ክብረትን ግምትን ክወሃበን ዝግባእ ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ
“ኣቱም ሰብኡት: . . . ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት. . . እናኽበርክምወን ከምኡ [ምስ ጓል ኣንስተይቲ “ትሓዓ ” ] በእምሮ ንበሩ።”—1 ጴጥሮስ 3:7
1, 2. (ሀ) የሱስ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ምዝርራቡ ከመይ ዝበለ ምግራም ኢዩ ዘለዓዓለ: ስለምንታይከ? (እግረ–ጽሑፍ ርአ።) (ለ) የሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ብምስባኹ እንታይ ኢዩ ዝገለጸ?
ኣብ መወዳእታ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ: ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ከተማ ሲካር ዝርከብ ናይ ቀደም ዔላ: ሓደ ቀትሪ የሱስ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ክትሓዛ ከም ዘለወን እንታይ ከም ዝስምዖ ገለጸ። እቲ ንግሆ እቲ: በታ ዓቐብ ዝመልኣ ሃገር ሰማርያ ኣድካሚ ጕዕዞ ስለ ዘሕለፈ: ኣብቲ ዔላ ክበጽሕ ከሎ ደኺሙን ጠምዩን ጸሚኡን ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ጥቓ ዔላ ኮፍ ምስ በለ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ከኣ “ማይ ኰታ ኣስትይኒ” በላ። እታ ሰበይቲ ብምግራም ጠሚታቶ ክተክውን ኣለዋ። “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻስ: ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን አሎኻ[?]” ኢላ ሓተተቶ። ድሕርዚ: ደቀ መዛሙርቱ መግቢ ዓዲጎም ምስ ተመልሱ: “ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡ” ተገረሙ።—ዮሃንስ 4:4-9, 27
2 ነቲ ሕቶ ናይታ ሰበይትን ምግራም ናይቶም ደቀ መዛሙርትን ከም ዝለዓል ዝገበረ እንታይ ኢዩ? ንሳ ሳምራዊት ኢያ ነይራ: ኣይሁድ ድማ ምስ ሳምራውያን ርክብ ኣይነበሮምን። (ዮሃንስ 8:48) ይኹን እምበር ንምግራም ምኽንያት ዝዀነ ካልእ ነገር ነይሩ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ናይ ራቢ ልምዲ ሰብኡት ምስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክዛረቡ ዘየተባብዕ ኢዩ ነይሩ።a እንተዀነ ግን: የሱስ ነዛ ቅንዕቲ ሰበይቲ እዚኣ መሲህ ምዃኑ እውን ከይተረፈ ብምግላጽ: ብጋህዲ ኢዩ ሰቢኹላ። (ዮሃንስ 4:25, 26) በዚ ኸምዚ የሱስ በቲ ንደቂ ኣንስትዮ እውን ከይተረፈ ዘናእስ ዝነበረ ዘይጽሑፋዊ ልምድታት: ከም ዘይቅየድ ኣርኣየ። (ማርቆስ 7:9-13) ብኣንጻሩ: የሱስ በቲ ዝገበሮን ዝማሃሮን: ደቂ ኣንስትዮ ክብረትን ግምትን ክወሃበን ከም ዘለዎ ኢዩ ኣርእዩ።
የሱስ ንደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ከም ዝረኣየን
3, 4. (ሀ) የሱስ ነታ ክዳኑ ዝተንከፈት ሰበይቲ ብኸመይ መለሸላ? (ለ) የሱስ ንክርስትያን ሰብኡት ብፍላይ ንተዓዘብቲ ጽቡቕ ኣብነት ዝሰርዐ ከመይ ገይሩ ኢዩ?
