“እዚ ነገራት እዚ መኣስ ኪኸውን እዩ? እስኪ ንገረና”
“ደጊም ሓድሽ ክነግረኩም እየ : ከይተቐልቀለ ድማ ብዛዕባኡ ኸስምዓኩም እየ ። ” — ኢሳይያስ 42:9።
1, 2. (ሀ) ሃዋርያት የሱስ : ብዛዕባ መጻኢ ግዜ እንታይ ኢሎም ኢዮም ንየሱስ ዝሓተትዎ ? (ለ) እቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ብዝተፈላለዩ ፍጻሜታት ዝቖመ ምልክት ዝሃቦም መልሲኸ ከመይ ኢሉ ፍጻሜኡ ረኸበ ?
መለኮታዊ ትምህርቲ ካብቲ “ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ” ዝነግር የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ዝምንጭ ። (ኢሳያስ 46:10) ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ ካብ የሱስ ከምዚ ዝበለ ትምህርቲ ስለ ዝደለዩ ከኣ ኢዮም ሃዋርያት “እስኪ ንገረና : እዚ መኣዝ ክኸውን ኢዩ ? እዚ ኹሉ መኣዝ ከም ዝፍጸምሲ ትእምርቱ እንታይ እዩ ?” ኢሎም ዝሓተትዎ ። — ማርቆስ 13:4።
2 የሱስ ክምልሽ ከሎ : እቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ጥፍኣቱ ቀሪቡ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ብብዙሕ ፍጻሜታት ዝቖመ “ምልክት” ገለጸ ። እዚ ኸኣ ምስ ምጥፋእ ናይ የሩሳሌም ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ፍጻሜኡ ረኸበ ። ይኹን እምበር : ናይ የሱስ ትንቢት ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ጸኒሑ ዝዓበየ ፍጻሜ ዝህልዎ ኢዩ ነይሩ ። “ዘመናት ኣህዛብ” ብ1914 ምስ ተፈጸመ እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ብዝቐልጠፈ ግዜ በቲ “ዓቢ መከራ” ከም ዝውዳእ ዝሕብር መጠነ ሰፊሕ ምልክት ተራእየ ።a (ሉቃስ 21:24) ሚልዮናት ሎሚ ብህይወት ዘለዉ እዚ ምልክት እዚ ኣብቲ ናይ ዓለም ውግኣትን ካልእ ኣብዚ መበል 20 ዘበንና ዝተራእየ ዓበይቲ ፍጻሜታትን : ፍጻሜኡ ከም ዝረኸበ ክምስክሩ ይኽእሉ ኢዮም ። እዚውን ነቲ ዝዓበየ ፍጻሜ ናይ የሱስ ትንቢት ዘመልክት ኢዩ ። እዚ ዘመናዊ ፍጻሜ ኸኣ በቲ ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ክሳዕ 70 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ግዜ ተመሲሉ ኣሎ ።
3. ብዛዕባ ካልእ ምልክት ክዛረብ ከሎ የሱስ እንታይ ካልእ ፍጻሜታት ከም ዝህሉ ኢዩ ዝተነበየ ?
3 ሉቃስ : ዘመናት ኣህዛብ ድሕሪ ምጥቃሱ : እቲ ኣብ ማቴዎስ : ማርቆስ ከምኡውን ሉቃስ ዘሎ ጸብጻባት : ኣብ ርእሲ እቲ ብዙሕ ፍጻሜታት ዘለዎ ‘ምልክት : መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ :’ ካልእ ተወሳኺ ተኸታታሊ ፍጻሜታት ገሊጾም ኣለዉ ። (ማቴዎስ 24:3) (ኣብ ገጽ 25 : እዛ ሓሳብ እዚኣ ኣብቲ ጸብጻብ ምእንቲ ክንጽር ድርብ መስመር ተገይርዋ ኣሎ ።) ማቴዎስ ከምዚ ይብል:- “ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት : ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ : ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም ። ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ : ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኪበኽዩ ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም ። ንመላእኽቱ ኸአ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም : ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም ።” — ማቴዎስ 24:29–31
መከራን ሰማያዊ ተርእዮታትን
4. ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ሰማያዊ ተርእዮታት እንታይ ሕቶታት ኢዩ ዝልዓል ?
4 እዚኸ መአስ ክፍጸም ነበሮ ? ሰለስቲኡ ጸብጻባት ወንጌል ነቲ ሰማያዊ ተርእዮታት ኢልና ክንጽውዖ እንኽእል ናይ ጸሓይን ወርሕን ምጽልማትን : ምውዳቕ ከዋኽብትን ይጠቅስ ኢዩ ። እዚ ነገራት እዚ ኸኣ ነቲ “መከራ” ተኸቲሉዎ ከም ዝመጽእ የሱስ ገሊጹ ኣሎ ። የሱስ ብዛዕባ መከራ ክዛረብ ከሎ እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝተፈጸመ ጸበባ ድዩ ኣብ ሓሳቡ ነይሩ ወይስ ብዛዕባ እዚ ዘሎናዮ ግዜ እሞ ገና ብሕጂ ክፍጸም ዘለዎ ዓቢ መከራ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ ? — ማቴዎስ 24:29። ማርቆስ 13:24።
5. ብዛዕባ እዚ ዘመናዊ ጸበባ : ሓደ ግዜ ከመይ ዝበለ እምነት ኢዩ ዝነበረ ?
