የሆዋ እቲ ናይ ዕላማ ኣምላኽ
“ብሓቂ ኸምቲ ዝሓሰብክዎ ኪኸውን ፣ ከምቲ ዝመደብክዎውን ኪቐውም እዩ።” — ኢሳይያስ 14:24 ።
1, 2. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናይ ህይወት ዕላማ እንታይ ይብሉ ?
ኣብ ኩሉ ስፍራ ዝርከቡ ሰባት “ናይ ህይወት ትርጉም ወይ ዕላማ እንታይ እዩ ?” እናበሉ ይሓቱ ። ሓደ ናይ ምዕራብ ፖለቲካዊ መራሒ ከምዚ በለ :- “ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ሎሚ ብዝያዳ ብዙሓት ሰባት:- “ንሕና መን ኢና ? እቲ ብዛዕባና ዘሎ ዕላማ እንታይ ኢዩ ? እናበሉ ይሓቱ ኣለዉ ።” ሓንቲ ጋዜጣ : ናይ ህይወት ዕላማ ወይ ትርጉም እንታይ ከም ዝኾነ ንመንእሰያት ሕቶ ምስ ኣቕረበትሎም እቲ ናይ መብዛሕትኦም መልሲ : “ልብኻ ዝብህጐ ዘበለ ምግባር ኢዩ ፣” “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ብምልኣት ምንባር ፣” “ቀይዲ በተኽ ኴንካ ከም ቃሕታኻ ምንባር” “ትወልድ : ትሕጐስ : ድሕሪኡ ኸኣ ትመውት” ዝብሉ ነበሩ ። ንመብዛሐትኦም ህይወት ክበሃል ከሎ እዚ ሕጂ ሒዞሞ ዘለዉ ጥራይ ከም ዝኾነ ኢዩ ዝመስሎም ። ካብኣቶም ሓደ እኳ ይኹን ንህይወት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ነባሪ ዕላማ ኣለዋ ኢሉ ዝተዛረበ ኣይነበረን ።
2 ሓደ ናይ ኰንፊሽዝም ምሁር : “እቲ ዝለዓለ ትርጉም ናይ ህይወት ኣብቲ መዓልታዊ ናብራ ናይ ወዲ ሰብ ክርከብ ይከኣል ኢዩ” በለ ። ከምቲ ኣበሃህልኡ ኸኣ ሰባት ብቐጻሊ ክውለዱ፣ ን70 ወይ 80 ዓመታት ንኽነብሩ ክቃላሱ : ድሕሪኡ ኸኣ ንሓዋሩ ካብ ህላዌ ከቋርጹ ማለት ኢዩ ። ሓደ ፍልቀታዊ ሳይንቲስት “ልዑል መልሲ ክንረክብ ሃንቀው እኳ እንተበልና መልሲ ዝበሃል ግና ፈጺሙ የለን” በለ ። ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ፍልቀታውያን : ህይወት ማለት ንምንባር ዝግበር ቃልሲ ኢዩ : እቲ ቃልሲ ድማ ብሞት ይድምደም ማለት ኢዩ ። ከምዚኦም ዝበሉ ፍልስፍናታት ብዛዕባ ህይወት ተስፋ ዘይህብ ኣመለኻኽታ ኢዮም ዘመሓላልፉ ።
3, 4. እዚ ናይ ዓለም ኩነታት ብዙሓት ሰባት ኣብ ህይወት ዘለዎም ኣረኣእያ ብኸመይ ይነኽኦ ?
