ኣዒንትኻ ነቲ ብስራት ምኽፋት
“ዕዉር ስለ ዘይርእዮስ ሰማይ ሕብሩ አይጐድልን ኢዩ” ዝብል ናይ ዳኒሽ ምስላ ኣሎ። እንተኾነ ግን ኣብዚ ትሑዝ ዝኾነ መዓልታዊ ናብራና ሰማይ ሰማያዊ ምዃኑስ ነስተብህለሉዶ? ነቲ መጻኢ ግዜኸ ብተኣማንነትዶ ንጽበዮ? ነቲ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ዘቕርቦ ብስራትከ ብሓቂዶ ንኣምኖ ኢና?
ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ብዛዕባ ስጋዊ ዑረት ርኢና ነይርና። ሕጂ ኸኣ ካብኡ ኣዝዩ ዝበለጸ ዓይነት ምርኣይ ንመልከት። እዚ ብዛዕባ ነባሪ ሓጐስናን መጻኢ ናይቶም እነፍቅሮም ሰባትን ዘጠቓለለ ኢዩ።
“ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝኾነ ግዜ” ይገጥመና ከም ዘሎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ሰባት ናብርኦም ኽገብሩ ክጽዕሩ ኸለዉ: ናይ ጥዕናን ናይ ስድራቤት ጸገማትን ክጽመሙ ከለዉ: ኣብ ማሕራዊ ናብራ ዘሎ ዓመጽን ምጕዳል ፍቕርን ክጋጠምዎ ኸለዉስ እንታይ ይኾኑ ኣለዉ? ዘሕዝን ብዙሓት ሰባት ኣብ ብጾቶም: ኣብ ሃይማኖት: ኣብ መንግስቲ ዝነበሮም እምነት ይሃስስ ኣሎ። መፍትሒ ዘይብሉ ኮይኑ ስለ ዝርኣዮም ገለ ሰባት ሽግሮም ብግቡእ መገዲ ፈጺሙ ኣይፍታሕን ኢዩ ዝብል መደምደምታ ይበጽሑ። ኣብታ ጆርናል ዳ ታርድ ዝተባህለት ናይ ብራዚል ጋዜጣ ጃኮብ ፒንያሩ ጎልድበርግ ትዕዝብቱ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ሰባት ጨካን ዝኾነ ኵነታት ክጋጠሞም ከሎ: ነቲ ጌጋታት ስለ ዝጸልእዎ: ምኽንያታዊ ኣተሓሳስባ ኣይህልዎምን ኢዩ: በዚ ኸኣ ኣብ ሃተውተው ዝኾነ እምነታት ይጽግዑ።” ይኹን እምበር ነገራት ምቕናዕ ክኣቢ ኸሎውን ከይተረፈ ብግቡእ ክንሓስብ ኢዩ ዘሎና። ኣይኰነንዶ?
