ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/10 ገጽ 29-31
  • ካብ ርእስኻ ምጽዳቕ ተሓሎ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ርእስኻ ምጽዳቕ ተሓሎ!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸብለል ዝበለ ኣመለኻኽታ
  • “ኣይትፍረድ”
  • ብጌጋ እተመርሐ ቅንኢ
  • ኣምላኽ ነቶም ትሑታት ስምረቱ ይህብ
  • ‘ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ርእስኹም ሓልዉ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ‘ካባይ ተምሃሩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ቅድም “ጽድቁ” ድለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣድላይነት ጸሎትን ትሕትናን
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/10 ገጽ 29-31

ካብ ርእስኻ ምጽዳቕ ተሓሎ!

ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን: ፈሪሳውያን ነቲ ጻድቃን ኣምለኽቲ ኣምላኽ ብምዃን ዝርከብ ጽቡቕ ስም ኣስተማቒሮምዎ ኢዮም። ህንጡያት ተማሃሮ ቅዱሳት ጽሑፋትን ብተደጋጋሚ ዝጽልዩን ኢዮም ነይሮም። ገለ ሰባት: ዓበይቲ ሰባትን ምኽንያታውያንን ከም ዝዀኑ ገይሮም ይርእይዎም ነበሩ። ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ: ጆሰፉስ “ፈሪሳውያን ኣብ ንሓድሕዶም ዝፋተዉ ምስቲ ማሕበረሰብ ድማ ዝቃዶ ርክባት ዝዅስኵሱ ኢዮም” ብምባል ጸሓፈ። ኣብ ማእከል እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ምናልባት ኣዝዮም ዝኽበሩን ኣልዕል ኣቢልካ ዝርኣዩን እንተ ነበሩ ዘገርም ኣይኰነን!

ይኹን እምበር: ሎሚ እታ “ፈሪሳዊ” እትብል ቃልን ምስኣ እተተሓሓዛ ስያመታትን ዘዋርዳ: ምስ ምርኢተ-ቅድስና ዘመሳስላ: ርእስኻ ናይ ምጽዳቕ: ኣነ እነጽህ ምባል: እምብዛ ጻድቕ ምዃን: ናይ ከናፍር ኣገልግሎት ምሃብ ዘመልክታ ኢየን። ፈሪሳውያን እቲ ጽቡቕ ስሞም ዘጥፍኡስ ስለምንታይ ኢዮም፧

ምኽንያቱ ድማ የሱስ ክርስቶስ ከምቶም ብዙሓት ካልኦት ኣይሁድ በቲ ናይ ፈሪሳውያን ደጋዊ ትርኢት ስለ ዘይተታለለ ኢዩ። ንሱ ንዓታቶም ምስ “ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ: ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር” ኣመሳሰሎም።​—⁠ማቴዎስ 23:⁠27

ሓቂ ኢዩ: ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ደው ክብሉ ኸለዉ ነዊሕ ጸሎት የቕርቡ ነይሮም ኢዮም: እዚ ግን ከምቲ የሱስ ዝበሎ ብኻልኦት ንኽርኣዩ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ኣምልኾኦም ኣምሰሉ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ድራር ናይ ክብሪ ስፍራ: ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣብ ኣውራ ምቕማጥ ይፈትዉ። ኵሎም ኣይሁድ ኣብ ክዳውንቶም ዘፈር ክገብሩ ይግደዱ እኳ እንተ ነበሩ: ፈሪሳውያን ግን ኣዝዩ ነዊሕ ዘፈር ብምግባር ንሰባት ክስሕቡ ይፍትኑ ነበሩ። ነቲ ከም ክታብ ዝእሰር ዝነበረ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝሓዘ ገዚፍ ቍጻራት ከም ዝርአ ንኽገብርዎ ሕቡናት ኢዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 6:5፣ 23:​5-8) ግብዝናኦም: ስስዐኦም: ከምኡውን ድርቅናኦም ኣብ መወዳእታ ውርደት ኣምጽኣሎም።