5 ካብቲ ዘበናት ኣህዛብ ብ1914 ዝተወድኣሉ ግዜ ኣትሒዞም ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ “ዓቢ ጸበባ” ኣዕሚቖም ክግደሱ ጸኒሖም ኢዮም ። (ራእይ 7:14) ንዓመታት ዝኣክል እዚ ዘመናዊ ዓቢ ጸበባ ሓደ መእተዊ ክፍሊ ከም ዘለዎ እዚ ኸኣ እቲ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከም ዝኾነ ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ መንጐ ዘቋርጽ ግዜ ከም ዘሎ : ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ መደምደምታ ክፋል ናይታ “ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ” ከም ዝኾነ ይመስሎም ነበረ ። እቲ ነገር ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ : ኣብ መንጐ እተን “ኣብቲ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ” ዘለዋ ዓሰርተታት ዓመታት እንታይ ክፍጸም ኢዩ ነይርዎ ? — ራእይ 16:14። ማቴዎስ 13:39። 24:3። 28:20።
6. እቲ የሱስ ብዛዕባ ሰማያዊ ተርእዮታት ዝተነበዮ ትንቢት እንታይ ፍጻሜ ከም ዝረክብ ኢዩ ዝሕሰብ ዝነበረ ?
6 ኣብዚ ኣብ መንጐ ዘሎ ግዜ እቲ ዝተፈላለየ ፍጻሜታት ዝሓዘ ምልክት ከምኡውን እቲ በቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ ኣምላኽ ዝግበር ዕዮ ስብከት ከም ዝርአ ይሕሰብ ነበረ ። ከምኡውን እቲ ብትንቢት ዝተነግረ ሰማያዊ ትርእዮታት ብድሕሪ እቲ እዋን ናይ 1914–18 ዝነበረ መንጐ ግዜ ክፍጸም ትጽቢት ተገይርሉ ነበረ ። (ማቴዎስ 24:29። ማርቆስ 13:24, 25። ሉቃስ 21:25) ኣብ ሰማያት ቃል ብቓሉ ኣብ ከም እኒ ናይ ጠፈር ምርመራታት : ሮኬታት : ሰማያዊ ጨረራትን ኣብ ወርሒ ምድያብን መደበር ምትካልን ዝኣመሰሉ ነገራት ከተኵሩ ጀመሩ ።
7. ብዛዕባ እቲ ዓቢ ጸበባ እንታይ ቅኑዕ ምርዳእ ኢዩ ተዳልዩልና ዘሎ ?
7 ይኹን እምበር እታ ናይ 15 ጥሪ 1970 ግምቢ ዘብዐኛ ንትንቢት የሱስ ብሕልፊኳ ንምምጻእ ናይቲ ዓቢ ጸበባ እንደገና መርመረቶ ። ብመሰረት እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘበን ዝተፈጸመ ኵነታት : እዚ ዘመናዊ ጸበባ እዚ ብ1914 – 18 ከም ዘይጅምር ከምኡውን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣቋሪጹ ጸኒሑ እንደገና ዝቕጽል ከም ዘይኰነ ኣብርሀት ። እታ መጽሔት ከምዚ ኢላ ደምደመት:- “እቲ ከምኡ ዝበለ ድሕሪኡ ዘይከውን ተባሂሉ ዘሎ ‘ዓቢ ጸበባ’ ገና ኣብ ቅድሜና ኢዩ ዘሎ : ከመይሲ ምጥፋእ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት (ህዝበ ክርስትያን ጭምር) ዘመልክት ኢዩ : ብድሕሪኡ ድማ ኣርማጌዶን እታ “ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክትመጽእ ኢያ ።”
8. ብመሰረት እቲ ተገይሩ ዘሎ ቅኑዕ ምርዳእ ናይዚ ዘመናዊ መከራ : ማቴዎስ 24:29 ብኸመይ ኢያ ተገሊጻ ዘላ ?
