ብሕጊ ክርስቶስ ምንባር
“ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ: ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ።”—ገላትያ 6:2
1. ሕጊ ክርስቶስ ሎሚ ሰናይ ንምግባር ብርቱዕ ጽልዋ ዝገብር ሓይሊ ኢዩ ክበሃል ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
ኣብ ሩዋንዳ ዘለዉ ሁቱን ቱትሲን ዝዓሌቶም መሰኻኽር: ካብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነታ ሃገር ዘዕለቕለቓ ቀቢላዊ ምትሕርራድ: ሓደ ነቲ ሓደ ንኽከላኸለሉ ህይወቶም ኣጥፊኦም ኢዮም። ኣብ ኮበ: ጃፓን: ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣዕናዊ ዝዀነ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስድራቤቶም ምስ ሞትዎም ጽልምት ኢልዎም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንኻልኦት ግዳያት ንኸድሕኑ ተለዓዒሎም ኢዮም። እወ: ካብ መላእ ዓለም ዝመጽእ ልቢ ዘምውቕ ኣብነታት ሎሚ ሕጊ ክርስቶስ ኣብ ተግባር ይውዕል ከም ዘሎ ዘርእዩ ኢዮም። ሰናይ ንምግባር ብርቱዕ ጽልዋ ዝገብር ሓይሊ ኢዩ።
2. ህዝበ-ክርስትያን ንቑም ነገር ሕጊ ክርስቶስ ዘይተረድኣቶ ብኸመይ ኢያ: ነዚ ሕጊ እዚ ንምፍጻምከ እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧
2 በቲ ሓደ ወገን ድማ: እቲ ብዛዕባ እዚ ጽንኩር ዝዀነ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝዛረብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ይፍጸም ኢዩ ዘሎ። ብዙሓት “መልክዕ ኣምልኾ” ኣለዎም: “ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ” ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 5) ብፍላይ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖት ካብ ልቢ ዘይኰነስ ንመልክዕ ጥራይ ዝግበር ኢዩ። ብሕጊ ክርስቶስ ምንባር ኣዝዩ ከቢድ ስለ ዝዀነ ድዩ ከምኡ ኰይኑ፧ ኣይፋሉን: የሱስ ክንስዕቦ ዘይንኽእል ሕጊ ኣይህበናን ኢዩ፣ ህዝበ-ክርስትያን ንቑም ነገር ናይቲ ሕጊ ስለ ዘይተረድኣቶ ጥራይ ኢዩ። ነቲ “ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ: ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ቃላት ካብ ምቕላብ ሰኒፋ ኢያ። (ገላትያ 6:2) ‘ሕጊ ክርስቶስ እንፍጽም’ ነቶም ፈሪሳውያን ብምምሳልን ብዘይልክዕ ነሕዋትና ጾር ብምውሳኽን ዘይኰነስ: ጾር ሓድሕድና ብምጻር ኢዩ።
3. (ሀ) ኣብ ሕጊ ክርስቶስ ተጠቓሊሎም ዘለዉ ገለ ገለ ትእዛዛት እንታይ ኢዮም፧ (ለ) እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ካብቲ ብቐጥታ ተጠቒሱ ዘሎ ትእዛዝ ክርስቶስ ወጻኢ ስርዓት ክትገብር የብላን ኢልካ ምድምዳም ጌጋ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