3 የሱስ ንሰባት ዝነበሮ ለዋህ ድንጋጽ ኣብቲ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ርክብ ተንጸባሪቑ ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሓንቲ ብደም ምፍሳስ ን12 ዓመታት እተሳቐየት ሰበይቲ ንየሱስ ኣብ ማእከል ጭፍራ ደለየቶ። ኵነታታ ብመሰረት እቲ ስርዓት ርኽስቲ ስለ ዘብላ ኣብኡ ክትህሉ ኣይነበራን። (ዘሌዋውያን 15:25-27) ይኹን እምበር: ኣዝዩ ዓቕላ ስለ ዝጸበባ ብድሕሪ የሱስ ስሉኽ ኢላ ቀረበት። ንኽዳኑ ምስ ተንከፈት ከኣ ብቕጽበት ሓወየት! ሽሕ’ኳ የሱስ ናብ ቤት እቲ ጓሉ ኣዝያ ሓሚማ ዝነበረት ያኢሮስ ይኸይድ እንተ ነበረ: ደው በለ። ካብኡ ሓይሊ ክወጽእ ከሎ ስለ እተሰምዖ ነቲ ዝተንከዮ ክርኢ ንድሕሪት ቍሊሕ በለ። ኣብ መወዳአታ: እታ ሰበይቲ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። የሱስ ኣብ ማእከል እቲ ጭፍራ ብምምጽኣ ወይ ብዘይ ፍቓዱ ክዳኑ ብምትንካያ ገኒሕዋ ድዩ? ብኣንጻሩ እኳ ደኣ: ርህሩህን ሕያዋይን ኰይኑ ኢያ ረኺባቶ። “ጓለየ: እምነትኪ ኣድሐነትኪ” በላ። የሱስ ብቐጥታ ንሰበይቲ “ጓለየ” ኢሉ ዝጸዋዓላ ግዜ እዚኣ ጥራይ ኢያ። እታ ቓል እቲኣ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣጸናኒዓታ ክትከውን ኣለዋ!—ማቴዎስ 9:18-22፣ ማርቆስ 5:21-34
4 የሱስ ክንየው ጽሑፍ ናይቲ ሕጊ ኢዩ ዝረኣየ። ብድሕሪ እቲ ሕጊ ዘሎ መንፈስን ኣድላይነት ናይ ምሕረትን ድንጋጸን ኢዩ ዝረኣየ። (ምስ ማቴዎስ 23:23 ኣነጻጽሮ።) የሱስ ነቲ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ናይታ ሕምምቲ ሰበይቲ ኣስተብሃለሉ ከምኡውን ነቲ ብእምነት ምልዕዓላ ኣብ ግምት ኣእተዎ። በዚ ኸኣ ንክርስትያን ሰብኡት: ብፍላይ ድማ ንሽማግለታት ጽቡቕ ኣብነት ሰርዓሎም። ሽማግለታት ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ብሕታዊ ሽግር ወይ ፍልይ ዝበለ ኣጸጋሚ ወይ ፈታኒ ኵነታት እንተደኣ ኣጋጢምዋ: ክንየው እቲ ዘየላቡ ቃላትን ተግባርን ንምርኣይ ክፍትኑ ንዅነታትን ድራኼታትን ከኣ ኣብ ግምት ከእትዉ ኣለዎም። ከምዚ ዝበለ ምዕዛብ ኣብ ክንዲ ምኽርን መኣረምታን ትዕግስቲ: ምርዳእ: ከምኡውን ድንጋጽ ከም ዘድሊ ይሕብር።—ምሳሌ 10:19፣ 16:23፣ 19:11
5. (ሀ) ደቂ ኣንስትዮ በቲ ናይ ራቢ ልምድታት በየናይ መገድታት ኢየን ክልኩላት ዝነበራ? (እግረ–ጽሑፍ ርአ።) (ለ) ነቲ ዝተንስአ የሱስ መጀመርያ ዝረኣያኦን ብዛዕባኡ ኸኣ ዝመስከራን መን ኢየን ነይረን?
5 እተን የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ በቲ ናይ ራቢ ልምድታት ሕጹራት ብምንባረን: ከም ሕጋውያን መሰኻኽር ኰይነን ከይዓያ ክልኩላት ኢየን ነይረን።b የሱስ ኣብ ወጋሕታ ናይ 16 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. ድሕሪ ካብ ምዉታት ምትንስኡ እንታይ ከም እተፈጸመ እስከ ርአ። ነቲ ዝተንስአ የሱስ መጀመርያ ዝረኣዮን ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጐይታኦም ከም ዝተንስአ ዝመስከረን መን ኢዩ ነይሩ? እተን ክሳዕ ዝመውት ካብቲ እተሰቕለሉ ርሕቕ ኢለን ዝርእያ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን ነይረን።—ማቴዎስ 27:55, 56, 61
6, 7. (ሀ) የሱስ ነተን ናብ መቓብር ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ኢዩ ዝበለን? (ለ) እቶም ደቂ ተባዕትዮ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ መጀመርያ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ ምስክርነት ብኸመይ ተቐበልዎ: ካብዚኸ እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ክርከብ ዝኽእል?
