ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/11 ገጽ 26-30
  • ዊልያም ቴንድል--ኣርሒቑ ዝርኢ ሰብኣይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዊልያም ቴንድል--ኣርሒቑ ዝርኢ ሰብኣይ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ እምነት ስጕምቲ
  • ንጽገት​—⁠ስለምንታይ⁠፧
  • ጕዕዞ ናብ ኤውሮጳን ሓደስቲ ግድላትን
  • ዓወት​—⁠ምጽራር እናሃለወ
  • ኣንትወርፕ: ክድዓት: ከምኡውን ሞት
  • መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድና ዝበጽሓሉ መገድታት ክፍሊ ክልተ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ነበሮም—ቍንጽል (ዊልያም ቲንደል)
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንቓል ኣምላኽ ኣፍቀርዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንቓል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣኽቢርካ እትርእዮ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/11 ገጽ 26-30

ዊልያም ቴንድል​—ኣርሒቑ ዝርኢ ሰብኣይ

ዊልያም ቴንድል: ኣብ ዓዲ እንግሊዝ: “ኣብ ናይ ወልስ ዶባት ኢዩ ተወሊዱ:” እቲ ልክዕ ቦታን ዕለትን ክፍለጥ እኳ እንተ ዘይተኻእለ: ምናልባት ኣብ ግሎስተርሻየር ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣብ ጥቅምቲ 1994: ዓዲ እንግሊዝ እቲ “ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስና ዝሃበና” ሰብኣይ እተወለደሉ መበል 500 ዓመት ኣብዒላ ኢያ። ቴንድል ነዚ ዕዮ እዚ ተሰዊኡሉ ኢዩ። ስለምንታይ⁠፧

ዊልያም ቴንድል ብትምህርቲ ግሪኽን ላቲንን ብሉጽ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሓምለ 1515: ካብ 21 ዓመት ኣብ ዘይሓልፍ ዕድሜኡ: ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ናይ ስነ⁠-ጥበብ ማስተር ዲግሪ ተቐበለ። ብ1521 ቅቡእ ናይ ሮማ ካቶሊክ ቀሺ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጀርመን ብምኽንያት ናይ ሉተር ምንቅስቓስ ናይ ካቶሊክ እምነት ኣብ ህውከት ኢዩ ነይሩ። ዓዲ እንግሊዝ ግና ንጉስ ሄንሪ VIII ኣብ መወዳእታ ብ1534 ምስ ሮማ ርክብ ክሳዕ ዘቋርጽ ናይ ካቶሊክ ሃገር ምዃን ቐጺላ ኢያ።

ኣብ ግዜ ቴንድል ልሙድ ቋንቋ እንግሊዝኛ እኳ እንተ ነበረ: ኵሉ ትምህርቲ ግን ብላቲን ኢዩ ነይሩ። ናይ ቤተ⁠-ክርስትያንን ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ቋንቋ እውን ኢዩ ነይሩ። ብ1546: ናይ ትረንት ቤት ምኽሪ: እቲ ናይ ጀሮም ናይ ሓሙሻይ ክፍለ⁠-ዘበን ላቲን ቫልጌት ምሉእ ብምሉእ ክዝውተር እንደገና ኣጽደቖ። ይኹን እምበር: እቶም ምሁራት ጥራይ ኢዮም ከንብብዎ ዝኽእሉ ነይሮም። ህዝቢ እንግሊዝ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስን ንዕኡ ናይ ምንባብ ናጽነትን እተኸልአስ ስለምንታይ ኢዩ⁠፧ ናይ ቴንድል ክርክር “ጀሮም ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋኡ ከይተረፈ ተርጒምዎ ኢዩ:⁠- ንሕናኸ ስለምንታይ ከምኡ ዘይንገብር⁠፧” ዝብል ኢዩ ነይሩ።

