ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/5 ገጽ 25-29
  • ኣብ ትሕቲ ናይ የሆዋ ፈቃር ኢድ ኴንካ ምግልጋል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ትሕቲ ናይ የሆዋ ፈቃር ኢድ ኴንካ ምግልጋል
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕማም በረኸት ይኸውን
  • ንስክላ ኣምሊጠ
  • መንፈሳዊ ዕቤት
  • ምሓዝን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምእታውን
  • እተፈልየ ዓይነት ፈተና
  • ጥንቃቐ ምዝውታር
  • እምንቲ ብጸይቲ ምርካብ
  • ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት
  • ንልዕሊ 50 ዓመታት እተገብረ ‘ምሕላፍ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “ኣብ ክንዲ ወርቂ: ኣልማዝ ረኸብኩ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንየሆዋ እቲ ዝግብኦ ምሃብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ነቲ ትውክልቲ ዝግበሮ ኣምላኽ ምግልጋል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/5 ገጽ 25-29

ኣብ ትሕቲ ናይ የሆዋ ፈቃር ኢድ ኴንካ ምግልጋል

ብላምፕሮስ ዙምፖስ እተዘንተወ

እቲ ሃብታም ዝነበረ ሓወቦይ ናይቲ ዝነበሮ ሰፊሕ ንብረት ኣካያዲ ስራሕ ክኸውን ዘቕረበለይ ህያብ ተቐቢለ ነቲ ስድራቤተይ ዝነበሮም ናይ ገንዘብ ግድል ክፈትሕዶ ወይስ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ የሆዋ ኣምላኽ ክኸውን ዝብል ኣገዳሲ ዝዀነ ምርጫ ኣጋጠመኒ። ነቲ ኣብ መወዳእታ ዝገበርክዎ ውሳነ ንኽገብር ዝደፋፍኣኒ ረቛሒታት ክገልጸልኩም።

ኣብ ቮሎስ እተባህለት ናይ ግሪኽ ከተማ ብ1919 ኢየ ተወሊደ። ኣቦይ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ክዳን ይሸይጥ ነይሩ: ስለዚ ድማ ስጋዊ ሃብቲ ነይሩና ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብሰንኪ እቲ ኣብ መወዳእታ ናይ 1920ታት ዘጋጠመ ቍጠባዊ ምንቍልቋል ኣቦይ ኣብ ጥፈሻ ኣተወ: ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ዝነበሮ ድኳን ሰኣነ። ነቲ ኣብ ገጽ ኣቦይ ዝርአ ዝነበረ ናይ ተስፋ ምቍራጽ ስምዒት ክርኢ ከሎኹ ድማ ኵሉ ግዜ እጕሂ ነበርኩ።

ንግዚኡ ስድራቤተይ ኣብ ኣዝዩ ናይ ድኽነት ኵነታት ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ነቲ ብመቝነን ዝወሃብ ዝነበረ መግቢ ንምውሳድ መስርዕ ንኽጽበ ኵሉ መዓልቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ሓደ ሰዓት ኣቐዲመ እወጽእ ነበርኩ። ጌና ግን: ድኽነት እኳ እንተነበረና ርጉእ ዝዀነ ህይወት ነስተማቕር ነበርና። ሕልመይ ሓኪም ንምዃን ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን: ኣብ መፋርቕ ናይ ኮተቴ ዕድመ ከሎኹ ስድራቤተይ ካብ ጥሜትfor clarity ምእንቲ ክትድሕን ትምህርቲ ገዲፈ ስራሕ ክጅምር ነበረኒ።

ዳሕራይ ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀርመናውያንን ኢጣልያውያንን ንግሪኽ ሓዝዋ: ብርቱዕ ጥሜት ድማ ነበረ። ፈጺመ ዘይርስዖ ዘሰቅቕ ነገር ድማ ብዙሓት ኣዕሩኽተይን ዝፈልጦም ሰባትን ብሰንኪ ዓጸባ ኣብ መገድታት ክሞቱ ብዙሕ ግዜ ርእየ ኢየ! ሓደ ግዜ ስድራቤትና እቲ ሽዑ ኣብ ግሪኽ መዐንገሊ ዝነበረ መግቢ: ባኒ ከይረኸበት 40 መዓልቲ ገበረት። ምእንቲ ከይንመወት ድማ እቲ ዓቢ ሓወይን ኣነን ኣብቲ ዝቐረበ ዓድታት ኬድና ካብ ፈተውትን ኣዝማድን ድንሽ ኣምጻእና።

