ናይ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ዓቢ ጭፍራ—ካበይ ዝመጹ ኢዮም?
“እንሆ: ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ [ቋ]ንቋታትን እተኣከቡ: . . . ብዙሓት ሰብ: . . . ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ደው ኢሎም።”—ራእይ 7:9
1. እቶም ኣብ ራእይ ዘለዉ ትንቢታውያን ራእያት ስለምንታይ ኢዮም ሎሚ ንኣና ኣዝዮም ዘገዱስና?
ኣብ ጥቓ መወዳእታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ሃዋርያ ዮሃንስ ምስ ዕላማታት የሆዋ እተተሓሓዘ ራእይ ናይ ዘገርም ፍጻሜታት ረኣየ። ገለ ካብቲ ንሱ ዝረኣዮም ራእያት ኣብዚ ግዜዚ ይፍጸሙ ኣለዉ። ካልኦት ድማ ከምቲ እተባህለ ኣብዚ ቀረባ መጻኢ ኪፍጸሙ ኢዮም። እዚኣቶም ብምሉኦም ኣብ ቅድሚ ኩሉ ፍጥረት ስሙ ንምቕዳስ ኣብ ከባቢ እቲ ዘደንቕ ምዝዛም ናይቲ ዓቢ ዕላማ የሆዋ ዝፍጸሙ ኢዮም። (ህዝቅኤል 38:23፣ ራእይ 4:11፣ 5:13) ብተወሳኺ: እዚኣቶም ነቲ ናይ ነፍሲ ወከፍና ተስፋታት ናይ ህይወት ይትንክፍዎ ኢዮም። ብኸመይ?
2. (ሀ) ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብቲ ራብዓይ ራእይኡ እንታይ ኢዩ ዝረኣየ? (ለ) ብዛዕባ እዚ ራእይ እዚ ዝምልከት እንታይ ሕቶታት ኢና ኣብ ግምት እነእቱ?
2 ካብቲ ናይ ራእይ ዮሃንስ ተኸታታሊ ራእያት: ኣብቲ ራብዓይ: ዮሃንስ “ነቶም ባሮት ኣምላኽና” ኣብ ግንባሮም ማሕተም ክሳዕ ዝግበሮም መላእኽቲ ነቲ ናይ ጥፍኣት ንፋሳት ክሕዝዎ ከለዉ ረኣየ። ድሕርዚ ሓደ ቀስቃሲ ምዕባለ—“ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ ሓደ እኳ ኪ[ቖ]ጽሮም ዘይክእል [ዓቢ ጭፍራ ትሓዓ]” ንየሆዋ ንምምላኽን ንወዱ ንምኽባርን ዝሓበሩ ረኣየ። እዚኣቶም: ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ ምዃኖም ንዮሃንስ ተነግሮ። (ራእይ 7:1–17) እቶም ከም “ባሮት ኣምላኽና” ተገሊጾም ዘለዉ መን ኢዮም? ነቶም ካብቲ ጸበባ ዝደሓኑ “ዓቢ ጭፍራ” ዘቑሙኸ መን ኢዮም? ሓደ ካባታቶምዶ ኽትከውን ኢኻ?
እቶም “ባሮት ኣምላኽና” መን ኢዮም?
3. (ሀ) ኣብ ዮሃንስ 10:1–18: የሱስ ነቲ ምስ ሰዓብቱ ዘለዎ ርክብ ብኸመይ ኢዩ ገሊጹዎ ዘሎ? (ለ) በቲ መስዋእታዊ ሞቱ ገይሩ የሱስ ኣባጊዑ እንታይ ከም ዚረኽቡ ኢዩ ገይሩ?