3 ሕጊ ክርስቶስ ንዅሉ ናይ የሱስ ክርስቶስ ትእዛዛት: ምስባኽን ምምሃርን: ጽፉፍን ቀሊልን ናብራ ምንባር: ምስ ብጻይና ሰላም ንምግባር ምዕያይ: ወይ ካብ ጉባኤ ርኽሰት ምውጋድ ዘጠቓልል ኢዩ። (ማቴዎስ 5:27-30፣ 18:15-17፣ 28:19, 20፣ ራእይ 2:14-16) ብርግጽ: ክርስትያናት ነቲ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ዝምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ስርዓታት ክሕልዉ ይግደዱ ኢዮም። ካልእ ተወሳኺ እውን ኣሎ። ማሕበር የሆዋን ውልቃውያን ጉባኤታትን ጽቡቕ ዝዀነ ስርዓት ምእንቲ ክህሉ ኣድላዪ መምርሕን ኣገባባትን የውጽኣ ኢየን። (1 ቈረንቶስ 14:33, 40) ምኽንያቱ መዓስ: ኣበይ: ከምኡውን ብኸመይ ከም ዝግበር ስርዓት ዘየሎ እንተድኣ ኰይኑ: ክርስትያናት ብሓባር ክእከቡ እውን ኣይክእሉን ኢዮም! (እብራውያን 10:24, 25) ምስቲ በቶም ኣብታ ማሕበር ኣብ ናይ መሪሕነት ቦታ ዘለዉ ሰባት ዝወሃብ ምኽንያታዊ ዝዀነ መምርሒታት ምትሕብባር እውን ሕጊ ክርስቶስ ምፍጻም ኢዩ።—እብራውያን 13:17
4. ብድሕሪ ንጹህ ኣምልኾ ዘሎ ደራኺ ሓይሊ እንታይ ኢዩ፧
4 ይኹን እምበር: ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣምልኾኦም ትርጕም ዘይብሉ ናይ ሕጊ መዋቕር ክኸውን ኣየፍቅዱን ኢዮም። ገለ ውልቀ-ሰባት ወይ ማሕበር ክገብርዎ ስለ ዝነገርዎም ኣይኰኑን ንየሆዋ ዘገልግልዎ። ኣብ ክንድኡስ: እቲ ብድሕሪ ኣምልኾኦም ዘሎ ደራኺ ሓይሊ ፍቕሪ ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ።” (2 ቈረንቶስ 5:14፣ ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ ንሰዓብቱ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ኣዚዝዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 15:12, 13) ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ መሰረት ሕጊ ክርስቶስ ኢያ: ኣብ ኵሉ ቦታ ማለት ኣብ ስድራቤት ይኹን ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ክርስትያናት ድማ ትድርኾም ወይ ተለዓዕሎም ኢያ። ብኸመይ ከም ዝዀነ ንርአ።
ኣብ ውሽጢ ስድራቤት
5. (ሀ) ወለዲ ኣብ ቤት ሕጊ ክርስቶስ ክፍጽሙ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ቈልዑ ካብ ወለዶም እንታይ ኢዮም ዝደልዩ: ነዚ ድሌት እዚ ንምምላእከ ወለዲ እንታይ ዕንቅፋታት ኢዮም ከሰንፉ ዘለዎም፧
5 ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ: ርእሱ ድማ በጅኣ ዝሃበ: ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ’ ብምባል ጸሓፈ። (ኤፌሶን 5:25) ሓደ ሰብኣይ ንክርስቶስ ብምምሳል ንሰበይቱ ብፍቕርን ምርዳእን ክሕዛ ከሎ: ነቲ ቀንዲ መዳይ ሕጊ ክርስቶስ ኢዩ ዝፍጽም። ብተወሳኺ: የሱስ ንናእሽቱ ቈልዑ ብምሕቋፍ: ኢዱ ኣብ ርእሶም ብምንባርን ብምብራኽን ከም ዝፈትዎም ብግልጺ ኣርእዩ ኢዩ። (ማርቆስ 10:16) ንሕጊ ክርስቶስ ዝፍጽሙ ወለዲ ንደቆም እውን ይፈትዉ ኢዮም። በዚ መዳይ እዚ ናይ የሱስ ኣብነት ምቕዳሕ ብድሆ ኰይኑ ዝረኸብዎ ወለዲ ምህላዎም ሓቂ ኢዩ። ገሊኦም ብተፈጥሮኦም ስምዒቶም ዘይገልጹ ኢዮም። ወለዲ: እዚ ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባታት ንደቅኹም ፍቕርኹም ካብ ምርኣይ ክዓግተኩም ኣይተፍቅድሉ! ንደቅኹም ከም እተፍቅርዎም ንስኹም ጥራይ ክትፈልጡ ኣኻሊ ኣይኰነን። ንሳቶም እውን ከም እተፍቅርዎም ክፈልጡ ኣለዎም። ነቲ ዘለኩም ፍቕሪ ከተርእይዎም መገዲ እንተ ዘይረኺብኩም: ከም እተፍቅርዎም ክፈልጡ ኣይክእሉን ኢዮም።—ምስ ማርቆስ 1:11 ኣረኣእዮ።