3 ናብራ ናይ ወዲ ሰብ ስቓይ ዝመልኦ ምዃኑ ዝተዓዘቡ ብዙሓት ሰባት : ህይወት ዕላማ ኣለዋ ኢሎም ንኽኣምኑ ዓቐብ ኰይንዎም ኣሎ ። ኣብዚ ሰብ ኣብቲ ዝለዓለ ጫፍ ናይ ኢንዱስትሪያውን ሳይንሳውን ስልጣኔ በጺሑ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን : ገለ ሓደ ቢልዮን ወይ ሽሕ ሚልዮን ዝበጽሕ ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት : ኣብ ብዘላ ዓለም ብኸቢድ ሕማም ወይ ጥሜት ይሳቐዩ ኣለዉ ። ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ምኽንያታት ኣብ ዓዓመቱ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ቆልዑ ይሞቱ። ብተወሳኺ : ካብቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት ብምኽንያት ውግእ ዝሞቱ እቶም ኣብዚ መበል 20 ዘበንና ዝሞቱ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝተዓጻጸፉ ኢዮም። ገበን : ዓመጽ : ሓሽሽ ምዝውታር : ናይ ስድራቤት ምብትታን : ኤይድስ : ከምኡውን ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት : አረ እቲ ዝርዝር ናይዞም ኣሉታዊ ረቋሒታ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ ። ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሽግራት ናይ ዓለም መራሕቲ መፍትሒ የብሎምን ።
4 ብመሰረት እዞም ነገራት እዚኣቶም : ሓንቲ ሰበይቲ ንእምነት ናይ ብዙሓት ሰባት ከምዚ እናበለት ትገልጾ:- “ህይወት ምንም ዕላማ የብላን ። እዚ ኩሉ ኩፉእ ነገራት ዝፍጸም እንተደኣ ኰይኑ ህይወት ካብዚ ንላዕሊ ዋላ ሓንቲ የብላን ።” ሓደ ሽምግል ዝበሉ ሰብኣይ ድማ ከምዚ በሉ:- “ንምንታይ እየ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብር ዘሎኹ እናበልኩ ዕድመይ ምሉእ ሓቲተ ። ብሓቂ ህይወት ዕላማ ዘለዋ እንተደኣ ኾይና : ኣነ ካብዚ ንላዕሊ ዝደልዮ የብለይን ።” ብዙሓት ሰባት ኣምላኽ ስለምንታይ ከም ስቓይ ዘፍቀደ ስለ ዘይፈለጡ እዚ ዘጨንቕ ኩነታት ዓለም ንመጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ከም ዘይህልዎም ገይርዎም ኣሎ።
5. እዘን ናይ ዓለም ሃይማኖታት ነቲ ብዛዕባ ናይ ህይወት ዕላማ ዘሎ ምድንጋራት ዝውስኻሉ ዘለዋስ ስለምንታይ እየን ?
5 ሃይማኖታውያን መራሕቲ እውን እንተኾኑ ብዛዕባ ዕላማ ናይ ህይወት ዝመጸ ዝተኻፋፈሉን ዝተጠራጠሩን ኢዮም ። ሓደ ናይቲ ኣብ ላንደን ዝርከብ ቅዱስ ጰውሎስ ካቴድራል ዝበሃል ቆሞስ ዝነበረ : ከምዚ ይብል :- “ምሉእ ዕድመይ : ናይ ህይወት ዕላማ ወይ ትርጕም ክረክብ ብዙሕ ተቓሊሰ . . . እንተኾነ ግና አይተዓወትኩን ።” ሓቂ’ዩ ብዙሓት ኣቕሽሽቲ : ሰብ ምስ ሞተ ሰናይ ዝገብር ናብ ሰማይ : እኩይ ዝገብር ድማ ንዘለኣለም ናብ ገሃነም – እሳት ይኸይድ እናበሉ ኢዮም ዝምህሩ ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣመለኻኽታውን እንተኾነ : ወዲ ሰብ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ በቲ ናይ ስቓይ ጉዕዞኡ ክቕጽል ኢዩ ዝሓደጐ ። ደሓር ከኣ እንተደኣ ሰባት ኣብ ሰማይ ክነብሩ ዕላማ ኣምላኽ ኰይኑ : ንምንታይ ካብ መጀመርታኡ ከምቶም መላእኽቲ ሰማያውያን ፍጡራት ገይሩ ዘይፈጠሮም? እዚ ኹሉ ሕሰም ድማ አይመሕለፉን ነይሮም። በዚ ኢዩ እምበኣር ምድንጋር ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ኣብዚ ምድሪ ወይ ከኣ ህይወት ዕላማ ኣለዋ ንዝብል ሓሳብ ምንጻግ ገኒኑ ዘሎ።
እቲ ናይ ዕላማ ኣምላኽ
6, 7. መጽሐፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ጠቕላላ ፍጥረት ልዕልነት ዝምልከት እንታይ ይብለና ?