8 እንተኾነ ግን ማቴዎስ 24:29 እቲ ሰማያዊ ተርእዮታት ‘ብኡብኡ ድሕሪ እቲ መከራ’ ከም ዝመጽእ ኢዩ ዝዛረብ ። እዚኸ ከመይ ኢሉ ኢዩ ከምኡ ዝኸውን ? እታ ናይ 1 ግንቦት 1975 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብዚ እቲ “ጸበባ” ተባሂሉ ዘሎ ነቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝተፈጸመ ኢዩ ዘመልክት ኢላ ሓሳብ ኣቕረበት ። ግን በየናይ መገዲ ኢዩ እዚ ኣብ ግዜና ዘሎ ሰማያዊ ተርእዮታት “ብኡብኡ” ብድሕሪ እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝተፈጸመ ኵነታት ኢዩ ክበሃል ዝኸኣለ ? ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቲ ኣብ መንጐ ዘሎ ዘበናት ሓጺር ኢዩ ዝብል ምኽንያት ተዋህቦ ። (ሮሜ 16:20። 2 ጴጥሮስ 3:8) ዝኾነ ኾይኑ ግን ብዛዕባ እዚ ትንቢት እዚ : ብፍላይ ከኣ ማቴዎስ 24:29–31 ዝተገብረ ዕምቍ ዝበለ መርመራ ሓደ ፍልይ ዝበለ መግለጫ ከም ዘለዎ ኢዩ ዝሕብር ። እዚ ድማ እቲ ብርሃን ‘ፍጹም መዓልቲ ክሳዕ ዝኸውን እናወሰኸ ይበርህ’ ከም ዘሎ ኢዩ ዘረድእ ። (ምሳሌ 4:18)b እስኪ ቀጺልና እዚ ሓድሽ ዝተለወጠ መግለጺ ስለምንታይ ብቑዕ ከም ዝኾነ ንመልከት ።
9. እቲ ብዛዕባ ሰማያዊ ፍጻሜታት ዝዛረብ ቃላት የሱስ ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣብቲ ጽሑፋት እብራይስጢ መሰረት ክረክብ ዝኽእል ?
9 የሱስ ንኣርባዕተ ካብ ሃዋርያቱ ‘ጸሓይ ከም እትጽልምት : ወርሒ ብርሃና ከም ዘይትህብ : ከዋኽብቲውን ከም ዝወድቁ’ ዝገልጽ ትንቢት ሂቡዎም ኢዩ ። ከም ኣይሁድ መጠን ነዚ ቋንቋ እዚ ካብ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ክርድእዎ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም ። ንኣብነት ኣብ ጸፎንያስ 1:15 እታ ኣምላኽ ዝፈርደላ ግዜ ከም “መዓልቲ ምዕናውን [ማዕበል ት.ሓ.ዓ.] ምብዳምን : መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን መዓልቲ ደበናን ግብ ዝበለ ጸልማትን” ተባሂላ ኢያ ተጸዊዓ ዘላ ። ዝተፈላለዩ እብራውያን ነብያትውን ጸሓይ ከም ትጽልምት : ወርሒ ብርሃና ከም ዘይትህብ : ከዋኽብቲውን ከም ዘየብርሁ ገይሮም ገሊጾሞ ኣለዉ ። ከምዚ ዘመሰለ ቃላት : ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን : ኤዶም : ግብጽን ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤልን ዝተዘርበ መለኮታዊ መልእኽትታት ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ ። — ኢሳይያስ 13:9, 10። 34:4, 5። ኤርምያስ 4:28። ህዝቅኤል 32:2, 6–8። ኣሞጽ 5:20። 8:2, 9።
10, 11. (ሀ) ዮኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ዝፍጸም ነገራት እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝተነበየ ? (ለ) ኣየናይ መዳያት ናይ ትንቢት ዮኤል ኢዩ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ፍጻሜኡ ዝረኸበ ? ኣየናይከ ዘይረኸበ ?
10 ጴጥሮስን እቶም ሰለስተ ካልኦትን ነቲ የሱስ ዝተዛረቦ ምስ ሰምዑ ምናልባሽ እቲ ኣብ ዮኤል 2:28–31 ከምኡውን ኣብ 3:15 ዘሎ ትንቢት ዮኤል ዘኪሮም ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም:- “መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ኹሉ ስጋ ክኹዑ እየ ፤ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ : . . . ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ትኣምራት ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን ከርኢ እየ ። እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሔር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ከይመጸት : ጸሓይ ኣብ ጸልማት : ወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ ።” “ጸሓይን ወርሕን ይጽልማ : ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ይሓብኡ ።”
11 ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:1–4 ከምኡውን ኣብ 14–21 ተዘንትዩ ከም ዘሎ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ 120 ሰብኡትን ኣንስትን ደቀ መዛሙርቱ መንፈስ ቅዱስ ኣፍሰሰ ። ሃዋርያ ጴጥሮስ : እዚ እቲ ዮኤል ተነብይዎ ዝነበረ ከም ዝኾነ ገለጸ ። ብዛዕባ እቲ ‘ጸሓይ ኣብ ጸልማት ክትልወጥ ወርሒ ኸኣ ኣብ ደም : ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ይሓብኡ’ ዝብል ቃላት ዮኤልከ እንታይ ክበሃል ኢዩ ? እዚ ነገርዚ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ወይ ከኣ ኣብቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ጸኒሑ ዝተደምደመ ናይ አይሁድ ኣገባብ ከም ዝተፈጸመ ዝሕብር ዋላሓደ የለን ።
12, 13. እቲ ዮኤል ዝተነበየሉ ሰማያዊ ተርእዮታት ከመይ ኢሉ ፍጻሜኡ ረኸበ ?