ንስድራኻ ዝኸውን ቤት ትደሊ ከም ዘለኻ ገይርና እሞ ንሕሰቦ: ናይ ገንዘብ ሽግርውን የብልካን። ምናልባሽ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ገዛውቲ ትርኢ። ዋላ’ኳ ገዛ ዝሸጡ ሰባት ነቲ ድላይካ ከማልኡ እንተ ፈተኑስ ከምታ ኣብ ኣእምሮኻ ዘላ ቤት ግን ኣይትረክብን። ይኹን እምበር ናይ ስድራቤትካ ድሕንነትን ሓጐስን ዘጣመረ ስለ ዝኾነስ ተስፋ ኣይትቖርጽን ኢኻ። ኣይኮነንዶ? ኣብ መጨረሽትኡ ግን እታ ኣብ ሓሳብካ ዘላ ቤት ምስ ረኸብካያ ዝህልወካ ሓጐስ እሞ ገምቶ።
ከምቲ ቤት ንኽትረክብ ግዜ እትወስድ: ናይ ሽግራትካ መፍትሒ ንኽትረክብከ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይትምርምሮ? ከምቲ ብዛዕባ ገዛ ውሳኔ ክንገብር ከሎና ነቲ ኩነታት እንመዝኖ: ከምኡውን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እነንብቦ ነገር ብርዝነት ዘይንምርምሮ። አረ ካብ ቤት ምርካብሲ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ የሱስን ሓቂ ተረዲእና ክንቅበሎ ከሎና ኢዩ ዝያዳ ጠቓሚ ዝኸውን። የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” — ዮሃንስ 17:3
እንተኾነ ግን መልእኽቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንድዚ ትርጕም ዘለዎ ክነሱስ ስለምንታይ ኢዮም ብዙሓት ነቲ ኣብኡ ዘሎ ብስራት ከየስተውዕልዎ ዕዉራት ኮይኖም ዝተርፉ? ንብዙሓት ከገርም ዝኽእል ሓደ ምኽንያት ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ብምህላዋ ኢዩ’ (1 ዮሃንስ 5:19) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሰይጣን ዲያብሎስ “እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ከብሪ ክርስቶስ: ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ: ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ . . . ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።” (2 ቈረንቶስ 4:4) በዒንትና እኳ ንርኢ እንተኾንና ሓንጐል ኢዩ ነቲ ብዓይኒ ዝኣተወ ብርሃን ዝትርጕሞ። ስለዚ ዕዉር ምዃን ማለት “ንኸተስተውዕል ወይ ንኽትፈርድ ዘይምኽኣል ወይ ፍቓደኛ ዘይምዃን” ማለትውን ኢዩ። እዚ ንሓደ ልሙድ ኣበሃህላ የዘኻኽረና:- “ካብቶም ክርእዩ ዘይደልዩ ንላዕሊ ዝዓውር የለን።”
ሓደ ዕዉር ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ነገር ክርእዮ ኣይክእልን ኢዩ: ስለዚ ኣብ ዝሃሲ ሓደጋ ክኣቱ ይኽእል ኢዩ። እዚ ስጋዊ ዑረት ናይ ብዙሓት ሕጂ ክሓዊ አይክእልን ኢዩ: ብመንፈስ ዕዉር ኮይኑ ንኽቕጽል ዝግደድ ሰብ ግን ዋላ ሓደ’ኳ የለን።
ካብ መንፈሳዊ ዑረት ምውጻእ
ከምቲ ዝኣክል ጽሬት ዘይምህላው አዒንቲ ዘድክም: ከምኡውን ብሞራል ዝተባላሸወ ከባቢ ሞራላዊ ዑረት ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺውን የሱስ ካብ ናይ ሰብ ትምህርትን ባህልን ክንሕሎ ኣጠንቂቑና ኢዩ። እቶም ኣብ ግዚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ነተን መጓሰ የጋግይወን ከም ዝነበሩ ብግልጺ ተዛሪቡ ኢዩ:- “ዕዉራትን መራሕቲ ዕዉራትን እዮም። ንዕዉርስ ዕዉር እንተ መርሖ: ክልቲኦም ኣብ ጉድጓድ ይውድቁ።” — ማቴዎስ 15:14