6 ምስናይዚ ግና : እቲ ኣብ ዛንታ ዝሰፍሔ ዝርጋሔ ዝረኸበ መጽሓፍ ማለት መጽሐፍ ቅዱስ : እቲ ጐይታ ጠቕላላ ፍጥረት ዝኾነ የሆዋ ኣምላኽ ናይ ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ ይነግረና ። ንነዊሕ ግዜ አረ ንዘልኣለም ዝኸውን ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዕላማ ከም ዘለዎ ይሕብረና ኢዩ ። ከምኡውን የሆዋ ሓደ ነገር እንተደኣ ዓሊሙ ብርግጽ ፍጻሜኡ ክረክብ ኣለዎ ። ኣምላኽ ከምቲ ዝናብ ንዘርኢ ከም ዝበቁል ዝገብሮ ምስ በለ ቀጺሉ ድማ “እቲ ኻብ ኣፈይ ዝወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን ኢዩ : ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፣ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር : ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” በለ ። (ኢሳይያስ 55:10, 11) የሆዋ ዝበሎ ኩሉ ክፍጽሞ ኢዩ : “ብሓቂ ኸምቲ ዝሓሰብክዎ ኪኸውን ከምቲ ዝመደብኩዎውን ኪቐውም እዩ ።” — ኢሳይያስ 14:24 ።
7 ኣምላኽ “ዘይሕሱ” ስለ ዝኾነ ንሕና ሰባት ኣብቲ እቲ ኹሉ ዝኽእል ዝሃቦ መብጽዓታት ምሉእ እምነት ክህልወና ይግባእ ። (ቲቶስ 1:2 ። እብራውያን 6:18) ሓንቲ ነገር ክገብር እየ ክብለና ከሎ : እቲ ቃሉ ንባዕሉ ክትፍጸም ምዃና ዋሕስ ይኾነና ኢዩ ። ገና ከሎውን ከም ዝተፈጸመ ነገር ኢዩ ። ከምዚ እናበለ ይዛረብ:- “ኣነ ኣምላኽ እየ : ብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ : ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ : ኣነ ኣምላኽ እየ : ዚማሳሰለኒ ከኣ የልቦን ። ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ : ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ : ምኽረይ ክቐውም እዩ : ፍቓደይ ኵሉውን ክፍጽም እየ : ዝበልኩ ኣነ እየ ። . . . እወ : ተዛሪበ ኽፍጽሞ ኸኣ እየ : ኣሚመ ኽገብሮውን እየ ።” ኢሳይያስ 46:9 – 11 ።
8. እቶም ብቕንዕና ንኣምላኸ ዝደልዩዎስ ክረኽቡዎ ይኽእሉዶ ?
8 ብተወሳኺ የሆዋ “ኩላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር : ሓደ እኳ ኪጠፍእ ዘይፈቱ” ኢዩ ። (2 ጴጥሮስ 3:9) በዚ ምኽንያት እዚ : ሓደ እኳ ይኹን ብዛዕብኡ ዘይፈልጥ ክህሉ ኣይደልን ኢዩ ። ኣዛርያ ዝተባህለ ነብዪ “[ንኣምላኽ] እንተ ደሌኹምዎ ድማ : ይርከበልኩም እዩ : ንስኻትኩም እንተ ሓደግኩምዎ ግና : ንሱ ኸኣ ኪሓድገኩም እዩ” በለ ። (2 ዜና መዋእል 15:1, 2) ስለዚ እምበኣር እቶም ብቅንዕና ንኣምላኽን ንዕላማታቱን ክፈልጡ ዝደልዩ ኽረኽብዎ ጻዕሪ እንተ ገይሮም : ብርግጽ ክረኽቡዎ ይኽእሉ ኢዮም ።
9, 10. (ሀ) ነቶም ንኣምላኽ ክፈልጡ ዝደልዩ እንታይ ተዳሊዩሎም ኣሎ ? (ለ) ኣብ ቃል ኣምላኽ ምርምር ምስ እንገብር እንታይ ክንገብር ኢዩ ዘኽእለና ?