ሕማም በረኸት ይኸውን

ኣብ መጀመርያ ናይ 1944 ብረስንን ነድርን መተንፈሲ ጐረሮ ኣጸቢቐ ሓመምኩ። ኣብ ሆስፒታል ሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ገበርኩ ወዲ ሓወቦይ ክልተ ናእሽቱ መጻሕፍቲ ኣምጽኣለይ: “ነዚአን ኣንብበን: ከም እትፈትወን ድማ ርግጸኛ ኢየ” በለኒ። እተን ኣምላኽ መን ኢዩ፧ ከምኡውን ዕቝባ ዝብላ ናእሽቱ መጻሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እተሓትማ ኢየን። ምስ ኣንበብክወን ድማ: ነቲ ትሕዝቶአን ነቶም ምሳይ ዝነበሩ ሕሙማት ኣካፈልክዎም።

ካብ ሆስፒታል ምስ ወጻእኩ ምስ ጉባኤ ቮሎስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሓብር ጀመርኩ። ይኹን እምበር ንሓደ ወርሒ ከም ተመላላሲ ሕሙም ኰይነ ኣብ ገዛ ኢየ ዝውዕል ነይረ: ካብ ሽዱሽተ ክሳዕ ሾሞንተ ሰዓታት ድማ ናይ ቀደም ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ካልኦት ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እተሓትሙ ጽሑፋትን አንብብ ነበርኩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ መንፈሳዊ ዕቤተይ ቅልጡፍ ኢዩ ነይሩ።

ንስክላ ኣምሊጠ

ኣብ መፋርቕ ናይ 1944 ሓደ መዓልቲ ኣብ ቮሎስ ኣብ ሓደ መናፈሻ ቦታ ኣብ መንበር ኮፍ ኢለ ነበርኩ። ብሃንደበት ድማ እቶም ንናይ ጀርመን ሰራዊት ዝሕግዙ ወተሃደራዊ ጕጅለ መጺኦም ነቲ ቦታ ከበብዎ: ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ሓዝዎ። ዳርጋ ክልተ ደርዘን ንኸውን ድማ ናብቲ ኣብ ናይ ትምባኾ መኽዘን ዝርከብ ናይ ጌስታፖ ዋና ቤት ጽሕፈት በቲ ጽርግያ ኣቢልና ብእግርና ተጓዓዝና።

ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ስመይን ስም እቲ ኣብ መናፈሻ ዝዛረቦ ዝነበርኩ ሰብን ክጽዋዕ ሰማዕኩ። ሓደ ናይ ግሪኽ ሰራዊት መኰነን ጸዊዑ ድማ በቶም ወተሃደራት ተዓጂብና ክንሓልፍ ከሎና ሓደ ካብ ኣዝማደይ ከም ዝረኣየና እሞ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃና ድማ ከም ዝነገሮ ተዛረበ። ካብኡ እቲ ግሪኻዊ መኰነን ክንከይድ ከም እንኽእል: ኣጋጣሚ ኰይኑ ካልኣይ ግዜ እንተ ተተሓዝና ድማ ምእንቲ ክንጥቀመላ ኢሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ካርድ ሃበና።

ናይቶም ብናይ ግሪኽ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት እተቐትሉ ክልተ ጀርመናውያን ወተሃደራት ሕነ ተባሂሉ ዳርጋ ዝበዝሑ ካብቶም እተኣስሩ: እቶም ጀርመናውያን ከም ዝቐተልዎም ንጽባሒቱ ሰማዕና። ኣብታ ግዜ እቲኣ ኣብ ርእሲ እቲ ካብ ሞት ምድሓነይ: ክርስትያናዊ ገለልትነት ክሳዕ ክንደይ ዋጋ ከም ዘለዎ እውን ክርዳእ ክኢለ ኢየ።

