‘ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኢልኩም ኣይትዕየዩ’
ብዳቪድ ላንስትረም እተዘንተወ
ኣነን ኤልዉድ ሓወይን ነቲ ኣብ ናይ ዎችታወር ፋብሪካ ህንጻ ዝርከብ ሓድሽ ምልክት ሕብሪ ንምልካይ: ካብ መሬት 9 ሜትሮ ንላዕሊ ዝኸውን ደይብና ነበርና። እዚ ልዕሊ 40 ዓመታት ዝጸንሐ: “ቃል ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኣንብብ” ዝብል ምልክት: ጌና ኣብኡ ኰይኑ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸንብቡ የተባብዕ ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣሽሓት ሰባት ነቲ ብሩክሊን ብሪጅ ዝበሃል ውሩይ ድንድል ከቋርጹ ኸለዉ ነዚ ምልክት እዚ ይርእይዎ ኢዮም።
ካብቲ ብቘልዓይ ከሎኹ ዝዝከረኒ ነገራት: እቲ ስድራና እትገብሮ ዝነበረት መዓልቲ ሕጽቦ እውን ዘጠቓለለ ኢዩ። ኣደይ ንግሆ ሰዓት 5:00 ቅ.ቀ ካብ ዓራት ትትንስእ ናይቲ ብዙሓት ኣባላት ዝነበርዎ ስድራቤትና ክዳውንቲ ኸኣ ትሓጽብ: ባባ ድማ ንስራሕ ክኸይድ ይዳሎ። ባባ ሰብ ቅድሚ ሚልዮናት ዓመታት ብገለ መገዲ ተመሓይሹ ኢዩ መጺኡ ኢሉ ክካታዕ: ማማ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃስ ሰባት ቀጥታ ብኣምላኽ እተፈጥሩ ኢዮም ብምባል ከተረጋግጽ ከላ ዝነበሮም ርሱን ዝርርብ እውን ዝዝከር ኢዩ።
ጌና ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከሎኹ እውን ከይተረፈ: ኣደይ ሓቂ ከም ዝሓዘት እርዳእ ነይረ ኢየ። ክንድቲ ንባባ ዝነበረኒ ፍቕሪ: ክንድኡ ዝኸውን ድማ እምነቱ ንመጻኢ ተስፋ ከም ዘይህብ ክርዳእ ክኢለ ኢየ። ሓያለ ዓመታት ጸኒሑ ክልተ ደቃ ነቲ ንሳ ኣዝያ እትፈትዎ ዝነበረት መጽሓፍ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ: ሰባት ንኸንብብዎ ዘተባብዕ ምልክት ሕብሪ ከም ዝለኸዩ እንተ ትፈልጥስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ምተሓጐሰት ነይራ!
ታሪኸይ ግን ብተርታ ኣይነገርኩን። ነዚ ኣብ ቤትኤል ናይ ምግልጋል መሰል ብኸመይ ክረኽቦ ከኣልኩ፧ ናብቲ ኸይተወለድኩ ከሎኹ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ዝነበረ ግዜ ማለት ናብ 1906 ክምለስ ከድልየኒ ኢዩ።
ናይ ኣደይ ጽኑዕ ኣብነት
ኣብቲ እዋን እቲ ማማን ባባን ኣብ ኣሪዞና ኣብ ድንኳን ዝቕመጡ ሓደስቲ መርዑት ኢዮም ነይሮም። ሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ: ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዕሉ ዝነበሩ ስም: መጺኡ ንማማ እተን ብቻርለስ ቴዝ ራሰል እተጻሕፋ ስታዲዝ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ (ብእንግሊዝኛ) ዘርእስተን ተኸታተልቲ ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ሃባ። ምሉእ ለይቲ ከተንብብ ሓደረት: እዚ ድማ እቲ ንሳ እትደልዮ ዝነበረት ሓቂ ምዃኑ ተረድአት። ባባ ስራሕ ክደሊ ወጺኡ ስለ ዝነበረ ክሳዕ ዝምለስ ክትጽበዮ ኣይከኣለትን።