9 ኣበይ ኢዮም እሞ ክደልይዎ ? ነቶም ብሓቂ ገይሮም ዝደልይዎ መታን ክረኽቡዎ ኢሉ : ኣምላኽ ቃሉ ማለት መጽሐፍ ቅዱስ ሂብዎም ኣሎ ። በቲ ነዚ ኩሉ ኣድማስ ንምፍጣር ዝተጠቕመሉ መስለጢ ሓይሉ ማለት መንፈስ ቅዱስ ገይሩ ነቶም እሙናት ሰባት ነቲ ንዕላማ ኣምላኽ ንምፍላጥ ዘድልየና ኩሉ ንኽጽሕፉ መርሖም ። ንኣብነት : ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ዝርከብ ትንቢታት ክዛረብ ከሎ : “ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት ኢዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር : ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን” በለ ። (2 ጴጥሮስ 1:21) ብተመሳሳሊ ሃዋርያ ጳውሎስውን ከምዚ በለ :- “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ : ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ : ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ : መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ : ንተግሳጽ : ንምቕናዕ : ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ ።” — 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ። 1 ተሰሎንቄ 2:13 ።
10 እስከ ኣብዚኣ ኣስተውዕሉ : ቃል ኣምላኽ ቁሩብ ወይ ጐደሎ ዘይኰነስ “ፈጺሙ ተዳልዩ : ፍጹም ምእንቲ ኪንኸውን” ዝሕግዘና ምዃኑ ኢዩ ። ኣምላኽ መን ምዃኑ : ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ : ካብ ኣገልገልቱ ድማ እንታይ ከም ዝደሊ ርግጸኛታት ይገብረና ኢዩ ። እዚ ድማ ካብ ሓደ ብኣምላኽ ዝተደርሰ መጽሓፍ እንጽበዮ ነገር አዩ ። ናይ ሓቂ ፍልጠት ብዛዕባ ኣምላኽ ንምርካብ ኢልና ክንውከሶ እንኽእል ምንጪ ንሱ ጥራይ ኢዩ ። (ምሳሌ 2:1 – 5 ። ዮሃንስ 17:3) ከምዚ ብምግባርና ድማ : “ድሕሪ ሕጂ በቲ ካብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ኩሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ” ኣይክንከውንን ኢና ። (ኤፌሶን 4:13, 14) እቲ ዘማራይ “ቃልካ [ናይ ኣምላኽ] ንእግረይ መብራህቲ : ንመገደይ ብርሃን እዩ” ብምባል ነቲ ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ኣቐሚጥዎ ይርከብ ። — መዝሙር 119:105 ።
ዕላማ ኣምላኽ በብቑሩብ ተገልጸ
11. የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ዕላማታቱ ንደቂ ሰብ ዝገለጸሎም ?
