ኣብታ እተመልሰት “ሃገር” ብሓደ ዝነብሩ ተቐማጦ
‘ንስኻትኩም ግና ካህናት [የሆዋ ትሓዓ ] ክትስመዩ ኢኹም: ኣገልገልቲ ኣምላኽና ክትባሃሉ ኢኹም።’—ኢሳይያስ 61:6
1, 2. (ሀ) ኵነታት ናይቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ጵሮሴሊት ከመይ ኢዩ ነይሩ? (ለ) ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ እቶም ኣባላት ናይ “ዓቢ ጭፍራ” ከመይ ዝበለ መንፈስ ኢዮም ዘርእዩ ዘለዉ?
ኣብ ግዜ ጥንቲ: እስራኤል እምንቲ ክትከውን ከላ: ኣብ መድረኽ ዓለም ንኽብሪ የሆዋ ከም ምስክር ኰይና ተገልግል ነበረት። (ኢሳይያስ 41:8, 9፣ 43:10) ብዙሓት መጻእተኛታት ምላሽ ሂቦም ኢዮም: ምስቶም ሕሩያት ህዝቡ ብምሕባር ኸኣ ንየሆዋ ከምልኽዎ መጺኦም ኢዮም። ብሓቂ ኸኣ ከምቲ ሩት ንናእሚ “ህዝብኺ ህዝበይ: ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ” ዝበለታ ኢዮም ኢሎምዎም። (ሩት 1:16) እቶም ሰብኡት ከኣ ብምግዛር ነቲ ውዕል ናይ ሕጊ ኪዳን ተኣዚዞምዎ ኢዮም። (ዘጸኣት 12:43-48) ገለ ካብተን ኣንስቲ ድማ እስራኤላውያን ተመርዕየን ኢየን። እታ ካብ ያሪኮ ዝነበረት ረሃብን ሩት እታ ሞኣባዊትን ድማ ንየሱስ ክርስቶስ እናሓጎታቱ ኰና። (ማቴዎስ 1:5) ከምዚኦም ዝበሉ ጵሮሴሊት ክፍሊ ማሕበር እስራኤል ኢዮም ነይሮም።—ዘዳግም 23:7, 8
2 ሎሚውን እቶም “ዓቢ ጭፍራ:” ምስቲ ናይቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ጵሮሴሊት ብዝመሳሰል: ነቶም ቅቡኣት ተረፍ “[የሆዋ ትሓዓ ] ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ይብልዎም ኣለዉ። (ራእይ 7:9 ትሓዓ፣ ዘካርያስ 8:23) እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ናይ የሆዋ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ምዃኖም ይፈልጡ: ከምኡውን ምስኦም ጠቢቆም ስለ ዝዓዩ እቶም ቅቡኣትን እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ”ን “ሓደ መጓሰ . . . ጓሳኤንውን ሓደ” ኢዮም። (ማቴዎስ 24:45-47 ትሓዓ፣ ዮሃንስ 10:16) ኵሎም እቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ሰማያዊ ዓስቦም ምስ ተቐበሉ: እቶም ዓቢ ጭፍራ እንታይ ከጋጥሞም ኢዩ? ክፈርሑ ኣይድልዮምን ኢዩ። ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” የሆዋ ንዕኡ ዝኸውን ምድላዋት ይገብር ኢዩ ዘሎ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1
መንፈሳዊት “ሃገር”
3. እቲ ጴጥሮስ ብትንቢት ተዛሪብሉ ዝነበረ “ሓድሽ ሰማያት” እንታይ ኢዩ: መዓሰከ ኢዩ ዝቘመ?
3 እቶም 144, 000 ቅቡኣት ክርስትያናት ዝሳተፉሉ ሰማያዊ ናይ ምምሕዳር ስርዓት: ብሃዋርያ ጴጥሮስ ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። ንሱ ከምዚ በለ:- “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።” (2 ጴጥሮስ 3:13) እዚ “ሓድሽ ሰማያት” ክርስቶስ ከም ንጉስ ኰይኑ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ክነግስ ከሎ ብ1914 ኢዩ ቈይሙ። ይኹን እምበር ብዛዕባ እቲ “ሓድሽ ምድሪ”ኸ?