6 ኣብ ወጋሕታ ናይታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን: ማርያም መግደላዊትን ካልኦት ኣንስትን ኰይነን ንስጋ የሱስ ብቕብኢ ክለኽያ ናብቲ መቓብር ከዳ። ማርያም እቲ መቓብር ጥራዩ ምስ ረኸበቶ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ክትነግሮም ብቕልጡፍ ከደት። እተን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ኣብኡ ተረፋ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ሓደ መልኣኽ ተራእየን እሞ የሱስ ከም ዝተንስአ ድማ ነገረን። እቲ መልኣኽ “ቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ: . . . ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም” ኢሉ ኣዘዘን። እዘን ደቂ ኣንስትዮ እዚኣተን ነቲ ወረ ከብጽሓ ብቕልጡፍ እናኸዳ ከለዋ: የሱስ ባዕሉ ተራእየን “ኪዳ እሞ ነሕዋተይ . . . ንገራኦም” ድማ በለን። (ማቴዎስ 28:1-10፣ ማርቆስ 16:1, 2፣ ዮሃንስ 20:1, 2) ማርያም መግደላዊት ምብጻሕ ናይቲ መልኣኽ ስለ ዘይፈለጠትን ብሓዘን ድማ ተዋሒጣ ስለ ዝነበረትን ናብቲ ጥራዩ ዝነበረ መቓብር ተመልሰት። የሱስ ኣብኡ ተራእያ: ኣብ መወዳእታ ምስ ኣለለየቶ ኸኣ “ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ: ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ: በልዮም” በላ።—ዮሃንስ 20:11-18፣ ምስ ማቴዎስ 28:9, 10 ኣነጻጽሮ።
7 የሱስ ንጴጥሮስ: ዮሃንስ: ወይ ንኻልኦት ካብቶም ደቂ ተባዕትዮ ደቀ መዛሙርቲ መጀመርያ ክርኣዮም ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግን: ነዘን ደቂ ኣንስትዮ እዚኣተን ናይ ትንሳኤኡ ቀዳሞት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝዀና ብምግባርን ነቶም ደቂ ተባዕትዮ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዛዕባ እዚ ንኽምስክራሎም ብምምዛዝን ስምረቱ ክረኽባ ኢዩ ዝመረጸ። እቶም ሰብኡት ኣብ መጀመርያ ነዚ ብኸመይ ተቐበልዎ? እቲ ጸብጻብ “እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይአመንወንን” ይብል። (ሉቃስ 24:11) እቲ ምስክርነት ካብ ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝመጸ ድዩ ንኽቕበልዎ ኣሸጋሪ ኰይኑ ዝረኸብዎ? ከምኡ እንተደኣ ዀይኑ: ኣብቲ ግዚኡ የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ዝኣክል መረጋገጺ ተቐቢሎም ኢዮም። (ሉቃስ 24:13–46፣ 1 ቈረንቶስ 15:3–8) ሎሚ: ክርስትያን ሰብኡት ንትዕዝብትታት ናይ መንፈሳውያን ኣሓቶም ኣብ ግምት ምስ ዘእትዉ ብጥበብ ይመላለሱ።—ምስ ዘፍጥረት 21:12 ኣነጻጽሮ።
8. የሱስ በቲ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ምምልላስ እንታይ ኢዩ ዝገለጸ?