6. (ሀ) ውሉዳት ናይ ወለዲ መምርሒ የድልዮም ድዩ: ከምኡ ኢልካ እትምልስ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) ቈልዑ ብዛዕባ ናይ ገዛ ሕጊ ክርድእዎ ዘድልዮም ኣድላዩ ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ሐ) እታ ቤት ብሕጊ ክርስቶስ ምስ እትመላለስ እንታይ ሓደጋታት ኢዩ ዝውገድ፧
6 በቲ ሓደ ወገን ድማ: ቈልዑ መምርሒ የድልዮም ኢዩ: እዚ ወለዲ ስርዓታት ከውጽኡ: ሓድሓደ ግዜውን ብመቕጻዕቲ ከተግብርዎ የድልዮም ማለት ኢዩ። (እብራውያን 12:7, 9, 11) ከምዚ ይኹን እምበር: እቲ ሕግታት ዘድለየሉ ምኽንያት ወለዶም ስለ ዘፍቅርዎም ምዃኑ ንኽርድኡ ብቐጻሊ ክሕገዙ ኣለዎም። ንወለዶም ክእዘዙ ቀንዲ ምኽንያት ዝዀኖም ድማ ፍቕሪ ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም። (ኤፌሶን 6:1፣ ቈሎሴ 3:20፣ 1 ዮሃንስ 5:3) ናይ መስተውዓልቲ ወለዲ ዕላማ: ኣብ መወዳእታ ባዕሎም ጽቡቕ ውሳነ ኽገብሩ ምእንቲ ክኽእሉ ‘ናይ ምስትውዓል ክእለቶም’ ንኽጥቀምሉ ንደቆም ምምሃር ኢዩ። (ሮሜ 12:1 ትሓዓ: ምስ 1 ቈረንቶስ 13:11 ኣረኣእዮ።) በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ: ሕግታት ኣዝዩ ብዙሕ ወይ እቲ መቕጻዕቲ ሃሳዪ ክኸውን የብሉን። ጳውሎስ “ኣቱም ኣቦታት: ሕሊናኦም ከይዐርብ: ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም” ይብል። (ቈሎሴ 3:21፣ ኤፌሶን 6:4) እታ ስድራቤት ብሕጊ ክርስቶስ ምስ እትመላለስ: ቀይዲ ብዘይብሉ ሕርቃን ዝወሃብ መቕጻዕቲ ወይ ጐዳኢ ሽምጠጣ ክህሉ ቦታ ኣይህብን ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቤት ቈልዑ ጾር ዝኸበዶምን እተሃስዩን ዘይኰነስ ዕቝባ ይስምዖም ከምኡውን ይህነጹ ኢዮም።—ምስ መዝሙር 36:7 ኣረኣእዮ።
7. ብዛዕባ ኣብ ገዛ ስርዓት ምውጻእ ዝምልከት ናይ ቤትኤል ኣባይቲ ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢየን ኣብነት ዝዀና፧
7 ነተን ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዋ ናይ ቤትኤል ኣባይቲ ዝበጽሑ ገለ ሰባት: ንስርዓታት ስድራቤት ዝምልከት ሚዛናዊ ኣብ ምዃን ኣብነታት ምዃነን ይዛረቡ ኢዮም። ዋላ እኳ በጽሕታት ሰባት ዘለዎ እንተዀነ: ከምዚ ዝበለ ትካላት ልክዕ ከም ስድራቤት ኢዩ ዝዓዪ።a ናይ ቤትኤል ዕዮታት እተሓላለኸ ኢዩ: ስለዚ ድማ ብዝሕ ዝበለ መምርሒታት—ብርግጽ ካብቲ ንሓንቲ ስድራቤት ዘድልያ ዝበዝሕ ስርዓታት የድልዮ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቶም ኣብ ናይ ቤትኤል ኣባይቲ: ኣብያተ ጽሕፈት: ከምኡውን ኣብ ናይ ፋብሪካ ዕዮታት መሪሕነት ዝወስዱ ሽማግለታት ሕጊ ክርስቶስ ኣብ ተግባር ከውዕሉ ኢዮም ዝጽዕሩ። መዝነቶም ነቲ ዕዮ ንምምሕዳር ጥራይ ዘይኰነስ: መንፈሳዊ ዕቤትን ኣብ መንጎ እቶም መተዓይይቶም ድማ “ሓጐስ እግዚኣብሄር” ከም ዝህሉ ንምግባርን ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። (ነህምያ 8:10) ስለዚ ድማ: ንነገራት ብኣወንታውን ዘተባብዕን መገዲ ክፍጽምዎም: ከምኡውን ምኽንያታውያን ንኽዀኑ ኢዮም ዝጽዕሩ። (ኤፌሶን 4:31, 32) ስድራ ቤትኤል በቲ ሕጕስ መንፈሶም ፍሉጣት እንተዀኑ ዘገርም ኣይኰነን!