ኣብ መወዳእታ ናይ 1944 ህይወተይ ንየሆዋ ምውፋየይ ብማይ ጥምቀት ገይረ ኣርኣኹ። ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ክረምቲ ድማ: እቶም መሰኻኽር ምስታ ኣብቲ ጥዕናይ ምሉእ ብምሉእ ክመሓየሸሉ ዝኽእል ኣኽራናት ዝነበረት ጉባኤ ስክሊትሮ ክሓብር መደብ ገበሩ። እቲ ጀርመናውያን ኣብ ግሪኽ ዝነበሮም ምቍጽጻር ምስ ተወድአ ስዒቡ ዝመጸ ሓድሕዳዊ ውግእ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዝዩ ገኒኑ ኢዩ ነይሩ። እታ ኣነ ዝነበርኩላ ዓዲ ድማ ናይቶም ደባይ ተዋጋእቲ ሓይልታት ቀንዲ መደበር ኢያ ነይራ። ናይቲ ከባቢ ቀሽን ሓደ ተንኰለኛ ሰብኣይን ድማ ናይ መንግስቲ ሓይልታት ሰላዪ ከም ዝዀንኩ ገይሮም ከሰሱኒ። በቲ ንገዛእ ርእሱ ናይ ደባይ ተዋጋእቲ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኢሉ ዝሰየመ ኣካል ድማ መርመራ ተገብረለይ።

ኣብቲ እተገብረ ናይ ፍርዲ መጋባእያ መሰል ድማ: እቲ ናይቲ ከባቢ ናይ ደባይ ተዋጋእቲ መራሒ ተረኺቡ ነበረ። ኣብቲ ዓዲ ስለምንታይ ከም እተቐመጥኩን ከም ክርስትያን መጠን ድማ ኣብቲ ዝግበር ሓድሕዳዊ ውግእ ምሉእ ብምሉእ ገለልተኛ ምዃነይ ገሊጸ ምስ ወዳእኩ: እቲ መራሒ ነቶም ካልኦት ኣብኡ ዝነበሩ “ዝዀነ ይኹን ነዚ ሰብ እዚ ዝተንከፎ: ባዕለይ ክተሓሓዞ ኢየ!” በሎም።

ድሕርዚ: ካብ ስጋዊ ጥዕናይ ንላዕሊ ኣብ እምነተይ ደልዲለ ናብ ዓደይ ናብ ቮሎስ ተመለስኩ።

መንፈሳዊ ዕቤት

ድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ናይታ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት ጉባኤ ናይ ሕሳብ ኣገልጋሊ ኰይነ ተመዘዝኩ። ነቲ ብምኽንያት እምነት ምቕያር ዝብል ኣቕሽሽቲ ዘለዓዕልዎ ዝነበሩ ማእሰርቲ ሓዊስካ ሓድሕዳዊ ውግእ ዘስዓቦ ብዙሕ ጸገማት እኳ እንተነበረ: ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምክፋል ንዓይን ንኻልኦት ኣባላት ጉባኤናን ምንጪ ናይ ዓቢ ሓጐስ ይዀነና ነበረ።

ብድሕሪኡ: ኣብ መጀመርያ ናይ 1947: ሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገያሺ ተዓዛቢ በጽሓና። እዚ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ናይ መጀመርያ ምብጻሕ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እታ ኣብ ቮሎስ እናማዕበለት እትኸይድ ዝነበረት ጉባኤና ኣብ ክልተ ተኸፍለት: ናይ ሓንቲ ካብኣተን ድማ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ክኸውን ተመዘዝኩ። ተሓጋገዝቲ ወተሃደራትን ሃገራውያን ማሕበራትን ነቲ ህዝቢ ፍርሒ የእትውሉ ነበሩ። እቶም ኣቕሽሽቲ ድማ ነቲ ኵነታት ተጠቕምሉ። ኮምኒስት ወይ ድማ ናይ ጸጋማይ ክንፊ ደገፍቲ ከም ዝዀንና ናይ ሓሶት ወረ ብምንዛሕ ነቶም ሰበ-ስልጣናት ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀኑ ገበርዎም።

ምሓዝን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምእታውን

ኣብ 1947 ዳርጋ ዓሰርተ ግዜ ዝኣክል ተተሓዝኩ: ሰለስተ ግዜ ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀረብኩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ድማ ገበን ከም ዘይብለይ ተረጋገጸ። ኣብ ጽድያ ናይ 1948 ድማ እምነት ምቕያር ብዝብል ክሲ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ክእሰር ተፈረድኩ። ነዚ ድማ ኣብ ናይ ቮሎስ ቤት ማእሰርቲ ወዳእክዎ። ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ጉባኤና ኣባላት ቍጽሪ ዕጽፊ ኰነ: ኣልባብ ናይቶም ኣሕዋት ድማ ብደስታን ሓጐስን መልአ።