12 ብርግጽ ከኣ እቲ ዳሕራይ ክፍሊ ናይ ትንቢት ዮኤል : ምስ ምምጻእ ናይታ “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ የሆዋ” ምስ ጥፍኣት የሩሳሌም ኣጸቢቑ ዝተተሓሓዘ ኢዩ ነይሩ ። እታ ናይ 15 ሕዳር 1966 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝወረደ ጸበባ ከምዚ በለት:- “እታ መዓልቲ እቲኣ ብርግጽ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ደቃን ዝወረደት ‘መዓልቲ የሆዋ’ ኢያ ነይራ ። ምስታ መዓልቲ እቲኣ ዝተተሓሓዘ ኸኣ ብዙሕ ‘ደምን ሓውን ትክን ጣቓን’ ነይሩ ኢዩ ። ጸሓይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ዝነበረ ጸልማት ከተብርሆ ኣይከኣለትን : ወርሒ ኸኣ እቲ ብለይቲ እተብርሆ ህዱእን ቆሎ ዝመስል ዘንጸባርቕ ብርሃናን ዘይኰነስ ምፍሳስ ደም እተእምት ኢያ ነይራ ።”c
13 እወ ከምቲ ኣብ ካልእ ትንቢታት ዝተዓዘብናዮ እቲ ዮኤል ዝተነበየሉ ሰማያዊ ተርእዮታት የሆዋ ፍርዱ ክፍጽም ከሎ ዝፍጸም ኢዩ ነይሩ ። ኣብ ክንዲ ኣብ ብምሉኡ እዋን መደምደምታ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ዝዝርጋሕ : እቲ ናይ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ምጽልማት እቶም ቀንጸልቲ ሓይልታት ኣንጻር የሩሳሌም ምስ መጹ ዝፍጸም ኢዩ ነይሩ ። እምበኣርከስ : ኣምላኽ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ክፈርዶ ክጅምር ከሎ እዚ ክፍሊ ናይ ትንቢት ዮኤል ዝዓበየ ፍጻሜኡ ክረክብ ክንጽበዮ ንኽእል ኢና ።
ቀቅድሚ ሰማያዊ ተርእዮታት ዝመጽእ ጸበባ ኣየናይ ኢዩ ?
14, 15. እቲ ናይ ዮኤል ትንቢት ንማቴዎስ 24:29 ከመይ ጌርና ክንርድኣ ኢዩ ዝሕግዘና ?
14 እቲ ፍጻሜ ናይ ትንቢት ዮኤል (ምስቶም ተመሳሳሊ ቃላት ዝጥቀሙ ትንቢታት ብምስምማዕ) ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:29 ዘሎ ቃላት ክንርድኦ ይሕግዘና ኢዩ ። ብርግጽ እምበኣር እቲ የሱስ ብዛዕባ “ጸሓይ ምጽልማታ : ወርሒ ብርሃና ዘይምሃባ ከምኡውን ምውዳቕ ናይ ከዋኽብቲ” ዝተዛረቦ ነቲ ኣብዚ ብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ናይዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ከም ኣብ ጠፈር ሮኬታት ምስዳድን ኣብ ወርሒ ምዕላብን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ዝፍጸም ነገራትን ኣየመልክትን ኢዩ ። ኣይፋሉን : ንሱስ ኣብቶም ምስታ “ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ” ዝተተሓሓዘ ገና ብሕጂ ክመጽእ ዘለዎ ጥፍኣት ኣመልኪቱ ኢዩ ዝተዛረበ ።
15 እዚ ኸኣ ምስቲ እቲ ሰማያዊ ተርእዮታት ከመይ ኢሉ ‘ብኡብኡ ድሕሪ እቲ ጸበባ ’ ከም ዝኸውን ተረዲእናዮ ዘሎና ሓሳብ ዝሰማማዕ ኢዩ ። የሱስ ነቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ መዛዘሚኡ ዝበጽሐ ጸበባ ኣይኰነን ዘመልክት ነይሩ ። ኣብ ክንድኡስ ናይቲ ኣተስፍይዎ ዝነበረ “ህላዌ” መደምደምታ ዝኾነ ኣብ መጻኢ ግዜ ኣብ ልዕሊ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ክወርድ ዘለዎ ዓቢ ጸበባ ዝጅምረሉ ግዜ ኣመልኪቱ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ ። (ማቴዎስ 24:3) እቲ መከራ እቲ : ገና ኣብ ቅድሜና እዩ ዘሎ ።
16. ማርቆስ 13:24 ነየናይ ጸበባ ኢዩ ዘመልክት ዝነበረ ? ስለምንታይከ ?
