ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/2 ገጽ 7-12
  • መለኮታዊ ትምህርቲ ይዕወት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መለኮታዊ ትምህርቲ ይዕወት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጥበብ ሃለዉ ምባል
  • እቲ ናይ የሆዋ ዓብዪ መምሃሪ መጽሓፍ
  • እናማዕበለ ዝኸይድ ምስትውዓል
  • ናብቲ ዘደንቕ ብርሃን ኣምላኽ
  • ብመንፈስን ብሓቅን ኣምልኽ
  • ኣብ ልዕሊ ፈተናታትን ዓለምን ምዕዋት
  • ንጥቕምታት ናይ መለኮታዊ ትምህርቲ ኣስተማቕርዎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ክሳብ እዚ ግዜ እዚ ብየሆዋ እተማህሩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ኣብ መንጎ መለኮታዊ ትምህርትን ትምህርቲ ኣጋንንትን ዘሎ ውግእ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ‘ኣየወ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ!’
    ንየሆዋ ቕረቦ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/2 ገጽ 7-12

መለኮታዊ ትምህርቲ ይዕወት

“ኣዒንትኻ ግና [ነቲ ዓቢ መምህርካ ት.ሓ.ዓ.] ክርእያ እየን: . . . ኣእዛንካ እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኪሰምዓ እየን። ” — ኢሳይያስ 30:20, 21።

1. ትምህርትታት የሆዋ መለኮታዊ ትምህርቲ ተባሂሉ ክጽዋዕ ቅኑዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?

የሆዋ ኣምላኽ ምንጪ ናይቲ ኣዝዩ ብሉጽ ትምህርቲ እዩ። ንሱ: ብሕልፊ እኳ በቲ ቅዱስ ቃሉ ገይሩ: ክዛረበና ከሎ ጽን ኢልና ንሰምዕ እንተደኣ ኰይንና: እቲ ዓቢ መምህርና ክኸውን ኢዩ። (ኢሳይያስ 30:20) ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ጥቕሲ ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ንዕኡ “እቲ መለኮታዊ” እናበለ ይጽውዖ። (መዝሙር 50:1 ት.ሓ.ዓ.) ስለዚ እምበኣር: ትምህርቲ ናይ የሆዋ: መለኮታዊ ትምህርቲ ኢዩ።

2. ኣምላኽ ጥራይ ንበይኑ ጥበበኛ ዝበሃል በየናይ መገዲ ኢዩ?

2 እዛ ዓለም እዚኣ በቲ ዘለዋ ናይ ትምህርቲ ትካላት ትሕበን እያ: እንተኾነ ግና ሓንቲ እኳ ትኹን ካብዘን ትካላት እዚኣተን መለኮታዊ ትምህርቲ እትምህር የላን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ: እቲ ሰባት ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ዘዋህለልዎ ዓለማዊ ፍልጠት ምስቲ ኣብቲ ደረት–ኣልቦ ዝኾነ ጥበብ የሆዋ ዝተመስረተ ትምህርቲ ክወዳደር ከሎ ቁላዕ: ወይ ከኣ ኣብ ጸብጻብ ዘይኣቱ ኢዩ። ኣብ ሮሜ 16:27 ኣምላኽ ጥራይ ንበይኑ ጥበበኛ ክበሃል ከሎ: የሆዋ ጥራይ ኢዩ ፍጹምን ምሉእን ጥበብ ዘለዎ ማለት ኢዩ።

3. ኣብ ምድሪ ካብ ዝነበሩ ዘበሉ ኹሎም የሱስ እቲ ዝዓበየ መምህር ክኸውን ዝኽኣለ ስለምንታይ ኢዩ?

3 የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እቲ ፍጹም ኣብነት ናይ ጥበብ ኢዩ: ከምኡውን ኣብዛ ምድሪ ካብ ዝነበሩ ዘበሉ ኹሎም እቲ ዝዓበየ መምህር ኢዩ። ኣብ ሰማይ ንመዋእላት ዝኣክል የሆዋ ባዕሉ መምህሩ ስለ ዝነበረ: እዚ ዘገርም ኣይኰነን! እቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ዝተጀመረ እኳ: ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ ዝኾነ በኹሪ ፍጥረቱ ክምህሮ ምስ ጀመረ ኢዩ። በዚ ኢዩ እምበኣር የሱስ ‘ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ እየ ዝነግር’ ክብል ዝኸኣለ። (ዮሃንስ 8:28። ምሳሌ 8:22, 30) እተን ክርስቶስ ባዕሉ ዘውስአን ቃላት ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ተመዝጊበናልና ኣለዋ: ኣብቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ዘሎና ፍልጠት ከኣ ኣዕብየናልና እየን። ቅቡኣት ክርስትያናት ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ትምህርቲ ብምምሃሮም ነቲ “እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበቡ ሕጂ በታ ማሕበሩ ገይሩ” ከፍልጣ ፍቓዱ ዝኾነ ዓቢ መምህሮም ኢዮም ዝእዘዙ ዘለዉ። — ኤፌሶን 3:10, 11። 5:1። ሉቃስ 6:40።

ንጥበብ ሃለዉ ምባል

4. ብዛዕባ እቲ ዕቑር–ዓቕሚ ናይ ኣእምሮና እንታይ ተባሂሉ ኣሎ?