3 ቅድሚ ሞቱ ዳርጋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣቢሉ: የሱስ ንርእሱ ከም “ሕያዋይ ጓሳ” ከምኡውን ንሰዓብቱ ምእንትኦም ህይወቱ ከም ዘሕልፈሎም “ኣባጊዕ” ገይሩ ተዛሪቡ ነበረ። ብዛዕባ ሓደ ብእኡ እተረኽበ ከምኡውን ብድሕርዚ ብእኡ ፍሉይ ሓልዮት ዝግበረሉ ምሳልያዊ መጓሰ ኣባጊዕ ብፍላይ ተዛሪቡ ነበረ። (ዮሃንስ 10:1–18)a የሱስ: ብፍቕሪ ህይወቱ ምእንቲ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ኢዩ: ንዕኦም ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ንምግባር ዘድሊ ዋጋ ናይ በጅነት ከኣ ሂቡ ኢዩ።
4. ምስቲ ኣብዚ የሱስ ኢልዎ ዘሎ ብምስምማዕ ካብቶም መጀመርያ ከም ኣባጊዕ እተኣከቡ መን ኢዮም?
4 እዚ ቅድሚ ምግባሩ ግን: የሱስ ከም ሕያዋይ ጓሳ መጠን ባዕሉ ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቡ ኢዩ። እቶም ናይ መጀመርያ ሰባት ብዮሃንስ መጥምቕ: እቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ ዘሎ “ሓላው ደገ:” ኣቢሎም ምስኡ ተላለዩ። የሱስ ነቶም ክፍሊ ናይቲ እኩብ ‘ዘርኢ ኣብርሃም’ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ዚቕበሉ ሰባት ኢዩ ዚደሊ ነይሩ። (ዘፍጥረት 22:18፣ ገላትያ 3:16, 29) ንሱ ንመንግስተ ሰማያት ሞሳ ምርኣይ ዝብል ኣብ ኣልባቦም ኣሕደረሎም: ከምኡውን ኣብ ቤት ሰማያዊ ኣቦኡ ቦታ ከዳልወሎም ምዃኑ ኣረጋገጸሎም። (ማቴዎስ 13:44–46፣ ዮሃንስ 14:2, 3) ንሱ ብልክዕ ከምዚ በለ:- ‘ካብ ዘመነ ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሎሚ መንግስተ ሰማያት [ሰባት ዝዳፉኡላ ሸቶ ኮይና ኣላ: ትሓዓ] ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ ኣለዉ።’ (ማቴዎስ 11:12) እዞም ነቲ ሸቶ ምእንቲ ኪረኽቡ ንዕኡ ዝሰዓቡዎ ኣብ ውሽጢ እቲ የሱስ እተዛረበሉ መጓሰ ኣባጊዕ ከም ዘለዉ ዘረጋገጽ ኢዩ።
5. (ሀ) እቶም ኣብ ራእይ 7:3–8 ተጠቒሶም ዘለዉ “ባሮት ኣምላኽና” መን ኢዮም? (ለ) ምስቶም ናይ መንፈስ እስራኤል ብዙሓት ካልኦት ኣብ ኣምልኾ ክሓብሩ ምዃኖምከ እንታይ የርእየና?
5 ኣብ ራእይ 7:3–8 እዞም ብዓወት ንቕድሚት ናብቲ ሰማያዊ ሸቶ ዚደፍኡ ዘለዉ ከም “ባሮት ኣምላኽና” ተባሂሎም እውን ተጠቒሶም ኣለዉ። (1 ጴጥሮስ 2:9, 16 ርአ።) እቶም ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለዉ 144,000: ባህርያውያን ኣይሁድ ጥራይ ድዮም? እቶም ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ ተጠቒሶም ዘለዉ ምሳልያውያን መጓሰ ኣባጊዕከ ኣይሁዳውያን ጥራይ ድዮም? ብርግጽ ኣይኮኑን። ንሳቶም ኩሎም ምስ ክርስቶስ ኣብቲ መንፈሳዊ ዘርኢ ናይ ኣብርሃም ዝሓብሩ: ኣባላት ናይቲ መንፈሳዊ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኢዮም። (ገላትያ 3:28, 29፣ 6:16፣ ራእይ 14:1, 3) ኣብ መወዳእታ ግድን እቲ ውሱን ቁጽሪ ዝመልኣሉ ግዜ ኪመጽእ ኢዩ። ድሕሪኡኸ እንታይ ኪኸውን ኢዩ? ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ: ካልኦት—ዓቢ ጭፍራ—ንየሆዋ ንምምላኽ ምስቶም መንፈሳውያን እስራኤል ኪሓብሩ ኢዮም።—ዘካርያስ 8:23
እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ”—ክርስትያን ኣህዛብ ድዮም?