16 እቲ ኣብ ማርቆስ 13:24 ዘሎ “በታ ቕነ እቲኣ [በተን መዓልታት እቲአን ት.ሓ.ዓ.] ድሕርዚ መከራዚ [ድሕሪ እቲ መከራ እቲ ት.ሓ.ዓ.] ጸሓይ ክትጽልምት ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ ።” ዝብል ቃላትከ ? ኣብዚ ክልቲአን እዘን በታ (በተን ) ከምኡውን እቲ ዝብላ ቃላት ክፍሊ ናይታ ኤኬይኖስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ኢየን። ኣዛ ቓል ኣዚኣ ኣብ ርሑቕ ግዜ ክፍጸም ዘለዎ ነገር እተመልክት ኣመልካቲት ተውሳኽ ግሲ ኢያ። ኤኬይኖስ ንሓደ ነዊሕ ግዜ ይገብር እተነግረ ነገር (ወይ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ) ወይ ንሓደ ኣብ ርሑቕ መጻኢ ግዜ ክፍጸም ዘለዎ ነገር ንምምልካት ክትዝውተር ትኽእል ኢያ ። (ማቴዎስ 3:1። 7:22። 10:19። 24:38። ማርቆስ 13:11, 17, 32። 14:25። ሉቃስ 10:12። 2 ተሰሎንቄ 1:10) ስለዚ ማርቆስ 13:24 “ድሕርዚ መከራዚ” ክብል ከሎ ነቲ ብሮማውያን ዝተሳወረ መከራ ዘይኰነስ : ነቲ የሆዋ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ክፍጽሞ ዘለዎ ሓያል ግብሩ ዘመልክት ኢዩ ።
17, 18. እቲ ዓቢ ጸበባ ከመይ ኢሉ ክፍጸም ከም ዘለዎ : ራእይ ከመይ ዝበለ ብርሃን ኢዩ ዘብርሃልና ?
17 ራእይ ካብ ምዕራፍ 17 ክሳዕ ምዕራፍ 19 ምስቲ ሕጂ ብዛዕባ ማቴዎስ 24:29–31። ማርቆስ 13:24–27 ከምኡውን ብዛዕባ ንሉቃስ 21:25–28 ወሲድናዮ ዘሎና ቅኑዕ ምርዳእ ወይ ፍልጠት ይወሃሃድን : ሓቅነቱ ድማ የረጋግጽን ኢዩ ። በየናይ መገዲ ? እተን ወንጌላት : እዚ ዓቢ ጸበባ ጅምር ኣቢሉ ከም ቅጽበት ድማ ብሓንሳብ ከም ዘይውዳእ ይሕብራ እየን ። እቲ ዓቢ ጸበባ ድሕሪ ምጅማሩ : ገለ ካብ ዘይእዙዛት ደቅሰብ ገና ብህይወት ጸኒሖም “ትእምርቲ [ምልክት ት.ሓ.ዓ.] ወዲ ሰብ” ክርእዩን ክበኽዩን እዮም : ከምቲ ኣብ ሉቃስ 21:26 ዘሎ ኸኣ “ብፍርሃትን : ኣብ ዓለም ብዝመጽእ ምጽባይን [ዕውልውል ክብሉ ኢዮም ። ት.ሓ.ዓ.] ።” እቲ ክቱር ፍርሃት እቲ ድማ “ምልክት” ምስ ረኣዩ ዝኸውን ኢዩ : ጥፍኣቶም ህጹጽ ምዃኑ ዝሕብር ዕርቡን ድማ ኢዩ ።
18 ጸብጻብ ናይ ራእይ ከም ዝሕብሮ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ እቶም ዕጡቓት “ኣቕርንቲ” ናይቲ ዓለምለኻዊ “ኣራዊት” ንዓበይ ባቢሎን ነታ “ዓባይ ኣመንዝራ” ክስልበጥዋ ምስ ጀመሩ ኢዩ ዝጅምር ።d (ራእይ 17:1, 10–16) ብዙሓት ሰባት ግን ሽዑ ብህይወቶም ክጸንሑ ኢዮም ከመይሲ ነገስታት : ነጋዶ : ሓለቓታት መርከብ ከምኡውን ካልኦት ብምጥፋእ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክሓዝኑ ኢዮም ። ብዘይጥርጥር ብዙሓት ሰባት ፍርዶም ድማ ቀጺሉ ከም ዝመጽእ ክግንዘቡ ኢዮም ። — ራእይ 18:9–19።
እንታይ ኢዩ ክመጽእ ዘለዎ ?
19. እቲ ዓቢ ጸበባ ክጅምር ከሎ እንታይ ኢና ክንጽበ እንኽእል ?