ናይ እምነት ስጕምቲ

ድሕሪቲ ኣብ ኦክስፎርድ ዘሕለፎ: ቀጺሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ: ምናልባት ከኣ ኣብ ካምብሪጅ ተወሳኺ ትምህርትታት ድሕሪ ምውሳዱ: ቴንድል ነቶም ናእሽቱ ደቂ ጆን ዎልሽ: ኣብ ግሎስተርሻየር ንኽልተ ዓመታት ምሂርዎም ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ እንግሊዝኛ ንምትርጓም ዝነበሮ ባህጉ ኣዕበዮ: ብዘይጥርጥር ድማ ብሓገዝ ናይቲ ኣብ ተማዓደውቲ ዓምድታት ግሪኽን ላቲንን ዝነበሮ ናይ ኢራስሙስ ሓድሽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ: ናይ ምትርጓም ክእለቱ ከዕቢ ኣጋጣሚ ነይርዎ ኢዩ። ቴንድል ብ1523: ንስድራቤት ዎልሽ ሓዲጉ ናብ ሎንዶን ከደ። ዕላማኡ ካብ ናይ ሎንዶን ኣቡን: ካትበርት ተንስተል: ንኽትርጕም ፍቓድ ንምሕታት ኢዩ ነይሩ።

ናይ ተንስተል ፍቓድ ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ እቲ ናይ ኦክስፎርድ ቅዋም ተባሂሉ ዝፍለጥ: ኣብ ኦክስፎርድ እተገብረ ናይ 1408 ሲኖዶስ ዘሕለፎ ውሳኔ: ብናይ ኣቡን ፍቓድ እንተዘይኰይኑ በቲ ናይ ከባቢ ቋንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ምትርጓምን ምንባብን ምእጋድ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ሎላርድስ ተባሂሎም ዝፍለጡ ብዙሓት ተንቀሳቐስቲ ሰበኽቲ ነዚ እገዳ እዚ ክጥሕሱ ብምድፋሮም ከም መናፍቓን ተቘጺሮም ብሓዊ ተቓጺሎም ኢዮም። እዞም ሎላርድስ እዚኣቶም: ናይ ጆን ዋይክሊፍ መጽሓፍ ቅዱስ: ካብ ቫልጌት እተተርጐመ ሓደ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም: ኣንቢቦምን ዘርጊሖምን ኢዮም። ቴንድል: እቲ ናይ ክርስትያን ጽሑፋት ንቤተ⁠-ክርስትያንን ንህዝቢ እንግሊዝን ምእንቲ ክኸውን: ካብ ግሪኽ ናብ ሓድሽን ቅኑዕን ትርጕም ዝትርጐመሉ ግዜ ከም ዝበጽሐ ተሰምዖ።

ኣቡን ተንስተል: ንኢራስሙስ ንምትብባዕ ብዙሕ ዝሰርሐ ምሁር ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ቴንድል ከም መርኣያ ክእለቱ: ብፍቓድ ተንስተል ሓደ ካብቲ ናይ ኢስኮራተስ መደረታት: ከቢድ ናይ ግሪኽ ጽሑፍ: ተርጒሙ ነበረ። ቴንድል: ተንስተል ዕርክነትን ደገፍን ከም ዝልግሰሉ: ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ንኽትርጕም ዘቕረቦ ሕቶ ድማ ከም ዝቕበሎ ምሉእ ተስፋ ነበሮ። እቲ ኣቡን እንታይ ኰን ክገብር ኢዩ⁠፧

ንጽገት​—⁠ስለምንታይ⁠፧

ሽሕ’ኳ ቴንድል ወግዓዊ ናይ መላለዪ ደብዳበ እንተ ጸሐፈ: ተንስተል ግን ኣይተቐበሎን። ስለዚ ቴንድል ቃለ⁠-መጠይቕ ከም ዝደሊ ክጽሕፍ ነበሮ። ተንስተል ኣብ መወዳእታ ንቴንድል ክረኽቦ ፍቓደኛ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንጹር እኳ እንተ ዘይተፈልጠ: መልእኽቱ ግን ‘ኣብ ገዛይ ቦታ የሎን’ ዝብል ኢዩ ነይሩ። ተንስተል ደይ መደይ ኢሉ ንቴንድል ዝነጸጎ ስለምንታይ ኢዩ⁠፧

እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እተነጽገ: ኣብ ክፍለ⁠-ዓለም ኤውሮጳ ድማ ብሉተር ዝግበር ዝነበረ ናይ ተሃድሶ ዕዮ: ንካቶሊካዊት ቤተ⁠-ክርስትያን ዓቢ ሻቕሎት ኢዩ ዘስዕበላ ነይሩ። ብ1521: ንጉስ ሄንሪ VIII: ነቲ ጳጳስ ኣንጻር ሉተር ዝከላኸለሉ ሓያል ጽሑፍ ሓተመ። እቲ ጳጳስ ካብ ምስጋና እተላዕለ ንሄንሪ “ናይቲ እምነት ተኸላኻሊ” ዝብል መዓርግ ሸለሞ።a ናይ ሄንሪ ካርዲናል: ዎልሲ እውን ነቶም ብዘይሕጊ ዝኣተዉ ናይ ሉተር መጻሕፍቲ ኣብ ምቅጻል ንጡፍ ኢዩ ነይሩ። ከም ናይ ካቶሊክ ኣቡን መጠን: ነቲ ጳጳስ: ነቲ ንጉስ: ከምኡውን ንካርዲናሉ እሙን ብምዃኑ: ተንስተል ነቲ ዓለወኛ ሉተር ዝድግፍ ዝመስል ዝዀነ ኣተሓሳስባ ክጸቅጥ ግቡኡ ከም ዝዀነ ይስምዖ ነበረ። ቀዳማይ ተጠርጣሪ ድማ ቴንድል ኢዩ ነይሩ። ስለምንታይ⁠፧

ቴንድል: ኣብቲ ምስ ስድራቤት ዎልሽ ዝጸንሓሉ እዋን: ኣንጻር ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ድንቁርናን እምነተ⁠-ድርቅናን ብትብዓት ተዛሪቡ ኢዩ። ሓደ ካብኣቶም ንቴንድል ኣብ ኦክስፎርድ ዝፈልጦ ዝነበረ: ጆን ስቶክስሌ ኢዩ ነይሩ። ንሱ ኣብ መወዳእታ ናይ ሎንዶን ኣቡን ብምዃን ንካትበርት ተንስተል ዝተከኦ ኢዩ።

ቴንድል ምስቶም “ካብ ብዘይ ሕጊ ጳጳስ ብዘይ ሕጊ ኣምላኽ ክንከውን ይሕሸና” ዝበለ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝነበሮ ቀሺ ክፋጠጥ ከሎ እውን ምጽራር ከም ዘጋጠሞ ግሁድ ኢዩ። ብዘይርሳዕ ቃላት: ናይ ቴንድል መልሲ ‘ንጳጳስን ንዅሉ ሕጋጋቱን እቃወሞ ኢየ። ኣምላኽ ንብዙሕ ዓመታት ክነብር እንተ ዘፍቅደለይ ንሓደ ማሕረሻ ዝደፍእ ሃገረሰብ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብዚ ንስኻ እትፈልጦ ዘሎኻ ዝያዳ ከም ዝፈልጥ ምገበርክዎ ነይረ’ ዝብል ኢዩ ነይሩ።

ቴንድል ብናይ ፈጠራ መናፍቕነት ተኸሲሱ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ዎርከስተር ሰበኻ ኣማሓዳሪ ክቐርብ ነበሮ። ቴንድል ጸኒሑ: ልክዕ ከም “ከልቢ” ከም እተራእየ: ወሲኹ ኸኣ: “ኣምሪሩ ኣፈራርሃንን ጸረፈንን” ብምባል ዘከረ። ይኹን እምበር: ንቴንድል ከም መናፍቕ ዘፍርድ ዝዀነ መርትዖ ኣይነበረን። ጸሓፍቲ ታሪኽ: እዚ ዅሉ ነገራት ኣብቲ ውሳኔኡ ጽልዋ ምእንቲ ክገብረሉ ተባሂሉ ብምስጢር ናብ ተንስተል ይመሓላለፍ ከም ዝነበረ ኢዮም ዝኣምኑ።