4 ነታ ካብ መለኮታዊ ትምህርቲ እትጥረ ጥበብ ክንረክብ እንተደኣ ኰይንና ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ናይ ምሕሳብ ክእለት ብትግሃት ክንጥቀመሉ ከድልየና ኢዩ። ኣእምሮ ወዲ ሰብ ብርቱዕ ዕቑር ሓይሊ ዘለዎ ስለ ዝኾነ እዚ ንምግባር ይከኣል ኢዩ። እታ እቲ ዘስደምም ማሽን ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ዋላ እቲ ኣሎ ዝበሃል ኣዝዩ ዝተራቐቐ ምዕቡል ኮምፒተር ምስቲ ቍጽሪ ዘይብሉ ሕልኽላኻትን ተዓጻጻፍነትን ዘለዎ ኣእምሮ ናይ ወዲ ሰብ ክወዳደር ከሎስ ድሑር ወይ ዘይስልጡን ኰይኑ ኢና እንረኽቦ: ከመይሲ እቲ ውጽኢት ናይዚ ሕልኽላኻት ዝበዝሖን ብመጠን እናዓቀነ ኢለክትሮ ቀመማዊ ምልክታት እናሃበ ዝሰርሕ ኣእምሮ: ኣዝዩ ምዕቡል ኢዩ። . . .  እዞም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ምልክታት ኣብ ኣእምሮኻ ዝመላለሱ ኣብ ሓንቲ እዋን እዚ ዘይበሃል ጽዕነት ናይ ሓበሬታታት ኢዮም ዘመሓላልፉ። እቲ ዘምጽኡልካ ሓበሬታ ብዛዕባ ውሽጣዊ ኣካልካን ግዳማዊ ኣከባቢኻን ኢዩ። እዚ ድማ ከም እኒ ምርብራብ ኣጻብዕ እግሪ: ወይ ጥዑም ሽታ ቡን: ወይ ዘስሕቕ ዘረባ ዓርክኻ ክኸውን ይኽእል። እቶም ካልኦት ምልክታት ድማ ሓበሬታ ናብ ኣእምሮ ምስ ኣመሓላለፉ ኣብኡ ድማ በቲ ግቡእ መስርሕ ሓሊፎም ምስ ተመመዩ: ሽዑ ሓድ ሓደ ስምዒታት: ተዘክሮታት: ሓሳባት ወይ ናብ ውሳኔ ዘምርሕ መደባት: ይፈጥረልካ። እቲ ምልክታት ኣብ ኣእምሮና ምስ በጽሐ ብኡንብኡ ንኻልእ ክፍሊ ኣካላትና እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ መምርሒ ይህብ: እዚ ድማ ኣጻብዕ እግሪ ምንቅስቓስ: ካብቲ ቡን ምስታይ: ምስሓቕ ወይ ድማ ተረካብ መልሲ ምምላስ ኢዩ። እዚ ኹሉ ተግባራት እናካየደ ክነሱ ኣእምሮኻ ነቲ ናይ ምስትንፋስ መስርሕ: ናይ ደም ቀመማዊ ውህደት: ዓቐን ሙቐት: ከምኡውን ካልእ ንዓኻ ከይተፈለጠካ ዝካየዱ ኣገደስቲ መስርሓት ናይ ህይወት ይቆጻጸር። ኣብ ኣከባቢኻ ዝርኣዩ ለውጥታት ብዘየገድስ ኣካላትካ ቀዋሚ ኰይኑ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ሒዙ ስርሑ ክፍጽም መምርሒ የሕልፈሉ። ከምኡውን ነቲ ንመጻኢ ዘድሊ ነገር ወይ ጠለብ የዳሉ።”

5. ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ጥበብ እንታይ ኢያ?