11 የሆዋ ብዛዕባ ምድርን ብዛዕባ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባትን ዕላምኡ እንታይ ምዃኑ ኣብቲ ሰብኣዊ ሰድራቤት ዝጀመረሉ ግዜ ገሊጽዎ ነበረ ። (ዘፍጥረት 1:26 – 30) እቶም ቀዳሞት ወለድና ንልዕልት ናይ ኣምላኽ ምስ ነጸጉ ግና ወዲ ሰብ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማትን ሞትን ወደቐ ። (ሮሜ 5:12) ይኹን እምበር : የሆዋ ንእኡ ከገልግሉ ዝደልዩ ሰባት ክህልዉ ምዃኖም ይፈልጥ ነበረ ። በዚ ኢዩ እምበኣር ኣብቲ ቀጺሉ ዝስዓበ ዘመናት ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ በብቁሩብ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ዝገልጸሎም ዝነበረ ። ገለ ካብቶም ምስኦም ርክብ ዝገበረ ሰባት ሄኖክ (ዘፍጥረት 5:24 ። ይሁዳ 14, 15 ።) ኖህ (ዘፍጥረት 6:9, 13) ኣብርሃም (ዘፍጥረት 12:1 – 3) ከምኡውን ሙሴ (ዘጸኣት 31:18 ። 34:27, 28) ይርከብዎም ። እቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዝነበረ ኣሞጽ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ :- “እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም : ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ ።” — ኣሞጽ 3:7 ። ዳንኤል 2:27, 28 ።
12. የሱስ ብኸመይ ኢዩ ኣብቲ ዕላማ ኣምላኽ ተወሳኺ መብርሂ ዝሃበ ?
12 ድሕርቲ ኣብ ኤደን ዕልወት ዝተፈጸመሉ ግዜ 4, 000 ዓመታት ጸኒሑ : ወዲ ኣምላኽ ማለት የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን : ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝራት ተገሊጹ ኢዩ ። (ዳንኤል 2:44) የሱስ ነዛ መንግስቲ አዚኣ ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ወይ ሕመረት ናይ ትምህርቱ ገበራ ። (ማቴዎስ 4:17 ። 6:10) የሱስን ደቀ – መዛሙርቱን እቲ ናይ መጀመርያ ዕላማ ናይ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድርን ሰብኣዊ ሕብረተሰብን ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ ክፍጸም ምዃኑ ኣስተምሃሩ ። ምድሪ ናብ ገነት ክትልወጥ : ንዘልኣለም ብዝነብሩ ፍጹማት ሰባት ድማ ክትመልእ ኢያ ። (መዝሙር 37:29 ። ማቴዎስ 5:5 ። ሉቃስ 23:43 ። 2 ጴጥሮስ 3:13 ። ራእይ 21:4) ብተወሳኺ ኣብታ ሓዳስ ዓለም እንታይ ክፍጸም ምዃኑ ዘረድእ : የሱስን ደቀ – መዛሙርቱን በቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ሓይሊ ተጠቒሞም ዝገበርዎ ተኣምራታት ተራእዩ ኣሎ ። — ማቴዎስ 10:1, 8 ። 15:30, 31። ዮሃንስ 11:25– 44 ።
13. ኣብ ጴንጤቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብቲ ኣምላኽ ምስ ሰብ ዘለዎ ርክብ እንታይ ለውጢ ተገብረ ?
13 ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ማለት ድሕሪ ሞት የሱስ 50 መዓልቲ ጸኒሑ : ኣብታ ጉባኤ ናይ ሰዓብቲ ክርስቶስ መንፈስ ኣምላኽ ፈሰሰ ። በዚ ድማ ነታ ዘይእምንቲ እስራኤል ተኪኦም ምስ የሆዋ ኪዳን ዝኣተዉ ህዝቢ ኰኑ ። (ማቴዎስ 21:43 ። 27:51። ግብሪ 2:1– 4) እቲ ዝፈሰሰ መንፈስ ቅዱስ ካብቲ ግዜቲ ጀሚሩ ኣምላኽ በዛ ሓዳስ ዝተተኽለት ወኪል ገይሩ : ነቲ ሓቅታት ናይ ዕላማታቱ ክገልጾ ምዃኑ ዝሕብር መረጋገጺ ኢዩ ነይሩ ። (ኤፌሶን 3:10) ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝተመሓደረ ቅርጺ ሒዛ ነበረት ። — 1 ቈረንቶስ 12:27–31። — ኤፌሶን 4:11, 12 ።
14. ደለይቲ ሓቂ ከመይ ገይሮም እዮም ነታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከለልይዋ ዝኽእሉ ?