4. (ሀ) ብ1919 እንታይ ትጽቢት ዘይተገብሮ ፍጻሜ ኢዩ እተራእየ? (ለ) እቲ ‘ብሓደ ግዜ እተወልደ ህዝቢ’ እንታይ ኢዩ ነይሩ: እታ ‘ብቕልውላው እተታሕዘት ሃገርከ’ እንታይ ኢያ?
4 ብ1919 የሆዋ ነቶም ቅቡኣት ተረፍ ካብ ባርነት ናይ ዓበይ ባቢሎን ኣውጸኦም። (ራእይ 18:4) ንመራሕቲ ናይ ህዝበ ክርስትያን: እዚ ሃንደበታዊ ፍጻሜ ጨሪሶም ዘይተጸበይዎ ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባኡ: መጽሓፍ ቅዱስ “ከምዚ ዘመሰለ መን ሰምዔ[?] ከምዚ ዝበለኸ መን ረአየ[?] ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ጽዒራ ትወልድ እያ[?] ህዝቢዶኸ ብሓንቲ ጊዜ ይውለድ ኢዩ[?]” ይብል። (ኢሳይያስ 66:8) እቶም ቅቡኣት ከም ሓራ ዝወጹ ሰባት ኰይኖም ብሃንደበት ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ምስ ተቐልቀሉ: ብሓቂ ‘ብሓደ ጊዜ እተወልዱ’ ህዝቢ ኢዮም ነይሮም። እታ “ሃገር” ተባሂላ ዘላኸ ደኣ እንታይ ኢያ? እዚኣ ምስታ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ሃገር መንፈሳዊ ማዕርነት ዘለዋ ኢያ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ዘሎ ብዛዕባ ገነት ዝምልከት ትንቢታት: ዘመናዊ መንፈሳዊ ፍጻሜ ዝረኽበሉ ዘሎ ነቲ ሓድሽ “ህዝቢ” ክንቀሳቐሰሉ እተዋህቦ ቦታ ኢዩ። (ኢሳይያስ 32:16-20፣ 35:1-7፣ ምስ እብራውያን 12:12-14 ኣነጻጽሮ።) ሓደ ክርስትያን ብኣካል ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ኣብታ “ሃገር” ኢዩ ዘሎ።
5. ከመይ ዝበለ ሕምብርቲ ኢዩ ብ1919 ኣብ ህላዌ ዝመጸ? ግለጽ።
5 እዚ ምስቲ ጴጥሮስ ብዛዕባ “ሓድሽ ምድሪ” እተነበዮ ትንቢት እንታይ ርክብ ኢዩ ዘለዎ? እወ: እቲ ብ1919 ኣብታ እተሓደሰት “ሃገር” እተወልደ ሓድሽ “ህዝቢ” ናብ ሓደ በቶም ቅቡኣትን ዘይቅቡኣትን ኣመስገንቲ የሆዋ ክቐውም ዘለዎ ዓለምለኻዊ ማሕበር ክዓቢ ነይርዎ ኢዩ። እዛ ማሕበር እዚኣ ካብ ኣርማጌዶን ድሒና ናብቲ ሓድሽ ኣገባብ ክትኣቱ ኢያ። በዚ ድማ እቲ ህዝቢ ከም ሕምብርቲ ናይቲ ድሕሪ ጥፍኣት ናይ ሰይጣን ዓለም ክህሉ ዘለዎ ጻድቕ ማሕበረሰብ: ሓድሽ ምድሪ: ገይርካ ክረአ ይከኣል ኢዩ።a ኣብ መፋርቕ ናይ 1930ታት: እቶም ቅቡኣት: ብጉጅለ ደረጃ: ኣብታ እተመልሰት ሃገር ተኣኪቦም ኢዮም። ካብኡ ንደሓር: ነዞም ሎሚ ዳርጋ ሓሙሽተ ሚልዮን በጺሖም ዘለዉ ዓቢ ጭፍራ ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ ንምእካብ ዝያዳ ኣትኩሮ ተገብረሉ። (ራእይ 14:15, 16) እታ “ሃገር”ከ ካብ ዓቕማ ንላዕሊዶ ሒዛ ኢያ? ኣይፋላን: እቲ ዶባታ ክሳዕ እቲ ዝድለ ክገፍሕ ይኽእል ኢዩ። (ኢሳይያስ 26:15) እቶም ቅቡኣት ተረፍ ነታ “ሃገር” “ብፍረ”—ጥዑይን ዘበራትዕን መንፈሳዊ መግቢ—ክመልእዋ ከለዉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ክዓቢ ክትርእዮስ ብሓቂ ዘሐጒስ ኢዩ። (ኢሳይያስ 27:6) እንተዀነ ግና: ኣብዛ እተመልሰት ናይ ህዝቢ ኣምላኽ “ሃገር” ቦታ ናይዞም ካልኦት ኣባጊዕ እንታይ ኢዩ?