ኣብ ሎንዶን ዓመት ድሕሪ ምጽናሑ: ቴንድል “ነቲ ሓድሽ ኪዳን ንምትርጓም ዝኸውን ቦታ ኣብ ቤተ⁠-መንግስቲ ጐይታይ ጥራይ ዘይኰነስ . . . ኣብ ምሉእ ዓዲ እንግሊዝ የሎን” ኢሉ ደምደመ። ልክዕ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ብሰንኪ ናይ ሉተር ዕዮ ዝነበረ ናይ ጸቕጢ ሃዋህው: ኣብ ዓዲ እንግሊዝ መጽሓፍ ቅዱስ ብእንግሊዝኛ ክትሓትም እትደፍርስ ኣየነይቲ ቤት ማሕተም ኢያ⁠፧ ስለዚ ብ1524: ቴንድል ነቲ ናይ እንግሊዝ መትረብ ኣቋሪጹ ንሓዋሩ ከደ።

ጕዕዞ ናብ ኤውሮጳን ሓደስቲ ግድላትን

ዊልያም ቴንድል ምስቲ ክቡር መጻሕፍቱ: ኣብ ጀርመን ዕቝባ ረኸበ። ሓደ ኣብ ሎንዶን ዝነበረ ፍሉጥ ነጋዳይ ዓርኩ: ሃምፍረይ ሞንማውዝ: ብሕያውነት ዝሃቦ 10 ፓውንድ ምስኡ ተማልአ። እዚ ህያብ ንቴንድል ኣብቲ እዋን እቲ ነቲ ክትርጕሞ መዲቡ ዝነበረ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ከሕትሞ ዘኽእል ዳርጋ እኹል ገንዘብ ኢዩ ነይሩ። ብድሕሪ እዚ ሞንማውዝ ንቴንድል ብምሕጋዙን ንሉተር ድማ ደጊፍካ ተባሂሉን ተኣሲሩ ነበረ። ተመርሚሩ ኣብቲ ናይ ሎንደን ግምቢ ድማ ምስ ተሓበሰ: ሞንማውዝ ንካርዲናል ዎልሲ ይቕሬታ ክገብረሉ ድሕሪ ምልማኑ ጥራይ ኢዩ እተፈነወ።

ቴንድል ኣብ ውሽጢ ጀርመን ብልክዕ ናበይ ከም ዝኸደ ንጹር ኣይኰነን። ገለ መርትዖታት ናብቲ ዓመት ገይርሉ ክኸውን ዝኽእል ሃምበርግ ይሕብሩ። ንሉተር ረኺብዎ ድዩ⁠፧ ሽሕ’ኳ እቲ ኣንጻር ሞንማውዝ ዝቐረብ ክሲ ረኺብዎ ኢዩ ዝብል እንተዀነ: ርግጽ ግን ኣይኰነን። ሓደ ነገር ግን ርግጽ ኢዩ:⁠-ቴንድል ነቲ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትርጕም ብስራሕ ትሑዝ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ኢደ⁠-ጽሑፉኸ ኣበይ ኢዩ ከሕትሞ ዝኽእል⁠፧ ነዚ ስራሕ እዚ ነቲ ኣብ ኮለን ዝነበረ ፔተር ክቨንተል ሕድሪ ሃቦ።