5 ብዘይጥርጥር ኣእምሮ ናይ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ዘደንቕ ዕቑር ዓቕሚ ዘለዎ ኢዩ: እንተኾነ ግና እንታይ እንተገበርና ኢና ነእምሮና ብዝበለጸ መገዲ ክንጥቀመሉ እንኽእል? ኣብ ኣዝዩ ኣድካሚ መጽናዕቲ ናይ ቋንቋ: ዛንታ: ሳይንስ ወይ ኣብ ተዛማዲ ሃይማኖት ዘሎ ነገራት ጥራይ ብምጥሓል ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለትና ብቀዳምነት መለኮታዊ ትምህርቲ ንምርካብ ከንጥቀመሉ ይግብኣና። እዚ ጥራይ ድማ ኢዩ ነቲ ብሉጽ ጥበብ ክንረክብ ዘኽእለና። እታ ናይ ሓቂ ጥበብ ግን እንታይ ኢያ? ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት: ጥበብ ምስቲ ኣብ ቅኑዕ ፍልጠትን ምስትውዓልን ዝተመስረተ ጥዑይ ናይ ምምዝዛን ክእለት ተኣሳሲራ ኣላ። ጥበብ ንግድላትና ብዓወት ክንፈትሕን ንሓደጋታት ድማ ከነወግዶም: ወይ ገና ኸለዉ ከነርሕቖምን ንካልኦት ክንሕግዞምን: ከምኡውን ኣብቲ ዝሓንጸጽናዮ ሸቶ መታን ክንበጽሕ ነቲ ዘሎና ፍልጠትን ምስትውዓልን ክንጥቀመሉ ትድግፈና እያ። ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ዘሎ ድማ: መጽሐፍ ቅዱስ ንጥበብ ምስቶም ከነርሕቖም እንምነ ዕሽነትን ድንቁርናን ዝተባህሉ ባህርያት ኢዩ ዘነጻጽራ። — ዘዳግም 32:6። ምሳሌ 11:29። መክብብ 6:8።

እቲ ናይ የሆዋ ዓብዪ መምሃሪ መጽሓፍ

6. ናይ ሓቂ ጥበብ ከነንጻባርቕ እንተደኣ ኰይንና ንምንታይ ኢና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ዘሎና?

6 ኣብ ከባቢና ኣዝዩ ብዙሕ ዓለማዊ ጥበብ ኣሎ። (1ቈረንቶስ 3:18, 19) እወ: እዛ ዓለም እዚኣ ብብዙሕ ቤት ትምህርትታትን ከምኡውን ማእለያ ዘይብሉ መጻሕፍትን ቤት ንባብን ኢያ መሊኣ ዘላ! መብዛሕትኡ ካብቲ መምሃሪ መጻሕፍቲ ብዛዕባ ቋንቋ: ሕሳብ: ሳይንስን ካልእ ዓውደ–ፍልጠትን ዝምህር እዩ። እቲ ዓቢ መምህር ኣዳልይዎ ዘሎ መምሃሪ መጽሓፍ ግና ንኹሉ ካልእ መምሃሪ ዝኸውን መጽሓፍቲ ሓለፍ ብዝበለ መገዲ በሊጽዎ ይርከብ። እዚ መጽሓፍ እዚ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ መጽሐፍ ቅዱስ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) መጽሐፍ ቅዱስ ኣብ ከም እኒ ታሪኽ: ጅኦግራፊ: ስነ–ኣትክልቲ ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ዝመጽእ ኣብ ምንባይውን እንተኾነ ቅኑዕ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ብተወሳኺውን: ሕጂ ኣብዚ ዘሎናዮ ህይወት ሕጉስን ኣፍራይን ዝኾነ ህይወት ክህልወና ይድግፈና ኢዩ። ሓቂ’ዩ ከምቲ ኣብቲ ናይ ዓለም ትምህርቲ ዝመሃሩ ተመሃሮ ነቲ መጻሕፍቶም ዝጥቀምሉ: ንሕናውን ከምቶም “ብየሆዋ ዝተማህሩ” ኰይንና ነታ ናይ ሓቂ ጥበብ ከነንጸባርቓ እንተደኣ ኰይና: ምስቲ ዓብዪ ናይ ኣምላኽ መምሃሪ መጽ ሓፍ ጽቡቕ ሌላ ክህልወና ይግባእ። — ዮሃንስ 6:45።

7. ናይ ሌላ ፍልጠት ጥራይ ምስ ትሕዝቶ ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ምህላው እኹል ኣይኰነን ዘብለካስ እንታይ ኢዩ?