የሱስ “ኣቱም ግቡዛት: ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ: ከምዚ ኢሉ፤ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ: ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ: ንኸንቱ የምልኹኒ” ብምባል ኣምላኽ ንፈሪሳውያን ከም ዝነጸጎም ገለጸ። (ማቴዎስ 15:​7-9) ጽድቆም ብሓቂ ርእስኻ ምጽዳቕ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ብምርዳእ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ተሓለዉ’ ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ሉቃስ 12:⁠1) ሎሚ: ንሕና እውን እንተዀነ: ካብ ርእስኻ ምጽዳቕ ‘ክንሕሎ’ ወይ ሃይማኖታውያን ግቡዛት ካብ ምዃን ክንጥንቀቕ ይግብኣና።

ከምዚ ክንገብር ከሎና: ሓደ ሰብ ብሓንቲ ለይቲ ርእሱ ዘጽድቕ ከም ዘይከውን ክንፈልጥ ኣሎና። ኣብ ክንድኡ: እዚ ዝንባለ እዚ ኣብ ነዊሕ እዋን ዘገም እናበለ ዝዓቢ ኢዩ። ሓደ ውልቀሰብ ከይተፈለጦ እውን ባህ ዘየብል ናይ ፈሪሳውያን መለለዪ ጠባይ ከጥሪ ይኽእል ኢዩ።

ጸብለል ዝበለ ኣመለኻኽታ

ገለ ካብቶም ‘ክንሕለወሎም’ ዘሎና መለለዪ ጠባያት እንታይ ኢዮም፧ እቲ ኢንሳይክሎፐዲያ ኦቭ ረሊጅን ኤንድ ኤቲክስ (ናይ ሃይማኖትን ቅጥዕን መዝገበ⁠-​ፍልጠት) እተባህለ መጽሓፍ: ርእሶም ዘጽድቑ ውልቀሰባት መብዛሕትኡ ግዜ “ኣዘራርባኦም: ኣቃውማኦም: ከምኡውን ኣቀራርባኦም ቅድሚ ሕጂ ፈጺሞም ጌጋ ከም ዘይገበሩ መሲሎም ይረኣዩ” ብምባል ይገልጽ። ርእሶም ዘጽድቑ ሰባት ከምቲ ናይቶም ፈሪሳውያን ዝነበረ ቀንዲ ጸገም: ኩሩዓትን ርእሶም ዘቐድሙን እውን ኢዮም።

የሱስ ነቲ ፈሪሳዊ ኣመለኻኽታ ብሓደ ምሳሌ ገይሩ ገሊጽዎ ኢዩ:- “ክልተ ሰብኣይ: እቲ ሓደ ፈሪሳዊ: እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ: ኪጽልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፤ ዎ ኣምላኽ: ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም: ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ አሎኹ: ከምቶም ካልኦት ሰባት፤ ከተርቲ: ዓመጽቲ: ዘመውቲ: ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ: ኤመስግነካ አሎኹ: ኢሉ ጸለየ።” ብኣንጻሩ እቲ ተጋዊ ጕድለታቱ ብትሕትና ተኣመነ ካብቲ ኩሩዕ ፈሪሳዊ ብዝያዳ ከም ዝጸድቕ ድማ ኣርኣየ። የሱስ እዚ ምስላ እዚ ነቶም “ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ” ሰባት ኢዩ ተዛሪብዎ።​—⁠ሉቃስ 18:​9-14