ኣብታ “ሃገር” ንጡፋት ዝዀኑ መጻእተኛታት
6. መጻእተኛታት ኣብታ “ሃገር” ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ንጡፋት ዝነበሩ ከመይ ኢሎም ኢዮም?
6 ከምቲ እቶም ኣብ ሃገር እስራኤል ዝነበሩ ጵሮሴሊት ሕጊ ሙሴ እተኣዘዙ ሎሚ እውን እቶም ኣብታ እተመልሰት “ሃገር” ዘለዉ ዓቢ ጭፍራ ሕግታት የሆዋ ይእዘዙ ኢዮም። በቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ስለ እተማህሩ ድማ ካብ ዝዀነ ይኹን ናይ ሓሶት ኣምልኾ ይሕለዉ: ቅድስና ናይ ደም ከኣ የኽብሩ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:19, 20፣ ገላትያ 5:19, 20፣ ቈሎሴ 3:5) ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም: ሓሳቦም: ነፍሶም: ከምኡውን ሓይሎም የፍቅርዎ: ንብጻዮም ድማ ከም ነፍሶም የፍቅርዎ ኢዮም። (ማቴዎስ 22:37፣ ያእቆብ 2:8) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ጵሮሴሊት ነታ ናይ ሰሎሞን ቤተ-መቕደስ ኣብ ምህናጽ ሓጊዞም: ኣብ ምምላስ ሓቀኛ ኣምልኾ ኸኣ ደጊፎም ኢዮም። (1 ዜና መዋእል 22:2፣ 2 ዜና መዋእል 15:8-14፣ 30:25) ሎሚ እውን እቶም ዓቢ ጭፍራ ኣብ ናይ ህንጻ ፕሮጀክትታት ይሳተፉ ኢዮም። ንኣብነት: እቲ ኣካላዊ ናይ ህንጻ ፕሮጀክትታት ከም መንግስቲ ኣደራሽ: ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ: ናይ ጨንፈር መሳለጥያታት ከይጠቐስካ: ኣብ ምህናጽ ጉባኤታትን ወረዳታትን ይካፈሉ ኢዮም።
7. ኣብቲ የሩሳሌም ካብ ምርኮ ምስ ተመልሰት ዝነበረ ግዜ: ነቲ ዕዮ ቤት መቕደስ ዘካይዱ ሌዋውያን ምስ ወሓዱ እንታይ ኢዩ እተፈጸመ?
7 እስራኤላውያን ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ: ኣብታ እንደገና እተሃንጸት ቤተ መቕደስ ናይ ኣምልኾ ኣገልግሎት ጀመሩ። ይኹን እምበር: እቶም እተመልሱ ሌዋውያን ብቝጽሪ ኣዝዮም ብዙሓት ኣይነበሩን። ስለዚ እቶም ነትኒም—እተገዝሩ ኣጋይሽ ተቐመጥቲ: ኣቐድም ኣቢሎም ድማ ንሌዋውያን ዝሕግዙ ዝነበሩ—ኣብቲ ናይ ቤተ-መቕደስ ኣገልግሎት ዝያዳ መሰላት ተዋህቦም። እንተዀነ ግና ማዕረ እቶም ካብ ኣሮን ዝነበሩ ካህናት ኣይኰኑን ነይሮም።b—እዝራ 7:24፣ 8:15-20፣ ነህምያ 3:22-26
8, 9. ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እቶም ዓቢ ጭፍራ: ከመይ ኢሎም ኢዮም ኣብቲ ቅዱስ ኣገልግሎት ናይ ምቕራብ ዕዮ: እናወሰኸ ዝኸይድ ተሳትፎ ዘርኣዩ?