8 የሱስ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ከም እተመላለሰ ምስትብሃል ብሓቂ ልቢ ዘምውቕ ኢዩ። ኣብቲ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ምምልላስ ወትሩ ደንጋጽን ምሉእ ብምሉእ ሚዛናውን ኢዩ ነይሩ: ኣይወደሰንን ወይ ኣየናኣሰንን። (ዮሃንስ 2:3-5) ነቲ ንኽብረተን ዝቕንጥጥ ንቓል ኣምላኽ ከኣ ዘፍርስ ናይ ራቢ ልምድታት ነጺግዎ ኢዩ። (ምስ ማቴዎስ 15:3-9 ኣነጻጽሮ።) የሱስ ንደቂ ኣንስትዮ ክብረትን ግምትን ብምሃቡ: ብዛዕባ ንደቂ ኣንስትዮ ክግበረለን ዘለዎ ኣተሓሕዛ የሆዋ ኣምላኽ ብቐንዱ እንታይ ከም ዝስምዖ ኢዩ ገሊጹ። (ዮሃንስ 5:19) የሱስ ንክርስትያን ሰብኡት ምእንቲ ክቐድሕዎ ድንቂ ዝዀነ ኣብነት እውን ሰሪዑሎም ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 2:21
ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ትምህርቲ የሱስ
9, 10. የሱስ ነቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ናይ ራቢ ልምድታት ዝነጸጎ ብኸመይ ኢዩ: ፈሪሳውያን ብዛዕባ ፍትሕ ሕቶ ምስ ኣልዓሉኸ እንታይ ኢዩ ዝበለ?
9 የሱስ ናይ ራቢ ልምድታት ነጺጉ ንደቂ ኣንስትዮ ዘኽበረን ብተግባራቱ ጥራይ ዘይኰነስ ብትምህርትታቱ እውን ከይተረፈ ኢዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ ፍትሕን ዝሙትን እንታይ ከም ዝማሃረ እስከ ንርአ።
10 የሱስ ብዛዕባ ፍትሕ ዝምልከት ከምዚ ዝብል ሕቶ ተሓተ:- “ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ: ተፈቒድሉ እዩ[?]” ብመሰረት ናይ ማርቆስ ጸብጻብ የሱስ “ዝዀነ ይኹን ሰበይቱ ፈቲሑ [ብዘይ ምኽንያት ምንዝር] ኻልእ ዜእቱ ኣብኣ ዘመወ። እታ ሰብኣያ ፈቲሓ ንኻልእ እተአትወት ድማ ዘመወት” በሎም። (ማርቆስ 10:10-12፣ ማቴዎስ 19:3, 9) እዞም ብቕልል ዝበለ ተገሊጾም ዘለዉ ቃላት ንደቂ ኣንስትዮ ግምት ዝህቡ ኢዮም። ብኸመይ?
11. እተን “ብዘይ ምኽንያት [ምንዝር ትሓዓ]” ዝብላ ቃላት የሱስ ብዛዕባ ማእሰር መርዓ እንታይ ኢየን ዝሕብራ?
11 ቀዳማይ: የሱስ በተን “ብዘይ ምኽንያት [ምንዝር ትሓዓ ]” (ኣብቲ ናይ ወንጌል ማቴዎስ ጸብጻብ ዝርከብ) ዝብላ ቃላት ናይ መርዓ ማእሰር ኣፍኲስካ ወይ ብቐሊሉ ዝፈርስ ገይርካ ክርአ ከም ዘይብሉ ኣመልከተ። እቲ ዝውቱር ዝነበረ ናይ ራቢ ትምህርቲ ብጢጥ ቅሚጥ ዝዀነ ነገራት: ንኣብነት: ሰበይቲ ጸብሒ ኣኽሒና ወይ ምስ ጋሻ ሰብኣይ ተዛሪባ ኢልካ ክትፍታሕ ኢዩ ዘፍቅድ። ዘገርም ድማ እቲ ሰብኣይ ኣብ ዓይኑ ዝያዳ ባህ ዝበለቶ ሰበይቲ እንተደኣ ረኺቡ እውን ፍትሕ ይፍቀድ ኢዩ! ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር “የሱስ ከምቲ ዝገብሮ ከም ዝዀነ ክዛረብ ከሎ . . . ንመርዓ ናብቲ ክዀኖ ዘለዎ ብምምላስ ንደቂ ኣንስትዮ ኢዩ ዝድግፍ ነይሩ” ብምባል ይገልጽ። ብርግጽ: መርዓ ንሰበይቲ ምትእምማን ክስምዓ ዘኽእል ነባሪ ሕብረት ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።—ማርቆስ 10:6-9
12. በተን “ኣብኣ ዘመወ” ዝብላ ቃላት: የሱስ እንታይ ኣምር ኢዩ ዘተኣታተወ?