ኣብ ጉባኤ
8. (ሀ) ኵሉ ግዜ: ኣብታ ጉባኤ ዕላማና እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧ (ለ) ገሊኦም ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዮም ሕጊ ዝሓተቱ ወይ ክሓቱ ዝፈተኑ፧
8 ኣብ ጉባኤ እውን ብተመሳሳሊ ንሓድሕድና ብናይ ፍቕሪ መንፈስ ክንተሃናነጽ ኢዩ ዕላማና። (1 ተሰሎምቄ 5:11) ስለዚ ኵሎም ክርስትያናት ብሕታዊ ምርጫታት ንዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ብምውሳኽ ንኻልኦት ጾር ከየኽብዱሎም ክጥንቀቑ ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ ገሊኦም ብዛዕባ ፍሉይ ዓይነት ፊልምታት: መጻሕፍቲ: አረ ጸወታታት እውን ከይተረፈ ዘሎ ኣረኣእያ እንታይ ምዃኑ ንምውሳን ሕግታት ደልዮም ናብ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ይጽሕፉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ማሕበር ከምዚ ዝበለ ነገራት ክትምርምር ከምኡውን ብዛዕብኡ ክትፈርድ ስልጣን የብላን። ኣብ ዝበዝሕ ጕዳያት: እዚ ነገራት እዚ እቲ ውልቀ-ሰብ ወይ ርእሲ ስድራቤት ኣብቲ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ፍቕሪ ተመርኲሱ ክገብሮ ዘለዎ ውሳነ ኢዩ። ካልኦት ድማ ማሕበር ዝሃበቶ ርእይቶታትን መምርሒታትን ናብ ስርዓት ክልውጥዎ ፈቲኖም ኢዮም። ንኣብነት ኣብ ናይ 15 መጋቢት 1996 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ: ሽማግለታት ነቶም ናይ ጉባኤ ኣባላት ስርዓታዊ ዝዀነ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ክገብሩሎም ዘተባብዕ ጽቡቕ ዓንቀጽ ወጺኡ ነበረ። እቲ ዕላማ ግን ስርዓት ንምውጻእ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን: ስርዓት ንምውጻእ ኣይነበረን። ሽሕ’ኳ እቶም ነቲ ርእይቶ ክስዕብዎ ዝኸኣሉ ሽማግለታት ብዙሕ ረብሓታት ዝረኽቡ እንተዀኑ: ገለ ሽማግለታት ግን ከምኡ ክገብሩ ኣይከኣሉን። ብተመሳሳሊ ናይ 1 ሚያዝያ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብቲ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዝብል ዓንቀጽ: ነቲ ናይ ጥምቀት ኣጋጣሚ ዶብ ብምጥሓስ ማለት ዘይግቱእ ድግስ ወይ በዓላት ዝኣመሰለ ነገራት ብምግባር ነቲ ዘለዎ ክብሪ ከየናእስዎ ኣጠንቂቓ ነይራ ኢያ። ገሊኣቶም ግን ነዚ ብሱል ምኽሪ እዚ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዘተባብዕ ፖስት ካርድ ምስዳድ ዝኣመሰለ ነገራት ምግባር ጌጋ ኢዩ ብምባል ካብቲ ደረቱ ከም ዝሓልፍ: አረ ስርዓት እውን ከይተረፈ ገይሮምዎ ኢዮም!