ጆን ዶበነክ ወይ ኮክላዩስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ተጻራሪ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ክሳዕ ዝፈልጥ ኵሉ ነገር ጽቡቕ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ። ኮክላዩስ ነቲ ዝፈለጦ ነገራት ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ብክቨንተል ዝግበር ዝነበረ ናይ ቴንድል ትርጕም ምሕታም ብቕልጡፍ ከም ዝኽልከል ዝገበረ ናይ ሄንሪ VIII ቀረባ ዓርኪ ኣመሓላለፎ።

ቴንድልን ተሓጋጋዚኡ ዊልያን ሮይን እቲ እተሓትመ ገጻት ናይ ወንጌል ማቴዎስ ምስኣቶም ብምውሳድ: ህይወቶም ከድሕኑ ሃደሙ። ብፈለግ ሪን ብጃልባ ተጓዒዞም ናብቲ ስርሖም ዝወድእሉ ዎርምዝ ከዱ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ: ካብቲ ናይ ቴንድል ናይ ሓድሽ ኪዳን ቀዳማይ ሕታም: 6,000 ቅዳሓት ተሓቲሙ ነበረ።b

ዓወት​—⁠ምጽራር እናሃለወ

ምትርጓምን ምሕታምን ሓደ ነገር ኢዩ ነይሩ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳት ናብ ብሪጣንያ ምእታው ድማ ካልእ ነገር ኢዩ ነይሩ። ናይ ቤተ⁠-ክርስትያን ወከልትን ናይ ከባቢ ሰበ⁠-ስልጣናትን በቲ ናይ እንግሊዝ መትረብ ዝግበር ምጕዕዓዝ ክኽልክሉ ቈሪጾም ኢዮም ነይሮም: ይኹን እምበር እቶም ሕያዎት ነጋዶ ተሰማምዑ። ኣብ ናይ ኣጭርቕትን ካልእ ኣቑሑን ጥቕላላት ተሓቢኡ: እቲ ጥራዛት ናብ ገማግም ዓዲ እንግሊዝን ክሳዕ ስኮትላንድን ጸሊቝ ይኣቱ ነበረ። ቴንድል ተተባቢዑ ኢዩ: ቃልሱ ግን ገና ይጅምር ጥራይ ኢዩ ነይሩ።

ብ11 ለካቲት 1526: ካርዲናል ዎልሲ ብ36 ኣቡናትን ካልኦት ናይ ቤተ⁠-ክርስትያን ሓለፍትን ተሰንዩ: “መጻሕፍቲ ዝሓዘ ዓበይቲ ዘናቢል ናብ ሓዊ ክድርበ ኸሎ ንኽርኢ” ኣብ ሎንዶን ኣብ ጥቓ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ካቴድራል ተኣከበ። ካብ መንጎ እቲ ዝነደደ ገለ ካብቲ ናይ ቴንድል ክቡር ትርጕም ዝሓዘ ቅዳሓት ኢዩ ነይሩ። ካብዚ ናይ መጀመርታ ሕታም ሕጂ ክልተ ቅዳሓት ጥራይ ኢዩ ዘሎ። እታ ሓንቲ ምልእቲ (እቲ ናይ ኣርእስቲ ገጽ ጥራይ ዝጐደላ) ኣብ ናይ ብሪቲሽ ቤተ⁠-መጻሕፍቲ ኣላ። ዘስደምም ድማ: እታ ካልኣይቲ: 71 ገጻት ዝጠፍኣ: ኣብ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ካቴድራል ቤተ⁠-መጻሕፍቲ ተረኽበት። ከመይ ኢላ ኣብኡ ከም ዝመጸት ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፈልጥን ኢዩ።