7 ይኹን እምበር: ምስ መጽሐፍ ቅዱስ ናይ ሌላ ፍልጠት ጥራይ ስለ ዘሎና እታ ናይ ሓቂ ጥበብ ኣላትና ማለት ኣይኰነን: ከምኡውን ምስ መለኮታዊ ትምህርቲ ተሰማሚዕና ንኸይድ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ሓደ ኮርነሊዩስ ቫንደርታን ዝተባህለ ካቶሊካዊ ሰብኣይ ናይ ጀስዊት ቀሺ ንምዃን ባህጊ ነበሮ: እንተኾነ ግና ቁመቱ ኣዝዩ ሓጺር ስለ ዝነበረ እቲ ሕቱኡ ተነጽገ። ኣብታ ዘ ጀስዊት–ሂስትሪ ኤንድ ለጀንድ ኦቭ ዘ ሶሳይቲ ኦቭ ጂሰስ ዘርእስታ መጽሓፍ ማንፍረት ባርት ከምዚ ይብል:- “እቲ ንጉዳይ ናይ ቫንዴርስታን ዝረኣየ ኰሚቴ: ንምሉእ መጽሐፍ ቅዱስ ብቓልካ ኣጽኒዕካ እንተደኣ ወጺእካዮ: እቲ ብምኽንያት ቁመትካ ዝተገብረ እገዳ ክለዓለልካ ኢዩ በሎ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ገታር ዝኾነ ቅድመ ኩነት: ቫንዴርስታን እንተዘይፍጽሞ ነይሩስ ዛንታኡ ከምዚ ኢልካ እኳ ኣይምተነግረን ነይሩ።” ንምሉእ መጽሐፍ ቅዱስ ብቓልካ ክትወጾስ ኣየ ክንደይ ጻዕሪ ኰን የድልዮ ይኸውን! ብርግጽ ብርቱዕ ጻዕሪ ይሓትት ኢዩ: ይኹን እምበር ንቓል ኣምላኽ ካብ ብቓልካ ሸምዲድካ ከተጽንዖስ ክትርድኦ ኢዩ ዝበልጽ።

8. ካብ መለኮታዊ ትምህርትን ካብ ሓቀኛ ጥበብ ምንጽብራቕን ዝርከብ ጥቕሚ መታን ክንረክብ እንታይ ክሕግዘና ምኽኣለ?

8 ካብ መለኮታዊ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ጥቕሚ ረኺብና ነታ ናይ ሓቂ ጥበብ ከነንጸባርቓ እንተደኣ ኰይንና: ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ሓቂ ፍልጠት ከነጥሪ የድልየና። ብተወሳኺ እውን በቲ መስለጢ ሓይሊ ናይ የሆዋ ቅዱስ መንፈስ ክንምራሕ ይግብኣና። እዚ ድማ ዘደንቑ ሓቅታት “መዓሙቕ ኣምላኽ” ክንምሃር ከኽእለና ኢዩ። (1ቈረንቶስ 2:10) ስለዚ እምበኣር: ሃየ ብትግሃት ነቲ ዓብዪ ናይ የሆዋ መምሃሪ መጽሐፍ ነጽንዓዮ: ከምኡውን ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ መሪሕነቱ ክህበና ንጸሊ። ምስ ምሳሌ 2:1–6 ብምስምማዕ ናብ ጥበብ ነቕልብ። ንልብና ድማ ናብ ምስትውዓል ነዝብሎ: ከምኡውን ነእምሮ ንጸውዓያ: ነዚ ልክዕ ከም ንሕቡእ መዝገብ ወይ ሃብቲ ክንረክብ ኢልና ሃለው እንብል ጌርና ክንደልዩ ይግብኣና: ሽዑ ጥራይ ድማ ኢና ‘ንፍርሃት የሆዋ ከነስተውዕሎ: ንፍልጠት ኣምላኽ ከኣ ክንረኽቦ እንኽእል።’ ነቲ ዓወታትን ጥቕምታትን ናይ መለኮታዊ ትምህርቲ እንተደኣ ኣስተንቲንናዮ: ኣብቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበ ጥበብ ዘሎና ሞሳ ክዓቢ ኢዩ።

እናማዕበለ ዝኸይድ ምስትውዓል

9, 10. ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ከም ዘሎ ኣምላኽ እንታይ በለ? እቲ ቅኑዕ ኣረዳድኣ ናይዘን ቃላት እዚኣተንከ እንታይ ኢዩ?