19 እቲ ኣብ ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ዘሎ ናይ ወንጌል ዓንቀጻት ምስ ራእይ 17–19 ተደሚሩ ነቲ ቀልጢፉ ክኸውን ዘለዎ ነገር ክንርዳእ ዘብርሃልና ኢዩ ። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ እቲ ዓቢ ጸበባ ምስ ምጥቃዕ ናይ ዓለም ሃጸይ ሓሶት ሃይማኖት (ዓባይ ባቢሎን) ክጅምር ኢዩ ። እዚ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እታ ንዘይእምንቲ የሩሳሌም እትመሳሰል ህዝበ ክርስትያን ዝኸረረ ክኸውን ኢዩ ። ‘ብኡብኡ ብድሕሪ’ እዋን ናይዚ ጸበባ እዚ “ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን” ኢዩ ። — ማቴዎስ 24:29። ሉቃስ 21:25።
20. ሕጂኸ እንታይ ሰማያዊ ትርእዮታት ኢና ገና ክንጽበ እንኽእል ?
20 “ጸሓይ ክትጽልምት : ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ : ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ : ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም” ተባሂሉ ዘሎ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ ዝፍጸም ? ኣብቲ ፈለማ ክፋል ናይቲ ዓቢ ጸበባ ብዘይጥርጥር ብዙሓት ከም ብርሃናት ዝቑጸሩ ምርኡያት ናይ ዓለም መራሕቲ ሃይማኖት በቶም ኣብ ራእይ 17:16 ተጠቒሶም ዘለዉ “ዓሰርተ ኣቕርንቲ” ክጋለጹን ክግለፉን ኢዮም ። ፖለቲካውያን ሓይልታትውን ከንቀጥቅጡ ምዃኖም ኣየጠራጥርን ኢዩ ። ኣብዚ ቃል ብቓሉ ሰማያትከ ዘፍርሕ ኵነታትዶ ይፍጸም ይኸውን ? ምናልባሽ ይፍጸም ይኸውን : ከምኡውን ካብቲ ጆሰፉስ ብዛዕባ እቲ ጥፍኣት ናይ አይሁድ ኣገባብ ክቀራረብ ከሎ ዝተፈጸመ ነገር ገሊጽዎ ዘሎ : ዝበርተዐን ዝያዳ ዘፍርሕንውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ ። ኣብ ግዜ ጥንቲ : ኣምላኽ ንሓይሉ ከምዚ ዘመሰለ መቕዘፍታዊ ሳዕቤን ዘለዎ ጥፍኣት ንምምጻእ ይጥቀመሉ ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና ። ሕጂውን ከምኡ ክገብር ይኽእል ኢዩ ። — ዘጸኣት 10:21–23። ኢያሱ 10:12–14። መሳፍንቲ 5:20። ሉቃስ 23:44, 45።
21. እቲ ኣብ መጻኢ ዝኸውን “ምልክት” ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም ?
21 ኣብዚ ሓሳብ እዚ ሰለስቲኦም ጸሓፍቲ ወንጌል ሐደ ሓድሽ ኵነታት ንምግላጽ ነታ ቶቴ (ብድሕሪኡ) እትብል ቃል ኢዮም ተጠቒሞም : “ሽዑ [ብድሕሪኡ ት.ሓ.ዓ.] ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ክርአ እዩ ።” (ማቴዎስ 24:30። ማርቆስ 13:26። ሉቃስ 21:27) ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ነቲ ንዘይርአ ምህላው ዝገልጽ ዝተወሃሃደ ምልክት ከስተውዕልዎ ክኢሎም ኢዮም ። መብዝሕትኦም ሰባት ግን ኣየስተውዓልዎን ። እንተኾነ ማቴዎስ 24:30 ብዛዕባቲ ኣብ መጻኢ ግዜ ክፍጸም ዘለዎ “ትእምርቲ” (ምልክት) ኢዩ ዘመልክት : ንሱ ኸኣ : ትእምርቲ “ወዲ ሰብ” ኢዩ ። ኵሎም ህዝብታት ድማ ከይፈተዉ ከስተብህልሉ ኢዮም ። የሱስ ብዘይርአ ኣገባብ በደበና ክመጽእ ከሎ : ኣብ ምልእቲ ዓለም ዝርከቡ ተጻረርቲ ደቅሰብ : ነቲ “ምምጻእ” (ብግሪኽ ኣርኮመኖን ) ክርድእዎ ኢዮም : ምኽንያቱ ብንጉሳዊ ስልጣኑ ከም ዝመጸ ዘረድእ መለኮታዊ መርኣያ ክህልዎ ኢዩ ። — ራእይ 1:7።
22. ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:30 ዘሎ “ምልክት” ምርኣይ ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ኢዩ ?