ኣብ ጥቅምቲ 1948: ምስ ሽዱሽተ ካልኦት ኣብ ጉባኤና መሪሕነት ዝነበሮም ሰባት ተኣኪብና ከሎና ሓሙሽተ ፖሊስ ኣብቲ ገዛ ሰቢሮም ብምእታው ብጠበንጃ ኣፈራሪሆም ሓዙና። ስለምንታይ ከም እተተሓዝና ከይነገሩ ናብ መደበር ፖሊስ ወሰዱና: ኣብኡ ኣእትዮም ድማ ቀጥቀጡና። ሓደ ተጓሳጢ ዝነበረ ፖሊስ ድማ ኣብ ገጸይ ኣጕሰጠኒ። ብድሕሪኡ ናብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ደርበዩና።

ድሕርዚ እቲ ኣብቲ ቦታ ስልጣን ዝነበሮ መኰነን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ክመጽእ ጸወዓኒ። ናብኡ ክኣቱ ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈትክዎ ድማ ቀለም ዝሓዘ ጥርሙስ ደርበየለይ: ንዓይ ስሒቱ ኸኣ ኣብቲ መንደቕ ተጋጭዩ ተሰብረ። እዚ ንኸፈራርሃኒ ኢሉ ዝገበሮ ኢዩ ነይሩ። ቍራጽ ወረቐትን ፒሮን ሂቡ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣዘዘኒ:- “ስም ናይ ኵላቶም ኣብ ቮሎስ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽሒፍካ ጽባሕ ንግሆ ነቲ ዝርዝር ናባይ ኣምጽኣዮ። ከምኡ እንተዘይገይርካ ግን እንታይ ይጽበየካ ከም ዘሎ ትፈልጥ ኢኻ!”

ኣይመለስኩሉን: ናብቲ ተኣሲርናሉ ዝነበርና ገዛ ምስ ተመለስኩ ግን እቶም ዝተረፉ ኣሕዋትን ኣነን ናብ የሆዋ ጸሌና። ኣብታ ወረቐት ስመይ ጥራይ ጽሒፈ ድማ ክሳዕ ዝጽወዓኒ ተጸበኹ። እንተዀነ ግን በቲ መኰነን ኣይተጸዋዕኩን። ኣብታ ለይቲ እቲኣ ናይቶም ተቓወምቲ ወተሃደራዊ ሓይልታታ መጺኦም ስለ ዝነበሩ ምስኦም ክዋጋእ ወተሃደራቱ መሪሑ ኸደ። ኣብቲ ዝሰዓበ ግጥም ኣጸቢቑ ስለ እተሃስየ ድማ ሓንቲ ካብ ኣእጋሩ ክትቍረጽ ነበራ። ኣብ መወዳእታ: ጕዳይና ኣብ ቤት ፍርዲ ቀረበ: ዘይሕጋዊ ኣኼባ ገይርኩም ተባሂልና ድማ ተኸሰስና። ሾውዓቴና ኸኣ ሓሙሽተ ዓመት ክንእሰር ተፈረድና።

ኣብቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝግበር ዝነበረ ናይ ሰንበት ቅዳሴ ምክፋል ብምእባየይ ድማ ንበይነይ ክእሰር ተወሰድኩ። ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቲ ድማ ምስቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ ሓላፊ ክዛረብ ሓተትኩ። “ንሓደ ምእንቲ እምነቱ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ፍቓደኛ ዝዀነ ሰብ ክትቀጽዕዎ ትርጉም ዘይብሉ ኢዩ ዝመስል: ብምባል ብትሕትና ሓሳበይ እገልጽ ኣሎኹ” በልክዎ። ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቑ ብምሕሳብ ድማ ኣብ መወዳእታ: “ካብ ጽባሕ ጀሚርካ: ኣብ ቤት ጽሕፈተይ ምሳይ ክትሰርሕ ኢኻ” በለኒ።