9. ኣብ ንሓድሕድና ኣዚና ነቐፍትን ፈረድትን ምዃን ከነወግድ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
9 እቲ “ምሉእ ሕጊ . . . ሓርነት” ኣብ መንጎና ክሰፍን እንተድኣ ኰይኑ ናይ ኵሎም ክርስትያናት ሕልና ሓደ ዓይነት ከም ዘይኰነ ክንቅበሎ ከም ዘሎና እውን ሕሰበሉ። (ያእቆብ 1:25) ሰባት ንቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ዘይጥሕስ ውልቃዊ ምርጫታት ምስ ዝገብሩ: ክንሓርቕ ይግብኣናዶ፧ ኣይፋልናን: ክንሓርቕ ኣይግብኣናን ኢዩ። ከምኡ እንተድኣ ገይርና ምክፍፋል ዘምጽእ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 1:10) ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስትያን ብጻይና ፍርዲ ከይንህብ ከጠንቅቕ ከሎ ከምዚ በለ:- “ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ: ደው ኪብል እዩ።” (ሮሜ 14:4) ብሕልና ውልቀ-ሰባት ክውሰን ብዛዕባ ዘለዎ ነገራት ኣብ ነሓድሕድና ንፈራረድ እንተድኣ ኴንና ንኣምላኽ ከነጕህዮ ኢና።—ያእቆብ 4:10-12
10. ነታ ጉባኤ ክዕዘቡ ተመዚዞም ዘለዉ መን ኢዮም: ብኸመይከ ኢና ክንድግፎም ዘሎና፧
10 ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ ክሕልዉ ከም እተመዘዙ እውን ንዘክር። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ንኽሕግዙ ኢዮም ኣብቲ ቦታ እቲ ዘለዉ። ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝዀኑ ከምኡውን ምስቲ ኣብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጽእ ጽሑፋት ሌላ ስለ ዘለዎም ምኽሪ ደሊና ናብኦም ምቕራብ ክንፈርህ የብልናን። ሽማግለታት ንቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ናብ ምጥሓስ ዝመርሕ ጠባይ ምስ ዝርእዩ ብዘይፍርሂ እቲ ዘድሊ ምኽሪ ይህቡ ኢዮም። (ገላትያ 6:1) ናይ ጉባኤ ኣባላት ምስ እዞም ኣብ ማእከሎም ኰይኖም መሪሕነት ዝወስዱ ፍቑራት ጓሶት ብምትሕብባር ንሕጊ ክርስቶስ ይስዕቡ።—እብራውያን 13:7
ሽማግለታት ንሕጊ ክርስቶስ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ
11. ሽማግለታት ኣብታ ጉባኤ ንሕጊ ክርስቶስ ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ ብኸመይ ኢዮም፧
11 ሽማግለታት ኣብታ ጉባኤ ሕጊ ክርስቶስ ክፍጽሙ ህንጡያት ኢዮም። ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ መሪሕነት ይወስዱ: ኣብ ልቢ ሰባት ምእንቲ ክበጽሑ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህሩ: ከምኡውን ከም ፈቃራትን ለባማትን ጓሶት መጠን “ነተን እተጨነቓ ነፍሳት” የጸናንዕወን። (1 ተሰሎንቄ 5:14: ትሓዓ ) ነቲ ኣብ ብዙሓት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖታት ዘሎ ዘይክርስትያናዊ ኣረኣእያታት የልግስዎ ኢዮም። ሓቂ ኢዩ: እዛ ዓለም እዚኣ ኣዝያ እናተበላሸወት ኢያ ትኸይድ ዘላ: ስለዚ ድማ ሽማግለታት ከም ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ መጓሰ ይጭነቑ ይዀኑ፣ እንተዀነ ግን ኣብ ከምዚ ዝበለ ነገራት ስጕምቲ ክወስዱ ከለዉ ሚዛን ይሕልዉ ኢዮም።—2 ቈረንቶስ 11:28
12. ሓደ ክርስትያን ሓገዝ ደልዩ ናብ ሽማግለ ምስ ዝቐርብ: እቲ ሽማግለ ብኸመይ ክምልስ ይኽእል፧