14 እዞም ሎሚ ዘለዉ ደለይቲ ሓቂ በታ ኩሉ ግዜ እትርአ ምርእይቲ ባህሪ ናይ ኣምላኽ ዝኾነት ፍቕሪ ገይሮም ነታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከለልይዋ ይኽእሉ ኢዮም ። (1 ዮሃንስ 4:8, 16) ብርግጽ ሕውነታዊ ፍቕሪ እቲ ቀንዲ መለለዪ ምልክት ናይ ሓቂ ክርስትና ኢዩ ። የሱስ ከምዚ በለ :- “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም : በዚ ደቀ – መዛሙርተይ ምዃንኩም ኩሉ ኺፈልጥ እዩ ።” “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም : ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ትእዛዘይ እዚ እዩ ።” (ዮሃንስ 13:35 ። 15:12) የሱስ ነቶም ሰማዕቱ ከተሓሳስቦም ከሎ : “ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ኹሉ እንተ ገበርኩም : ኣዕሩኸይ ኢኹም” በሎም ። (ዮሃንስ 15:14) ስለዚ እምበኣር እቶም ሓቀኛታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እቶም ብናይ ፍቕሪ ሕጊ ዝነብሩ ኢዮም ። ንሳቶም ብዛዕብኣ ዝዛረቡ ጥራይ ኣይኰኑን : ከመይሲ “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ ።” ያእቆብ 2:26 ።
ዝኹልዕ ብርሃን
15. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ መረጋገጺ ተዋሂብዎም ዘሎ ?
15 ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ብኡኡ መጠን ድማ እቲ ዕላማ ኣምላኽ እናበርሃላ ክኸይድ ምዃኑ የሱስ ተነብዩ ነበረ ። ንሰዓብቱ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ : መንፈስ ቅዱስ : ንሱ ኹሉ ኺምህረኩም ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” እናበለ መብጸዓ ኣተወሎም (ዮሃንስ 14:26) የሱስ ቀጺሉውን ከምዚ በለ :- “እንሆ ድማ : ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ ።” (ማቴዎስ 28:20) ስለዚ እምበኣር : ሓቅታት ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ኣብ ማእከል ኣገልገልቲ ኣምላኽ እናወሰኸ ይበርህ ኢዩ ዘሎ ። እወ : ብሓቂ “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ : ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ እናወሰኸት ትበርህ ።” — ምሳሌ 4:18 ።
16. እዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና መንፈሳዊ ዕብየት : ብመሰረት ዕላማ ኣምላኽ ኣበየናይ እዋን ከም ዘሎና ኢዩ ዝሕብር ?
16 እቲ መንፈሳዊ ብርሃን ከም ሎሚ ገይሩ ብድምቀት በሪሁ ኣይፈልጥን : ከመይሲ : እዚ ዘሎናዮ እዋን እቲ ትንቢት መጽሐፍ ቅዱስ ዝፍጸመሉ ወይ ፍጻሜኡ ዝቐረበሉ እዋን ስለ ዝኾነ ኢዩ ። እዚ ድማ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ እኩይ ኣገባብ ንነብር ከም ዘሎና ኢዩ ዝሕብረልና ። እዚ እዋን እዚ እቲ “መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ” ተባሂሉ ዘሎ ኢዩ : እታ ስዒባ እትመጽእ ድማ እታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም እያ ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1 – 5, 13 ። ማቴዎስ 24:3 – 13) ብመሰረት ናይ ዳኒኤል ትንቢት : እዛ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ : “ንኹለን እዘን [ሕጂ ዘለዋ] መንግስታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍአንን እያ : ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ ።” — ዳንኤል 2:44 ።
17, 18. ከመይ ዝበሉ ዓበይቲ ትንቢታት ኢዮም ሕጂ ፍጻሜኦም ዝረኽቡ ዘለዉ ?