6. ነየናይ ምዕባሌ ኢዩ ዮሃንስ 10:16 ዘመልክት?
6 ኣብ ዮሃንስ 10:7–15 ሓደ መጓሰ ኣባጊዕ ድሕሪ ምጥቃሱ: የሱስ ኣብቲ መግለጺ ካልእ ጉጅለ ወሰኸ:-“ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ: ቃለይውን ኪሰምዓ እየን ሓደ መጓሰ ኪ[ኾ]ና እየን: ጓስኤንውን ሓደ።” (ዮሃንስ 10:16) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” መን ኢዮም?
7, 8. (ሀ) እቲ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ናይ ክርስትያን ኣህዛብ ኢዮም ዝብል ኣረኣእያ ኣብ ጌጋ መበገሲ እተመስረተ ዝኸውንስ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ንምድሪ ዝምልከት እንታይ ሓቅታት ኢዩ ምስቲ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ መን ምዃኖም ዘሎና ምርዳእ ዝምድና ኪህልዎ ዘለዎ?
7 ብሓፈሻ ናይ ህዝበ–ክርስትያን ወሃብቲ ርእይቶ: እዞም ካልኦት ኣባጊዕ ክርስትያን ኣህዛብ ኢዮም ከምኡውን እቶም ኣብቲ መጓሰ ኣቐዲሞም እተጠቕሱ: እቶም ኣብ ትሕቲ ኪዳን ዝነበሩ ኣይሁድ ኢዮም: ብተወሳኺ ኸኣ እዞም ክልተ ጉጅለ ንሰማይ ይኸዱ ዝብል ኣረአእያ ኢዮም ዝወስዱ። ግናኸ የሱስ ኣይሁዳዊ ኮይኑ ኢዩ ተወሊዱ: ብትውልዲ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኪዳን ኢዩ ነይሩ። (ገላትያ 4:4) ብተወሳኺ ድማ: ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ከም ናይ ሰማያዊ ህይወት ዓስቢ ዝረኽቡ ናይ ክርስትያን ኣህዛብ ገይሮም ክርእይዎም ከለዉ: ሓደ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ግምት ምእታው ይርስዑ ኣለዉ። የሆዋ ነቶም ናይ መጀመርያ ሰባት ምስ ፈጠረ ከምኡውን ኣብ ገነት ኤደን ምስ ኣቐመጦም: ንሱ ምድሪ ክትመልእ: ኵላ ገነት ክትከውን: ከምኡውን እቶም ተኸናኸንታ:—ንፈጣሪኦም እንተድኣ ኣኽቢሮምን ተኣዚዞምን—ተሓጒሶም ንዘለኣለም ኪነብሩ: ዕላምኡ ከም ዝነበረ ኣብሪሁዎ ኢዩ።_—ዘፍጥረት 1:26–28፣ 2:15–17፣ ኢሳይያስ 45:18
8 ኣዳም ምስ ሓጥአ ዕላማ የሆዋ ኣይተሰናኸለን። ኣምላኽ ብፍቕሪ ንዘርኢ ኣዳም: ነቲ ኣዳም ዘየማሰወሉ ንኸስተማቕርዎ ዘኽእሎም ኣጋጣሚ ዝህብ ምድላው ገበረ። የሆዋ ኣቐዲሙ ህዝብታት ብእኡ ገይሮም ኪባረኽሉ ዝኽእሉ ሓደ መድሓኒ: ሓደ ዘርኢ: ከተንስእ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:15፣ 22:8) እዚ መብጽዓ እዚ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅኑዓት ሰባት ንሰማይ ኪውሰዱ ኢዮም ማለት ኣይኮነን። የሱስ ንሰዓብቱ “መንግስኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ኪጽልዩ ኢዩ ምሂሩዎም። (ማቴዎስ 6:9, 10 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) የሱስ ነቲ ኣብ ዮሃንስ 10:1–6 ተመዝጊቡ ዘሎ ምሳሌ ቅድሚ ምዝራቡ ኣብ ዝነበረ ሓጺር እዋን: ንደቀ መዛሙርቱ ኣቦኡ ኣብቲ ሰማያዊ መንግስቲ ኪቕበሎም ዘፍቀደ: ነቶም “ሒደት መጓሰ” ጥራይ ምዃኑ ተዛሪብዎም ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 12:32, 33) ስለዚ ነቲ የሱስ ንርእሱ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ዘሕልፍ ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ዘርኢ ምሳሌኡ ከነንብብ ከሎና: ንዝበዝሑ ካብቶም የሱስ ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ሓልዮቱ ዘምጽኦም: ምድራውያን ተገዛእቲ ናይታ ሰማያዊት መንግስቱ ዝኾኑ ከም ዘይምልከቶም ጌርካ ምውሳዱ ጌጋ ኢዩ።—ዮሃንስ 3:16
9. ኣብ መጀመርያ ናይ 1884: እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንነት ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ እንታይ ኢዮም እተረድኡ?