ባባ እውን በቲ ኣብያተ-ክርስትያናት ዝምህራኦ ዝነበራ ትምህርትታት ስለ ዘይዓገበ: ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንግዚኡ ተቐበሎ። ይኹን እምበር: ጸኒሑ ብሃይማኖት ዝመጸ ብናይ ገዛእ ርእሱ መገዲ ክመላለስ ጀመረ: አረ ንማማ እውን ከይተረፈ ኣዝዩ ኣሸገራ። እንተዀነ ግን: ማማ ንደቃ ዘድሊ ስጋውን መንፈሳውን ነገራት ካብ ምሕላይ ፈጺማ ኣየቋረጸትን።
ምሉእ መዓልቲ ክትሰርሕ ድፍእ ክትብል ድሕሪ ምውዓላ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ክፍሊ ከተንብበልና ወይ ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ መንፈሳዊ ነገር ከተማቕለና ምሸት ምሸት ናብቲ ታሕተዋይ ደርቢ ክትወርድ ከላ ፈጺመ ኣይርስዖን ኢየ። ባባ እውን ኣብ ስራሕ ህርኩት ኢዩ ነይሩ: ምስ ዓበኹ ድማ ሕብሪ ናይ ምልካይ ሞያ መሃረኒ። እወ: ባባ ምስራሕ ምሂሩኒ: ማማ ግን ከምቲ የሱስ ዝመሃሮ “ንዘይሓልፍ ብልዒ” ክዓዪ ምሂራትኒ።—ዮሃንስ 6:27 ትሓዓ።
ኣብ መወዳእታ ስድራቤትና ካብ ሲትል ንምብራቕ 180 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ኤልንስበርግ ኣብ ግዝኣት ዋሺንግቶን ተቐመጠት። ንሕና እቶም ቈልዑ ዘበልና ምስ ማማ ኴንና ኣብቲ ናይ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣኼባታት ክንእከብ ክንጅምር ከሎና ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ኢና ንእከብ ነይርና። ኣብ ቤተ-ቤት ዝግበር ኣገልግሎት ኣድላዪ ምዃኑ ምስ ተጸቐጠሉ ኵሎም እቶም ሰብኡት መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ኣቋረጹ። ኣደይ ግን ፈጺማ ሰንከልከል ኣይበለትን። እዚ ድማ: ኵሉ ግዜ ኣብ መምርሒታት ማሕበር የሆዋ ክውከል: ነባሪ ዝዀነ ስምዒት ገዲፉለይ ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ ኣቦይን ኣደይን ትሽዓተ ቈልዑ ወለዱ። ኣነ ማለት መበል ሳልሳይ ውላዶም ድማ 1 ጥቅምቲ 1909 ተወለድኩ። ኵሉ ዅልና ሽዱሽተ ቈልዑ ናብ ማማ ኣብነት ብምቕዳሕ ቀናኣት መሰኻኽር የሆዋ ኰንና።
ህይወትካ ምውፋይን ጥምቀትን
ኣብቲ ናይ ኰተቴ ዕድመ ዝውድኣሉ ዝነበርኩ ዓመታት: ህይወተይ ንየሆዋ ወፈኹ: ብ1927 ድማ ንወፈያይ ብማይ ጥምቀት ገይረ ገለጽኩዎ። እቲ ጥምቀት ኣብ ሲትል: ኣብ ሓደ ቅድም ናይ ባፕቲስት ቤተ-ክርስትያን ዝነበረ ኣረጊት ህንጻ ኢዩ ተኻይዱ። ነቲ ኣረጊት ናይ ደወል ርሻን ስለ ዘልገስዎ ተሓጒሰ ኢየ። ናብቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ህንጻ: ናይ ማይ ጋብላ ዝነበሮ ክፍሊ ተዓጂብና ከድና: ኣብኡ ድማ ነዊሕ ጸሊም ክዳውንቲ ክንክደን ተዋህበና። ልክዕ ንቐብሪ ንኸይድ ዘሎና ኢና ንመስል ነይርና።
ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሑ: ኣብ ሲትል ተቐመጥኩ: ኣብኡ ድማ ንመጀመርያ ግዜ ናይ ቤተ-ቤት ምስክርነት ፈተንክዎ። እቲ ዘለማምደኒ ዝነበረ ሰብ ድማ “ንስኻ በዚ ገይርካ ነዚ ብሎክ ዙሮ: ኣነ ድማ በቲ ኻልእ ሸነኽ ክኸይድ ኢየ” ኢሉ ሓበረኒ። ተረቢሸ እኳ እንተ ነበርኩ: ንሓንቲ ኣዝያ ሕያወይቲ ሰበይቲ ክልተ ጥማር ናእሽቱ መጻሕፍቲ ዓደልኩዋ። ናብ ኤልስበርግ ምስ ተመለስኩ ነቲ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ቀጸልኩዎ: ከምዚ ዝበለ ኣገልግሎት ድማ ዳርጋ 70 ዓመታት ጸኒሑ ጌና ክሳዕ ሕጂ ዓቢ ሓጐስ ዘምጽኣለይ ኣገልግሎት ኢዩ።
ኣብቲ ናይ ዓለም ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ምግልጋል
ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ: ሓደ ኣብቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዘገልግል ዝነበረ ሰብ: ኣብቲ ቦታ ብወለንታ ከገልግል ኣተባብዓኒ። እዚ ድሕሪ ምዕላልና ቁሩብ ጸኒሑ: ኣብ ቤትኤል ሓገዝ ከም ዘድሊ ዝሕብር ምልክታ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወጸ። ኣነ ድማ ኣመልከትኩ። 10 መጋቢት 1930 ናብቲ ኣብ ኒው ዮርክ: ብሩክሊን ዝርከብ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ከመልክት ከም ዘሎኒ ዝነግር ደብዳበ ምስ ተቐበልኩ እተሰማዓኒ ሓጐስ ፈጺመ ኣይርስዖን ኢየ። በዚ ኸምዚ ነቲ “ዘይሓልፍ ብልዒ” ምዕያይ ዝምልከት ናይ ምሉእ ግዜ ስርሐይ ጀመርኩ።
ሓደ ሰብ ምናልባት ነቲ ዝነበረኒ ሕብሪ ናይ ምልካይ ተመኵሮ ርእዩ ኣብ ናይ ምልካይ ዕዮ ከም እተመደብኩ ክሓስብ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ክንድኡ: ናይ መጀመርያ ስርሐይ ኣብታ መጻሕፍቲ እትሰፊ መኪና ኣብ ፋብሪካ ምዕያይ ኢዩ ነይሩ። ሽሕ’ኳ ኣዝዩ ዘሰልቹ ስራሕ እንተዀነ: ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ተሓጒሰሉ ኢየ። እታ ካብ ምፍታው እተላዕለ ገዲም መርከብ ውግእ ኢልና እንጽውዓ ዝነበርና ዓባይ ናይ ሮታሪ ሓታሚት: ነቲ ዘፍረየቶ ናእሽቱ መጻሕፍቲ ናብ ልዕሊ እቲ እናዞረ ዘመላልስ ቅናት ብምፍሳስ ናብቲ ንሕና ዝነበርናዮ ታሕተዋይ ክፍሊ ናይቲ ፋብሪካ ይመጽእ ነበረ። ነቲ ናእሽቱ መጻሕፍቲ ካብታ መርከብ ውግእ ትቕብል ምስ ኣበልናዮ ብቕልጡፍ ክንሰፍዮ ብምፍታን ንስሕቕ ነበርና።
ድሕርዚ: ኣብቲ ግራማፎን ዝሰራሕናሉ ክፍሊ ሓዊስካ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ሰሪሐ ኢየ። ነዘን መሳርሒታት እዚኣተን ኣብ ኣፍ ደገ ናይቶም ሰብ ቤት ኴንና እተመልአ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽትታት ንኸነስምዖም ንጥቀመለን ነበርና። ደው እትብል ግራማፎን በቶም ኣብ ክፍልና ዝነበሩ ወለንተኛታት ኢያ ተነዲፋን ተሰሪሓን። እዛ ግራማፎን እዚኣ ኣቐዲሙ እተመልአ መልእኽትታት ንምስማዕ ጥራይ ዘይኰነስ ናእሽቱ ጽሑፋት ምናልባት ድማ እምፖቲቶ መትሓዚ ዝኸውን ፍሉይ ቦታ ነይርዋ ኢዩ። ኣብቲ ብ1940 ኣብ ሚቺጋን: ዴትርዮት እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ንኣጠቓቕማ ናይዛ ሓዳስ መሳርሒት ክገልጽ መሰል ረኺበ ኢየ።