17 ገለ ካብቲ ሕጂ ዝፍጸመም ዘሎ ትንቢታት : ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ቁጽሪ 14 ተመዝጊቡ ኣሎ ትርከቦ ። ኣብኡ የሱስ ከምዚ በለ : “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኩሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ : ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ ።” እዚ ስብከት ናይዛ መንግስቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይፍጸም ኣሎ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣማእታት ኣሻሕ ዝኣኽሉ ሰባት ይሓብሩዎም ኣለዉ ። እዚ ድማ ምስቲ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት” ናይዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ : ካብ ብዙሓት ህዝብታት ዝተዋጽኡ ሰባት ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ናይ የሆዋ ክመጹ እሞ ‘ንሱ ጐደናታቱ ኪምህሮም : ንሳቶም ድማ ብመገድታቱ ክመላለሱ እዮም’ ዝብል ናይ ኢሳይያስ 2:2, 3 ትንቢት ይሰማማዕ ።
18 ከምቲ ኣብ ኢሳያስ ምዕራፍ 60 ቁጽሪ 8 ብትንቢት ተገሊጹ ዘሎ : እዞም ሓደስቲ “ከም ደበና” ኰይኖም ናብቲ ናይ የሆዋ ኣምልኾ ይውሕዙ ኣለዉ ። ቁጽሪ 22 ድማ ወሲኻ ከምዚ ትብል :- “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ክኸውን እዩ ። ኣነ እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ. ] ነዚ ብግዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ ።” እቲ መረጋገጺታት ከም ዝሕብሮ : እዚ ትንቢት እዚ ዝፍጸመሉ ግዜ ሕጂ እዩ ። እቶም ሓደስቲውን እንተኾነ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሓብሩ ከለዉ ምስታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይሓብሩ ከም ዘለዉ ርግጸኛታት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ።
19. እዞም ሓደስቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓብሩ ዘለው : ምስታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኢዮም ዝሓብሩ ዘለዉ : ክንብል ዝኽኣልናስ ስለምንታይ ኢና ?
19 ርግጸኛታት ኴንና ከምዚ ንብል ዘሎናስ ስለምንታይ ኢዩ ? ምኽንያቱ እዞም ሓደስትን እቶም ድሮ ኣብ ማሕበር የሆዋ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩን ህይወቶም ንኣምላኽ ወፍዮም ፍቓዱ ይፍጽሙ ስለ ዘለዉ ኢዩ ። እዚ ምስ ሕጊ ናይታ ኣምላኻዊት ፍቕሪ ተሰማሚዕካ ምንባርውን ዘጣመረ ኢዩ ። ከም ሓደ መረጋገጺ ናይዚ ድማ እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ‘ኣስያፎም ንማሕረሻታት : ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ስለ ዝለወጥዎ ውግእ ኣይመሃሩን ኢዮም ።’ (ኢሳይያስ 2:4) ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከቡ ኩሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መለለዪኦም ፍቕሪ ስለ ዝኾነ ነዚ ፈጺሞሞ ኢዮም ። እዚ ማለት ከኣ ናይ ውግእ መሳርያ ኣልዒሎም ኣብ ንሓድሕዶም ወይ ንኻልእ ክዋግኡ ፈጺሞም ኣይለዓሉን ኢዮም ማለት ኢዩ ። በዚ ድማ ካብ ኩለን ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃይማኖታት ፍሉያት ኰይኖም ይርከቡ ። (ዮሃንስ 13:34, 35 ። 1 ዮሃንስ 3:10 – 12, 15) በታ “ፍጽምቲ ማእሰር ሕብረት” ዝኾነት ፍቕሪ : ኣዕሚቑ ዝተሰረተ ዓለምለኻዊ ሕውነት መስሪቶም ስለ ዘለዉስ : ኣብቲ ፈላላዪ ዝኾነ ሃገራዊ ስምዒት ፈጺሞም ኣይጽንበሩን ኢዮም ። — ቈሎሴ 3:14 ። ማቴዎስ 23:8 ። 1 ዮሃንስ 4:20, 21 ።
መብዛሕትኦም ግና ንኸይፈልጡ መረጹ