9 ኣብ መጀመርያ ናይ 1884: ግምቢ ዘብዐኛ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብ ትሕቲ ናይ መጀመርያ ዕላማ ኣምላኽ ዝፍጸመሉ ኵነታት ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንኽነብሩ ኣጋጣሚ ዝወሃቦም ሰባት ምዃኖም ገሊጻ ነበረት። እዞም ቀዳሞት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ገለ ካብዞም ካልኦት ኣባጊዕ ቅድሚ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ ዝነብሩ ዝነበሩ እሞ ዝሞቱ ሰባት ከም ዝኾኑ ተረዲኦም ነበሩ። እንተኾነ ግና: ገለ ኣነጺሮም ዘይተረድኡዎም ዝርዝራት ነበሩ። ንኣብነት: ምእካብ ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ: ኵሎም እቶም ቅቡኣት ሰማያዊ ዓስቦም ምስ ተቐበሉ ኢዩ ዝኸውን ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ። ይኹን እምበር: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ክርስትያን ኣህዛብ ጥራይ ከም ዘይኮኑ ብርግጽ ተረዲኦም ነይሮም ኢዮም። ሓደ ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ: ንኽልቲኦም ንኣይሁድን ንኣህዛብን: ንህዝብታት ናይ ኵሎም ሃገራትን ዓሌታትን ክፉት ኢዩ።—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35 ኣነጻጽሮ።
10. እቶም የሱስ ብሓቂ ከም ካልኦት ኣባጊዑ ገይሩ ዝርእዮም ምእንቲ ክንከውን: ብዛዕባና ሓቂ ክኸውን ዘለዎ እንታይ ኢዩ?
10 እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ምስቲ ብየሱስ እተዋህበ መግለጺ ምእንቲ ክሰማምዑ: ዓሌቶም ወይ ቀቢላዊ መበቈሎም ብዘየገድስ ንየሱስ ከም ሕያዋይ ጓሳ ኣፍልጦ ክህብሉ ኣለዎም። እዚ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ? ንሳቶም እቲ መለለዪ ናይ ኣባጊዕ ዝኾነ ባህርያት: ትሕትና ከምኡውን ንኽምርሑ ፍቓደኝነት ከርእዩ ኣለዎም። (መዝሙር 37:11) ከምቲ እቶም ሒደት መጓሰ ዚገብርዎ: ‘ድምጹ[ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ] ከለልዩ’ ከምኡውን በቶም ክጸልዉዎም ዝደልዩ ንኽምርሑ ከፍቅዱ የብሎምን። (ዮሃንስ 10:4፣ 2 ዮሃንስ 9, 10) ንኣገዳስነት እቲ የሱስ ህይወቱ ዘሕለፈሉ ከማስዉሉ ከምኡውን ኣብቲ ምድላው እቲ ምሉእ እምነት ከርእዩ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:12) እቲ ሕያዋይ ጓሳ: ቅዱስ ኣገልግሎት ንየሆዋ ጥራይ ከቕርቡ: ቅድም ነታ መንግስቲ ክደልዩ: ካብ ዓለም ክፍለዩ: ንሓድሕዶም ርእሰ–መስዋእታዊ ፍቕሪ ከርእዩ: ክምሕጸኖም ከሎ ድምጹ ‘ክሰምዑ’ ኣለዎም። (ማቴዎስ 4:10፣ 6:31–33፣ ዮሃንስ 15:12, 13, 19) ነቲ መግለጫ ናይቶም የሱስ ከም ኣባጊዑ ዝርእዮምስ ትበቕዖ ዲኻ? ትደሊዶኸ? ንኹሎም እቶም ብሓቂ ናይ የሱስ ካልኦት ኣባጊዕ ዝኾኑስ ከመይ ዝበለ ዝኸበረ ዝምድና ኰን ኢዩ ተኸፊትሎም ዘሎ!