ቴንድል: ተስፋ ከይቘረጸ ብናይ እንግሊዝ ኣቕሽሽቲ ብሜላ እተሃገሩን እተቓጸሉን: ናይ ትርጕሙ ሓደሽቲ ሕታማት ምሕታም ቀጺሉ ኢዩ። ድሕርዚ ተንስተል ሜላ ቐየረ። ምእንቲ ከንድዶ: ነቲ ሓድሽ ኪዳን ሓዊስካ: ዝዀነ ብቴንድል እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ክዕድግ: ምስ ሓደ ኣውግስቲን ፓኪንተን ዝስሙ ነጋዳይ ተሰማምዐ። ቴንድል ምስ ፓኪንተን ስምምዕ ስለ ዝነበሮ ድማ ከምኡ ክግበር ተመደበ። ናይ ሃለ ክሮኒክል (ዜና መዋእል) ከምዚ ትብል:⁠- “እቲ ኣቡን ነቲ መጻሕፍቲ ይረክብ: ፓኪንተን ድማ ሞሳ ይረክብ: ቴንድል ከኣ ገንዘብ ይረክብ። ድሕርዚ ተወሳኺ ሓድሽ ኪዳን ምስ ተሓትመ: ብብዝሕን ብቕልጡፍን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣተወ።”

እቶም ኣቕሽሽቲ ነቲ ናይ ቴንድል ትርጕም ኣዝዮም ብኽፉእ እተጻረርዎስ ስለምንታይ ኢዮም⁠፧ እቲ ናይ ላቲን ቫልጌት ነቲ ቅዱስ ጽሑፍ ክሽፍኖ ኸሎ: ቴንድል ግን ንመጀመርያ ግዜ ካብቲ በዅሪ ግሪኽ ምትርጓሙ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ብጽሩይ ቋንቋ ናብ ህዝቢ እንግሊዝ ኣመሓላለፈ። ንኣብነት: ነታ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 13: ዘላ ኣ ·ጋʹፐ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ኣብ ክንዲ “ልግሲ” “ፍቕሪ” ኢሉ ክትርጕማ መረጸ። ኣብቲ ናይ ቤተ⁠-ክርስትያን ህንጻ ዘይኰነስ ኣብቶም ኣምለኽቲ ትዅረት ንምግባር ድማ ኣብ ክንዲ “ቤተ⁠-ክርስትያን” “ጉባኤ” ብምባል ብተደጋጋሚ ተዛረበ። ይኹን እምበር: እቲ ቀንዲ ናይ መወዳእታ ረቛሒ: ቴንድል ነቲ “ቐሺ” ዝብል ብ“ሽማግለ” ምስ ተክኦ: ኣብ ክንዲ “በቲ ቐሺ እተመርሐ ነፍስኻ ምሕሳእ” ድማ “ምንሳሕ” ምስ ተጠቕመ: ነቶም ኣቕሽሽቲ ነቲ ናይ ቅሽነት ሓይሎም ዝቕንጥጥ ኰነ። ነዚ ኣመልኪቱ ዳቪድ ዳንየል ከምዚ ይብል:⁠- “መንጽሂ ቦታ ኣብኡ የሎን፣ ኑዛዜ ምስማዕን ብቐሺ እተመርሐ ነፍስኻ ምሕሳእን ድማ የሎን። ናይቲ ቤተ⁠-ክርስትያን ሃብትን ሓይልን ክልተ ደገፍቲ ዓንዮም ኢዮም።” (ዊልያም ቴንድል​—⁠ኤ ባዮግራፊ) እቲ ናይ ቴንድል ትርጕም ዘቕረቦ ብድሆ እዚ ኢዩ ነይሩ: ዘመናዊ ሊቅነት ድማ ነቲ ናይ ቃላቱ ኣመራርጻ ልክዕነት ይድግፎ ኢዩ።