20, 21. ብዙሓት ሰባት ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዝመላለሱ ዘለዉስ ስለምንታይ ኢዮም ? (2 ቈረንቶስ 4:4። 1 ዮሃንስ 5:19)
20 ኣብ ማእከል እቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እቲ መንፈሳዊ ብርሃን ኣዝዩ እናበርሀን እናደመቐን ክኸይድ ከሎ : እቶም ዝተረፉ ተቐማጦ ናይዛ ምድሪ ግና ናብ ኣዝዩ ድቕድቕ መንፈሳዊ ጸልማት እናሰጠሙ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ ። ንየሆዋን ንዕላማታቱን ኣይፈልጥዎን ኢዮም ። እቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ነዚ ግዜና “እንሆ ጸልማት ንምድሪ : ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም” ብምባል ይገልጾ ። (ኢሳይያስ 60:2) እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ክመሃሩ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ስለ ዘየርእዩን : ንኡኡ ባህ ከብልዎ ከኣ ፈጺሙ ባህጊ ስለ ዘይብሎምን ኢዩ ። የሱስ ከምዚ በለ :- “እቲ ፍርዲ እዚ እዩ : ብርሃን ናብ ዓለም መጸ : ሰብ ግና : ግብሮም ክፉእ ኢዩ እሞ : ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ ። ክፉእ ዚገበር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ : እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ : ናብ ብርሃን ኣይመጽእን ።” — ዮሃንስ 3:19, 20 ።
21 እዞም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ናይ ሓቂ ተገዳስነት የብሎምን ። ኣብ ክንድኡስ : ናይ ገዛእ ርእሶም ፍቓድ ኣብ ምፍጻም ኢዮም ጥሒሎም ዘለው ። ንፍቓድ ኣምላኽ ነጺጐም ወይ ሸለል ኢሎም ብምምልላሶም ንገዛእ ርእሶም ንሓደጋ የቃልዑዋ ኣለዉ : ከመይሲ : ቃል ኣምላኽ ከምዚ ኢዩ ዝብል :- “እቲ ሕጊ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚመልስ ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ ።” (ምሳሌ 28:9) ሳዕቤን ናይቲ ዝመረጽዎ መገዲ ክስከሙ ኢዮም ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽዶ እዩ እሞ : ኣይትጠበሩ : ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ ። — ገላትያ 6:7 ።
22. እቶም ንኣምላኽ ክፈልጡ ዝደልዩ ኣዚዮም ብዙሓት ሰባት : እንታይ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ ?
22 እንተኾነ ግና : ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክፈልጡ ዝደልዩ : ብቕንዕና ንኣምላኽ ዝደልዩዎ ከምኡውን ናብኡ ዝቐርቡ ኣዝዮም ብዙሓት ኣለዉ ። ኣብ ያዕቆብ 4:8 ከምዚ ይብል : “ንኣምላኽ ቅረብዎ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ ።” ብዛዕባ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት የሱስ ከምዚ በለ “እቲ ሓቂ ዚገብር ግና : ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ : ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ : ናብ ብርሃን እዩ ዝመጽእ ።” (ዮሃንስ 3:21) እቲ ኣምላኽ ነቶም ናብ ብርሃን ዝመጹ ኣዳልዩሎም ዘሎስ ኣየ ከመይ ዝበለ ድንቂ ዝኾነ መጻኢ ግዜ ኰን እዩ ! ኣብዛ እትመጽእ ዓንቀጽና ነዚ ግሩም ተስፋ ብሰፊሑ ክንመያየጠሉ ኢና ።
ከመይ ኢልኩም ምመለስኩም
◻ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዕላማ ህይወት እንታይ ይብሉ ?
◻ የሆዋ ናይ ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ ንገዛእ ርእሱ ብኸመይ ገለጸ ?
◻ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ከመይ ዝበለ ዓቢ መንፈሳዊ ብርሃን ኢዩ ዝተረኽበ ?
◻ እታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሎሚ ብኸመይ ክትልለ ትኽእል ?