ንስልጣን መንግስቲ ምኽባር
11. (ሀ) ኣብቲ ምልክት ህላዌኡ: የሱስ ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን እንታይ ኢዩ ዝበለ? (ለ) እቶም የሱስ ዝጠቐሶም ኣሕዋት መን ኢዮም?
11 ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣብነት ምስ ሃበ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ የሱስ እንደገና ኣብ የሩሳሌም ነበረ። ኣብ ደብረ ዘይቲ ምስ ተቐመጠ: ነቲ ከባቢ ቤተ መቕደስ እናረኣየ ከሎ: ንደቀ መዛሙርቱ ዝርዝር ናይ ‘ምልክት ህላዌኡ ከምኡውን መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ’ ሃቦም። (ማቴዎስ 24:3 ትሓዓ ) ደጊሙ ኸኣ ብዛዕባ ምእካብ ናይ ኣባጊዕ ተዛረበ። ካብ መንጎ እቲ ዝበሎ:- “ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ: ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ: ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ: ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን: ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ: ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን።” ኣብዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ: የሱስ እቶም በቲ ንጉስ ቆላሕታ እተገብረሎም ብመሰረት ነቶም ‘ኣሕዋቱ’ ዝገበርሎም ኣተሓሕዛ ከም ዝፍረዱ ኣርእዩ ኢዩ። (ማቴዎስ 25:31–46) እዞም ኣሕዋቱ መን ኢዮም? ንሳቶም ብመንፈስ እተወልዱ ክርስትያናት ኢዮም: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ “ደቂ ኣምላኽ” ኢዮም። የሱስ ቦኽሪ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ። ስለዚ ኣሕዋት ክርስቶስ ኢዮም። ንሳቶም እቶም ኣብ ራእይ 7:3 ተጠቒሶም ዘለዉ: ምስ ክርስቶስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ክካፈሉ ካብ ደቂ ሰብ እተሓርዩ “ባሮት ኣምላኽና” ኢዮም።—ሮሜ 8:14–17
12. እቲ ሰባት ምስ ኣሕዋት ክርስቶስ ዝገብርዎ ርክብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውንስ ስለምንታይ ኢዩ?
12 ካልኦት ሰባት ነዞም ወረስቲ ናይታ መንግስቲ ዝገብሩሎም ኣተሓሕዛ ቀንዲ ዘገድስ ኢዩ። ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ከምኡውን የሆዋ ገይሮም ዝርእዩዎም ጌርካ ዲኻ እትርእዮም? (ማቴዎስ 24:45–47፣ 2 ተሰሎንቄ 2:13) ሓደ ሰብ ናብዞም ቅቡኣት ዘለዎ ኣረኣእያ: ናብ የሱስ ክርስቶስን ናብቲ ዝለዓለ ጠቐላላዊ ገዛኢ ዝኾነ ኣቦኡን ዘለዎ ኣረኣእያ ኢዩ ዘንጸባርቕ።—ማቴዎስ 10:40፣ 25:34–46
13. እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ብ1884 ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ተረዲኦሞ ዝነበሩ?