ኣንትወርፕ: ክድዓት: ከምኡውን ሞት

ኣብ መንጎ 1526 ከምኡውን 1528: ቴንድል ናብቲ ኣብ መንጎ እንግሊዛውያን ነጋዶ ዕቝባ ክረኽበሉ ዝኽእል ኣንትወርፕ ተጓዕዘ። ኣብኡ ዀይኑ ድማ: ዘ ፓራብል ኦቭ ዘ ዊክድ ማሞን (ናይቲ እኩይ ሃብቲ ምሳልያዊ ዛንታ): ዘ ኦቢደንስ ኦቭ ዘ ክሪሽቺያን ማን (ናይቲ ክርስትያን ሰብኣይ ተኣዛዝነት): ከምኡውን ፕራክቲስ ኦቭ ፕረለትስ (ናይቲ ጳጳስ ተግባር) ዝብላ መጻሕፍቲ ጸሓፈ። ቴንድል ናይ ትርጕም ስርሑ ቀጺሉ ኢዩ: ኣብ ሓደ ካብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም እተረኽበ ንመጀመርታ ግዜ ስም ኣምላኽ: የሆዋ: እተጠቕመ ድማ ንሱ ኢዩ ነይሩ። እቲ ስም ልዕሊ 20 ግዜ ይርከብ።

ቴንድል ምስቲ ዓርኩን ገባር⁠-ሰናይን ዝነበረ: ቶማስ ፖይንትስ: ኣብ ኣንትወርፕ ክሳዕ ዝጸንሓሉ ግዜ: ካብ ውዲት ዎልሲን ሰለይቱን ደሓን ኢዩ ነይሩ። በቲ ንሕሙማትን ድኻታትን ዝነበሮ ሓልዮት ድማ ፍሉጥ ኰነ። ኣብ መወዳእታ: እንግሊዛዊ ሄንሪ ፊሊፕስ ኣብ ናይ ቴንድል ምስጢር ብጕርሒ ኣተወ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብ1535: ቴንድል ተኸድዐ: ናብቲ ካብ ብራስለስ ንሰሜን 10 ኪ.ሜ. ርሒቑ ዝርከብ ግምቢ ቪልቮርድ ድማ ተወስደ። ኣብኡ ን16 ኣዋርሕ ተኣስረ።

ንፊሊፕስ መን ከም ዝዓሰቦ ብርግጽ ክፍለጥ ኣይከኣልን ኢዩ: ይኹን እምበር: ናይ ጥርጣረ ኣሰራት ናብቲ ኣብ ሎንዶን ኣብቲ ግዜ እቲ “መናፍቓን” ኣብ ምቅጻል ትሑዝ ዝነበረ: ኣቡን ስቶከስሌ ኢዮም ዝሕብሩ። ዳብሊው. ጀይ. ሄተን: ኣብታ ዘ ባይብል ኦቭ ዘ ሪፎርመሽን (ናይቲ ተሃድሶ መጽሓፍ ቅዱስ) እተባህለት መጽሓፍ: ስቶክስሌ ኣብ ጥቅምቲ 1539 ኣብ ዓራት ሞት ዀይኑ “ኣብ ምሉእ ህይወቱ ሓምሳ መናፍቓን ብምቅጻሉ ከም እተሓጐሰ” ይዛረብ። ኣብቲ ቝጽሪ: እቲ ብ1536 ኣካሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቅድሚ ምቅጻሉ እተሓንቀ: ዊልያም ቴንድል እትው ኢዩ።

ኣብታ ንቴንድል ዝመርመረት ኮምሽን: ካብቲ ፊሊፕስ እተዓሰበሉ: ናይ ካቶሊክ ከተማ ሎውቨይን ዩኒቨርሲቲ ዝመጹ ሰለስተ ናይ ስነ⁠-ሃይማኖት ዶክተራት ነይሮም ኢዮም። ካብ ሎውቨይን ዝመጹ ሰለስተ ኣቕሽሽትን ሰለስተ ኣቡናት ምስ ካልኦት ናይ ቤተ⁠-ክርስትያን ሓለፍትን እውን ቴንድል ከም መናፍቕ ክፍረድን ናይ ቅሽነት መዓርጉ ክቕንጠጥን ከሎ ንኽርእዩ ኣብኡ ነይሮም ኢዮም። ኵላቶም ብሞት ናይቲ ዳርጋ 42 ዝዕድሜኡ ሰብ ተሓጕሶም ኢዮም።