8 ሎሚ እውን እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ነዚ ኣብነት እዚ ኢዮም ዝኽተሉ። እቲ “ዘመን መወዳእታ” እናቐረበ ክኸይድ ከሎ: ኣብታ “ሃገር” ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዉ ተረፍ ናይቶም ቅቡኣት ድማ እናወሓዱ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ። (ዳንኤል 12:9፣ ራእይ 12:17) በዚ ምኽንያት እዚ: ዝበዝሕ እቲ “ቅዱስ ኣገልግሎት” ናይ ምቕራብ ዕዮ እቶም ዓቢ ጭፍራ ኢዮም ዝፍጽምዎ ዘለዉ። (ራእይ 7:15) መሪሕነት ናይቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ብምስዓብ “ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር” የቕርብሉ ኣለዉ። ‘ኣምላኽ ነዚ ከምዚ ዝበለ መስዋእቲ ከም ዝሰምሮ’ ስለ ዝፈለጡ ‘ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይርስዕዎን’ ኢዮም።—እብራውያን 13:15, 16
9 ብተወሳኺ ድማ: ምስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣማእት ኣሽሓት ዝውስኽ ዘሎ ዓቢ ጭፍራ ዝኸይድ ናይ ምዕዛብ ሓላፍነት ዘድልዮ ነገራት እውን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ይዓቢ ኢዩ ዘሎ። ቐደም: እዚ በቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ጥራይ ኢዩ ዝግበር ነይሩ። ሎሚ ምዕዛብ ናይ ዝበዝሓ ጉባኤታት: ከምኡውን ወረዳታትን ኣውራጃታትን ቅርንጫፋትን ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኢዩ ብሕድሪ ተዋሂቡ ዘሎ። ብ1992 ሒደት ካብዚኣቶም ኣብቲ ናይ ኣማሓዳሪ ኣካል ኮሚቴታት ኣኼባ ክሳተፉ ከምኡውን ኣብቲ ናይ መጨረሻ ውሳኔ ዘይካፈሉ ደገፍቲ ኰይኖም ንኸገልግሉ መሰል ተዋሂቡዎም ኢዩ። ገና ግን: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ነቶም መገላግልቶም ዝዀኑ ቅቡኣት ክርስትያናት እሙናት ኢዮም: ከም ናይ የሆዋ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መጠን ድማ ክድግፍዎም መሰል ከም ዝረኸቡ ኢዩ ዝስምዖም።
“ከም ሓለቓ”
10, 11. ናይ ገለ ፍልስጥኤማውያን ኣብነት ብምኽታል: ቅድም ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ ከመይ ኢሎም ኢዮም ኣካይዳኦም ዝለወጡ? ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ?
10 እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ብኸመይ ከም ዝጥቀመሎም ኣብ ዘካርያስ 9:6, 7 ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ድማ ይንበብ:- “ንትዕቢት ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦ እየ። ደሙ ኸኣ ካብ ኣፉ: ጽያፍ ድማ ካብ መንጎ ኣስናኑ ኸውጽኣሉ እየ: ንሱውን ንኣምላኽና ተረፍ ኪዀኖ: ኣብ ይሁዳ ኸኣ ከም ሓለቓ ኪኸውን እዩ: ዔቅሮን ድማ ከም ይቡሳዊ።”c ልክዕ ከምዚ ሎሚ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘላቶ: ፍልስጥኤማውያን እውን ዝወጻሎም ጸላእቲ ህዝቢ የሆዋ ኢዮም ነይሮም። (1 ዮሃንስ 5:19) ልክዕ ከምቲ ፍልስጥኤማውያን ከም ህዝቢ መጠን ዝጸነቱ: እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ምስቲ ሒዛቶ ዘላ ሃይማኖታዊ: ፖለቲካዊ: ከምኡውን ንግዳዊ ነገራታ ብቕልጡፍ እቲ ኣዕናዊ ቁጠዓ የሆዋ ክትርኢ ኢያ።—ራእይ 18:21፣ 19:19-21
11 ይኹን እምበር: ብመሰረት ናይ ዘካርያስ ቃላት ገለ ፍልስጥኤማውያን ኣካይዳኦም ዝለወጡ ነይሮም ኢዮም: እዚ ድማ ገለ ኣብ ዓለም ተዋሒጦም ዘለዉ ሰባት ጸላእቲ ኣምላኽ ኰይኖም ከም ዘይተርፉ ዘመልክት ኢዩ። ነቲ ሃይማኖታዊ ጣኦት ምስቲ ፉንፉን ወግዕታቱን ዘስገድግድ መስዋእትታቱን ገዲፎም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክጸርዩ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብዚ ግዜና ከምዚኣቶም ዝበሉ እተለወጡ “ፍልስጥኤማውያን ” ኣብቲ ዓቢ ጭፍራ ኢዮም ዝርከቡ።
12. ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ: ከመይ ኢላ ኢያ ‘ዔቅሮን ከም ይቡሳዊ’ ዝዀነት?