13 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብቲ ናይ ነሓሰ 1884 ሕታማ: ብልክዕ እቶም ኣብዚ ምሳሌ እዚ ዘለዉ “ኣባጊዕ” እቶም ኣብ ቅድሚኦም ተስፋ ናይ ፍጹም ህይወት ኣብ ምድሪ እተነብረሎም ሰባት ምዃኖም ኣመልኪታ ነበረት። እቲ ምሳሌ: ክርስቶስ ካብቲ ግርማ ዝመልኦ ሰማያዊ ዝፋኑ ኮይኑ ክገዝእ ከሎ ተፈጻምነት ክህልዎ ከም ዘለዎ ርዱእ ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን: ኣብቲ ግዜ እቲ: ንሱ ነቲ ናይ ምፍልላይ ዕዮ መዓስ ከም ዝጅምሮ ወይ ክንደይ ከም ዚውድእ ኣነጺሮም ኣይተረድእዎን ነበሩ።
14. ኣብ 1923 እተዋህበ ናይ ዓቢ ኣኼባ ዝርርብ: ነቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ናይ የሱስ ትንቢታዊ ምሳልያዊ ዛንታ መዓስ ክፍጸም ከም ዘለዎ ንኽርድኡ ዝሓገዞም ከመይ ኢሉ ኢዩ?
14 ይኹን ደኣምበር: ብ1923: ኣብ ናይ ሓደ ዓቢ ኣኼባ ዝርርብ: ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ: ሽዑ ፕረሲደንት ናይ ማሕበር ግንቢ ዘብዐኛ ዝነበረ: ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ዚፍጸመሉ ግዜ ኣብርሆ። ስለምንታይ? ገለ ካብቲ ምኽንያት: እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ናይቶም ኣሕዋት እቲ ንጉስ—እንተወሓደ ገለ ካብኦም—ኣብ ምድሪ ኪህልዉ ምዃኖም ስለ ዘርኢ ኢዩ። ካብ ሰባት ብመንፈስ እተወልዱ ሰዓብቱ ጥራይ ኢዮም ብሓቂ ኣሕዋቱ ተባሂሎም ክጽውዑ ዝኽእሉ። (እብራውያን 2:10–12) እዚኣቶም ከምቲ የሱስ ዝገለጾ ሰባት ሰናይ ምእንቲ ክገብሩሎም ኣጋጣሚ ንምሃብ ኣብቲ ሽሕ ዓመት ኣብ ምድሪ ኣይክህልዉን ኢዮም።—ራእይ 20:6
15. (ሀ) ነቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ምዕባሌታት ኢዩ ነቶም ኣብቲ ናይ የሱስ ምስላ ዘለዉ ኣባጊዕ ንምልላይ ዝሓገዞም? (ለ) እቶም ኣባጊዕ ነቲ ናይታ መንግስቲ ሞሳኦም ብኸመይ ኢዩ መረጋገጺ እተዋህቦም?
15 ኣብታ ናይ 1923 ዝርርብ: ነቶም ነቲ ናይ ጐይታ መግለጺ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ዚበቕዑ ንምልላይ ሓደ ጻዕሪ ተገይሩ ነይሩ: ይኹን እምበር: ቅድሚ እቲ ምሉእ ትርጉም ናይቲ ምሳልያዊ ዛንታ ምብርሁ ምርዳእ ዘድልዮም ካልኦት ነገራት ነበሩ። የሆዋ ነዚ ኣገዳሲ ዝርዝራት እናኣማዕበለ ኣብ ኣቓልቦ ናይቶም ኣገልገልቱ ቀረጾ። እዚ ኣብ 1927: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ:” እቲ ጠቕላላ ኣካል ናይቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ክርስትያናት ከም ዚኾነ እተበጽሐ ብሩህ ምርዳእ ዘጠቓልል ነበረ፣ ካልእ ዚምስገን ከኣ: ብ1932: ሓደ ሰብ ከይፈርሀ ከምቲ ዮናዳብ ምስ የሁ ዝገበሮ ምስቶም ናይ የሆዋ ቅቡኣት ኣገልገልቲ ከም ዝኾነ ክልለ ተደልዩ ነበረ። (ማቴዎስ 24:45 ትሓዓ ፣ 2 ነገስት 10:15) ኣብቲ ግዜ እቲ: ብመሰረት ራእይ 22:17: እዞም በጊዕ መሰል ዝኾኑ ሰባት ብፍላይ ነቲ መልእኽቲ ናይ መንግስቲ ንኻልኦት ኸካፍልዎ ተተባቢዖም ኢዮም። እቲ ነታ መሲሓዊት መንግስቲ ዘለዎም ሞሳ: ነቶም ናይ ጐይታ ቅቡኣት ሰብኣዊ ሕያውነት ንምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ: ኣብቲ እቶም ቅቡኣት ዝገብርዎ ዘለዉ ዕዮ ብቕንኢ ብምክፋል ምሳታቶም ጠቢቖም ምእንቲ ክሓብሩ ብክርስቶስ ኣቢሎም ህይወቶም ንየሆዋ ክውፍዩውን ይድርኾም ኢዩ። ከምኡዶ ትገብር ኣሎኻ? ነቶም ዝገብሩ እቲ ንጉስ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት: ንዑ: እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ” ኪብሎም ኢዩ።—ማቴዎስ 25:34, 46
እቶም “ዓቢ ጭፍራ” —ናበይ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ?