ከም ዘይፍጹማት ሰባት መጠን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ብምኽንያት እቲ ዘሎና ባህርያዊ ክእለታትን ረብሓታትን ካብ ካልኦት ከም እንበልጽ ኰይኑ ክስምዓና ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: ክርስትያናት ከምዚ ዝበለ ሓሳባት ቀልጢፎም ከርሕቕዎ ኢዩ ዘለዎም። ኣብ ክርስትያናዊ ናብራ ናይ ብዙሕ ዓመታት ተመኵሮ ይህልወካ ይኸውን። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክኢላ መምህር ክትከውን ትኽእል። ወይውን ምናልባት ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ክገዝእ እተቐባእኩ ኢየ ትብል ትኸውን። ገለ ሰባት ኣብታ ጉባኤ ከም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ: ሽማግለታት: ወይ ድያቆናት መጠን ፍሉይ መሰላት የስተማቕሩ ኢዮም። ‘ነቲ ዝሃበኒ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጸብለል ከም ዝበልኩ ኰይኑ ንኽስማዓኒ እንተድኣ ተጠቒመሉስ የሆዋ ከመይ ይስምዖ፧’ ብምባል ንገዛእ ርእስኻ ሕተት። ብርግጽ: እዚ ንእኡ የጕህዮ ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 2:​3, 4

ሓደ ክርስትያን ብምኽንያት እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ክእለታትን መሰላትን ወይ ናይ ሓላፍነት ቦታን ጸብለልትነት ምስ ዘርኢ: ብሓቂ ንኣምላኽ ካብቲ ንእኡ ጥራይ ዝግባእ ክብርን ዋጋን ይሰርቆ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ክርስትያን “ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር: ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብ” ይምዕድ። “ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር: ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይትሕሰቡ” ብምባል ድማ ይምሕጸነና።​—⁠ሮሜ 12:​3, 16

“ኣይትፍረድ”

ብመሰረት ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ-ፍልጠት: ሓደ ርእሱ ዘጽድቕ ሰብ “ብዛዕባ መንፈሱ ብዘየገድስ: ብምኽንያት ናብቲ ሕጋዊ ተደላይነታት ዝሓትት ጽሑፍ ዘለዎ ምልጋብ: ንገዛእ ርእሱ ብስነ-ምግባር ቅኑዕ ከም ዝዀነ ወይ ምስ ኣምላኽ ቅኑዕ ኣቃውማ ከም ዘለዎ ኢዩ ዝሓስብ።” ካልእ ጽሑፍ ድማ ርእሱ ንዘጽድቕ “ግዜኡ ናይ ካልኦት ኣበሳ ኣብ ምድላይ ዘሕልፍ እምብዛ ሃይማኖተኛ ዝዀነ ሰብ” ብምባል ይገልጾ።

ፈሪሳውያን በዚ ገበነኛታት ኢዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታኡ እቲ ብሰብ ዝቘመ መምርሒኦም ካብቲ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ዝያዳ ዘገድስ መሲሉ ተራእየ። (ማቴዎስ 23:23፣ ሉቃስ 11:​41-44) ንገዛእ ርእሶም ፈራዶ ገበርዋ ከምኡውን ምስቲ ርእስኻ ናይ ምጽዳቕ መምዘኒታቶም ንዘይተሰማምዐ ዝዀነ ሰብ ናብ ምኹናን ዘምበሉ። እቲ ዝነበሮም ጸብለል ዝበለ ኣመለኻኽታን እተጋነነ ርእሰኻ ምኽባርን ንኻልኦት ሰባት ክቈጻጸሩ ከም ዝደልዩ ገበሮም። ንየሱስ ክቈጻጸርዎ ዘይምኽኣሎም ኣቘጥዖም: ስለዚ ኸኣ ንኽቐትልዎ ተማኸሩ።​—⁠ዮሃንስ 11:​47-53

ምስ ሓደ ኵሉ ግዜ ጕድለት ብምድላይ: ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣድቂቑ ብምምርማርን ብምቍጽጻርን ንገዛእ ርእሱ ከም ፈራዲ መጠን ልዕል ዘብላ ሰብ ክትሓብር: ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘየብል ኰን ኢዩ። ብሓቂ: ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ዝዀነ ሰብ ሓሳባቱን ባዕሉ ዘቖሞ ስርዓታትን ካልኦት ከም ዝቕበልዎ ኽገብር ስልጣን የብሉን። (ሮሜ 14:​10-13) ሚዛናውያን ክርስትያናት ብዙሕ ናይ መዓልታዊ ህይወት መዳያት ብሕታዊ ውሳኔ ዝግበረሉ ምዃኑ ይርድኡ ኢዮም። ብፍላይ እቶም ፍጹማት ናይ ምዃንን ብዙሕ ናይ ምጽባይን ዝምባለ ዘለዎም ሰባት ንኻልኦት ምፍራድ ከወግዱ ኣለዎም።