12 ካልኣይ: የሱስ በቲ “ኣብኣ ዘመወ” ዝብል መግለጺ: ብናይ ራቢ ኣብያተ ፍርድታት ዘይፍለጥ ዝነበረ ኣረኣእያ—ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ሰበይቱ ዝሙት ምፍጻም ዝብል ኣምር—ኢዩ ኣተኣታትዩ። ዘ ኤክስፖዚቶሪ ’ስ ባይብል ኮመንተሪ “ኣብቲ ናይ ራቢ ኣይሁድነት ሰበይቲ ብጥልመት ኣብ ልዕሊ ሰብኣያ ዝሙት ክትፍጽም ትኽእል ኢያ: ሰብኣይ ከኣ ምስ ሰበይቲ ካልእ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ብምግባር ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ ዝሙት ክፍጽም ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ሰብኣይ ዝገበረ እንተ ገበረ ኣብ ልዕሊ ሰበይቱ ዝሙት ክፍጽም ኣይክእልን ኢዩ። የሱስ: ንሰብኣይ ልክዕ ከም ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓይነት ስነ–ምግባራዊ ግዴታ ብምቑራን: ንቦታን ክብረትን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ልዕል ኣቢልዎ ኢዩ” ብምባል ይገልጽ።
13. ንፍትሕ ብዝምልከት ኣብ ትሕቲ ክርስትያናዊ ኣገባብ ንሰብኡትን ንኣንስተን ንኽልቲኦም ሓደ ዓይነት መዐቀኒ ከም ዘሎ የሱስ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ?
13 ሳልሳይ: የሱስ በታ “ሰብኣያ ፈቲሓ” እትብል ሓረግ ነቲ ሰበይቲ ንዘይእሙን ሰብኣይ ክትፈትሕ—በቲ እዋን እቲ ብግሁድ ዝፍለጥ ዝነበረ: ኣብ ሕጊ ኣይሁድ ግን ዝውቱር ዘይነበረ ልምዲ—ዘለዋ መሰል ኣፍልጦ ሃበሉ።c “ሰብኣይ ብድሌቱ ጥራይ ኢዩ ዝፍታሕ: ሰበይቲ ግና ብድሌታ ይኹን ብዘይ ድሌታ ክትፍታሕ ትኽእል” ኢዩ ዝበሃል ነይሩ። ይኹን እምበር: ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ: ኣብ ትሕቲ ክርስትያናዊ ስርዓት: ንሰብኡት ይኹን ንደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ዝዀነ መዐቀኒ ኢዩ ዝሰርሕ።
14. የሱስ ብትምርህትታቱ እንታይ ኢዩ ዘንጸባረቐ?
14 ትምህርትታት የሱስ ንድሕንነት ደቂ ኣንስትዮ ዓሚቝ ተገዳስነት ኢዩ ዝገልጽ። ስለዚ እምበኣር: ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጥሪተን ንዕኡ ዘድልዮ ነገራት ብምግባር ንየሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ እንተ ተሰመዐን ንምርድኡ ዘሸግር ኣይኰነን። (ሉቃስ 8:1-3) የሱስ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን” በለ። (ዮሃንስ 7:16) የሱስ በቲ ዝማሃሮ: የሆዋ ንደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ለዋህ ሓልዮት ኢዩ ኣንጸባሪቑ።
“እናኽበርኩምወን”
15. ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ሰብኡት ንደቂ ኣንስትዮ ክገብርዎ ዘለዎም ኣተሓሕዛ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝጸሓፈ?
15 ሃዋርያ ጴጥሮስ: የሱስ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ይመላለስ ከም ዝነበረ ብዓይኑ ርእይዎ ኢዩ። ጴጥሮስ: ገለ 30 ዓመታት ጸኒሑ: ንደቂ ኣንስትዮ ፍቕራዊ ምኽሪ ሃበን: ብድሕሪኡ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣቱም ሰብኡት: ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት: ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት: ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን: ከምኡ [ምስ ጓል ኣንስተይቲ ትሓዓ ] በእምሮ ንበሩ።” (1 ጴጥሮስ 3:7) ጴጥሮስ “እናኽበርኩምወን” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ?
16. (ሀ) እታ “ምኽባር” ተተርጕማ ዘላ ናይ ግሪኽ ስም እንታይ ማለት ኢያ? (ለ) ኣብቲ ግዜ ምልዋጥ: የሆዋ ንየሱስ ዘኽበሮ ብኸመይ ኢዩ: ካብዚኸ እንታይ ንማሃር?