ብዕዉራት መራሕቲ ኣብ ክንዲ ምትላል: እቶም ነቲ ብስራት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ አዒንቶም ዝኸፈቱስ ክሳዕ ክንደይ ሕጕሳት ኢዮም! የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ: . . . እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ።” (ዮሃንስ 9:39) ከመይ ኢሎም ኢዮም ብመንፈስ ዕዉራት ዝነበሩ ሓውዮም ክርእዩ ዝኽእሉ? እስኪ እምበኣር ብዛዕባ ስጋዊ ዑረት እንደገና ንርአ።
ሎሚ ነቶም ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ሰባት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይግበረሎም ኣሎ። እዚ ግን ኵሉ ግዜ ከምኡ ኣይነበረን። ክሳዕ ቫለንታይን ኣውዬ ዝተባህለ ሰብኣይ ንዕዉራት ዝኸውን ትምህርቲ ብ1784 ዘቕውም ንዕዉራት ምሕጋዝ ከም ኣድላዪ ነገር ይርአ ኣይነበረን። ጸኒሑ ከኣ ልዊ ብረይል እቲ ብሽሙ ዝጽዋዕ ማለት ናይ ብረይል ወይ ፊደለ–ዕዉራን ኣገባብ ተጠቒሙ ናይ ዓይኒ ጸገም ዘለዎም ሰባት ከም ዘንብቡ ገበረ።
እቶም ብመንፈሳዊ መገዲ ዕዉራት ዝኾኑኸ ደአ? ኣብዚ ቀረባ እዋናት ናብቲ ኣዝዩ ምሕዱግ ቦታታትውን ከይተረፈ ብስራት ከም ዝበጽሕ ተጌሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ብምሳልያዊ መገዲ ዕዉራት ይኹን ነቶም ቃል ብቓሉ ዕዉራት ሰባት ነቲ ተስፋ ከብጽሑሎም ሕጕሳት ኢዮም።
ሓንቲ ጓል ብራዚል ሰበይቲ ከምዚ ትብል “ዋላኳ ብስጋ ጐደሎ እንተ ኾንኩ ብመንፈስ ክርኢ እኽእል እየ ክብል እደሊ። ከመይ ዝበለ ዘገርም ኣምላኽ ኢዩ! ‘የሆዋ ኢዱ ከፊቱ ንህያው ዘበለ ኹሉ ብበረኸት ከጽግቦ’ ምዃኑ ምፍላጥናስ የሐጕሰና ኢዩ።” (መዝሙር 145:16) ጆርጅውን ብስጋ ዕዉር ከምዚ እናበለ ተመኵሮኡ ይገልጽ:- “ህይወተይ ኣብ ክልተ ክፍሊ ክኽፈል ይኽእል ኢዩ: ቅድሚ ምስ መሰኻኽር ምርኻበይን ድሕሪኡን . . . ብናቶም ሓገዝ ብንጹርን ብብሩህን ንዓለም ከስተውዕላ ጀሚረ። ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ጉባኤ ዘሎ ጽቡቕ ርክብ ኣሎኒ።” እዚ ባህ ዘብል ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ምድሪ ብስጋ ይኹን ብመንፈስ ዕዉር ዝኸውን ኣይክህሉን ኢዩ ኢሉ የረጋግጸልና። እዝስ ከመይ ኢሉ ክኸውን ኢዩ? እቲ “እግዚኣብሄር ነዒንቲ ዕዉራት ይኸፍተን” ዝብል ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቂ ክኸውን ከም ዝኾነ ብኸመይ ክረጋገጽ ኢዩ? — መዝሙር 146:8
መንግስቲ ኣምላኽ : እታ ሓንቲ ነባሪ ምሕዋይ እተምጽእ
ዋላኳ እናማዕበለ ዝኸይድ ናይ ሕክምና ፍልጠት እንተሎ ብዙሕ ሕማማት ምኽንያት ናይ ዑረትን ቃንዛን ሞትን ይኾኑ ኣለዉ። እሞኸ ደኣ ንሕጽረት ኣመጋግባን ንድኹም ናይ ጥዕና ኩነታትን ከምኡውን ምርኣይን ሓጐስ ናይ ህይወትን ዘጥፍኣልና ጭንቀትን ንምጥፋእ እንታይ የድሊ። የሱስ ንዕዉራት ይኹን ንኻልኦት ዝገብሮ ዝነበረ ምሕዋይ ንመጻኢ ዝኸውን ዘርኢ ንእሽተይ መርትዖ ኢዩ ነይሩ። እቲ ትምህርቱ ይኹን እቲ ምሕዋዩ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዝኸውን ዘመልክት ጽላሎት ኢዩ ነይሩ።