12 ንኣብነት: ሓደ ክርስትያን ንሓደ ሽማግለ ብዛዕባ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ብቐጥታ ዘየለ ሓሳባት ወይ ንእተፈላለየ ናይ ክርስትያን ስርዓታት ምምዝዛን ዝደሊ ኣገዳሲ ሕቶ ከማኽሮ ይደሊ ይኸውን። ምናልባት: ብዙሕ ደሞዝ ዝርከቦ ግን ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክም ናይ ስራሕ ዕብየት ረኺቡ ይኸውን። ወይ ሓደ ዘይኣማኒ ኣቦ ንሓደ መንእሰይ ክርስትያን ነገልግሎቱ ዝትንክፍ ነገራት ክገብር ክሓቶ ይኸእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት እቲ ሽማግለ ብሕታዊ ርእይቶ ካብ ምሃብ ይቑጠብ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ: መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺሉ ነቲ ኵነታት ዝሰማማዕ ጥቕስታት እቲ ውልቀ-ሰብ ክሓስበሉ ይሕግዞ። ዝርከብ እንተድኣ ኰይኑ: እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ካልእ ጽሑፋት እንታይ ከም ዝበለ ንምርኣይ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ጽሑፋት መሐበሪ ይጥቀም ይኸውን። (ማቴዎስ 24:45 ትሓዓ ) ብድሕርዚ እቲ ክርስትያን: ነቲ ሽማግለ ጽቡቕ መሲሉ ዘይረኣዮ ውሳነ እንተ ገበረኸ፧ እቲ ውሳነ ብቐጥታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ወይ ሕግታት ዘይጥሕስ እንተድኣ ኰይኑ: እቲ ሽማግለ ‘ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ከም ዝጸውር’ ብምፍላጥ ነቲ ከም ውልቀ-ሰብ መጠን ከምዚ ዝበለ ውሳነ ክገብር ዘለዎ መሰል ከም ዘኽበረሉ እቲ ክርስቲያን ክግንዘብ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ክርስትያን “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ” ምዃኑ ክዝክር ኣለዎ።—ገላትያ 6:5, 7
13. ንሕቶታት ቀጥታዊ መልሲ ወይ ናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶታት ኣብ ክንዲ ዝህቡ: ሽማግለታት ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ኵነታት ባዕሎም ከም ዝሓስቡ ገይሮም ክሕግዝዎም ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧
13 እቲ ተመክሮ ዘለዎ ሽማግለ ከምዚ ዝገብር ስለምንታይ ኢዩ፧ እንተ ወሓደ ክልተ ምኽንያታት ኣለዎ። ቀዳማይ: ጳውሎስ ንሓንቲ ጉባኤ “ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን” ኢሉዋ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 1:24) እቲ ሽማግለ ንሓዉ ክሕግዞ: ብቕዱሳት ጽሑፋት ከም ዝመራመር ከምኡውን ኣብ ፍልጠት እተመርኰሰ ብሕታዊ ውሳነ ከም ዝውስን ክገብሮ ከሎ ናይ ጳውሎስ ኣረኣእያ ኢዩ ዝቐድሕ ዘሎ። ልክዕ ከምቲ የሱስ ስልጣኑ ደረት ከም ዝነበሮ ኣፍልጦ ዝሃበ: ነቲ ስልጣኑ ደረት ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ይህበሉ ኢዩ። (ሉቃስ 12:13, 14፣ ይሁዳ 9) በቲ ሓደ ወገን ድማ: ሽማግለታት ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ሓጋዚ: አረ ቀጥታዊ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ንምሃብ ቅሩባት ኢዮም። ካልኣይ: ነቲ ብጻዩ ክርስትያን የለማምዶ ኢዩ ዘሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ” በለ። (እብራውያን 5:14) ስለዚ ናብ ብስለት ንኽንበጽሕ: ኵሉ ግዜ ካልእ ሰብ መልሲ ክህበና ክንጽበ ዘይኰነስ ናይ ገዛእ ርእስና ናይ ምስትውዓል ክእለት ክንጥቀም ኣሎና። እቲ ሽማግለ ነቲ ብጻዩ ክርስትያን ብቕዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ክመራመር ከም ዝኽእል ብምርኣይ ናብ ዕቤት ክበጽሕ ይሕግዞ።
14. ብሱላት ክርስትያናት ኣብ የሆዋ ከም ዝውከሉ ከርእዩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