16. (ሀ) እቶም ናይ ቅድም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ራእይ 7:9 ዘለዉ ብዙሓት ሰብ ወይ ዓቢ ጭፍራ ዝምልከት እንታይ ግጉይ ምርዳእ ኢዩ ነይርዎም? (ለ) መዓስን ብምንታይ መሰረትንከ ኢዩ ኣረኣእያኦም እተኣረመ?
16 ንገለ እዋን ናይ የሆዋ ኣገልገልቲ እቶም ብዙሓት ሰባት (ወይ ዓቢ ጭፍራ) ናይ ራእይ 7:9, 10 ካብቶም ኣብ ዮሃንስ 10:16 ዘለዉ ካልኦት ኣባጊዕ ከምኡውን ኣብ ማቴዎስ 25:33 ዘለዉ ኣባጊዕ እተፈልዩ ምዃኖም ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም። ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን . . . ደው ኢሎም” ኣለዉ: ስለ ዝብል ኣብ ዝፋናት ከም መጋዝእቲ ክርስቶስ ኪኾኑ ዘይኮነስ: ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ኣብ ሰማይ ከም ዝኾኑ ኢዩ ዝሕሰብ ዝነበረ። ንሳቶም ከም ሒደት ተኣማንነት ዘለዎም ክርስትያናት: መንፈስ ናይ ሓቀኛ ርእሰ–መስዋእቲ ዘየርኣዩ ኢዮም ዝሕሰቡ ነይሮም። ብ1935: እቲ ኣረኣእያ እቲ ተኣረመ።b ብብርሃን ናይ ማቴዎስ 25:31, 32 ገይርካ እተገብረ ምርመራ ናይ ራእይ 7:9 ኣብዛ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ኣብ “ቅድሚ እቲ ዝፋን” ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ኣብርሀ። ብተወሳኺ ኸኣ ኣምላኽ ክልተ ዝዓይነቱ ናይ ተኣማንነት መዐቀኒ ከም ዘይብሉ ተሓበረ። ኵሎም እቶም ስምረቱ ዝህልዎም ንጽህንኦም ኣጽኒዖም ክሕዙ ኣለዎም።—ማቴዎስ 22:37, 38፣ ሉቃስ 16:10
17, 18. (ሀ) ካብ 1935 ንነጀው: ቍጽሪ ናይቶም ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ክነብሩ ዝጽበዩ ዓቢ ወሰኽ ዘርኣየሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ? (ለ) ኣብ እንታይ ምስ ህይወት እተኣሳሰረ ዕዮ ኢዮም እቶም ዓቢ ጭፍራ ብቕንኢ ዝካፈሉ ዘለዉ?