ብዓለምለኻዊ ደረጃ ምሕዋይ ዝግበረሉ ግዜ ቀሪቡ ኢዩ።a እዚ መለኮታዊ ናይ ምሕዋይ መደብ እዚ ሃዋርያ ዮሃንስ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ:- “ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ: እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ: ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት ኣላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ ኣሎ።” — ራእይ 22:1, 2
“ማይ ህይወት” ከምኡውን “ኦም ህይወት” ዝብል ኣዘራርባ እዚ ሎሚ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ምስ ጠፍአ: ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝህሉ ናይ ምሕዋይ ውህበታት ቀስ እናበለ ንወዲሰብ ናብ ፍጽምና ከብጽሖ ምዃኑ ኢዩ ዘመልክት። ጥቕሚ ናይ የሱስ በጅነት (ምሉእ ብምሉእ ሓጥያት ምሕዳግውን ሓዊስካ): ምስ ፍልጠት የሱስን ኣቦኡን: ፍጹም ጥዕናን ናይ ዘልኣለም ህይወትን ኢዩ ዘምጽእ። — ዮሃንስ 3:16
ሓጐስ ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ምድሪ
ምድሪ ብዘይ ዓመጻ: ምምራዝ ወይከኣ ድኽነት ክትከውን ከምኡውን ስድራቤትካ ኣብታ ዝተመልሰት ገነት ብሰላም ክነብሩ እሞ ብሓሳብካ ክትስእሎ ፈትን። (ኢሳይያስ 32:17, 18) ብፍጹም ኣእምሮን ሕዋሳትን ነቲ ዝተፈላለየ ሕብርታት ክትምልከቶ ከሎኻኸ ኣየወ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኮን ክኸውን ኢዩ!
ሓደ ፋበር ቢረን ዝተባህለ ከምዚ ይብል:- “ባህርያዊ ኩነታት ናይ ሰባት ኣብ ሓደ ብብርሃን: ብሕብሪ ከምኡውን ብዓይነት ዝለዋወጥ ከባቢ ክነብሩ ኢዩ። ኣብ ፍጥረት ከኣ ዝደጋገም ነገር የለን። ሕብሪ ሓደ ካብቶም አብ ተፈጥሮ ባህ ዘብሉ ነገራት ኢዩ። ኣብ ተፈጥሮ: ሕብሪ ኣብ ሒደት ኣጋጣሚታት ጥራይ ኣይኮነን ዘሎ: መብዛሕትኡ ናይ ህይወት ሓጐስ ኣብኡ ዝተመርኮሰ ኢዩ።
ናይ ምርኣይ ውህበት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ክቡር ኮን ኢዩ! ኣዒንቲ ናይቶም ቃል ብቓሉ ይኹን ብመንፈሳዊ መገዲ ዐረን ዝነበራ ክርእያ ከለዋስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኢዩ!
እወ: ኣብታ እትመጽእ ገነት ዑረት ይኹን ካልእ ስንክልና ምኽንያት ጓሂ ኣይክኸውንን ኢዩ! ዋላሓደ እኳ ይኹን መሊሱ ኣይክታለልን ኢዩ። ምኽንያቱ ቅንዕቲ ፍቕሪ ስለ እትህሉ ኵሉ ብመንፈሳዊ መገዲ ክበርህ ኢዩ። እዝን ካልእ ካብኡ ዝበዝሐን ደሕሪ ቀረባ እዋን ክፍጸም ኢዩ: ሕጂ ግን በቲ ትንቢታዊ ተስፍኡ ዝፍጽም የሆዋ ተቐባልነት እንረኽበሉ እዋን ኢዩ: ከምዚ ይብል:- “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ እየን።” — ኢሳይያስ 35:5
[እግረ-ጽሑፍ]
a በጃኻ ኣብታ “አብ ገነት አብ ምድሪ ንዘለአለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ” እትብል መጽሓፍ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒዩርክ እተዳለወት ኣብ ምዕራፍ 18 ቀሪቡ ዘሎ መርትዖታት መርምሮ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ እየን!