9 መለኮታዊ ትምህርቲ ዝዕወት ዘሎ: ንህዝቢ የሆዋ እናማዕበለ ዝኸይድ ምርዳእ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት የስንቖም ስለ ዘሎ ኢዩ። ንኣብነት እቲ ኣብ ኤደን ብተመን ተጠቒሙ: ነቲ ኣምላኽ ካብታ ዝተኸልከለት ኦም እንተደኣ በሊዖም ሞት ከስዕበሎም ምዃኑ ዝበሎ: ሓሶት ኢዩ እናበለ ብሓሶት ዝኸስስ ዝነበረ ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ ተማሂርና ኣሎና። እንተኾነ ግና እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘይምእዛዞም: ብርግጽ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ሞት ከም ዝመጸ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኢና። (ዘፍጥረት 3:1–6። ሮሜ 5:12) ይኹን እምበር: ኣምላኽ ነቲ ንሰይጣን ወኪሉ ዘሎ ተመን ክዛረቦ ኸሎ ንወዲ ሰብ ተስፋ ሂብዎ ኣሎ። “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ ኢዩ: ንስኻ ድማ ሸኾናኡ ክትነክስ ኢኻ።” — ዘፍጥረት 3:15።

10 እዘን ቃላት እዚአን: በብግዜኡ በቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ዝተገልጸ ምስጢር ዝሓዘላ እየን ነይረን። እቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ናይ መጽሐፍ ቅዱስ በቲ ዘርኢ ናይ ኣብርሃምን ዳዊትን ዝኾነ: መንግስታዊ ግዝኣት ክወሃቦ ድማ ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ተጠቒሙ ንልዕልነቱ ከረጋግጽ ምዃኑ: የሆዋ ንህዝቡ ምሂርዎም ኢዩ። (ዘፍጥረት 22:15–18። 2 ሳሙኤል 7:12, 13። ህዝቅኤል 21:25–27) የሱስ ክርስቶስ እቲ ቀንዲ ዘርኢ ናይታ “ሰበይቲ” ማለት እታ ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ ምዃኑ: እቲ ዓቢ መምህርና ምሂሩና ኢዩ። (ገላትያ 3:16) ሽሕኳ ሰይጣን ዝተፈላለየ ከቢድ ፈተና እንተኣውረደሉ: የሱስ ግና ክሳዕ ሞት ማለት ሸኾና ክሳዕ ዝንከስ ተኣማንነቱ ኣጽኒዑ ሓዘ። ካልእ ብተወሳኺ ዝተማሃርናዮ ድማ: ኣብ ምጭፍላቕ ርእሲ ናይ ሰይጣን “እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ምስ ክርስቶስ ዝሓብሩ ካብ ደቂ ሰብ ዝተወስዱ 144, 000 ወረስቲ ናይታ መንግስቲ ኣለዉ። (ራእይ 14:1–4። 20:2። ሮሜ 16:20። ገላትያ 3:29። ኤፌሶን 3:4–6) ነዚ ከምዚ ዝበለ ፍልጠት ናይ ቃል ኣምላኽ: ኣየ ክንደይ ኢና እነማስወሉ!

ናብቲ ዘደንቕ ብርሃን ኣምላኽ

11. መለኮታዊ ትምህርቲ ንሰባት ናብ መንፈሳዊ ብርሃን ኣብ ምምጽኦም ተዓዊቱ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ?

11 መሎኮታዊ ትምህርቲ ንሰባት ናብ መንፈሳዊ ብርሃን ኣብ ምምጽኦም ተዓዊቱ ኢዩ። ቅቡኣት ክርስትያናት ንፍጻሜ ናይ 1 ጴጥሮስ 2:9 ተሞኪሮሞ ኢዮም ከምዚ ዝብል:- “ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ካብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ክትነግሩ: ሕሩይ ወለዶ ናይ መንግስቲ ኽህነት ቅዱስ ህዝቢ ጥሪት ኣምላኽ ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።” ሕጂ ድማ እቶም ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘልኣለም ዝነብሩ “ዓቢ ጭፍራ” ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋበ ብርሃን ይሕጐስሉ ኣለዉ። (ራእይ 7:9። ሉቃስ 23:43) ኣምላኽ ንህዝቡ እናመሃሮም ብዝኸደ መጠን ብእኡ መጠን ድማ እቲ ኣብ ምሳሌ 4:18 ዘሎ: ሓቂ ኰይኑ ይርከብ: ከምዚ ዝብል:- “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ: ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ: እናወሰኸት ትበርህ።” እዚ እናማዕበለ ዝኸይድ ናይ ምምሃር መስርሕ: ልክዕ ከምቲ ተማሃሮ: ሰዋስው: ዛንታ: ወይ ካልእ ዓይነት ኣርእስቲ ክመሃሩ ከለዉ በቲ ካብ መምህሮም ዝረኽብዎ ጽቡቕ ሓገዝ ምዕብልና ዘርእዩ: ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ዘሎና ምርዳእ ንጹር ገይሩልና ኢዩ።

12, 13. መለኮታዊ ትምህርቲ ካብ ከመይ ዝበሉ ናይ ሰረተ–እምነት ሓደጋታት እዩ ንህዝቢ የሆዋ ዘዕቆቦም?