17 ንብዙሕ ዓመታት ህዝቢ የሆዋ ብዛዕባ ንምድሪ ዝምልከት መብጽዓታት ኣምላኽ ተዛሪቦም ኢዮም። ብምኽንያት እቲ ኣብቲ ሽዑ ብ1920ታት ክፍጸም ዝጽበይዎ ዝነበሩ: “ሕጂ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣይኪሞቱን ኢዮም” ኢሎም ሰቢኾም ኢዮም። ይኹን እምበር: ነቲ ናይ ኣምላኽ ምድላዋት እተቐበሉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣይነበሩን። መብዛሕትኦም እቶም ንሓቂ እተቐበሉ: መንፈስ ቅዱስ እቲ ተስፋ ናይ ሰማያዊ ህይወት ከም ዝረኽቡ ኢዩ ገይሩዎም። ዝኾነ ኾይኑ: ብፍላይ ድሕሪ 1935: ሓደ ንጹር ለውጢ ተገብረ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ምድሪ ዕሽሽ ኢልዎ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ንዓሰርተታት ዓመታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ተዛሪቦም ነይሮም ኢዮም ከምኡውን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺታት ዝበቕዑ ሰባት ይደልዮ ነይሮም። እንተኾነ ግን: ኣብቲ ናይ የሆዋ ምዱብ ግዜ እዚኣቶም [ተስፋ እተገብረሎም ኣባላት ናይቲ ዓቢ ጭፍራ] ባዕላቶም ተጋህዱ።
18 እቲ ክርከብ እተኻእለ ጸብጻብ ንብዙሕ ዓመታት እቶም ተኣከብቲ ዝኽሪ ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ይካፈሉ ከም ዝነበሩ ኣርእዩ ኢዩ። ይኹን ደኣምበር: ድሕሪ 1935: ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት: እቲ ኣብ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዝነበረ ቑጽሪ ተኣከብቲ ካብቲ ቁጽሪ ናይቶም ዝካፈሉ ዝነበሩ ብሚእቲ ግዜ ተወንጨፈ። እዞም ካልኦት መን ኢዮም ነይሮም? እቶም ተስፋ እተገብረሎም ኣባላት ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ኢዮም። ንምእካቦም ከምኡውን እቲ ዓቢ ጸበባ ከይመጸ ከሎ ንምድላዎም ናይ የሆዋ ግዜ ብግሁድ በጽሐ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተባህለ: “ካብ ኲሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ [ቋ]ን[ቋ]ታትን” ዝመጹ ኢዮም። (ራእይ 7:9) ንሳቶም ኣብቲ የሱስ ኣቐዲሙ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ንምስክር ኲሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ ኢዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ኢሉ እተዛረበሉ ዕዮ ብቕንኢ ይካፈሉ ኣለዉ።—ማቴዎስ 24:14
[እግረ-ጽሑፋት]
a ንሓደ ምሉእን ዘመናውን ምይይጥ ናይተን ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 10 ተጠቒሰን ዘለዋ መጓሰ ኣባጊዕ: ግምቢ ዘብዐኛ: ናይ 15 ለካቲት 1984 [እንግሊዝኛ] ገጽ 10–20, 31 ርአ።
b ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 ከምኡውን 15 ነሓሰ 1935 [እንግሊዝኛ]።
እንታይ ሓሳብ ምሃብካ?
◻ እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 ዘሎ ራእይ ብፍላይ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?
◻ እቶም ኣብ ዮሃንስ 10:16 ዘለዉ ካልኦት ኣባጊዕ ኣብ ናይ ክርስትያን ኣህዛብ ጥራይ እተደረቱ ዘይኮኑስ ስለምንታይ ኢዩ?
◻ እቶም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺ ናይ ካልኦት ኣባጊዕ ዝበቕዑ ብዛዕባኦም ሓቂ ክኸውን ዘለዎስ እንታይ ኢዩ?
◻ እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን: ንስልጣን መንግስቲ ምኽባር ዘጉልሕ ብኸመይ ኢዩ?
◻ ነቶም ኣብ ራእይ 7:9 ዘለዉ ዓቢ ጭፍራ ንምእካብ ናይ የሆዋ ግዜ መዓስ ከም ዝመጸ ዘርኢ እንታይ ኢዩ?