ይኹን እምበር: ውሕሉላት መሳርሒታት ካብ ምድላው ንላዕሊ ንገብር ነይርና ኢና። ኣገዳሲ መንፈሳዊ ምትዕርራያት እውን ንገብር ነይርና ኢና። ንኣብነት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመርፍእ ዝለግብ መስቀልን ዘውድን ዘለዎ ስልማት ይገብሩ ነይሮም ኢዮም። ድሕርዚ ግና የሱስ ኣብ ትኽ ዝበለ ዕንጨይቲ ድኣምበር ኣብ መስቀል ከም ዘይተሰቕለ ተረዳእና። (ግብሪ ሃዋርያት 5:30) ስለዚ ድማ እቲ ስልማታት እቲ ምግባር ተቛረጸ። ነቲ መላገቢታት ካብቲ ስልማታት ኣብ ምፍላይ ክዓዪ መሰል ረኸብኩ። ድሕርዚ እቲ ወርቂ ኣምኪኽካ ተሸጠ።
ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓን ትሑዛት ዝገብር ናይ ስራሕ መደብ እኳ እንተ ነበረና: ቀዳመ ሰንበት ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንዋፈር ነበርና። ሓደ መዓልቲ ካባና 16 ዝዀኑ ሰባት ተታሒዞም ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተኣስሩ። ስለምንታይ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ሃይማኖት ዘበለ ምስ ሓሶት ሃይማኖት ከም ዝቝጸር ኢና ንሓስቦ ነይርና። ስለዚ ኸኣ: በቲ ሓደ ሸነኹ “ሃይማኖት መፈንጠራን መታለልን ኢዩ” በቲ ኻልእ ሸነኹ ድማ “ንኣምላኽን ንክርስቶስ እቲ ንጉስን ኣገልግል” እተጻሕፎ ምልክታት ንሕዝ ነበርና። እዚ ምልክታት እዚ ስለ ዝሓዝና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣተና: ይኹን እምበር ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጠበቓ ዝነበረ: ሃይድን ከቪንተን ብዋሕስ ኣውጽኣና። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንናይ ኣምልኾ ናጽነት ዝምልከት ጕዳያት ጻዕሪ ይካየደሉ ነይሩ ኢዩ: ነቲ ዓወትና ዝምልከት ጸብጻባት ኣብ ቤትኤል ኴንካ ቅድሚ ኵሉ ሰብ ክትሰምዖ ድማ ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ናብቲ ሕብሪ ናይ ምልካይ ሞያይ ተመደብኩ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ናይ ከተማ ኒው ዮርክ ክፍልታት ዝዀነት ስቴተን ኣይላንድ: ዳብሊው. ቢ. ቢ. ኣር. ተባሂሉ ዝጽዋዕ መደበር ራድዮ ነበረና። ናይቲ መደበር ራድዮ ግምብታት ቁመት ልዕሊ 60 ሜትሮ ኢዩ: ሰለስተ ጥማር ስልክታት ድማ ነበሮ። ኣብ ሓንቲ ተስዓ ሴንቲ ሜተር ብዕስራ ሴንቲ ሜተር ዝግፍሓ ጣውላ ኮፍ እብል: ሓደ ተሓጋጋዚ ድማ ንላዕሊ ሰፍ የብለኒ። ኣብዛ ንእሽቶ ኮፍ መበሊት ብምዃን ኣብ ላዕሊ ተሰቒለ ነቲ ጥማር ስልክታትን ነቲ ግምብታትን ሕብሪ ለኸኽዎ። ገሊኣቶም ነቲ ስራሕ እቲ ክትዓዩ ከሎኹም ከይትወድቁ ብዙሕዶ ትጽልዩ ብምባል ይሓቱኒ ነበሩ!