ሓቂ ኢዩ: እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ምድራዊት ማሕበር የሆዋ ኣስላጢ ዝዀነ ኣሰራርሓ ንኽህልዋ ዘበርክት መምርሒታት ክትገብር ስልጣን ተዋሂባ ኢያ። (እብራውያን 13:17) ይኹን እምበር: ገሊኦም ነዚ መምርሒታት እዚ ኣዘንቢሎምዎ ወይ ናቶም ስርዓታት ወሲኾምሉ ኢዮም። ኣብ ሓደ ከባቢ: ኵሎም ተማሃሮ ኣብ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍሊ ክህቡ ከለዉ: ጁባን ስረን ክለብሱ ከምኡውን ጃኬቶም ክሳዕ ላዕሊ ክለጕሙ ኣለዎም። ከምዚ ካብ ምግባር ዝሰነፈ ተማሃራይ ንዝመጽእ ክፍሊ ክህብ ብቑዕ ኣይኰነን። ከምዚ ዝበለ ተሪርን ነቓጽን ስርዓታት ኣብ ክንዲ ምግባር: ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ: ብሕያውነት ብሕታዊ ሓገዝ ምሃብ ምኽንያታውን ምስ ናይ ቃል ኣምላኽ መንፈስ ዝሰማማዕንዶ ኣይምዀነን፧​—⁠ያእቆብ 3:17

ርእስኻ ምጽዳቕ: ሓደ ክርስትያን ብዙሕ ብሕታዊ ጸገማት የሕልፍ እንተድኣ ኣሎ ኰይኑ ብመንፈስ ጐደሎ ክኸውን ኣለዎ: ዝብል ኣረኣእያ እውን የምጽእ ይኸውን። እዚ ብልክዕ ከምቲ እቶም ርእሶም ዘጽደቑ ኤሊፋዝ: ቢልዳድ: ከምኡውን ሶፋር ብዛዕባ እቲ እሙን እዮብ ዝሓሰብዎ ኢዩ። ናይቲ ኵነታት ምሉእ ምርዳእ ኣይነበሮምን: ስለዚ ንእዮብ ጌጋ ገይሩ ኢሎም ክኸስዎስ ንእኦም ድርቅና ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንእዮብ ዝወረዶ ፈተናታት ጠዋይ ገምጋም ብምሃቦም ገሲጽዎም ኢዩ።​—⁠እዮብ ምዕራፍ 4, 5, 8, 11, 18, 20 ርአ።

ብጌጋ እተመርሐ ቅንኢ

ርእስኻ ምጽዳቕን ቅንእን መብዛሕትኡ ግዜ እተተሓሓዙ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ሃይማኖታዊ ዝንባለ ዝነበሮም ኣይሁድ ‘ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር: ንኣምላኽ ቅንኣት ኣለዎም: ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጽድቂ ርእሶም ኪተኽሉ ብምድላዮምን ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቒ ኣምላኽ ኣየግዝኡን’ ብምባል ተዛረበ። (ሮሜ 10:​2, 3) ሽሕ’ኳ ቅንኡ ብጌጋ እተመርሐ: ኣብ ጽድቂ የሆዋ ዘይተመስረተ እንተ ነበረ: ጳውሎስ ንርእሱ ከም ፈሪሳዊ መጠን ቀናእ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ገላትያ 1:​13, 14፣ ፊልጲ 3:⁠6

መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ “እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን: ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር: ስለምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ፧” እናበለ ይምዕድ። (መክብብ 7:16) ሓደ ክርስትያን ኣብታ ጉባኤ ብሕልናኡ ይጅምር ይኸውን: ይኹን እምበር ሕልናኡን ቅንኡን ርእስኻ ናብ ምጽዳቕ ከንቈልቍልዎ ይኽእሉ ኢዮም። ሃይማኖታዊ ቅንኢ: ኣብ ክንዲ ብናይ የሆዋ ጽድቂ ብናይ ሰብ ጥበብ ምስ ዝምራሕ: ንኻልኦት ክጐድእ ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ፧

ንኣብነት: ወለዲ: ንመንፈሳዊ ድሌት ናይ ካልኦት ኣብ ምዕዛብ ኣዝዮም ትሑዛት ይዀኑ: ኣብቲ መስርሕ እቲ ድማ ንድሌት ናይ ስድራቤቶም ሸለል ክብሉ ይኽእሉ። ወይውን ወለዲ ካብቲ ውሉዳቶም ክገብርዎ ዝኽእሉ ንላዕሊ ብምጽባይ: እምብዛ ቀናኣት ክዀኑ ይኽእሉ። (ኤፌሶን 6:4፣ ቈሎሴ 3:21) ንኸምዚ ዝበለ ዘይምኽንያታዊ ትጽቢታት ክመልኡ ዘይከኣሉ ገሊኦም ውሉዳት: ክልተ ገጽ ዘለዎ ናብራ ብምምራሕ ክምልስሉ ይጽዕሩ። ሓደ ምኽንያታዊ ወላዲ ነቲ ናይ ስድራቤቱ ደረታት ኣብ ግምት የእቱ: ግቡእ ምትዕርራያት ድማ ይገብር።​—⁠ምስ ዘፍጥረት 33:​12-14 ኣነጻጽሮ።

ሕሉፍ ቅንኢ: ምስ ካልኦት ኣብ እንገብሮ ምምልላስ ኣድላዪ ዝዀነ ሜላ: ድንጋጽ: ከምኡውን ለውሃት ካብ ምርኣይ ክኽልክለና ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሰብ ንረብሓታት ናይታ መንግስቲ ንምዕባይ ኣዝዩ ኣበርቲዑ ይዓዪ ይኸውን። ይኹን እምበር: እቲ ዘለዎ ሕሉፍ ቅንኢ ንሰባት ይጐድእ ይኸውን። ጳውሎስ ከምዚ ይብል:- “ትንቢት እንተ ዚህልወኒ: ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ: ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኵሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ: ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ: ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል: ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ: ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ: ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 13:​2, 3

ኣምላኽ ነቶም ትሑታት ስምረቱ ይህብ

ከም ክርስትያናት መጠን እቲ ርእስኻ ናይ ምጽዳቕ ባህርይ ከይዓብለለና ኸሎ ከነለልዮ ኣሎና። ናይ ጸብለልትነት ኣመለኻኽታ: ንኻልኦት ናይ ምፍራድ ልምዲ: ከምኡውን ኣብ ጥበብ ሰብ እተመስረተ ዕዉር ቅንኢ ከነወግድ ኣሎና።

ካብቲ ፈሪሳዊ ኣመለኻኽታታት ‘ክንሕሎ’ ከሎና: ካልኦት ርእሶም ከም ዘጽድቑ ገይርና ኣብ ክንዲ እንፈርድ: ኣብቲ ናትና ዝምባለታትን ምዝዛዋትን ከነተኵር ዝበለጸ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ከም “ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን” መጠን ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ከም ዝግብኦም ፈሪድዎምን ኰኒንዎምን ኢዩ። ይኹን እምበር: የሱስ ኣልባብ ሰባት ከንብብ ይኽእል ኢዩ። ንሕና ግን ኣይንኽእልን ኢና።​—⁠ማቴዎስ 23:⁠33

ናትና ዘይኰነስ ናይ ኣምላኽ ጽድቂ ንድለ። (ማቴዎስ 6:33) መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ: ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትግዝኡ: ትሕትና ተዐጠቑ” ብምባል ስለ ዝምዕድ: ሽዑ ጥራይ ኢዩ ስምረት የሆዋ ክህልወና ዝኽእል።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:⁠5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