12 እቲ ካልእ ዓወት ናይ መለኮታዊ ትምህርቲ ድማ: ነቶም ብትሕትና ዝቕበልዎ ካብ “ምህሮ ኣጋንንቲ” ዝከላኸለሎም ምዃኑ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:1) በቲ ሓደ ወገን ድማ እስከ ንህዝበ ክርስትያን ርኣይዋ! ብ1878 ጆን ሄንሪ ኑው ማን ዝተባህሉ ኣቡን ናይ ሮማ ካቶሊክ ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ:- “ብእከይ ከይንብከል ኢልና ክንከላኸል: ከምኡውን ነቲ መሳርሒ ኣቑሑትን ተግባራትን ናይ ኣምልኾ ኣጋንንቲ: ናብ ዕዮ ወንጌል ክንልውጦ እንተደኣ ኰይንና ኣብ ሓይሊ ናይ ክርስትና ጥራይ ክንሕጸር ኣሎና። . . .  እቶም ኣመሓደርቲ ናይ ቤተ ክርስትያን: ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ምስ ዝተላዕለ ሓዲሽ ነገር ክሰማምዑ ወይ ክስዕቡ ወይ ድማ ነቲ ዝጸንሐ ወግዕታትን ልምድታትን ናይቲ ህዝቢ ንከጽድቑ: ከምኡውን ነቲ ፍልስፍና ናይቶም ምሁራት ዝበሃሉ ክስዕቡ: ኰነ ኢሎም ዝተዓጥቁ ኢዮም ነይሮም።” ኒውማን ቀጺሎም ብዛዕባ እዚ ማይ ድጋም: ክህንነታዊ ካባ: ስእልን ምስልን ዝበሃሉ ኩሎም “ኣረማዊ መበቆል ዘለዎም ኢዮም: እንተኾነ ግና ቤተ ክርስትያን ተቐቢላ ቀዲሳቶም እያ” ይብሉ። ህዝቢ ኣምላኽ ብሓቂ መለኮታዊ ትምህርቲ ካብ ከምዚ ዝበለ ክሕደት ስለ ዘዕቆቦም ኣዝዮም መመስገንቲ ኢዮም። ከመይሲ መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዓይነት ተግባራት ናይ ኣጋንንቲ ይዕወት ኢዩ። — ግብሪ ሃዋርያት 19:20።

13 መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ጌጋታት ብኹሉ መገዲ እዩ ዝዕወት። ንኣብነት ንሕና እዞም ብኣምላኽ ዝተማሃርና: የሆዋ እቲ በይኑ ኣዝዩ ልዑል ከም ዝኾነ: የሱስ ወዱ ምዃኑ: መንፈስ ቅዱስ ድማ መስለጢ ሓይሊ ናይ ኣምላኽ መዃኑ ደኣ ኣፍልጦ ንህብ እምበር ኣብ ስላሴ ኣይንኣምንን ኢና። እቲ ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ሲኦል: ተራ መቓብር ናይ ወዲ ሰብ ምዃኑ ስለ ዝፈለጥና: ፍርሒ ናይ ገሃነመ–እሳት ፈጺሙ የብለናን። ሽሕኳ እቶም ግጉያት ሃይማኖታውያን: ነፍሲ ሰብ ኣይትመውትን ኢያ እንተበሉ: ንሕና ግና ምዉታት ምንም ስምዒት ወይ ምንቅስቓስ ከም ዘይብሎም ሕራይ ገይርና ንፈልጥ ኢና። እቲ ካብ መለኮታዊ ትምህርቲ ዘጥረናዮ ሓቂ ዘርዚርካ ኣይውዳእን ኢዩ። ካብዛ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝኾነት ዓባይ ባቢሎንን ካብቲ መንፈሳዊ ማእሰራ ሓራ ክትወጽእስ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ! — ዮሃንስ 8:31, 32። ራእይ 18:2, 4, 5።

14. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብቲ መንፈሳዊ ብርሃን ብቐጻልነት ክመላለሱ ዝኽኣሉስ ስለምንታይ ኢዩ?