ኣብ ክረምቲ እንዓዮ ዝነበርና ፈጺመ ዘይርስዖ ስራሕ ድማ መሳዅቲ ምሕጻብን ነቲ ኣብ ናይ ፋብሪካ ህንጻታት ዝነበረ ልዳት መሳዅቲ ሕብሪ ምልካይን ኢዩ ነይሩ። ነዚ ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ኢልና ንጽውዖ ነበርና። ነቲ ካብ ዕንጨይቲ እተሰርሐ መሰላል ነገጣጥሞ: በቲ ናይ ኣቑሑ መደያይቦ ገይርና ድማ ኣብቲ ሸሞንተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ንወርድ ንድይብ ነበርና።
ደገፍቲ ዝዀኑ ስድራቤት
ብ1932 ኣቦይ ሞተ: ኣነ ድማ ንማማ ምእንቲ ክሕግዛ ንገዛ ክምለስዶ ብምባል ሓሰብኩ። ስለዚ ሓደ መዓልቲ ኣብታ ናይ ማሕበር ፕረዚደንት ሓው ራዘርፎርድ ኮፍ ዝብለላ ቦታ: ቅድሚ ምሳሕ ሓንቲ ንእሽቶ ወረቐት ጽሒፈ ኣቐመጥኩ። ኣብታ ወረቐት ክዛረቦ ከም ዝደሊ ነገርኩዎ። ሻቕሎተይ ከምኡውን ጌና ኣብ ቤት ዝቕመጡ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዘለዉኒ ምስ ተረድአ “ኣብ ቤትኤል ክትጸንሕ ዕዮ ጐይታ ድማ ክትዓዪ ትደሊ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ።
“ብርግጽ እደሊ ኢየ” ብምባል መለስኩሉ።
ስለዚ ኣደይ ምስቲ ንምጽናሕ ዝገበርኩዎ ውሳነ ትሰማማዕ እንተድኣ ዀይና ጽሒፈ ክሓታ ሓሳብ ኣቕረበለይ። ከምኡ ድማ ገበርኩ: ኣደይ ከኣ ምስቲ ውሳነይ ምሉእ ብምሉእ ከም እትሰማማዕ መልሲ ጸሓፈትለይ። ነቲ ናይ ሓው ራዘርፎርድ ሕያውነትን ምኽርን ብሓቂ ኣመስጊነዮ ኢየ።
ኣብቲ ኣብ ቤትኤል ዝነበርኩሉ ብዙሕ ዓመታት: ልክዕ ከምቲ ኣደይ ንዓይ ዘተባብዓትኒ ንየሆዋ ከገልግልዎ ምእንቲ ከተባብዖም ኢለ ንስድራቤተይ ድማ ብዘይምቍራጽ እጽሕፈሎም ነበርኩ። ኣደይ ኣብ ሓምለ 1937 ሞተት። ንስድራቤትና ኣየ ኸመይ ዝበለት መነቓቕሒት ኰን ኢያ ነይራ! ዓቢ ሓወይ ፓውልን ዓባይ ሓብተይ ኤስተርን ከምኡውን ምንኣሰይ ሓብተይ ሎኢስ ጥራይ ኢዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ። ይኹን እምበር: ፓውል ነቲ ዕዮና ሰናይ ርእይቶ ነይርዎ ኢዩ: ነቲ ናይ መጀመርታ መንግስቲ ኣደራሽና ክንሃንጽ ከሎና እውን መሬት ሂቡና ኢዩ።
ብ1936 ምንኣሰይ ሓብተይ ኢቫ: ፓይነር ወይ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ሰባኺት ኰነት። ልክዕ ኣብታ ዓመት እቲኣ ንራልፍ ቶማስ ተመርዓወት: ብ1939 ድማ ኣብተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት እናገሹ ክበጽሑ ተመደቡ። ጸኒሖም ናብቲ ንዕዮ ናይታ መንግስቲ ክሕግዙ ብምባል ን25 ዓመታት እተቐመጥሉ ሜክሲኮ ኸዱ።