12 ብመሰረት እቲ ትንቢት: እታ ዋና ከተማ ናይ ፍልስጥኤም ዔቅሮን “ከም ይቡሳዊ” ክትከውን ኢያ። ይቡሳውያን እውን ሓደ ግዜ ጸላእቲ እስራኤል ኢዮም ነይሮም። ዳዊት ክሳዕ ዝመልሳ ድማ የሩሳሌም ኣብ ትሕቲኦም ኢያ ነይራ። እንተዀነ ግና ገለ ካብቶም ካብቲ ምስ እስራኤል እተገብረ ውግኣት ዝደሓኑ ብርግጽ ጵሮሴሊት ኰይኖም ኢዮም። ኣብ ሃገር እስራኤል ከኣ ከም ባሮት ኰይኖም ኣገልጊሎም ኢዮም: ኣብ ምህናጽ ቤተ መቕደስውን ከይተረፈ ክካፈሉ መሰል ረኺቦም ኢዮም። (2 ሳሙኤል 5:4-9፣ 2 ዜና መዋእል 8:1-18) ሎሚ እውን ንየሆዋ ንምምላኽ እተለወጡ “ዔቕሮናውያን” ኣብታ “ሃገር” ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቲ ናይቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኰይኖም ናይ ኣገልግሎት መሰላት ኣለዎም።
13. ኣብታ ጥንታዊት ዓለም ሓላቑ እንታይ ኢዮም ነይሮም?
13 ዘካርያስ: ፍልስጥኤማውያን ኣብ ይሁዳ ከም ሓላቑ ክዀኑ ኢዮም ይብል። እታ ʼኣል·ሉፍʹ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል “ሸኽ” ክትርጐም ከላ “ሓለቓ ሽሕ” (ወይ ሊቀ–ሽሕ) ማለት ኢያ። ዓቢ ሓላፍነት ኢዩ ነይሩ። እቶም ቀዳሞት ህዝቢ ኤዶም 13 ሸኻት ጥራይ ኢዮም ነይሮምዎም። (ዘፍጥረት 36:15-19) እታ “ሸኽ” እትብል ቃል ንእስራኤላውያን ኣብ ዝምልከት ብዙሕ ግዜ ኣይትጥቀስን ኢያ: ኣብ ክንድኡ “ሓለቓ (ወይ ዋና) ሽሕ” ዝብል መግለጺ ኢዩ ብተደጋጋሚ ዝርአ። ሙሴ ነቶም ወከልቲ ህዝቢ እስራኤል ክእክቦም ከሎ “ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል” ኢሉ ኢዩ ዝጸውዖም።d ብርግጽ: ኣብ ትሕቲ ሙሴ ጥራይ 12 ከምዚኣቶም ነይሮም ኢዮም። (ዘሁሉቍ 1:4-16) ብተመሳሳሊውን: ኣብቲ ናይ ሰራዊት ምምሕዳር: እቲ ሓለቓ ሽሕ ደድሕሪ እቲ ጀነራል ወይ ንጉስ ኢዩ ነይሩ።—2 ሳሙኤል 18:1, 2፣ 2 ዜና መዋእል 25:5
14. ሎሚ ከመይ ኢሉ ኢዩ “ፍልስጥኤማዊ” ከም ሸኽ ዝኸውን?