ኣብ መወዳእታ: ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ናይ ሓኪም ተሓጋጋዚ ክኸውን ዕዮ ተዋህበኒ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ብዛዕባ ሓለዋ ጥዕና ብዙሕ ነገር ተማሃርኩ: እዚ ኸኣ ኣብቲ ጸኒሑ ዝመጸ ዓመታት ኣጸቢቑ ጠቐመኒ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎኹ: ንኽሰብኽ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ነበረኒ: ሰለስተ ሰባት ድማ ንምስክርነተይ ምላሽ ሃብሉ: በዚ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ።

ዳርጋ ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ጸናሕኩ ኣብ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ብ1952 ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻእኩ። ዳሕራይ ብምኽንያት ናይ ገለልትነት ጕዳይ ኣብ ቅድሚ ናይ ቈረንቶስ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ነበረኒ። (ኢሳይያስ 2:⁠4) ኣብኡ ድማ ንሓጺር ግዜ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ተኣሰርኩ: ካልእ ዙርያ ናይ ማህሰይቲ ድማ ጀመረ። ገለ መኰንናት “ንልብኻ ብኻራ ገይረ ቈራሪጸ ከውጽኣ ኢየ:” ወይ ድማ “ብሹዱሽተ ጥይት ጥራይ ቀልጢፈ ክመውት ኢየ ኢልካ ኣይትሕሰብ” ብምባል ሓድሽ መፈራርሂ ንምምሃዝ ክኢላታት ኢዮም ነይሮም።

እተፈልየ ዓይነት ፈተና

ይኹን እምበር: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንገዛ ተመለስኩ: ናይ ክፍለ-ግዜ ዓለማዊ ስራሕ እናሰራሕኩ ድማ ምስታ ኣብ ቮሎስ ዘላ ጉባኤ እንደገና ኣገልገልኩ። ሓደ መዓልቲ: ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ልምምድ ብምውሳድ ከም ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኰይነ ነተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት ክበጽሕ ካብቲ ኣብ ኣቴንስ ዝነበረ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዓኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ደብዳበ ተቐበልኩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ እቲ ውላድ ዘይነበሮ: ብዙሕ ንብረት ድማ ዝነበሮ ሓወቦይ ንንብረቱ ከካይደሉ ሓተተኒ። ስድራቤተይ ጌና ኣብ ድኽነት ኢዮም ነይሮም: ስለዚ ድማ እዚ ዓይነት ስራሕ እዚ ነቲ ዝነበሮም ቁጠባዊ ጸገም ክፈትሓሎም ይኽእል ነይሩ ኢዩ።

ስለቲ ዝቐረበለይ ህያብ ከመስግኖ: እንተዀነ ግን: ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ፍሉይ ዝዀነ መዝነት ክቕበል ከም ዝወሰንኩ ክነግሮ ናብ ሓወቦይ ከድኩ። ሽዑ ብድድ ኢሉ: ሃዲኡ ጠሚቱኒ ካብቲ ክፍሊ ብሃንደበት ወጸ። ንስድራቤተይ ንገለ ኣዋርሕ ከጻንሖም ዝኽእል ገንዘብ ብልግሲ ሒዙ ድማ ተመልሰ። ከምዚ ድማ በለ:- “ነዚ ውሰዶ: ከም ድላይካ ገይርካ ድማ ተጠቐመሉ።” እቲ ሽዑ ዝነበረኒ ስምዒት ክሳዕ ሕጂ ክገልጾ ኣይክእልን ኢየ። ካብ የሆዋ ‘እቲ ልክዕ ምርጫ ኢኻ መሪጽካ። ኣነ ምሳኻ ኢየ’ ዝብል ድምጺ ዝሰማዕኩ ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዑኒ።