16 ብመሰረት ሓደ ሌክሲኮግራፈር: እታ “ኽብረት” ተተርጒማ ዘላ (ቲ·ሜʹ) ናይ ግሪኽ ስም “ዋጋ: ኣድላይነት: ክብረት: ግምት” ማለት ኢያ። ካልእ ኣገባባት ናይዛ ናይ ግሪኽ ቃል “ህያባት” ከምኡውን “ክቡር” ኢዩ ዝትርጐም። (ግብሪ ሃዋርያት 28:10፣ 1 ጴጥሮስ 2:7) ነቲ ጴጥሮስ ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:17 ተጠቒሙሉ ዘሎ ኣገባብ ናይዛ ቃል እዚኣ እንተደኣ መርሚርናዮ: ንሓደ ሰብ ምኽባር እንታይ ማለት ምዃኑ ዓሚቝ ምርዳእ ይህልወና። ኣብኡ ነቲ ናይ የሱስ ምልዋጥ ኣመልኪቱ “ካብቲ ግኑን ግርማ ኽብሪ: ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ: ዚብል ድምጺ ምስ መጸ: ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ” በለ። ኣብቲ እዋን ምልዋጥ ናይ የሱስ: የሆዋ ንወዱ ስምረቱ ብምግላጽ ኣኽበሮ: ነዚ ኸኣ ካልኦት እናሰምዕዎ ኢዩ ገይርዎ። (ማቴዎስ 17:1-5) ንሰበይቱ ዘኽብር ሰብኣይ እምበኣር: ኣየናእሳን ወይ ኣየዋርዳን ኢዩ። ኣብ ክንዳኡ: ብቓላቱ ይኹን ብተግባራቱ—ኣብ ብሕትን ኣብ ቅድሚ ሰብን—ከም ዘኽብራ ኢዩ ዝገልጽ።—ምሳሌ 31:28-30
17. (ሀ) ንክርስትያን ሰበይቲ ክብሪ ዝግብኣ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ሰብኣይ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ካብ ሰበይቲ ንላዕሊ ዋጋ ከም ዘለዎ ዀይኑ ክስምዖ ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ?
17 ጴጥሮስ: እዚ ኽብሪ እዚ: ክርስትያን ሰብኡት ንኣንስቶም ‘ክህብወን’ [ትሓዓ ] ኣለዎም ኢዩ ዝብል። ከም ሓገዝ ዘይኰነስ ከም ናይ ኣንስቶም ግቡእ መሰል ኢዩ ክወሃብ ዘለዎ። ደቂ ኣንስትዮ ስለምንታይ ኢየን ከምዚ ዝበለ ክብሪ ዝወሃባ? ምኽንያቱ: ጴጥሮስ “ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት” ብምባል ይገልጽ። ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኵሎም እቶም ናይ ጴጥሮስ መልእኽቲ እተቐበሉ ሰብኡትን ኣንስትን: መዋርስቲ ክርስቶስ ተባሂሎም ኢዮም ዝጽውዑ ነይሮም። (ሮሜ 8:16, 17፣ ገላትያ 3:28) ኣብታ ጉባኤ ሓደ ዓይነት ሓላፍነታት እኳ እንተ ዘይነበረን: ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ክገዝኣ ኢየን። (ራእይ 20:6) ሎሚውን: ኣብዚ መብዛሕትኦም ህዝቢ ኣምላኽ ምድራዊ ተስፋ ሒዞምሉ ዘለዉ ግዜ: ዝዀነ ክርስትያን ሰብኣይ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነታት ክህልዎ ብምኽኣሉ: ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ዋጋ ከም ዘለዎ ክስምዖ ከቢድ ጌጋ ኢዩ። (ምስ ሉቃስ 17:10 ኣነጻጽሮ።) እቲ ናይ የሱስ መስዋእታዊ ሞት ነቲ ካብ ኩነኔ ናይ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኴንካ ተስፋ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምህላው ኣጋጣሚ: ንሰብኡትን ኣንስትን ንኽልቲኦም ስለ ዝኸፈተ: ሰብኡትን ኣንስትን: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ማዕረ ዝዀነ መንፈሳዊ ቦታ ኢዩ ዘለዎም።—ሮሜ 6:23
18. ጴጥሮስ ሰብኣይ ንሰበይቱ ንከኽብር እንታይ ኣቓልቦ ዘድልዮ ምኽንያት ኢዩ ዝሃበ?