14 የሆዋ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ናይቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቱ ልቢ ከም ዝትንክፎ እምነት ክንገብር ንኽእል ኢና። ስለዚ ድማ: ብሱላት ክርስትያናት ከምቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ብምምሕጻን ኣብ ልቢ ኣሕዋቶም ክበጽሑ ኢዮም ዝፍትኑ። (2 ቈረንቶስ 8:8፣ 10:1፣ ፊልሞን 8, 9) ጳውሎስ ብግቡእ ንኽመላለስ ዝርዝር ሕግታት ዘድልዮ ነቲ ሓጥእ ድኣምበር ንጻድቕ ከም ዘይኰነ ፈሊጡ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:9) ኣብ ኣሕዋቱ እምነት ከምዘለዎ ድኣምበር: ጥርጠራ ወይ ዘይምእማን ከምዝነበሮ ኣይገለጸን። ንሓንቲ ጉባኤ “ብዛዕባኻትኩም ኣብ ጐይታ እምነት አላትና” ኢሉ ጸሓፈላ። (2 ተሰሎንቄ 3:4) እቲ ጳውሎስ ዝነበሮ እምነት: ትውክልቲ: ከምኡውን እምንቶ ነቶም ክርስትያናት ንምልዕዓል ብርግጽ ብዙሕ ሓጊዙ ኢዩ። ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታትን ገየሽቲ ተዓዘብትን እውን ተመሳሳሊ ዕላማ ኢዩ ዘለዎም። እዞም እሙናት ሰብኡት እዚኣቶም ነተን መጓስ ኣምላኽ ብፍቕራዊ መገዲ ክጓስይወን ከለዉስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ መንፈስካ ዘሐድሱ ኰን ኢዮም!—ኢሳይያስ 32:1, 2፣ 1 ጴጥሮስ 5:1-3
ብሕጊ ክርስቶስ ምንባር
15. ኣብቲ ምስ ኣሕዋትና ዘሎና ርክብ: ሕጊ ክርስቶስ ንፍጽም ምህላውናን ዘይምህላውናን ንምፍላጥ ንገዛእ ርእስና ክንሓታ እንኽእል ገለ ገለ ሕቶታት እንታይ ኢዩ፧
15 ኵላትና ብሕጊ ክርስቶስ ንነብር ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ነማዕብል ምህላውናን ዘይምህላውናን ንገዛእ ርእስና ስርዓታውያን ኴንና ክንምርምር ይግብኣና። (2 ቈረንቶስ 13:5) ብሓቂ ኵላትና ‘ሃናጺ ድየ ወይስ ነቓፊ፧ ሚዛናዊ ድየ ወይስ ካብ መጠን ዝሓለፍኩ፧ ንኻልኦት ሓልዮት የርኢ ድየ ወይስ ናይ ገዛእ ርእሰይ መሰል ጥራይ ኢየ ዝፈልጥ፧’ ኢልና ብምሕታት ረብሓ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ዘይተጠቕሰ ጕዳያት: ንሓው እዚ ግበር እዚ ድማ ኣይትግበር ኢሉ ክውስነሉ ኣይፍትንን ኢዩ።—ሮሜ 12:1፣ 1 ቈረንቶስ 4:6
16. ነቲ ኣገዳሲ መዳይ ናይ ሕጊ ክርስቶስ ንምፍጻም: ነቶም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኣሉታዊ ኣረኣእያታት ዘለዎም ሰባት ብኸመይ ክንሕግዞም ምኸኣልና፧
16 ኣብዚ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ ንሓድሕድና ክንተባብዓሉ እንኽእል መገዲ ክንደሊ ኣገዳሲ ኢዩ። (እብራውያን 10:24, 25፣ ምስ ማቴዎስ 7:1-5 ኣረኣእዮ።) ነሕዋትናን ኣሓትናን ክንርኢ ከሎና ካብቲ ድኽመታቶም እቲ ሰናይ ባህርያቶም ዝያዳ ትርጕም ዘለዎዶ ኸይኰነ፧ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንየሆዋ ክቡር ኢዩ። ዘሕዝን ግን: ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እውን ከይተረፈ ከምዚ ዝስምዖም ኵላቶም ኣይኰኑን። ብዙሓት ናይ ገዛእ ርእሶም ጌጋታትን ዘይፍጽምናን ጥራይ ንምርኣይ ዝዘዝዉ ኢዮም። ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባትን ካልኦትን ኣብ ጉባኤ ምምጽኦምን ዝገብርዎ ኣገዳሲ ኣስተዋጽኦን ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢርና ከም እንርእዮ ንኽፈልጡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ንሓደ ወይ ክልተ ሰባት ከነዘራርቦም ክንፍትን ንኽእልዶ፧ ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ጾሮም ከነፍኵሰሎም: ብእኡ ኣቢልና ድማ ሕጊ ክርስቶስ ክንፍጽም ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ!—ገላትያ 6:2
ሕጊ ክርስቶስ ይዓዪ ኢዩ ዘሎ!