ልዕሊ ሚእቲ ዓመታት ይገብር: ጸሓፍ ታሪኽ ህይወት: ሮበርት ዴማዉስ “ቴንድል ኵሉ ግዜ በቲ ተባዕ ቅንዕናኡ ተጠርጣሪ ኢዩ ነይሩ” በለ። ቴንድል ነቲ ኣብ ሎንዶን ብስቶከስሌ እተቓጸለ: ተሓጋጋዚኡ ጆን ፊርዝ: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሉ:⁠- “ካብ ቃል ኣምላኽ ሓንቲ ፊደል እውን ትኹን ኣንጻር ሕልናይ ኣይለወጥኩን: ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ባህታ ይኹን ክብሪ: ወይ ሃብቲ እውን እንተ ዝዋሃበኒ: ካብ ቃል ኣምላኽ ሕጂውን እንተዀነ ኣይምቐየርኩን።”

በዚ ኢዩ እምበኣር: ዊልያም ቴንድል: ንህዝቢ እንግሊዝ እቲ ብቐሊሉ ክርድእዎ ዝኽእሉ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሃብ ህይወቱ ዝኸፈለ። ከመይ ዝበለ ዋጋ ኰን ኢዩ ዝኸፈለ​—⁠ኣየ ኸመይ ዝበለ ብዋጋ ዘይሽነን ህያብ ኰን ኢዩ ዝሃበ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ሽዑ ንሽዑ ፊዲ ዳፌንሶር ዝብል ጽሕፈት ኣብቲ ናይቲ ግዝኣት ገንዘብ ተሓትመ: ሄንሪ ድማ እዚ መዓርግ እዚ ነቶም ዝስዕብዎ ነገስታት ክወሃብ ሓተተ። ሎሚ ኣብ ናይ ብሪጣንያ ገንዘብ ኣብ ዙርያ ናይቲ ልዑል ፊድ.ዴፍ. ወይ ብሓጺሩ ኤፍ.ዲ. ዝብል ጽሕፈት ይርከብ። ዘገርም ግን: “ናይቲ እምነት ተኸላኻሊ” ዝብል ጽሕፈት ኣብቲ ንንጉስ ጀምስ እተገብረ ወፈያ: ኣብ ናይ 1611 ኪንግ ጀምስ ቨርሽን: ብተኸታታሊ ተሓቲሙ ነበረ።

b እዚ ኣሃዝ እዚ ርግጽ ኣይኰነን፣ ገለ ገለ ምንጭታት 3,000 ኢዮም ዝብሉ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን]

ናይ ቅድም ትርጕማት

ቴንድል ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ልሙድ ቋንቋ ናይቲ ህዝቢ ክትርጕሞ ምሕታቱ ዘይምኽንያታዊ ወይ ድማ ብዘይ ቅድመ⁠-ፍጻሜ ኣይነበረን። ኣብ ዓስራይ ክፍለ⁠-ዘበን ናብ ቋንቋ ኣንግሎ⁠-ሳክሶን ተተርጒሙ ነይሩ ኢዩ። ካብ ላቲን እተተርጐመ እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱሳት: ኣብ ዳሕረዋይ መፋርቕ ናይ መበል 15 ክፍለ⁠-ዘበን ኣብ ኤውሮጳ ብናጻ ተዘርጊሑ ነበረ:⁠- ቋንቋ ጀርመን (1466): ጣልያን (1471): ቋንቋ ፈረንሳ (1474): ቋንቋ ቼክ (1475): ዳች (1477): ከምኡውን ካታላን (1478)። ብ1522 ማርቲን ሉተር ብቛንቋ ጀርመን እታ ዝጸሓፋ ሓድሽ ኪዳን ሓተመ። ናይ ቴንድል ሕቶ ዓዲ እንግሊዝከ ስለምንታይ ከምኡ ክትገብር ዘይፍቀደላ ዝብል ኢዩ ነይሩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ:⁠- © The British Library Board; William Tyndale: By kind permission of the Principal, Fellows and Scholars of Hertford College, Oxford

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