ብ1939 ክልቲአን ኣሓተይ: ኣሊስን ፍራንሰስን እውን ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ጀመራ። ኣሊስ ኣብቲ ብ1941 ኣብ ሰይንት ሉዊስ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ብድሕሪ ባንኮ ዀይና ብዛዕባ እታ ክትስራሕ ሓገዘይ ዘበርከትኩላ ናይ ግራማፎን መሳርሒት መግለጺ ክትህብ ምስ ረኣኹዋ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ሓጐስ እተሰማዓኒ! ኣሊስ ሽሕ’ኳ ብምኽንያት ናይ ስድራቤት ሓላፍነታት ነቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ሓድሓደ ግዜ ተቋርጾ እንተ ነበረት: ኵሉ ዅሉ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ልዕሊ 40 ዓመታት ኣሕሊፋ ኢያ። ፍራንሰስ ድማ ብ1944 ኣብቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተኻፈለት: ከም ሚስዮናዊት ኰይና ኸኣ ኣብ ፖርቶ ሪኮ ኣገልገለት።
ጆኤልን ኤልዉድን: ካብቲ ስድራ እቶም ዝነኣሱ: ኣብ መጀመርታ ናይ 1940’ታት ኣብ ሞንታና ፓይነራት ኰኑ። ጆኤል እሙን ምስክር ኰይኑ ቀጺሉ ኢዩ: ሕጂ ድማ ከም ድያቆን ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ኤልዉድ ከኣ ብ1944 ኣብ ናይ ቤትኤል ዕዮ ሓበረኒ: እዚ ድማ ኣዝዩ ኣሐጐሰኒ። ካብ ቤት ክወጽእ ከለኹ ካብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ዝንእስ ኢዩ ነይሩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ: ነታ ኣብቲ ናይ ፋብሪካ ህንጻ ዝነበረት “ቃል ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኣንብብ” እትብል ምልክት ብሓንሳእ ኴንና ኢና ለኺናያ። እቶም ነታ ምልክት እቲኣ ንብዙሕ ዓመታት ዝረኣዩ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱሶም ከንብቡ ክሳዕ ክንደይ ከም እተተባብዖ ኵሉ ግዜ ኢየ ዝሓስብ።
ኤልዉድ ንኢማ ፍሊት ክሳዕ ዝምርዖ: ክሳዕ 1956 ኣብ ቤትኤል ኣገልገለ። ኤልዉድን ኢማን ንቑሩብ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ: ኬንያ ከምኡውን ኣብ ስጳኛ ብምግልጋል: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንብዙሕ ዓመታት ብሓንሳእ ዓዮም ኢዮም። ኤልዉድ ብ1978 መንሽሮ ሓሚሙ ኣብ ስጳኛ ሞተ። ኢማ ድማ ኣብ ስጳኛ ብምጽናሕ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ትዓዪ ኣላ።
መርዓን ስድራቤትን
ኣብ መስከረም 1953: ኣብታ ዝካፈለላ ዝነበርኩ ጉባኤ ብሩክሊን ሰንተር ፓይነር ንዝነበረት: ኣሊስ ሪቬራ ንኽምርዖ ቤትኤል ሓደግኩዎ። ንኣሊስ ሰማያዊ ተስፋ ከም ዘሎኒ ነገርኩዋ: ይኹን እምበር ጌና ክትምርዓወኒ ትደሊ ነበረት።—ፊልጲ 3:14