14 ዘካርያስ እቲ እተናስሐ ፍልስጥኤማዊ ኣብ እስራኤል ሸኽ ክኸውን ኢዩ ኢሉ ኣይተነበየን። ብትውልዲ እስራኤላዊ ስለ ዘይኰነ: ከምኡ ምግባር ግቡእ ኣይኰነን ነይሩ። ምስ ናይ ሸኽ ዝመሳሰል ናይ ስልጣን ቦታ ብምሓዝ ግና ልክዕ ከም ሸኽ ክኸውን ነይርዎ። ከምኡ ምዃኑ ኸኣ ተረጋጊጹ ኢዩ። እቶም ተረፍ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብቊጽሪ ኣናወሓዱ ብምኻዶም: እቶም ብህይወት ዘለዉ ድማ ብዕድመ ዝደፍኡ ብምዃኖም: እቶም ጽቡቕ ልምምድ ዝወሰዱ ካልኦት ኣባጊዕ ኣብቲ ተደለይቲ ዝዀኑሉ ይሕግዙ ኣለዉ። ነዞም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ብሓይሊ ክትክእዎም ኣይደልዩን ኢዮም። እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ግና: እታ ማሕበር ኣምላኽ ብእተማሓደረ ኣገባብ ንቕድሚት ምእንቲ ክትቕጽል ከከም ኣድላይነቱ ኣብታ “ሃገር” ስልጣን ይህቦም። እዚ ከምዚ ዝበለ ቀጻሊ ምዕባለ ኸኣ ኣብ ካልእ ትንቢትውን ተራእዩ ኣሎ።
ካህናትን ሓረስቶትን
15. (ሀ) ኣብቲ ፍጻሜ ናይ ኢሳይያስ 61:5, 6 “ካህናት [የሆዋ ትሓዓ]” መን ኢዮም: በዚ ሓላፍነት እዚኸ ምሉእ ብምሉእ ዘገልግሉ መዓስ ኢዮም? (ለ) እቶም ናይ እስራኤል ሕራሻዊ ስርሓት ዝገብሩ ዝነበሩ “ጓኖት” መን ኢዮም: ብመንፈሳዊ መገዲኸ እዚ ዕዮ እዚ እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል?
15 ኢሳይያስ 61:5, 6 ከምዚ ይንበብ:- “ጓኖት ደው ኢሎም ንመጓሴታትኩም ኪጓስዩ: መጻእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኪዀኑ እዮም። ንስኻትኩም ግና ካህናት [የሆዋ ትሓዓ ] ክትስመዩ ኢኹም: ሰብ ከኣ ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኪብለኩም እዩ: ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ ብኽብሮም ድማ ክትከብሩ ኢኹም።” ሎሚ “ካህናት የሆዋ” እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኢዮም። ናይ መወዳእታን ምሉእ ትርጕም ብዘለዎን ድማ ከም “ካህናት የሆዋን . . . ኣገልገልቲ ኣምላኽናን” ኰይኖም ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ከገልግሉ ኢዮም። (ራእይ 4:9-11) እቶም ኣብ ሕርሻዊ ስራሓት ሓላፍነት ዘለዎም “ጓኖት” መን ኢዮም? እዚኣቶም ኣብታ ናይ ኣምላኽ እስራኤል “ሃገር” ዝነብሩ ካልኦት ኣባጊዕ ኢዮም። እቲ ንዓታቶም ተዋሂቡ ዘሎ ናይ ምጕሳይን ምሕራስን ኣታኽልቲ ወይኒ ምንባይን ሓላፍነት እንታይ ኢዩ? እቲ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ትርጒሙ: እዚ ንሰባት ናይ ምሕጋዝን ምዕንጋልን ከምኡውን ናይ ምእካብን ዕዮ ኢዩ።—ኢሳይያስ 5:7፣ ማቴዎስ 9:37, 38፣ 1 ቈረንቶስ 3:9፣ 1 ጴጥሮስ 5:2
16. ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብታ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ “ሃገር” ዘሎ ዕዮ መን ኢዩ ክኣልዮ?