22 ማቴዎስ 24:30 ነታ ቶቴ እትብል ቃል ነቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ነገር ንምልላይ ወይ መገዲ ንምኽፋት ኢዩ ዝጥቀመላ ። ብድሕርዚ እቶም ህዝብታት ሳዕቤን ናይቲ ኵነታቶም ተገንዚቦም ምናልባሽ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊኦም ኣንጠልጢሉ ከም ዘሎ ብምግንዛብ ርእሶም እናወቕዑ ክበኽዩ ኢዮም ። ኣየ እዝስ ምስ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከተነጻጽሮ ከሎኻ ከመይ ዝበለ ፍልልይ ዘለዎ ኢዩ ። ከመይሲ ምድሓንና ከም ዝቐረበ ፈሊጥና ርእስና ከነቕንዕ ንኽእል ኢና ። (ሉቃስ 21:28) ከምኡውን ራእይ 19:1–6 ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ብምኽንያት ጥፍኣት ናይታ ዓባይ ኣመንዝራ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ክሕጐሱ ከም ዝኾኑ ይሕብር ኢዩ ።
23. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ እቶም ሕሩያት ዝምልከት እንታይ ስጕምቲ ኢዩ ዝወስድ ? (ለ) ብዛዕባ ናይቶም ቅቡኣት ንሰማይ ምውሳዶምከ እንታይ ክበሃል ይከኣል ?
23 ትንቢት የሱስ ቀጺሉ ኣብ ማርቆስ 13:27 “ሽዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ.] [ቶቴ] ኸኣ ንመላእኽቱ ኺልእኮም : ነቶም ሕሩያቱ ድማ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ንፋሳት : ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ ።” ኣብዚ የሱስ ኣቓልቦኡ ኣብቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ናይቶም 144, 000 “ሕሩያት” ኢዩ ገይሩ ዘሎ ። ኣብ ፈለማ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብዚ እዞም ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብቲኦክራቲካዊ ሓድነት ተጠርኒፎም ኢዮም ። እንተኾነ ግን ከምቲ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ኣሰራርዓ ኵነታት ማርቆስ 13:27 ከምኡውን ማቴዎስ 24:31 ካልእ ጉዳይ ኢዩ ዝገልጽ ። እቶም ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ “ሕሩያቱ” ካብ ወሰናስን ምድሪ “ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት” ክእከቡ ኢዮም ። ከመይ ኢሎምከ እዮም ዝእከቡ ? ክፍሊ ናይቶም “ጽውዓትን ሕሩያትን እሙናትን” ክኾኑ ብየሆዋ ከም “ዝሕተሙን” ብንጹር ከም ዝፍለጡን ዘጠራጥር አይኰነን ። ኣብቲ ኣምላኸ ዝመደቦ ግዜ ኸኣ : ክህነት ዘለዎም ነገስታት ምእንቲ ክኾኑ ኣብ ሰማይ ክእከቡ ኢዮም ።e እዚ ኸኣ ንዕኦምን ነቶም “ካብቲ ዓቢ ጸበባ ወጺኦም” ኣብ ገነታዊት ምድሪ በረኸታት ንምሕፋስ ዝተሓትሙ “ዓቢ ጭፍራ” ዝኾኑ እሙናት ብጾቶምን ሓጐስ ከምጽኣሎም ኢዩ ። — ማቴዎስ 24:22። ራእይ 7:3, 4, 9–17። 17:14። 20:6። ህዝቅኤል 9:4, 6።
24. ማቴዎስ 24:29–31 ብዛዕባ እቲ ክመጽእ ዘለዎ ፍጻሜታት እንታይ መስርዕ ከም ዘለዎ ኢዩ ዘብርህ ?
24 ሃዋርያት “እስኪ ንገረና . . . ” ኢሎም ንየሱስ ምስ ሓተትዎ : እቲ ዝሃቦም መልሲ : ካብቲ ሽዑ ክርድእዎ ዝኽእሉ ንላዕሊ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ ። ይኹን እምበር : ብህይወቶም ከለዉ ነቲ ተመሳሳሊ ዝኾነ ትንቢት ክፍጸም ብምርኣዮም ተሓጒሶም ኢዮም ። እዚ ብዛዕባ መልሲ ናይ የሱስ ክንወስዶ ዝጸናሕና ትምህርቲ ኣብቲ ድሕሪ ቍሩብ ግዜ ክፍጸም ዘለዎ ክፍሊ ናይ ትንቢቱ ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ ። (ማቴዎስ 24:29–31። ማርቆስ 13:24–27። ሉቃስ 21:25–28) እምበኣርከስ ዛጊት ምድሓንና እናቐረበ ይኸይድ ከም ዘሎ ክንርኢ ንኽእል ኢና ። ሕጂ ምጅማር ናይቲ ዓቢ ጸበባ : ብድሕሪኡ ምልክት ወዲ ሰብ : ብድሕሪኡ ኸኣ ምእካብ ናይቶም ሕሩያት ክኸውን ብተስፋ ክንጽበ ንኽእል ኢና ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ : እቲ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ዘሎ ተዋጋኢ ንጉስ የሱስ ኣብ ኣርማጌዶን ከም ናይ የሆዋ ፈጻም ፍርዲ “ስዕረቱ ክፍጽም” ኢዩ ። (ራእይ 6:2) መዓልቲ የሆዋ ማለት እታ ሕነ ዝፈድየላ መዓልቲ ነዚ ካብ 1914 ማለት ካብቲ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ዝጀመረትሉ ዘሎ ግዜ መለለይኡ ዝኾነ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ዓቢ መዛዘሚ ክትገብረሉ ኢያ ።
25. ኣብቲ ንዝመጽእ ፍጻሜኡ ዝረክብ ትንቢት ሉቃስ 21:28 ክንካፈል እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና ?