14 መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ጌጋታት ይዕወት ስለ ዝኾነ ኢዩ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ ብርሃን ክመላለሱ ኪኢሎም ዘለዉ። አረ “እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ” ዝብል ቃል ኢዮም ብድሕሪኦም ዝሰምዑ። (ኢሳይያስ 30:21) እዚ ናይ ኣምላኽ ትምህርቲ ነቶም ኣገልገልቱ ካብ ግጉይ ኣተሓሳስባ እውን ከይተረፈ የዕቁቦም ኢዩ። እቶም “ሃዋርያት ሓሶት” ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ናዕቢ ምስ ፈጠሩ: ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም “ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ ኢዩ እምበር: ስጋዊ ኣይኰነን። ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኩሉን እናፍረስና: ኩሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።” (2 ቈረንቶስ 10:4, 5። 11:13–15) ኩሉ እቲ ምስቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ዝጻረር ኣተሓሳስባ በቲ ኣብ ጉባኤ ዝውሃብ ህድኣት ዝመልኦ ትምህርትን ከምኡውን ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብስራት ክንሰብኽ ከሎናን ይልወጥ ኢዩ። — 2 ጢሞቴዎስ 2:24–26።

ብመንፈስን ብሓቅን ኣምልኽ

15, 16. ብመንፈስን ብሓቅን ንየሆዋ ምምላኽ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?

15 እቲ ስብከት ናይታ መንግስቲ እናሰፍሐን እናዓበየን ክኸይድ ከሎ ብእኡ መጠን ድማ እቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ነቶም ትሑት ልቢ ዘለዎም ከመይ ገይሮም “ብመንፈስን ብሓቅን” ንኣምላኸ ከም ዘምልኽዎ ኣብ ምዕላሞም ተዓዊቱ ኢዩ። ኣብ ዒላ ያዕቆብ ጥቓ ከተማ ሲካር: የሱስ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ: ንሱ ናይ ዘልኣለም ህይወት ዘውህብ ማይ ከም ዝነበሮ ነገራ። ብዛዕባ ሳምራውያን ክዛረብ ከሎ የሱስ ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ . . .  ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግድሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።” (ዮሃንስ 4:7–15, 21–23) ሽዑ የሱስ ንሱ እቲ መሲሕ ምዃኑ ገለጸ።

16 እንተኾነ ግና: ከመይ ገይርና ኢና ንኣምላኽ ብመንፈስ ከነምልኾ እንኽእል? ካብቲ ኣብ ፍልጠት ሓቂ ናይ ቃሉ ዝተመስረተ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝመልኦ መማሰዊ ልቢ ዝመጽእ ጽፉፍ ኣምልኾ ብምቕራብ ክግበር ይከኣል። ንኹሉ ሃይማኖታዊ ሓሶት ነጺግና በቲ ኣብቲ ዓብዪ ናይ የሆዋ መምሃሪ መጽሓፍ ተገሊጹ ዘሎ መሰረት: መለኮታዊ ፍቓድ ንፍጽም እንተደኣ ኰይንና ድማ ብሓቂ ነምልኾ ኣሎና ማለት ኢዩ።

ኣብ ልዕሊ ፈተናታትን ዓለምን ምዕዋት

17. መለኮታዊ ትምህርቲ ንፈተናታት ክገጥሙሉ ንህዝቢ የሆዋ ከም ዝሓገዞም ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል?

17 ህዝቢ ኣምላኽ ፈተና ከጋጥሞም ከሎ: መለኮታዊ ትምህርቲ ብተደጋጋሚ ተዓዊቱ ኢዩ። እስከ ገለ ኣብነት ንርኤ: ኣብ ምጅማር ናይ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብመስከረም 1939 ህዝቢ የሆዋ: ሓደ ፉሉይ ምርዳእ ኣብቲ ዓብዪ መምሃሪ መጽሓፍ ክረኽቡ ኣድለዮም። እታ ናይ 1 ሕዳር 1939 ዝወጸት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ክርስትያናዊ ገለልትነት ንጹር መለኮታዊ ትምህርቲ ሒዛ ብምውጽኣ ዓቢ ሓገዝ ኣበርኪታ እያ። (ዮሃንስ 17:16) ብተመሳሳሊ እቲ ብ1960ታት ዝወጸ ዓንቀጻት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ በቲ እዋንቲ ዝነበረ ሕዝባዊ ናዕብታት: ምስቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ተሰማሚዖም መታን ክመላለሱ ህዝቢ ኣምላኽ: ንስልጣናት ደረት ዘለዎ ተኣዛዝነት ከርእዩ ከም ዝግባእ ዝገልጽ ትምህርቲ ተዋህበ። — ሮሜ 13:1–7። ግብሪ ሃዋርያት 5:29።

18. እቶም ኣብቲ ካልኣይን ሳልሳይን ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ኣብ ርኹስ መዘናግዒ ከመይ ዝበለ ርእይቶ ነበሮም? ኣብዚ መዳይዚ መለኮታዊ ትምህርቲ ሎሚ ከመይ ዝበለ ሓገዝ እዩ ክህበና ዝኽእል?