ን23 ዓመታት ኣብ ቤትኤል ድሕሪ ምንባር: ኣነን ኣሊስን ኣብቲ ናይ ፓይነር ዕዮ ምእንቲ ክንቅጽል: ከም ሕብሪ ዝለኪ በዓል ሞያ ኴንካ ዓለማዊ ስራሕ ምጅማር ፈጺሙ ሓድሽ ምትዕርራይ ኢዩ ነይሩ። ብምኽንያት ጥዕና ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ከተቋርጾ እኳ እንተ ነበራ: ኣሊስ ኵሉ ግዜ ደጋፊት ኢያ ነይራ። ብ1954 ነቲ ናይ መጀመርያ ውላድና ንጽበ ነበርና። ጆን ወድና እኳ ብደሓን እንተ ተወልደ: እቲ ሕርሲ ግን ጽቡቕ ኣይነበረን። ኣሊስ ኣብ ግዜ ሕርሳ መጥባሕቲ ክትገብር ከላ ብዙሕ ደም ስለ ዝኸዳ ሓካይም ብህይወት ትነብር ኣይመሰሎምን። ሓንሳእ እሞ ትርግታኣ እውን ከይተረፈ ክሰምዕዎ ኣይከኣሉን። እንተዀነ ግን: በታ ለይቲ እቲኣ ደሓን ኰነት በብቁሩብ ድማ ኣጸቢቓ ሓወየት።
ቁሩብ ዓመታት ጸኒሑ: ኣቦ ኣሊስ ምስ ሞተ: ምስ ኣዲኣ ምእንቲ ክንከውን ናብ ሎንግ ኣይላንድ ከድና። መኪና ስለ ዘይነበረትና: ብእግረይ እጐዓዝ ወይ ድማ ኣውቶቡስን ባቡር ገለርያን እጥቀም ነበርኩ። በዚ ኸምዚ ድማ ከም ፓይነር ኴንካ ምግልጋልን ንስድራቤተይ ምድጋፍን ክቕጽል ከኣልኩ። እቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝርከብ ሓጐስ ዝዀነ ዓይነት መስዋእቲ ዝግብኦ ኢዩ። ንሰባት ምሕጋዝ—ከምቲ ምስክር ምእንቲ ክኸውን ተስፋ ዘለዎ ናይ ቤዝቦል ተጻዋታይ ምዃን ዝገደፎ: ናይ ጆ ናታለ ዝኣመሰለ—ሓደ ካብቲ ዝረኸብኩዎ ብዙሕ በረኸታት ኢዩ።
ብ1967 እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝነበረ ኵነታት እናኸፍአ ምስ መጸ: ኣብ ዓደይ: ኤልስበርግ ምእንቲ ክንቅመጥ ንኣሊስን ንጆንን ናብኡ ክወስዶም ወሰንኩ። ሎሚ ነደይ ደቂ ደቃን ንዕኣቶም ድማ ደቆምን ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክካፈሉ ምርኣየይ በረኸት ኢዩ። አረ ገሊኣቶምሲ ኣብ ቤትኤል እውን ከይተረፈ ኢዮም ዘገልግሉ። ጆን ምስ ሰበይቱን ደቁን እውን ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም የገልግልዎ ኣለዉ።
ዘሕዝን ግን: ብ1989 ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ ኣሊስ ብሞት ተፈልየትኒ። ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ትሑዝ ምዃን ነቲ ብሞት ምፍላይ ዘምጽኦ ስምዒት ክጽመሞ ሓጊዙኒ ኢዩ። ኣነን ኣሊስ ሓብተይን ብሓንሳእ ኴንና ሎሚ ነቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ንሕጐሰሉ ኣሎና። እንደገና ብሓንሳእ ኣብ ትሕቲ ሓደ ቤት ምንባርን በቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ድማ ትሑዝ ምዃንን ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ኰን ኢዩ!
