕ’ በሎ። የሱስ ድማ ከም ብሓድሽ፡ ‘ጴጥሮስ፡ ተፍቅረኒ ዲኻ፧’ ኢሉ ሓተቶ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ‘ጐይታይ፡ ከም ዝፈትወካ ትፈልጥ ኢኻ’ በሎ። የሱስ ድማ፡ “ኣባጊዐይ ጓሲ” በሎ። ሳልሳይ ሳዕ ከኣ የሱስ ንጴጥሮስ ሓተቶ። ሽዑ፡ ጴጥሮስ ብዙሕ ጕህዩ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ። ከም ዝፈትወካ እውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። የሱስ ድማ፡ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ” በሎ። ቀጺሉ ኸኣ ንጴጥሮስ፡ “ብቐጻሊ ስዓበኒ” በሎ።

“[የሱስ፡] ‘ኣነ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ እሞ፡ ስዓቡኒ’ . . . በሎም። ብኡብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዓብዎ።”—ማቴዎስ 4:19, 20

ሕቶታት፦ የሱስ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ እንታይ ተኣምር እዩ ገይሩሎም፧ የሱስ ንጴጥሮስ ሰለስተ ሳዕ፡ “ተፍቅረኒ ዲኻ፧” ዝበሎ ስለምንታይ ይመስለካ፧

ዮሃንስ 21:1-19, 25፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:1-3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