18 ጴጥሮስ: “ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት” ብምባል ሰብኣይ ስለምንታይ ንሰበይቱ ከኽብር ከም ዘለዎ: ካልእ ኣቓልቦ ዘድልዮ ምኽንያት ይህብ። እታ ‘ምዕጋት’ እትብል መግለጺ ካብታ (ኢን·ኮʹፕቶ) እትብል ናይ ግሪኽ ግሲ ኢያ መጺኣ: ቃል ብቓሉ ኸኣ “ምቍራጽ” ማለት ኢያ። ብመሰረት ናይ ቫይን ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ: እታ ቓል “ነቲ መገዲ ብምዕናው: ወይ ኣብቲ መገዲ ብሃንደበት ሓደ ዓንቃፊ ነገር ብምቕማጥ ንሰባት ዝግበር ምስንኻል ንምግላጽ ኢያ እትውዕል።” ስለዚ: እቲ ንሰበይቱ ክብሪ ዘይህብ ሰብኣይ ኣብ መንጐ ጸሎቱን ናይ ኣምላኽ ምስማዕን ዝዕንቅፍ ክረክብ ይኽእል ኢዩ። እቲ ሰብኣይ ናብ ኣምላኽ ክቐርብ ዘይበቅዕ ኰይኑ ክስምዖ ይኽእል ወይውን የሆዋ ምስማዕ ክኣቢ ይኽእል ይኸውን። ብግልጺ: የሆዋ ኣብቲ ሰብኡት ንደቂ ኣንስትዮ ዝገብርዎ ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ይግደስ ኢዩ።—ምስ ድጕዓ ኤርምያስ 3:44 ኣነጻጽሮ።
19. ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ጉባኤ ብኸመይ ኢዮም ኣብ ንሓድሕዶም ብምክብባር ከገልግሉ ዝኽእሉ?
19 እቲ ክብሪ ናይ ምርኣይ ግዴታ ንሰብኡት ጥራይ ዝምልከት ኣይኰነን። ከምቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብፍቕርን ክብረትን ብምሓዝ ከኽብራ ዘለዎ: ሰበይቲ ድማ ንሰብኣያ ብምግዛእን ዓሚቝ ክብሪ ብምርኣይን ከተኽብሮ ኣለዋ። (1 ጴጥሮስ 3:1-6) ኣብ ርእሲ እዚ: ጳውሎስ ‘ንሓድሕድኩም ተኸባበሩ’ ብምባል ይምዕድ። (ሮሜ 12:10) እዚ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ንሓድሕዶም ብኽብሪ ምእንቲ ክረኣኣዩ እተገብረ ጻውዒት ኢዩ። ከምዚ ዝበለ መንፈስ እንተደኣ ተለሚዱ: ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ ንስልጣን ናይቶም መሪሕነት ወሲዶም ዘለዉ ብዘናእስ ኣገባብ ገይረን ኣይክዛረባን ኢየን። ኣብ ክንዳኡ: ንሽማግለታት ክድግፋን ምስኦም ክተሓባበራን ኢየን። (1 ቈረንቶስ 14:34, 35፣ እብራውያን 13:17) ክርስትያን ተዓዘብቲ ብወገኖም ድማ: ‘ንኣረገውቲ ኣንስቲ ከም ነዴታት: ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ከም ንኣሓት ገይሮም ብዅሉ ንጽህና’ ክሕዝወን ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2) ክርስትያን ሽማግለታት: ብጥበብ ነቲ ናይ ክርስትያን ኣሓቶም ርእይቶ ብሕያውነት ኣብ ግምት ከእትውዎ ኢዮም። ስለዚ: ሓንቲ ሓብቲ ነቲ ቲኦክራቲካዊ ርእስነት ክብሪ ከተርኢ ከላ ከምኡውን ሕቶ ክትሓትት ወይ ንቈላሕታ ዘድልዮ ነገራት ኣመለኪታ ርእይቶ ክትህብ ከላ ሽማግለታት ንሕቶኣ ወይ ግድላ ተሓጕሶም ኣብ ግምት የእትውዎ።
20. ብመሰረት እቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጸብጻብ: ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ኢየን ክትሓዛ ዘለወን?