ኣብ ጽድያ ናይ 1994: ዳርጋ ድሕሪ 25 ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ንቤትኤል ረኣኽዎ። ነቶም 40 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ምስኣቶም ኰይነ ዝዓዪ ዝነበርኩ ብደርዘናት ዝቝጸሩ ሰባት ምርኣይስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ! ብ1930 ቤትኤል ክኣቱ ከሎኹ ኣብቲ ስድራቤት 250 ሰባት ጥራይ ኢዮም ነይሮም: ሎሚ ግን እቶም ኣብ ብሩክሊን ዘለዉ ስድራ ቤትኤል ቍጽሮም ልዕሊ 3,500 ኢዩ!
ብመንፈሳዊ መግቢ እተናበረ
መብዛሕትኡ ግዜ ንግሆ ብወሰና ወሰን ናይቲ ጥቓ ገዛና ዘሎ ፈለግ ያኪማ ብእግረይ ዘወር እብል። ኣብኡ ዀይነ ነቲ 4,300 ሜትሮ ዝቝመቱ ብበረድ እተሸፈነ ግርማ ዘለዎ ከረን ረይነር ክርእዮ እኽእል ኢየ። እንስሳ ዘገዳም መሊኦም ኢዮም። ሓድሓደ ግዜ ዓጋዘን: ሓደ ግዜ ድማ ውዕላ እውን ከይተረፈ ርእየ ኢየ።
እዚ ህዱእ: ንበይነይ ዝዀነሉ ግዚያት ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ ኣገራሚ ምድላዋት ከም ዘስተንትን ኢዩ ዝገብረኒ። ንየሆዋ ኣምላኽና እሙን ኰይነ ምግልጋል ምእንቲ ክቕጽል ሓይሊ ክህበኒ እጽሊ ኢየ። ዘወር ክብል ከሎኹ ብፍላይ ነታ “ዓቢ ኣምላኽ ፍቓድካ ክንገብር ምሒልና ኢና፣ ብጥበብ ዕዮኻ ክንፍጽም ኢና። ድሕርዚ ድማ ነቲ ፈቃር ልብኻ ኣብ ምሕጓስ ግደ ከም ዘሎና ንፈልጥ” ዝብላ ቃላት ዘለዋኣ “ንልቢ የሆዋ ምሕጓስ” እትበሃል መዝሙር ክዝምር ባህ ኢዩ ዝብለኒ።
ንልቢ የሆዋ ዘሐጕስ ዕዮ ክዓዪ ብምምራጸይ ሕጉስ ኢየ። ነቲ መብጽዓ ተገይሩለይ ዘሎ ሰማያዊ ዓስቢ ክሳዕ ዝቕበል ነዚ ዕዮ እዚ ምዕያይ ምእንቲ ክቕጽል እጽሊ ኢየ። እዚ ጸብጻብ እዚ ንኻልኦት ናብራኦም “ንዘይሓልፍ ብልዒ” ኣብ ምዕያይ ምእንቲ ክጥቀምሉ ከለዓዕሎም ትምኒተይ ኢዩ።—ዮሃንስ 6:27 ትሓዓ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ኤልዉድ ነቲ “ቃል ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኣንብብ” ዝብል ምልክት ሕብሪ እናለኸየ
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ግራንት ሱተርን ጆን ኩርዘን ኣብቲ ብ1940 እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ብዛዕባ እታ ሓዳስ ግራማፎን መግለጺ እናሃቡ
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ብ1944 ኣብ ሓቂ ዝነበርና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኢና ነይርና:- ዳቪድ: ኣሊስ: ጆኤል: ኢቫ: ኤልዉድ: ከምኡውን ፍራንሰስ
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ብህይወት ዘለዉ ብስጋ ኣሕዋት:- ኣሊስ: ኢቫ: ጆኤል: ዳቪድ: ከምኡውን ፍራንሰስ