25 ነቲ “እዚ ምዃን ምስ ጀመረ : ምድሓንኩም ቀሪቡ ኢዩ እሞ : ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ” ዝብል ገና ብሕጂ ክፍጸም ዘለዎ መጸዋዕታ : ምእንቲ ክትምልሽሉ : ብዘይ ምቍራጽ ካብቲ መለኮታዊ ትምህርቲ እትጥቀሙ ይግበርኩም ። (ሉቃስ 21:28) የሆዋ ነቲ ቅዱስ ስሙ ክቕድሶ ኸሎስ ነቶም ሕሩያትን ዓቢ ጭፍራን ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ዘበን ኢዩ ክጽበዮም !
[እግረ-ጽሑፋት]
a ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚ ኣብ ግዜና ዝፍጸም ዘሎ ጭቡጥ ተርእዮታት : ንፍጻሜ ትንቢት መጽሐፍ ቅዱስ ምዃኑ መረጋገጺ ከቕርቡ ሕጕሳት ኢዮም ።
b ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብታ ናይ ሽሕ ዓመት መንግስቲ ኣምላኽ ቀሪባ ዘረእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 296–323 ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሐፍ ቅዱስን ንኣሽቱ ጽሑፋትን ናይ ኒው ዮርክ ብ1973 ዝተሓትመት ወጺኡ ኣሎ ። ከምኡውን ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 15 መስከረም 1982 ገጽ 17–22 ተመልከት ።
c ጆሰፉስ ብዛዕባ ኣብ መንጐ እቲ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ብሮማውያን ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝተፈጸመ ናይ መጀመርያ መጥቃዕትን ጥፍኣታን ዝነበረ ኵነታት ክጽሕፍ ከሎ ከምዚ ይብል:- “እታ ለይቲ እቲኣ ሓደ ኣዕናዊ ዝኾነ ብርቱዕ ማዕበል ተላዕለ : ህቦብላ ኸኣ ይንድር ነበረ : ዝናብ ከም ውሕጅ ይወርድ ነበረ : መብረቕ ብዘይ ምቍራጽ ማሕማሕ ይብል ነበረ : እቲ ነጐዳ ልብኻ ዝመልሕ ነበረ : ምድሪ ድማ እዝንኻ ብዘጽምም ምንቅጥቃጥ ጓዘመት ። እቲ ዕንወት ናይቲ ስርዓት እቲ ጽላሎት ናይቲ ንሰብኣዊ ዓሌት ዘጥፍእ መዓት ከም ዝኾነ ንጹር ኢዩ ነይሩ : እዚ ናይቲ መወዳድርቲ ዘይህልዎ መዓት ፋል ወይ ምልክት ከም ዝነበረ ማንም ዝጠራጠሮ አይነበረን ።”
d እቲ የሱስ ብዛዕባ ከም “ዓቢ ጸበባ” ከምኡውን “ጸበባ” ኢሉ ዝተዛረበሉ መጀመርያ ኣወዓዕልኡ ኣብ ጥፍኣት ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ኢዩ ተፈጺሙ ። እንተኾነ ግን ኣብቲ ንግዜና ጥራይ ዘመልክት ጥቕስታት : “እቲ ጸበባ” ብምባሉ ውሱን መስተጻምር “እቲ” ኢዩ ተጠቒሙ ። (ማቴዎስ 24:21, 29። ማርቆስ 13:19, 24) ራእይ 7:14 ነዚ መጻኢ ግዜ “እቲ ዓቢ ጸበባ” ቃል ብቓሉ “እቲ ዝዓበየ ጸበባ” ኢላ ኢያ እትጽውዖ ።
e “ካብ ኣንበብቲ ዝቐርብ ሕቶታት” ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1990 ግምቢ ዘብዐኛ ።
ትዝክሮዶ ?
◻ እቲ ኣብ ዮኤል 2:28–31 ከምኡውን 3:15 ዘሎ መዳያት ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ዝተፈጸመ ?
◻ ማቴዎስ 24:29 ነየናይ ጸበባ ኢዩ ዘመልክት ? ከምኡ ኢልና እንድምድምከ ስለምንታይ ኢና ?
◻ ማቴዎስ 24:29 እንታይ ንዝዓይነቱ ሰማያዊ ተርእዮታት ኢዩ ዘመልክት ? እዚኸ ከመይ ኢሉ ኢዩ ብኡብኡ ድሕሪ እቲ ጸበባ ዝኸውን ?
◻ ሉቃስ 21:26, 28 ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣብ መጻኢ ግዜ ዝፍጸም ?
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ከባቢ ቤት መቕደስ
[ምንጪ ስእሊ]
Pictorial archive (near Eastern History) Est.