ስድራቤተይ መሪቖም ብምፍናው ድማ ኣብ ታሕሳስ 1953 ንኣቴንስ ከድኩ። ኣደይ ጥራይ እኳ ምስክር እንተዀነት: እቶም ካልኦት ኣባላት ናይ ስድራቤተይ ነቲ ክርስትያናዊ ንጥፈታተይ ኣይተቓወምዎን። ኣብቲ ኣብ ኣቴንስ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምስ ከድኩ ድማ ካልእ ዘገርም ነገር ጸንሓኒ። እቲ ኣቦይ ካብ መንግስቲ ዝረኽቦ ብሓገዝ ዝወሃብ ገንዘብ ንኽረጋገጸሉ ኢሉ ዝገብሮ ዝነበረ ክልተ ዓመት ዝወሰደ ጻዕሪ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ከም እተዓወተ ዝገልጽ ካብ ሓብተይ እተላእከ ቴሌግራም ጸንሓኒ። ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ ኢየ ክሓትት፧ ልክዕ ኣኽናፍ ከም ዘሎኒ ኰይነ ኣብ ናይ የሆዋ ኣገልግሎት ንምዕያይ ክነፍር እተበገስኩ ኰይኑ ተሰምዓኒ!

ጥንቃቐ ምዝውታር

ኣብቲ ናይ መጀመርያ ናይ ወረዳ ዕዮይ ኣዝየ ጥንቁቕ ክኸውን ነበረኒ: ከመይሲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን ሰበ-ስልጣናት ኣጸቢቖም ይህደኑ ኢዮም ነይሮም። ንክርስትያናት ኣሕዋትና: ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ናእሽቱ ከተማታትን ዓድታትን ዝነብሩ ዝነበሩ ንምብጻሕ: ጸልማት ጉልባብ ብምግባር ንብዙሕ ሰዓታት ብእግሪ እጓዓዝ ነበርኩ። እቶም ኣሕዋት: እንተድኣ ተረኺቦም ከም ዝእሰሩ እናፈለጡ ክነሶም ኣብ ሓደ ቤት ተኣኪቦም ብትዕግስቲ ኣነ ክመጾም ይጽበዩ ነበሩ። እቶም ምብጽሓት እቲኣቶም: ምትብባዕ ንምልውዋጥ ኣየ ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ኰን ኢዮም ዘዳለዉልና!​—ሮሜ 1:​11, 12

ምእንቲ ከየለልዩኒ: ሓድሓደ ግዜ ከደናግሮም ዝኽእል ነገራት እጥቀም ነበርኩ። ሓደ ግዜ: ነቶም ኣዝዮም መንፈሳዊ ጕስነት ዘድልዮም ዝነበሩ እተኣከቡ ኣሕዋት ንምብጻሕ: ነቲ ብሎኮ ምእንቲ ክሓልፎ ናይ ጓሳ ክዳን ተኸደንኩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ብ1955 ድማ ኣነን ምሳይ ዝነበረ ሓውን ናይ ፖሊስ ጥርጠራታት ምእንቲ ከነልግስ ሸቃጦ ሽጉርቲ ጻዕዳ መሲልና ሓለፍና። ተዋሂቡና ዝነበረ መዝነት ነቶም ኣብታ ንእሽቶ ከተማ ኣርጋስ ኦሬስቲኮን ዝነበሩ ገለ ዝዛሕተሉ ክርስትያናት ኣሕዋት ንምብጻሕ ኢዩ ነይሩ።

ነቲ ሸቐጥና ድማ ኣብቲ ናይታ ከተማ ዕዳጋ ኬድና ዘርጋሕናዮ። ይኹን እምበር ሓደ ነቲ ቦታ ዝሕሉ ዝነበረ መንእሰይ ፖሊስ ጠርጠረ: ስለዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ብጥቓና ክሓልፍ ከሎ ብዓይኒ ጥርጠራ ቀው ኢሉ ይጥምተና ነበረ። ኣብ መወዳእታ ድማ “ሸያጥ ሽጉርቲ ጻዕዳ ኣይትመስልን ኢኻ” በለኒ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ሰለስተ መንእሰያት ኣንስቲ መጺአን ጻዕዳ ሽጉርቲ ክገዝኣ ከም ዝደለያ ገለጻ። ናብቲ ሒዘዮ ዝነበርኩ ሽጉርቲ ጻዕዳ እናመልከትኩ ድማ “እዚ እትርእይኦ ዘሎኽን መንእሰይ ፖሊስ ከምዚ ዓይነት ሽጉርቲ ጻዕዳ ኢዩ በሊዑ: ክሳዕ ክንደይ ድልዱልን ምልኩዕን ምዃኑ ድማ ርኣያ!” በልኩወን። እተን ኣንስቲ ናብቲ ሰብኣይ ጠሚተን ሰሓቓ። ንሱውን ፍሽኽ ኢሉ ካብቲ ቦታ ኣልገሰ።