16 ኣብዚ ግዜ እዚ: እቶም ኣብቲ መንፈሳዊ ምጕሳይን ምሕራስን ኣታኽልቲ ወይኒ ምንባይን ዝካፈሉ ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ መንፈሳውያን እስራኤላውያን ብቊጽሪ ሒደት ኢዮም። እታ ቅብእቲ ማሕበር ምሉእ ብምሉእ ምስ ክርስቶስ ምስ ሓበረት ድማ ኵሉ እዚ ዕዮ እዚ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ክግደፍ ኢዩ። እቲ ሰብኣዊ ምዕዛብ ናይታ “ሃገር” እውን ከይተረፈ ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብ መጽሓፍ ትንቢት ህዝቅኤል መሳፍንቲ ተባሂሎም ተገሊጾም ዘለዉ ብቕዓት ዘለዎም ካልኦት ኣባጊዕ ክኸውን ኢዩ።—ህዝቅኤል: ምዕራፍ 45, 46e
እታ “ሃገር” ትጽመም
17. ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት የሆዋ ከመይ ዝበለ ምድላዋት ኢዩ ዝገብር ዘሎ?
17 እወ: እቶም ዓቢ ጭፍራ ክፈርሁ ኣየድልዮምን ኢዩ! የሆዋ ንዕኦም ዝኸውን እኹል ምድላዋት ይገብር ኢዩ ዘሎ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ምድሪ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዕባለ ኰይኑ ዝጸንሐ ምእካብን ምሕታምን ናይቶም ቅቡኣት ኢዩ። (ራእይ 7:3) ይኹን እምበር: የሆዋ እዚ ከም እተገብረ ምስ ረኣየ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ምስኦም ምእንቲ ክሓብሩ ናብታ እተመልሰት መንፈሳዊት ሃገር ኣምጺእዎም ኢዩ። ኣብኡ ድማ ብመንፈስ ተመጊቦምን ብክርስትያናዊ ናብራ ድማ ተለማሚዶምን ኢዮም። ብተወሳኺ ኸኣ: ቅዱስ ኣገልገሎት ኣብ ምቕራብ: ኣብ ምዕዛብ እውን ከይተረፈ: ጽቡቕ መሰረት ሒዞም ኢዮም። በዚ ኸኣ ንየሆዋን ነቶም ቅቡኣት ብጾቶምን ዓሚቚ ምስጋና ኢዮም ዘቕርቡ።
18. ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዮም እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብታ “ሃገር” ናይ መንፈሳውያን እስራኤል እሙናት ኰይኖም ዝጸንሑ?
18 ጎግ ናይ ማጎግ: ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ናይ መጨረሽታ መጥቃዕቱ ክጅምር ከሎ: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ምስቶም ቅቡኣት ተረፍ ኰይኖም ኣብታ “ዘይተዐርደት ከተማ” ጸኒዖም ደው ክብሉ ኢዮም። እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ግና ኣብታ “ሃገር” ክጸንሑ ኢዮም: ካብቲ ጥፍኣት ናይ ህዝብታት ድሒኖም ከኣ ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ይኣትዉ። (ህዝቅኤል 38:11፣ 39:12, 13፣ ዳንኤል 12:1 ራእይ 7:9, 14) እሙናት ኰይኖም ብምቕጻል: ነዚ ከምዚ ዝበለ ዘሐጕስ ስፍራኦም ክሓድጉ የብሎምን።—ኢሳይያስ 11:9
19, 20. (ሀ) ኣብታ ሓዳስ ዓለም: እቶም ተቐማጦ ናይታ “ሃገር” ከመይ ዝበለ ዝበለጸ ምዕዛብ ኢዮም ከስተማቕሩ? (ለ) ነየናይ ኢና ብዓቢ ህንጥዮት እንጥምት?