18 መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብርኹስ መዘናግዒ ክንድሰት ከስሕተና ዝኽእል ፈተና ክንዕወት ይሕግዘና ኢዩ። እስከ ነቲ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዘበን ዝነበሩ ክርስትያን ኢና በሃልቲ ዝበልዎ ነስተብህለሉ። ተርቱልያን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንሕና ምስቲ ኣብቲ ጽላለ ዝመልኦ ሰርከስን ነውራም ቲያትሮምን ከምኡውን ኣብቲ ጭካኔ ዝመልኦ መቃለሲ ቦታታቶምን ዝዝረብ: ዝርአ ወይ ዝስማዕ ምንም ርክብ የብልናን።” ካልእ ጸሓፊ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ነገር ክሓትት ከሎ “እቲ ብዛዕባ እኩይ ነገራት ክሓስብ ዘይግብኦ እሙን ክርስትያን: ኣብ መንጎ እዚ ርኹስ ነገራት እዚ እንታይ ግደ ክህልዎ ይኽእል? ካብዚ ንርኹስ ህርፋን ዝውክል መዘናግዒኸ ከመይ ኢሉዩ ሓጐስ ክርከብ ዝከኣል?” ሽሕኳ እዞም ጸሓፍቲ እዚኣቶም ዓመታት ጸኒሖም ድሕሪ እቶም ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያናት ዝመጹ እንተኾኑ: ንርኹስ ምርኢታት ግና ኰኒኖሞ ኢዮም። ሎሚ መለኮታዊ ትምህርቲ ነቲ ብዕሉግን ርኹስን ከምኡውን ነቲ ናይ ዓመጽ መዘናግዒታት ክንነጽጎ ዘኽእለና ጥበብ ይህበና አሎ።

19. መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ዓለም ክንዕወት ብኸመይ ይሕግዘና?

19 ምስቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ተሰማሚዕና ንመላለስ እንተደኣ ኰይንና: ኣብ ልዕሊ እዛ ዓለም እዚኣ ከይተረፈ ከም እንዕወት ይገብረና ኢዩ። እወ: ብርግጽ ነቲ እቲ ዓቢ መምህርና ዝህበና ትምህርቲ ተጠንቂቕና ንስዕቦ እንተደኣ ኰይንና ነቲ ጽልዋ ናይዛ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም ከም እነሸንፎ ክገብረና ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4። 1 ዮሃንስ 5:19) ኣብ ኤፌሶን 2:1–3 ቀደም ኣብ ትሕቲ እቲ ሓለቓ ኣየር ክንመላለስ ከሎና: ብበደልና ምዉታት ዝነበርና: ህያዋን ከም ዝገበረና ይዛረብ። መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ ባህግታትን ከምኡውን ካብቲ ጸላኢናን ጸላኢ የሆዋን ዝኾነ ዋና መታለሊ ሰይጣን ድያብሎስ ዝመጽእ መንፈስ ክንዕወት ይሕግዘና ብምህላዉ ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና።

20. ከመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢዮም ኣጸቢቕና ክንምርምሮም ዘሎና?

20 ብዘይጥርጥር እምበኣር: መለኮታዊ ትምህርቲ ብኹሉ መዳያት ተዓዊቱ እዩ። ነቲ ኵሉ ዓወታቱ ምዝርዛር እኳ ዝከኣል እንተዘይኰነ ኣብ ዙርያ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ነኺኡዎም ኢዩ። እንተኰነ ግና: ንዓኻ ብብሕትኻ ብኸመይ ነኺኡካ? መለኮታዊ ትምህርቲ ንህይወትካ ብኸመይ ይነኽኦ ኣሎ?

እንታይ ተማሂርኩም?

◻ ናይ ሓቂ ጥበብ ብኸመይ ምገለጽኩምዋ?

◻ ኣምላከ ብዛዕባ ዘፍጥረት 3:15 እንታይ መግለጺ ኢዩ በብግዜኡ ዝሃበ?

◻ መለኮታዊ ትምህርቲ ብኸመይ ኢዩ ኣብ መንፈሳዊ ጉዳያት ዝተዓወተ?

◻ ብመንፈስን ብሓቅን ንኣምላኽ ምምላኽ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?

◻ መለኮታዊ ትምህርቲ ንህዝቢ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ፈተናን ዓለምን ክዕወቱ ዝሓገዞም ብኸመይ ኢዩ?

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ክሳዕ ሞት ተኣማንነቱ ኣጽኒዑ ሓዘ: በዚ ድማ እቲ ምንካስ ሸኾና እቲ ዘርኢ ተፈጸመ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