ንሱ ምስ ከደ ድማ ነቲ ኣጋጣሚ ናብቲ እቶም መንፈሳውያን ኣሕዋትና ከም ሰፈይቲ ክዳን ኰይኖም ዝዓይሉ ድኳን ንምኻድ ተጠቐምኩሉ። ንሓደ ካብኣቶም ድማ ነታ ካብ ጃኬተይ እተበጠሰት መልጎም ክሰፍየለይ ሓተትክዎ። እናሰፈያ ከሎ ድማ ድንን ኢለ “ንዓኻትኩም ክበጽሓኩም ካብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኢየ መጺአ” ብምባል ብምሕሹዅሻኽ ነገርክዎ። ንዓመታት ዝኣክል ምስ መሰኻኽር ብጾቶም ምንም ርክብ ስለ ዘይነበሮም: ኣብ መጀመርያ እቶም ኣሕዋት ፈርሁ። ክሳዕ ዝከኣለኒ ኣጸቢቐ ኣበራታዕክዎም: ዳሕራይ ኣብቲ ናይታ ከተማ መቓብር ተራኺብና ኣጸቢቕና ንኽንዘራረብ ድማ መደብ ገበርና። ዘሐጕስ ድማ እቲ ምብጻሕ ዘተባብዕ ኢዩ ነይሩ: ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ድማ እንደገና ብቕንኢ ክካፈሉ ጀመሩ።

እምንቲ ብጸይቲ ምርካብ

ናይ መገሻ ዕዮ ምስ ጀመርኩ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት: ብ1956 ምስ ሓንቲ ንዕዮ ስብከት ዓቢ ፍቕሪ ዝነበራ: ከምኡውን ንህይወታ ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኸተሕልፎ ድሌት ዝነበራ ኒኪ እተባህለት መንእሰይ ክርስትያን ሰበይቲ ተራኸብና። ተፋቐርና: ኣብ ሰነ 1957 ድማ ተመርዓና። ኒኪ ኣብ ትሕቲ እቲ ሽዑ ኣብ ግሪኽ ንዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወሪድዎም ዝነበረ ሕማቕ ኵነታት ኰይና ነቲ ናይ መገሻ ዕዮ ዝሓቶ ነገራት ከተማልኦ ትኽእል ድያ ኣይትኽእልን ዝብል ምግራም ነይሩኒ ኢዩ። ብሓገዝ የሆዋ ክኢላቶ: ስለዚ ድማ ኣብ ግሪኽ ንሰብኣያ ኣብ ናይ ወረዳ ዕዮ ዘሰነየት ናይ መጀመርያ ሰበይቲ ኰነት።

ነተን ኣብ ግሪኽ ዝነበራ መብዛሕትአን ጉባኤታት ብምግልጋል ኣብቲ ናይ መገሻ ዕዮ ንዓሰርተ ዓመታት ሓቢርና ጸናሕና። ንሓንቲ ጉባኤ ንኽንበጽሕ: መብዛሕትኡ ግዜ ከደናግር ዝኽእል ክዳውንቲ ብምኽዳን: ከምኡውን ኣብ ኢድና ቦርሳ ብምንጥልጣል ኣብ ትሕቲ ጉልባብ ጸልማት ንብዙሕ ሰዓታት ንጐዓዝ ነበርና። ዋላ እኳ መብዛሕትኡ ግዜ ምጽራር የጋጥመና እንተነበረ: ነቲ ዘደንቕ ዕቤት ናይ መሰኻኽር ብዓይንና ክንርእዮ ኣዚና ሕጉሳት ኢና ነይርና።

ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት

ኣብ ጥሪ 1967 ኒኪን ኣነን ኣብ ቤትኤል: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝጽወዓሉ ስም: ከነገልግል ተጸዋዕና። እቲ ዕድመ ንኽልቴና ኣገሪሙና ኢዩ: ግን ነቲ ኵነታት የሆዋ ይመርሖ ከም ዘሎ እምንቶ ብምግባር ተቐበልናዮ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: ኣብዚ ማእከል ናይ ቲኦክራቲካዊ ንጥፈታት ኰይንካ ምግልጋል ክሳዕ ክንደይ ዓቢ መሰል ምዃኑ ከነማስወሉ ክኢልና ኢና።