17. ብኸመይ ዝበለ እተፈላለየ መገድታት ኢኻ ሕጊ ክርስቶስ ኣብ ጉባኤኻ ክዓዪ እትርእዮ፧
17 ሕጊ ክርስቶስ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይዓዪ ኢዩ ዘሎ። ኵሉ መዓልቲ ማለት ብጾትና መሰኻኽር ብምህንጣይ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ከካፍልዎም ከለዉ: ንሓድሕዶም ክጸናንዑን ክተባብዑን ከለዉ: ኣዝዩ ከቢድ ግድላት እናሃለወ ክነሱ ንየሆዋ ከገልግሉ ክጽዕሩ ከለዉ: ወለዲ ንደቆም ንየሆዋ ብሕጕስ ልቢ ከም ዘገልግልዎ ገይሮም ከዕብይዎም ክጽዕሩ ከለዉ: ተዓዘብቲ እቲ መጓሰ ንየሆዋ ንዘለኣለም ምእንቲ ከገልግሎ ኣብ ማእከሉ ሃልሃል ዝብል ቅንኢ ክህልዎ ብምልዕዓል ብፍቕርን ብውዕዉዕ ስምዒትን ቃል ኣምላኽ ክምህሩ ከለዉ ይርአ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ 1 ተሰሎንቄ 5:11, 14) ንሕና ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ንሕጊ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ምስ እነውዕሎ: ልቢ የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝሕጐስ! (ምሳሌ 23:15) ኵሎም እቶም ነቲ ፍጹም ሕጉ ዘፍቅሩ ሰባት ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዩ ዝደልዮም። ኣብታ መጻኢት ገነት ደቅሰብ ፍጹማት ዝዀኑሉ ግዜ: ኣፍረስቲ ሕጊ ዘይህልዉሉ ግዜ: ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ናይ ልብና ዝንባለ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዝዀነሉ ግዜ ክንርኢ ኢና። ብሕጊ ክርስቶስ ምንባር ክሳዕ ክንደይ ግርማ ዘለዎ ዓስቢ ዘምጽእ ኰን ኢዩ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ከምዚ ዝበለ ኣባይቲ ከም ናይ ህዝበ-ክርስትያን ገዳማት ኣይኰነን። “ኣበ-ገዳማት” ወይ “ኣቦታት” የለዉን። (ማቴዎስ 23:9) ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ኣኽብሮት ይወሃቦም ኢዩ: እቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ግን ከም ኵሎም ካልኦት ሽማግለታት ብሓደ ዓይነት ስርዓት ኢዩ ዝምራሕ።
እንታይ ምበልካ፧
◻ ህዝበ-ክርስትያን ንቑም ነገር ሕጊ ክርስቶስ ዘይተረድኣቶ ስለምንታይ ኢያ፧
◻ ንሕጊ ክርስቶስ ኣብ ስድራቤት ከም ዝሰርሕ ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
◻ ንሕጊ ክርስቶስ ኣብታ ጉባኤ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንታይ ኢና ከነወግድ ዝግብኣና: እንታይከ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
◻ ሽማግለታት ኣብቲ ምስታ ጉባኤ ዘለዎም ርክብ ሕጊ ክርስቶስ ክፍጽሙ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ውሉድካ ዝዓበየ ድሌት ፍቕሪ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
እዞም ፍቑራት ሽማግለታትና ኣየ ክሳዕ ክንደይ መንፈስ ዘሐድሱ ኰን ኢዮም!