ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 94 ገጽ 220-ገጽ 221 ሕ.ጽ. 1
  • እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ የሩሳሌም ኴንካ ምጽባይ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ቅድሚ ጰንጠቈስጠ ኣማእታት ረኣይዎ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ብስም መን ኢኻ እትጥመቕ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኰነ ሎሚ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 94 ገጽ 220-ገጽ 221 ሕ.ጽ. 1
ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ በብቛንቋኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ይድነቑ

ትምህርቲ 94

እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ

ካብቲ የሱስ ናብ ሰማይ እተመልሰሉ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ደቀ መዛሙርቱ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። እታ መዓልቲ ኸኣ፡ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ነበረት፣ በዓል ኬብዕሉ ኢሎም ካብ ብዙሕ ቦታታት ናብ የሩሳሌም ዝመጹ ሰባት እውን ነበሩ። ኣብ ደርቢ ድማ 120 ዚኣኽሉ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ተኣኪቦም ነበሩ። ብሃንደበት፡ ሓደ ዜደንቕ ነገር ኰነ። ከም ሃልሃልታ ሓዊ ዚመስል ነገር ኣብ ርእሲ ነፍሲ ወከፍ ወደ መዝሙር ተራእየ፣ ኵላቶም ከኣ ብበበይኑ ቛንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚመስል ደሃይ እውን ነታ ቤት መልኣ።

ካብ ካልኦት ሃገራት ናብ የሩሳሌም መጺኦም ዝነበሩ በጻሕቲ ድማ ነቲ ደሃይ ምስ ሰምዑ፡ እንታይ ከም ዝዀነ ኺርእዩ ተቐላጢፎም ናብታ ቤት ከዱ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ብቛንቋታት ኪዛረቡ ምስ ረኣይዎም ከኣ ተደነቑ። ‘እዋእ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ካብ ገሊላ እዮም። ከመይ ገይሮም እዮም ቋንቋታትና ኺዛረቡ ኽኢሎም፧’ እውን በሉ።

ሽዑ፡ ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ደው በሉ። ጴጥሮስ ከኣ ነቶም ህዝቢ፡ የሱስ ብኸመይ ከም እተቐትለ፡ የሆዋ እውን ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ ነገሮም። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ ‘ሕጂ የሱስ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ኣምላኽ እዩ ዘሎ፣ ነዚ ኣተስፍይዎ ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ እውን ንሱ እዩ ኣፍሲስዎ። ስለዚ ኸኣ ኢኹም እዚ ተኣምራት እዚ ዝረኣኹምን ዝሰማዕኩምን’ በሎም።

እቶም ሰባት በቲ ጴጥሮስ እተዛረቦ ዘረባ ልቦም ስለ እተተንከየ፡ “እንታይ ንግበር፧” ኢሎም ሓተቱ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ‘ካብ ሓጢኣትኩም ተነስሑ፡ ብስም የሱስ እውን ተጠመቑ። ውህበት መንፈስ ቅዱስ እውን ክትቅበሉ ኢኹም’ በሎም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኣስታት 3,000 ሰባት ተጠምቁ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ብዝሒ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ የሩሳሌም ብቕልጡፍ እናወሰኸ ኸደ። እቶም ሃዋርያት ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝኣዘዞም ኵሉ ምእንቲ ኺምህርዎም ኢሎም ከኣ፡ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ጉባኤታት ኣቘሙ።

“ብኣፍካ እቲ ቓል፡ ማለት የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነጊርካ፡ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እውን ብልብኻ እንተ ኣሚንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።”—ሮሜ 10:9

ሕቶታት፦ ኣብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ብዙሓት ሰባት እተጠምቁ ስለምንታይ እዮም፧

ግብሪ ሃዋርያት 1:15፣ 2:1-42፣ 4:4፣ ዮሃንስ 15:26

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