20 ካብ ምጅማር ናይ ሓጢኣት ኣብ ኤደን ኣትሒዙ: ኣብ ብዙሕ ባህልታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ክብረት ኣይረኽባን ኢየን ዘለዋ። ይኹን እምበር: የሆዋ ካብ መጀመርያ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሕዛ ክረኽባ ኣይኰነን ዝመደበ። እቲ ዘሎ ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ባህላዊ ርእይቶታት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: እቲ ናይ እብራይስጥን ናይ ክርስትያን ግሪኽን ቅዱሳት ጽሑፋት ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ብሞሳን ክብርን ክተሓዛ ከም ዘለወን ኢዩ ብንጹር ዘርኢ። እዚ ኣምላኽ ዝሃበን ብጽሒት ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኤንሳይክሎፔድያ “ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ኣጋይሽ ኣይበልዓን: ከምኡውን ሰብኡት ምስ ደቂ ኣንስትዮ ክዛረቡ ኣይተባብዑን ኢዮም ነይሮም። . . . ብፍላይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምስ ሰበይቲ ምዝራብ ኣጸያፊ ኢዩ ነይሩ” ብምባል ይገልጽ። እቲ ካብ ናይ ራቢ ትምህርትታት እተኣከበ ናይ ኣይሁድ ሚሽናህ “ምስ ሰበይቲ ብዙሕ ኣይትዛረብ . . . እቲ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ብዙሕ ዝዛረብ ኣብ ገዛእ ርእሱ መከራ የምጽእ ከምኡውን መጽናዕቲ ናይቲ ሕጊ ሸለል ይብል: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ገሃነም ይኣቱ” ኢሉ ይመክር።—ኣቦዝ 1:5
b እታ ፓለስታይን ኢን ዘ ታይም ኦቭ ክራይስት እትበሃል መጽሓፍ “ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓድሓደ ጕዳያት ዳርጋ ከም ባሮት ኢየን ዝርኣያ ነይረን። ንኣብነት: ኣብ ቤት ፍርዲ ሞት ናይ ሰብኣያ እንተ ዘይኰይኑ ክትምስክር ኣይትኽእልን ኢያ ነይራ” ብምባል ይገልጽ። ንዘሌዋውያን 5:1 ብምጥቃስ ዘ ሚሽናህ “[እቲ ሕጊ ናይ] ‘ቃል ማሕላ’ ንሰብኡት እምበር ንደቂ ኣንስትዮ ከም ዘይምልከት” ትገልጽ።—ሼቦዝ 4:I
c ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ጸሓፍ ታሪኽ ጆሴፉስ: ሰሎሜ: ሓፍቱ ንንጉስ ሄሮድስ: ንሰብኣያ “ምስ ሕጊ ኣይሁድ ዘይሰማማዕ: መርዓኦም ከም ዝፈረሰ ዝገልጽ ሰነድ ለኣኸትሉ። ከመይሲ ብኣና ከምዚ ምግባር ዝፍቀደሉ ሰብኣይ (ጥራይ) ኢዩ” ብምባል ጸብጻብ ይህብ።—ጂውሽ ኣንቲኲቲስ XV 259 [vii 10]
መልስኻ እንታይ ኢዩ?
◻ የሱስ ንደቂ ኣንስትዮ ክብረትን ግምትን ይህበን ከም ዝነበረ ዝገልጽ ኣየናይ ኣብነታት ኢዩ?
◻ ናይ የሱስ ትምህርትታት ንኽብሪ ደቂ ኣንስትዮ ግምት ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ?
◻ ሰብኣይ ንክርስትያን ሰበይቱ ክብሪ ከርእያ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ?
◻ ኵሎም ክርስትያናት እንታይ ናይ ምክብባር ግዴታ ኢዩ ዘለዎም?
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ንዓኣተን ባህ ዘብል ድማ: እተን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ኣንስቲ ናይቲ ንኣሕዋቱ ምስክርነት ከብጽሓ ዝለኣኸን የሱስ ትንሳኤ ዝረኣያ ናይ መጀመርያ ኢየን ነይረን