ኣብ ቤትኤል ምስ ኣቶና ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ: ወተሃደራዊ ጕጅለ ስልጣን ሓዘ: ስለዚ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብውሽጠ ውሽጢ ዕዮኦም ከካይዱ ነበሮም። ኣብ ናእሽቱ ጕጅለታት ክንእከብ: ኣሰምብሊታትና ኣብ ጫካ ኴንና ክንገብር: ብጥበብ ክንሰብኽ: ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ብምስጢር ክንሓትምን ክንዝርግሕን ጀመርና። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ንጥፈታትና እንፍጽመሉ ዝነበርና ኣገባባት ምሕዳስ ጥራይ ስለ ዝነበረ: ነዚ ኵነታት እዚ ንኽንለምዶ ኣዝዩ ከቢድ ኣይነበረን። ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክነሱ: ቍጽሪ መሰኻኽር ብ1967 ካብ 11,000 ዝውሕድ ዝነበረ: ኣብ 1974 ልዕሊ 17,000 በጽሐ።

ኣብ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ዳርጋ 30 ዓመታት ምስ ኣገልገልና: ኒኪን ኣነን ዋላ እኳ ናይ ጥዕናን ዕቤትን ጸገማት እንተሎና: ጌና ነቲ ዘሎና መንፈሳዊ በረኸታት ነስተማቕር ኣሎና። ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዝኸውን ኣብቲ ኣብ ኣቴንስ ኣብ ጐደና ካርታሊ ዘሎ ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ህንጻ ተቐመጥና። ብ1979 ኣብ ከባቢ ኣቴንስ ኣብ ዘላ ማሩሴ ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንየሆዋ ተወፈየ። ካብ 1991 ካብ ኣቴንስ ብወገን ሰሜን 60 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኤሊዩና ኣብ እተባህለ ከባቢ እኹል ቦታ ዘለዎ ሓድሽ ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት መሳለጥያታት ረኸብና። ኣብዚ: ኣብቲ ናይ ቤትኤል ናይ ሕክምና ክፍሊ ኢየ ዘሎኹ: እቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ ሓኪም ሓጋዚ ኰይነ ክዓዪ ከሎኹ ዝረኸብክዎ ልምምድ ኣዝዩ ጠቓሚ ኰይኑ ተረኽበ።

ኣብዚ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ናይ ምሉእ ኣገልግሎት ዝጸናሕኩሉ ግዜ: ልክዕ ከም ኤርምያስ ነቲ “ኪዋግኡኻ እዮም: ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ: ኣይኪስዕሩኻን እዮም: ይብል እግዚኣብሄር” ዝብል ናይ የሆዋ መብጽዓ ሓቅነቱ ክግንዘቦ ኪኢለ ኢየ። (ኤርምያስ 1:​19) እወ: ኒኪን ኣነን ካብ የሆዋ ዝረኸብናዮ መሊኡ ጀርብብ ዝበለ በረኸታት ኣስተማቒርና ኢና። በቲ ኣኽል-ታርፍ ዝዀነ ፍቕራዊ ሓልዮቱን ዘይግብኣና ሕያውነቱን ብቐጻሊ ኢና እንሕጐስ።

ነቶም ኣብ ማሕበር የሆዋ ዘለዉ መንእሰያት ዝህቦም ምትብባዕ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክተሓሓዝዎ ኢዩ። በዚ መገዲ ነቲ መብጽዕኡ ከም ዝፍጽምን ከም ዘይፍጽምን ንምርግጋጽ ‘መሳዅቲ ሰማይ ከም ዝኸፍት በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ ከም ዘፍስስ’ ዝብል ናይ የሆዋ ዕድመ: ሓቅነቱ ክፍትንዎ ይኽእሉ ኢዮም። (ሚልክያስ 3:​10) ኣቱም መንእሰያት: ካብቲ ባዕለይ ዘሕለፍክዎ ተመኩሮ: ንዅሉኹም ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ እትውከሉ የሆዋ ብርግጽ ከም ዝባርኸኩም ከረጋግጸልኩም እኽእል ኢየ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ላምፕሮስ ዙምፖስን በዓልቲ ቤቱ ኒኪን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