19 እታ ጥንታዊት እስራኤል ብሰብኣውያን ነገስታት ትምራሕ ነበረት: ሌዋውያን ካህናት ድማ ነይሮምዋ ኢዮም። ክርስትያናት ኣብቲ ሓድሽ ኣገባብ ዝዓበየ ናይ ምዕዛብ ኵነታት ክህልዎም ኢዩ። ኣብ ትሕቲ የሆዋ ኣምላኽ ኰይኖም: ነቲ ዝዓበየ ሊቀ ካህንን ንጉስን: የሱስ ክርስቶስ: ከምኡውን ነቶም ተሓባበርቱ ዝዀኑ 144,000 ካህናትን ነገስታትን—ገለ ካብኣቶም ኣቐድም ኣቢሎም ኣብ ምድሪ ከም ክርስትያናት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዝፈልጥዎም ዝነበሩ—ተገዛእቲ ክዀኑ ኢዮም። (ራእይ 21:1) እዞም እሙናት ተቐማጦ ናይዛ መንፈሳዊት ሃገር: በቲ ካብታ ሓዳስ የሩሳሌም ዝመጽእ ናይ ምሕዋይ በረኸታት እናተሓጐሱ ኣብታ ቃል ብቓሉ ናብ ገነት እትልወጥ ምድሪ ክነብሩ ኢዮም።—ኢሳይያስ 32:1፣ ራእይ 21:2፣ 22:1, 2
20 ሰማያዊት ሰረገላ የሆዋ ዕላማታቱ ክትፍጽም ደው ከይበለት ንቕድሚት ክትቅጽል ከላ: ኵልና ነቲ እተመዘዝናሉ ግደ ንምፍጻም ብዓሚቝ ህንጥዮት ንቕድሚት ንጠምት። (ህዝቅኤል 1:1-28) እዞም ዕላማታት እዚኣቶም ኣብ መወዳእታ ምስ ተፈጸሙ: እቲ ዕዉት ምቕዳስ የሆዋ ብኸመይ ዝበለ ሓጐስ ክኽበር ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ሽዑ እቲ ኣብ ራእይ 5:13 ዘሎ “በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን” ዝብል ብርቱዕ መዝሙር ብዅሎም ፍጡራት ክዝመር ኢዩ! ቦታና ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ ብዘየገድስ: ድምጽና ምስቲ ዘደንቕ ሓባራዊ መዝሙር ናይቶም ኣመስገንቲ ክህሉስ ብምህንጣይዶ ኣይንጽበዮን?
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ ብ1953 እተሓትመት “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ” እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 322-3 ምዕራፍ 16 ርአ።
b ምሉእ ሓሳባት ንምርካብ ኣብታ ናይ 15 ሚያዝያ 1992 ግምቢ ዘብዐኛ “እቶም ‘ውፉያት’ ናይ የሆዋ ውህበት‘ዮም” እትብል ኣርእስቲ ርአ።
c ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ ብ1972 እተሓትመት ብቲኦክራሲ—ገነት ንደቅሰብ ትምለሰሎም! እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 264-9 ርአ።
d እቲ ብእብራይስጢ: ራʼ·ሸህʹ ʼኣል·ፈህʹ ዪስ·ራ·ʼኤልʹ ዝብል ኣብቲ ናይ ሰብዓሰገድ ክሂ·ሊʹያር·ኮይ ኢስ·ራ·ኤልʹ: “ሊቀ–ሽሕ እስራኤል” ተተርጒሙ ኣሎ።
e ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ ብ1971 እተሓትመት “ህዝብታት ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ ኢዮም”—ብኸመይ? እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ: ኣብ ገጽ 401-7 ርአ።
ብኸመይ ምመለስካ?
◻ ኣየነይቲ “ሃገር” ኢያ ብ1919 እተመልሰት: ከመይ ኢላ ኢያኸ ብተቐማጦ ዝመልአት?
◻ ኣብታ “ሃገር” ናይቶም እተመልሱ ህዝቢ ኣምላኽ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ እናዓበየ ዝኸይድ ሓላፍነት ዝቕበሉ ብኸመይ ኢዮም?
◻ እቶም ኣባላት ናይ ዓቢ ጭፍራ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዮም “ከም ይቡሳዊ” ዝዀኑ? ‘ኣብ ይሁዳ ከም ሓለቓ’ ዝዀኑኸ ብኸመይ ኢዮም?
◻ እቶም እሙናት ካልኦት ኣባጊዕ ኣብታ “ሃገር” ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዮም ክጸንሑ?
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ዘመናውያን ፍልስጥኤማውያን “ኣብ ይሁዳ ከም ሓለቓ” ክዀኑ ኢዮም
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ቅቡኣትን ካልኦት አባጊዕን ኣብታ መንፈሳዊት ሃገር ሓቢሮም የገልግሉ